ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ንኹሉ ፍጥረት፡ ማለት ሂወታውያንን ዘይሂወታውያንን፡ ዝርከብሉ ከባቢ ከምኡ፣ውን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክባት የጽንዕ። ሜላዊ ምርመራ ዝዀነ ዓይነት ፍጥረታዊ ነገርን ትንፋስ ዘለዎ ዘበለን ከኣ የካይድ። ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ኣቦ ኩላቶም ዓውድታት ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኢዩ። ኣብ ስም እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዘላ “ታሪኽ” እትብል ቃል፡ ንሕሉፍ ተመልክት ኣይኰነትን። ኣብክንድኡ “ምምርማር” ወይ “መጽናዕቲ” ኢያ እተመልክት። ስለዚ ከኣ ኢዩ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ “መጽናዕቲ-ተፈጥሮ” ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ።1 2 3 4
ደቅሰብ ንተፈጥሮ ከጽንዑ ናይ ግድን ኢዩ። ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ሱራት ኣትክልትን መግቢ ሰብ ስለዝዀኑ፡ ኩላቶም ሕብረተሰባት ንጐዳእትን መረዝትን ፍርያት ኣትክልቲ ካብ ቀደውትን ኣዐንገልትን ውጺኢታት ኣትክልቲ ፈልዮም ከለልዩ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ፡ ኩሉ ሰብ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ እንስሳታት ክፈልጦም ከምኡ፣ውን ነቶም ተማሓዘውትን ኣርባሕትን እንስሳታት ካብ ዘጥቅዑን ዝባልዑን እንስሳታት ፈልዩ ከለልዮም ይግደድ። መባእታዊ ህላዌ ደቅሰብ ምልምማድ ምስ ተፈጥሮኣዊ ኣከባብን ዝሓቘፎም ነገራትን ዝጠልብ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ስልጣኔ ደቅሰብ ውጽኢት መጽናዕቲ ተፈጥሮ ኢዩ። ከመይ፡ ስነፍልጠታዊ ርኽበታትን ስነሞያዊ ምህዞታትን ኣብ ርድኢት ኣሰራርሓ ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ሓይልታትን ዝምርኰስ ኢዩ።5 6 7 8
ስለዝዀነ፡ ኣብ ኩሎም መድረኻት ታሪኽ መጽናዕትታት ተፈጥሮ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ይጐንፈና። ጥንታውያን ሕብረተሰባት ንተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ከም ጠቓሚ፡ ማሃርን ኣዘናጋዕን ክርእይዎ ከለዉ፡ ናይ፣ዚ ዘመን ኣህዛብ ከኣ ምንጪ ተግባራውን ክልሰሓሳባውን ፍልጠት ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ምኹስኳስ እዚ መበቈል ዓውደትምህርታት ስነፍልጠት ቀጺለሞ ይርከቡ። ንጥንታውያን ኢቲዮጲያውያን፡ ኣብ ምስጢራት ተፈጥሮ ዝነበሮም ዕዙዝ ኣኽብሮት ንፍጥረታት ሰማይ ከጽንዑ ገይርዎም። ንኮዋኽብትን ዘወርትታትን ነቲ ኣለዎም ኢሎም ዝኣመንዎ ባህርያት ዝገልጽ ኣስማት ስለዝሃብዎም ከኣ ፈለማ ዓውዲ ስርዓተኮኾብ ዘበገሱ ንሳቶም ኢዮም።9 ብዘይካ፣ዚ፡ ንተፈጥሮ ዝነበሮም ፍቕሪ፡ ኣገደስቲ ኣበርክቶታት ኣብ ሕርሻ፡10 ስነህንጻ11 ከምኡ፣ውን ስነጥበብ ጽሕፈት12 ክገብሩ ኣኽኢልዎም። ጥንታውያን ኢቲዮጲያውያን ዘጥረይዎ ፍልጠትን ክእለታትን ድሒሩ ብመንገዲ ሩባ ኒል ኣቢሉ ናብ ጥንታውያን ግብጻውያን ተመሓላሊፉ።13
ኣብ ኣሻሓት ዓመታት ዘመነ ብልጽግናኦም፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ መጽናዕቲ ዘርኣይዎ ህርኩትና፡ ንጥንታውያን ግብጻውያን እቶም ዝለዓሉ ስልጣኔ ናይ ግዚኦም ክዀኑ ገይርዎም። ከም ውጽኢቱ፡ ሰፊሕ ስነፍልጠታዊ ሓድጊ ገዲፎም ሓሊፎም። ጥንታውያን ግብጻውያን ኣብ ዓውድታት ሕክምና፡ ስነቐመም፡ ስነህንጻ፡ ህንደሳ፡ ሕርሻ ከምኡ፣ውን ስርዓተኮኾብ መሪሕ ተራ ከምዝተጻወቱ ዝተፈልጠ ኢዩ።14 ብተመሳሳሊ፡ ንባቢሎናውያን ኣብ መጽናዕቲ-ተፈጥሮ ዝነበሮም ትግሃት፡ መሰረታዊ ርኽበታት ኣብ ዓውድታት ቁጽሪ፡ ስነነገር15 ከምኡ፣ውን ስርዓተኮኾብ ከመዝግቡ ኣኽኢልዎም።16 ገለ ካብ ፍረታት ዕይኦም ንምጥቃስ፣ ዓቐነስሉስ17 ኣማዕቢሎም፡ ናይ መጀመርታ ካርታታት ኣዳልዮም፡ ከምኡ፣ውን ክሳብ ሎሚ እንጥቀመሎም ዘለና ሜላታት መዐቀኒ ግዜ ምሂዞም።18 ኣሶራውያን፡ ካልዳውያን፡ ህንዳውያን፡ ቻይናውያን፡ ካልኦት ጥንታውያን ምብራቓውያን ኣህዛብ እንተዀኑ’ውን፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ብዝነበሮም ተገዳስነት፡ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ክትጠቕሶ ዘይክኣል፡ ነናቶም ኣበርክቶታት ንስነፍልጠትን ስልጣኔ ደቅሰብን ገይሮም።
ካብ ምርመራ ተፈጥሮ፡ ንጡፍ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዘዘናግዕን ዘደስትን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንከላይ ዝምህርን ዝጠቅምን ነገራት ከምዝረክብ ርግጽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንንጉስ ሰለሙን እግዚኣብሄር ብዙሕ ጥበብ፡ ምስትውዓልን ልቦናን ከምዝሃቦ ይሕብረና። ዝተቐበሎ ጥበብ፡ ፍልጠት ተፈጥሮ ዘካተተ ስለዝነበረ ከኣ፥ “ብዛዕባ ኣእዋም ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕቲ ኣብ መንደቕ ዝበቁል ስምዕዛ ገሊጹ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን፡ ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛሪቡ።”19 ኣቦ ታሪኽ ዝዀነ ሄሮዶቶስ ብወገኑ፡ ኣብ ዘመኑ ግሪኻውያን ድሮ ትዕድልቲ ተፈጥሮ ምስትምቓር ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይነግረና።20 ንመጽናዕትታት ተፈጥሮ ካልዳውያን፡ ኣሶራውያን፡ ባቢሎናውያን ከምኡ፣ውን ግብጻውያን ብምስዓብ፡ ካብ ቀደምቲ ምብራቓውያን ኣህዛብ ምብቋል ኣብ መዓላ ንምውዓሎም ብዙሕ መጽናዕቲ ዝጠለቡ ኣታኽልቲ ተማሂሮም።21
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ናይ ፈለማ ወድዓዊ መጽናዕቲ-ተፈጥሮ ናይ ኣሪስቶትል22 ምርምር እንስሳታትን ኣትክልትን ከምዝዀነ ይግለጽ።23 ኣሪስቶትል ክውንነታት ፍጥረት ዓለም ክፍትሽ ብማለት፡ “ተፈጥሮኣዊ ፍልስፍና” ኢሉ ዝሰመዮ ጨንፈር ፍልስፍና ኣቚሙ።24 ዝጀመሮ ሓድሽ ዓውደትምህርቲ፡ ሎሚ ከም ጉዳያት ስነነገር፡ ስነቐመም፡ ስነተኽሊ፡ ስነእንስሳን ካልኦት ስነፍልጠታት ተፈጥሮን እንቘጽሮም ዘጠቓለለ ነይሩ። “ተፈጥሮኣዊ ፍልስፍና” ዝብል ሓረግ ኣብክንዲ “ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት” ዝብል ኣሰማምያ ክሳብ ናይ 16 ዘመን ስነፍልጠታዊ ለውጢ ኣብ ጠቕሚ ውዒሉ። ይኹን እምበር፡ “ስነፍልጠተኛ” ዝብል ቃል ክሳብ 18 ዘመን ገና ኣይተመስርሐን ነይሩ።25
ኣብ መጽሓፍቲ “ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ” ዝብል ሓረግ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መዓላ ዝወዓለ፡ ኣብ ብሽማግለ ጵሊኒዮስ26 ዝተዳለወ፡ “Historia Naturalis” (ታሪኽ ተፈጥሮ) ዘርእስቱ፡ ዓውደሰረታዊ ስራሕ ነይሩ።27 ሽማግለ ጵሊኒዮስ ንዝረኸቦ ትርፊ ግዜ ኣብ መጽናዕቲ፡ ጽሕፈት ወይ ብኣካል ተጓዒዙ ተፈጥሮኣውን ጽንዓተምድራውን ነገራት ብምምርማር የሕልፎ ነይሩ። ከም ውጽኢት ጻዕርታቱ ከኣ ነቲ “Naturalis Historia” ዘርእስቱ ዓቢ መዝገበፍልጠታዊ መጽሓፉ ኣዳልዩ። ኣብነታዊ መርኣያ ንኹሉ ብድሕሪኡ ዝተሰናድኡ ታሪኻት ተፈጥሮን መዝገበፍልጠታትን ድማ ኰይኑ። ብመንጽር ስፍሓት ዝተዳህሰሱ ኣርእስትታት፡ ኣድላይነት ምጥቃስ ምንጪ ሓበሬታ ዝዀኑ ጸሓፍቲ ከምኡ፣ውን ሓፈሻዊ መመልከቲ ዝርዝር ትሕዝቶታት። መጽሓፍ “Naturalis Historia” ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ክሳብ ሎሚ ብምልኣት ዘለዉ ንጽል ኣእምሮኣውያን ስርሓት ሃጸይነት ሮማ ኰይኑ፡ ኣብ’ቶም ዝበለጹ ጵሊኒዮስ ክረኽቦም ዝኸኣለ መወከሲታት ምርኩስ ብምግባር፡ ንብምልኡ ጥንታዊ ዓውድታት ፍልጠት ክሽፍን ዝፍትን ኢዩ። ምስ ዓውደትምህርታት ስነተኽሊ፡ ስነእንስሳ፡ ስርዓተኮኾብ፡ ስነምድሪ፡ ስነማዕድን፡ ጽንዓተምድሪ፡ ወዘተ ዝተኣሳሰሩ ትሕዝቶታት ዝሓዘ ድማ ኢዩ።
መወከሲ ነጥብታት
- Anderson, Kevin M. (2016) The Study of Nature: Natural History and the Creation of Nature. Austin Water-Center for Environmental Research. Retrieved from https://www.austintexas.gov/sites/default/files/files/Water/CER/the_study_of_nature_march_2016.pdf ↩︎
- Parker, Amber (2007) Natural History and Naturalist Skills. Clemson University. Retrieved from https://www.clemson.edu/extension/mn/advanced_training/interpretation/natural_history_naturalist_skills.pdf ↩︎
- Hartley, Camille. What is Natural History? Norris Center for Natural History. Retrieved from https://norriscenter.ucsc.edu/resources/environmental-education/images/what-is-natural-history-by-camille-hartley_.pdf ↩︎
- Hartley, Camille. Teaching Natural History. Norris Center for Natural History. Retrieved from https://norriscenter.ucsc.edu/resources/environmental-education/images/teaching-natural-history-by-camille-hartley.pdf ↩︎
- Buffon, comte de Georges Louis Leclerc (1797) Buffon’s Natural History. Volume I. Translated and edited by James Smith Barr. Digitally printed by gutenberg.org 2014. H. D. Symonds: London. ↩︎
- Lubbock, John (1892) The Beauties of Nature, and the Wonders of the World We Live In. Digitally printed by gutenberg.org 2009. Macmillan and Co.: New York. ↩︎
- Haeckel, Ernst (1880) The History of Creation: The Development of the Earth and its Inhabitants by the Action of Natural Causes. Volume I. Translated by L. Dora Schmitz from the German into English. Edited by E. Ray Lankester. Digitally printed by gutenberg.org 2012. D. Appleton and Company: New York. ↩︎
- Duncan, P. Martin (1882) Heroes of Science – Botanists, Zoologists, and Geologists. E. & J. B. Young and Co.: New York. ↩︎
- Belay Tessema, Solomon (2015) Journey of Ethiopia Astronomy. IAU General Assembly, Meeting #29, id.2252310. Provided by the SAO/NASA Astrophysics Data System. Retrieved from https://ui.adsabs.harvard.edu/abs/2015IAUGA..2252310B/abstract ↩︎
- Vavilov, N. I., & Dorofeev, V. F. (1992). Origin and geography of cultivated plants. Cambridge University Press: Cambridge. ↩︎
- Russell, Michael (1833) Nubia and Abyssinia: Comprehending their Civil History, Antiquities, Arts, Religion, Literature, and Natural History. Oliver and Boyd: Edinburgh. ↩︎
- Houston, Drusilla Dunjee (1985) Wonderful Ethiopians of the ancient Cushite empire. Book I. Black Classic Press: Baltimore. ↩︎
- Russell (1833). ↩︎
- Elhalfawy, Nancy (2016) Why has Egypt produced so many great scientists? British Council. Retrieved from https://www.britishcouncil.org/voices-magazine/why-has-egypt-produced-so-many-great-scientists ↩︎
- ስነነገር፡ ንነገራት፡ ጸዓት ከምኡ’ውን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክባት ዘጽንዕ ዓውዲ ስነፍልጠት ኢዩ። ↩︎
- Jarus, Owen (2022) Ancient Babylon, the iconic Mesopotamian city that survived for 2,000 years. Live Science. Retrieved from https://www.livescience.com/ancient-babylon-mesopotamia-civilization ↩︎
- ዓቐነስሉስ፡ ንስሉስ-ኩርናዓትን ስሉስ-ኩርናዓዊ ሕሳባትን ዘጽንዕ ክፋል ቁጽሪ ኢዩ። ↩︎
- Adhikari, Saugat (2022) Top 12 Inventions and Discoveries of Ancient Babylonia. Ancient History Lists. Retrieved from https://www.ancienthistorylists.com/mesopotamia-history/inventions-ancient-babylonia/
↩︎ - 1ይ መጽሓፍ ነገስታት፡ 4:31። ↩︎
- Rawlinson, George (1862) History of Herodotus: a new English version. 2nd edition. John Murray: London. ↩︎
- Duncan, P. Martin (1882) Heroes of Science – Botanists, Zoologists, and Geologists. E. & J. B. Young and Co.: New York. ↩︎
- ኣሪስቶትል፡ ካብ 384 ክሳብ 322 ቅድሚ ልደተክርስቶስ ዝነበረ ግሪኻዊ ፍላስፋ ኰይኑ፡ ከም ኣቦ ስነፍልጠተኛታት ኢዩ ዝቑጸር። ↩︎
- Anderson (2016); Parker (2007). ↩︎
- Althoff, Jochen, ‘Aristotle, the Inventor of Natural Science’, in Paul T. Keyser, and John Scarborough (eds), Oxford Handbook of Science and Medicine in the Classical World, Oxford Handbooks (2018; online edn, Oxford Academic, 10 July 2018), https://doi.org/10.1093/oxfordhb/9780199734146.013.13, accessed 28 Mar. 2024. ↩︎
- Anderson (2016); Parker (2007). ↩︎
- እዚ “ሽማግለ ጵሊኒዮስ” ተባሂሉ ዝያዳ ዝፍለጥ ካብ 23 ክሳብ 79 ድሕሪ ልደተክርስቶስ ብሂወት ዝነበረ ሮማዊ ጸሓፊ፡ ሊቕ ተፈጥሮ፡ ፈላስፋን ወተሃደራዊ ኣዛዝን፡ ምሉእ ስሙ ጋዩስ ጵሊኒዩስ ሴቀንዱስ ኢዩ። ↩︎
- Pliny the Elder (1855) The Natural History of Pliny. Translated into English by John Bostock and Henry T. Riley. Taylor and Francis: London. ↩︎