ምስ ሳልሳዊ መሬት ዝምደቡ፡ እሳታዊ መበቆል ዘለዎም ኣኻውሕ ሓርፊፋያት፡ ጽኑዓያት፡ ኣርሓእምንታት፡ ዕንዲዳያት፡ ሉዝያውያን፡ ወዘተ፡ ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ኩሎም እዞም ኣኻውሕ ናብ ክልተ ጉጅለታት ክኽፈሉ ይኽእሉ ኢዮም፥ ሓርፊፋያት ከምኡ፣ውን ጽኑዓያት።
ድሕሪ ምፍጣር ሳልሳዊ መሬታት፡ ምትውሻሕ ሓርፊፋያትን ጽኑዓያትን ንትርኢተኣቃውማ ምድረሓበሻ1 ኣዕርዩ ቀይርዎ ኢዩ። ብሓፈሻ እዞም ኣኻውሕ ክብቦ ኩርባታት ወይ ሞጥማጥሞጉኣት ኣብ ልዕሊ ከበሳታትን እምባታትን የቑሙ። እዞም ኣኻውሕ ብብዝሒ ኣብ ኣውራጃታት ትግራይ፡2 ሽረን ሰሜንን3 ይራኣዩ። ነቶም ዝበረኹ ነቑጣታት ምድረሓበሻ ከኣ ይፈጥሩ።
ሓርፊፋያት
ሓርፊፋያት ብባህሪኦም ብዛረታያት ዝቘሙ ወሓደ በዝሐ ሓቒቓውያን ኣኻውሕ ኢዮም። ምስ ሓርፊፋያት ኩላቶም ተመሳሳሊ ንቡር ትሕዝቶ ዘለዎምን ሓደ ዓይነት ስነምድራዊ ተራ ዝጻወቱን ኣኻውሕ ጸንቢርና ኣለና።
ሓርፊፋያት ኣብዞም ዝስዕቡ ቦታታት ዝተሓጽሩ ይመስሉ፥ ኣብ ኣውራጃ ትግራይ፡ ኣብ መንጎ መረብን ዓድዋን፤ ኣብ ሽረ፡ ጽምብላ፤ ኣብ ሰሜን፡ ኣብ መንጎ ቆላወገራን ወገራን። ንቡር ስፍራኦም ካብቲ ናይቶም ጽኑዓያት ትሕት ዝበለ ኰይኑ፡ በቶም ጽኑዓያት ዝተመስቀሉ እውን ይመስሉ።
ኣብ ዓራደብ፡ ሓርፋፍ፡ ዋህዮኣውን ኣደንጋራያውን ሓርፊፋይ ይርአ። ኣብ መንጎ ገንደብታን ዓድዋን፡ ሓደሓደሳዕ ወይነዋይ ሓርፊፋይ ክኸውን ከሎ፡ ሓደሓደግዜ ድማ በጫው ሓርፊፋይ ኢዩ። እዞም ሓርፊፋያት መብዛሕትኡሳዕ ዝተፈላለየ ማዕድናት፡ ከም ኣደንጋራይ፡ ዓርሞሻዮ፡ ሓጺን፡ ወዘተ፡ ዝኣመሰለ ዘካተቱ ኢዮም። ሓደሓደሳዕ ይውሓድ ይብዛሕ ዋህዮኣውያን፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ዝተለወጡ ኢዮም።
ኣብ ዓዲ-ቀስቲ፡ ሰምያው ጨብራይ ስርነታያዊ ሓርፊፋይ ንርኢ። ኣብ ሰሜን፡ ምስቶም ሓርፊፋያት ብቕርበት ዝዛመድ፡ ምስ ዝተዘርወ መረጼናይ ወይ ኦባል ናኣሽቱ ሓቒቓት መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕ ዝሓዘ ዕንዲዳይ ብዙሕሳዕ ንረክብ። ግና እዚ ዕንዲዳይ ሓደ ዓይነት ንቡር ኣቃውማ ከምቲ ሓርፊፋይ ኣለዎ፡ ተመሳሳሊ ተራ ከኣ ይጻወት።
እዚ ዓሰርተ-ሻዱሻይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ4ን ሰሜንን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ5 ዝተዳለወ ኢዩ።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- ኣውራጃ ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ምስ ኣውራጃ ዓጋመ፡ ብምዕራብ ምስ ኣውራጃ ሽረ፡ ብደቡብ ምስ ሩባ ዋሪ ከምኡ’ውን ብሸነኽ ሰሜን ምስ ሩባ መረብ ይዳወብ ነይሩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎