ባህግና፡ ክዉንታዊ ሓበሬታ፡ ነቐፌታዊ ወ ሃናጺ ትንታኔ ከምኡውን ዘምህሩ ትሕዝቶታት ብምቕራብ፡ ኣብ ምሕዳስን ምዝማንን ትምህርታውያን፡ ቁጠባውያን ከምኡውን መንግስታውያን ስርዓታት ኢቲዮ-ኤሪትራ ምብርካት ኢዩ። ዝተፈልዩ ሸቶታት ኤሪዮጲያ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥

  • ኣብ ኢቲዮ-ኤሪትራውያን ልምድታት መጽናዕትን ግብራዊ ምርምርን ኣብ ምስራጽ ኣስተዋጽኦ ምግባር፤
  • ኢቲዮ-ኤሪትራውያን ናይ ተፈጥሮኣዊ፡ ኣምራዊ ወ ማሕበራዊ ስነፍልጠታት ዝምባሌታት፡ ክእለታት ከምኡውን ፍትወታት ከጥርዩ ምትብባዕ፤
  • ኢቲዮ-ኤሪትራውያን ንዝውንንዎ ስነፍልጠታዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወ ኢደግብራዊ ጥበባት ኣብ ዝርከብዎ ከባብን ዓዳዊ ሕብረተሰብን ኣብ መዓላ ከውዕልዎ ምብርታዕ፤
  • ኣብ ኢቲዮ-ኤሪትራ ኣእምሮኣውን ስነፍልጠታውን ባህሊ ኣብ ምምዕባል ኣበርክቶ ምግባር፤ ከምኡውን
  • ንኢቲዮ-ኤሪትራውያን ዝያዳ ኣፍልጦ ብዛዕባ ሕብረተሰቦም፡ ታሪኾም ከምኡ’ውን ተፈጥሮ ምድሮም ዘስንቑ ማሃርቲ ትሕዝቶታት ምቕራብ።