ኣብርሃለይ ተስፋጌርግስ ሃብተ ኣብ ጣልያን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ስደተኛ ኢዩ። ብ1990 ዝተወልደ ኮይኑ፡ ወዲ 4 ዓመት ከሎ ኣብኡ መይትዎ። ሓደ ዓመት ስዒቡ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ፡ ብመኽንያት ነትጒ ፈንጂ ብርሃን ኣዒንቱ ስኢኑ። ብድሕሪ’ዚ ኣዲኡ ብጥዕናዊ ጸገማት ስለዝተረመሰት ምስ ዓባዩ ክዓቢ ተገዲዱ። ማለት፡ ትሻዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዕጹው ቤት ትምህርቲ ከሕልፎ ከሎ፡ ዝተረፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ምስ ዓባዩ የሕልፎ ነይሩ።
ንዝረኸቦ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብግቡእ ኣብ ማዓላ ስለዘውዓሎ፡ ካብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲ ቀይሕ ብስነሕብረተሰብን ማሕበራዊ ስራሕን ብዓቢ ጸብለልታ ተመሪቑ። ከም ኪኢላ ማሕበራዊ ስራሕ ኣብ ሚኒስትሪ ዒዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣገልጊሉ። ክሳብ’ታ ብመኽንያት እምነቱ ዘጋጠሞ ስግኣት ካብ ኤርትራ ክሃድመላ ዝተገደደላ እዋን’ውን ዘይቅዩድ ጸሓፊ ኮይኑ ምስ ናይ ኢንግሊዘኛ ጋዜጣ ኤርትራ ፕሮፋይል ሰሪሑ።
ብሱዳን ተጓዒዙ ኣብ ኢቲዮጵያ ንዝተወሰነ ዓመታት ስደተኛ ኮይኑ ድሕሪ ምቕማጡ፡ ናይ ምስግጋር ዕድል ስለዝረኸበ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ጣልያን ሰጊሩ። ኣብተን ኣብ ኢቲዮጵያ ዘሕለፈን ዓመታት፡ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ምንፋግ ናይ ምስራሕ መሰላት ብምብዳህ ሰነድ ዘይብሉ ሓጋዚ መኮነን ርክባት (assistant communication officer)፡ ሓጋዚ ምርምር (research assistant) ከምኡ’ውን ተንታኒ ምርምር (research analyst) ኮይኑ ሰሪሑ። ብተወሳኺ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብኣዚዩ ልዑል ጸብለልታ ናይ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ኣህጉራውያን ዝምድናታትን ዲግሪ ተቐቢሉ።
ኣብርሃለይ ተስፋጌርግስ ብመኽንያት እቲ ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዘስተማቕሮ ዘሎ ውሕስነትን ሰላምን ብዙሕ ዕጋበትን ምስጋናን እንዳተሰመዖ፡ ኣብ ምምሕያሽ ኩነታት ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ንዝረኸባ ነፍሲወከፍ ዕድልን ጸጋን ኣብ መዓላ ንምውዓል ይጽዕር ኣሎ።
ምስዓብ ይከኣል ኢዩ: