“ሓበሻ” ዝብል መስመዪ ካብ “ኣል-ሓበሻ” ዝብል ናይ ዓረብ ቃል ዝመንጨወ ኢዩ። ንሰባት ከመልክት ከሎ፡ ሓበሻ ማለት “እኩብ” ወይ “ሓያለ ዝተኣኻኸበ ሰብ” ማለት ክኸውን ከሎ፡ ብኻልኣይ መልክዑ ድማ “ዝተጋብአ” ወይ “ሓቢሩ ዝተጋብአ” ማለት ኢዩ።1 ስለዚ፡ “ሓበሻ” ዝብል መስመዪ፡ ብብዙሕ ዓሌታት ዝቘመ ሕውስዋስ ህዝቢ የስምዕ።
ዓረበኛታት (ቋንቋ ዓረብ ዝጥቀሙ) ጸሓፍቲ ንንጽል ቃል “ኣል-ሓበሻ” ወይ “ኣል-ሓበሽ” ንቅርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ንሃጸይነት ኣኽሱምን ዝተረስተይዎ መንግስታትን ድማ ብፍላይ፡ ንምውካስ ይጥቀምሉ።2 ብዛዕባ ሃጸይነት ኣኽሱም “ንግስነት ሓበሽ”፡ “ንግስነት ሓበሻ”፡ “መሬታት ሓበሻ”፡ “ሃገረ ሓበሻ/ሓበሻት”፡ “ምድረሓበሻት ወ ኣኽሱም” ብምባል ይጽሕፉ።3 ዝመረጽዎ ቃል ኣብ፣ቲ ዞባ ንዘሎ ስፍሓት ብዙሕነት ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ትርኢተገጽ፡ ዓይነት ጸጉሪ፡ ሃይማኖት፡ ወዘተ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኢቲዮጲያን ኤሪትራን ጥራሕ እኳ ብውሕዱ 90 ቋንቋታት፡ ኣማኢት ነገዳት፡ ኩላቶም ኣብራሃማውያን ሃይማኖታትን ከባብያውያን ባህላዊ እምነታትን ዝሓቘፋ ኢየን። ሕብሪ ቆርበት፡ ትርኢተገጽን ዓይነት ጸጉርን ኣዕርዩ ዝፈላለ ኰይኑ፡ ብዙሕሳዕ እውን ኣብ መንጎ ኣባላት ሓደ ስድራ ፍልልይ ይርአ። ሕብሪ ቆርበት ካብ ኣዚዩ ደባን-ጸሊም፡ ክሳብ ቡናዊ፡ ክሳብ ኣዚዩ ብርሁው ናሓሳዊ ወይ ሉዝያዊ ይዝርጋሕ።4 ዓይነት ጸጉሪ እንተዀነ ካብ ኣዚዩ ተዓኹላሊ ክሳብ ትኽ ዝበለ ዝፋላለ ኰይኑ፡ በብዓይነቱ ጽልምታት ሕብሪ የርኢ።5
ዓረበኛታት ተረኽቲ ንንጉሰ ነገስት ሃጸይነት ኣኽሱም “ነጃሺ” ብምባል ይሰምይዎ፡ ከም፣ቲ ንሃጸይ ሮማ “ቄሳር” ብምባል ዝጽውዕዎ።6 “ነጃሺ” ብልሻው ናይ “ነጋሲ/ነጋሽ” ዝብል ቃል ኢዩ።
ዓረበኛታት ጸሓፍቲ ንናይ “ኣል-ሓበሻ” ብዙሓዊ መልክዕ ዝዀነ “ኣሓብሽ” ዝብል ቃል፡ ንደባን ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ኣህዛብ ብሓፈሻ፡ እንከላይ ዘንጅ (ስዋሂሊ)፡ ቃቁ (ነገድ ሃገረ ደቡብ ሱዳን)፡ ማርዊዩን (መራውያን፡ ህዝቢ መረወ)፡ ከውካው (ነገድ ናይ ሎሚ ሃገረ ማሊ)፡ ጋና (ነገድ ናይ ሎሚ ሃገረ ጫድ ዝነበሩ)፡ ዘጋዋ (ብብዝሒ ኣብ ናይ ሎሚ ሰሜንምብራቓዊ ክፋል ሃገረ ጫድን ምዕራብ ሱዳንን ዝርከቡ ብሄር)፡ ኑባ (ኖባ)፡ በጃ (በጋ/በዳ/በዳዊት)፡ ወዘተ ዝርከብዎ፡ ንምግላጽ ይጥቀምሉ።7 “ኣሓብሽ” ወይ “ኣሓባሺ” ዝብል መስመዪ ሓደሓደሳዕ ከም ብዙሓዊ መልክዕ ናይ “ኡሑቡሽ” ወይ “ኡሑቡሻ” ዝብል ዓረባዊ ቃል እውን ዝቑጸር ኰይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ “ካብ ሓደ ነገድ ዘይኰኑ ጭፍራታት ወይ እካቤ ሰባት” ማለት ኢዩ።8 ስለዝዀነ፡ ልክዕ ከም “ኣል-ሓበሻ” ዝብል ቃል ብዙሕነት ዓሌትን ባህልን ዘመልክት ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዓረበኛታት ተረኽትን ስነምድረኛታትን ኣብክንዲ “ኣሓብሽ” ዝብል መጸውዒ፡ ሓደሓደግዜ “ሱዳን ወ ሓበሻ”፡ ማለት “ጸለምትን ሓበሻን” ንዝብል ሓረግ ኣብ መዓላ የውዕሉ።
ዓረበኛታት ተረኽቲ ብዙሕሳዕ ጽዋያዊ ሓበሬታ ብዛዕባ መበቆል ኣህዛብ “ኣሓብሽ” የቕርቡ። ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ ጸለምቲ (ሱዳን) ውሉዳት ሓደ “ሱዳን” ዝተባህለ ጽዋያዊ ሰብ ኢዮም። “ሱዳን” ከኣ ውሉደ ከንኣን9 ወይ ኩሽ፡10 ውሉደ ሓም፡ ውሉደ ኖህ ኢዩ። ሓበሻ ድማ ደቂ ሓደ “ሓበሽ” (ወይ ሑቡሽ) ኢሎም ዝሰምይዎ ጽዋያዊ ሰብ ከም ዝዀኑ የዘንትዉ እሞ፡ “ሓበሽ” ውሉደ ኩሽ፡ ውሉደ ሓም፡ ውሉደ ኖህ ከም ዝዀነ ይሕብሩ።11
እዚ ወለዶኣዊ ጽዋይ ቅድሚ እስልምና ዝነበረ ኢዩ። መኽንያቱ፡ ኣድማሱ ህንዳዊመንገደኛ፡ ኢቲዮጲያውያን ዘርኢ ኩሽ፡ ውሉድ ሓም፡ ምዃኖም ጽሒፉ ኣሎ።12 ኣድማሱ ግና ንዓረባውያን ከም ኢቲዮጲያውያን ዝምድቦም ኰይኑ፡ ደቂ ኩሽ ድማ ይገብሮም። ነቶም ዓረበኛታት ጸሓፍቲ “ሱዳን” ዝብልዎም ከኣ “ሊብያውያን” ዝሰምዮም ኰይኑ፡ ዘርኢ ፑት ወ ከንኣን፡ ውሉዳት ሓም ይገብሮም።
እምበኣርከስ፡ እቲ ኢቲዮጲያውያን ካብ “ኢቲዮጲስ”፡ ውሉደ ኩሽ፡ ውሉደ ሓም፡ ውሉደ ኖህ፡ ከም ዝፈረዩ ዘዘንቱ ጽዋይ ዘመነ ቤት-ኣምሓራ (ኣብ መጽሓፍ ኣኽሱም ሰፊሩ ዘሎ) ኣብ ዓረበኛ እስልምና ኰነ ኣብ ግሪኻዊ ክርስትና መዳርግቲ ኣለዎ። ብርግጽ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጽዋያት ሓደ ርኡይ ፍልልይ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ዓረበኛታት ነቲ ኣበው ሓበሻ ዝብልዎ ሰብ “ሓበሽ” ብምባል ክሰምይዎ ከለዉ፡ ጽዋይ ዘመነ ቤት-ኣምሓራ ግና “ኢቲዮጲስ” ብማለት ይጽውዖ (ንኢቲዮጲያ ናብ ውልቃዊ ስም ይቕይሮ ጥራሕ)። ይኹን እምበር፡ ንኣጠቓቕማ “ሓበሻ” ከምኡ፣ውን “ኢቲዮጲያ” ዝብሉ ቃላት ኣብ ታሪኻዊ መዝገባት ምድረሓበሻ እንተፈቲሽና፡ እዚ ድንጋር ይበርሃልና ኢዩ።
ናይ ሃጸይነት ኣኽሱም ንጉሰ ነገስት ዔዛና፡13 ኣብ፣ቲ ብዛዕባ ኣንጻር ዝዓለዉ ነገድ በዳዊት (በጋ/በጃ) ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝትርኽ ዝተወቕረ ጽሕፈቱ፡ ኣብ፣ቲ ብቋንቋ ግሪኽ ዝጻሓፎ “ኢቲዮጲያ” ዝብል ቃል ክጥቀም ከሎ፡ ኣብ፣ቲ ብቋንቋታት ግእዝን ሳበኛን (ጥንታዊ ቋንቋ ደቡብ ዓረብ) ዝጸሓፎ ክፋል ናይ፣ቲ ውቃር ግና “ሓበሻት” ዝብል ቃል ኣብክንዲ “ኢቲዮጲያ” ዝብል ቃል ተጠቂሙ። እቲ ግሪኻዊ ጽሕፈት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይጅምር፦
“ዔዛና፡ መልከ ኣኽሱማውያን፡ ሖመራውያን፡14 ረደን፡15 ኢቲዮጲያውያን፡ ሳባውያን፡16 ጸለይ (ሰልሐን)፡17 ቲያሞ፡18 በጋ19 ወ ኩሳ፡20 ንጉሰ ነገስት፡ ውሉድ እቲ ዘይሰዓር ኣምላኽ ኣሪስ21።”
እቲ ብልሳኔ ግእዝ ዝተጻሕፈ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይፍልም፦
“ዔዛና ንጉሠ ኣክሱም ወሖመር ወኩሳ ወሳባ ወሓበሻት ወረድ ወሰልሐን ወጻረድ ወበጋ ንጉሠ ነገሥት ወልዱ ለማሓረም ዘኢይትመወእ ለፀር።”
እቲ ብልሳኔ ሳባ ዝተጻሕፈ ድማ ከምዚ ዝቕጽል ብማለት ይጅምር፦
“ዔዛና፡ መልከ ኣኽሱም፡ ሖመር፡ ሪድ፡ ሓበሻት፡ ሳባ፡ ሰላሒን፡ ጻሪድ፡ ኩሳ፡ ወ በጃ፡ መልከ መልካን፡ ውሉደ እቲ ዘይሰዓር ኣምላኽ ማሓረም22።”
ስለዚ፡ “ሓበሻ” ዝብል ቃል ኣብ ልሳነ ግእዝ ኰነ ኣብ ጥንታዊ ቋንቋ ዓረብ፡ መተርጐምን ተመጣጣንን “ኢቲዮጲያ” ዝብል ግሪኻዊ ቃል ከም ዝነበረ ክንድምድም ንኽእል። ይኹን እምበር፡ ጽሕፈት ንጉሰ ነገስት ዔዛና ንኩሽ ኢቲዮጲያ ብምባል ኣይጽውዖን ኢዩ። ከመይ፡ ንኩሳ (“ኩሽ” ብእጵራይስጥ ክበሃል ከሎ፡ ብግእዝን ሳበኛን ግና ኩሳ ኢዩ ዝበሃል) ካብ ሓበሻት/ኢቲዮጲያ ፈልዩ ብተወሳኺ ይሰምዮ። ስለዚ ነገድ ኩሽ እቲ ናይ ፈለማ ብስም ሓበሻት/ኢቲዮጲያ ዝጽዋዕ ዝነበረ ነገድ ኣይኰነን ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ጽሕፈት ሓወልቲ ኣዱሊስ ከም ንግንዘቦ፡ መበቆላዊ ነገድ ኢቲዮጲያ ኣብ ናይ ሎሚ ሃገረ ሱዳን ወይ ሃገረ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ጥንታዊ ንግስነት መረወ ዝቕመጡ ዝነበሩ ይመስሉ።
መወከሲ ነጥብታት
- Ludolf, Hiob. 1684. A New History of Ethiopia. 2nd edition. Translated into English by J. P. (Gent.). p.7. London: Printed for Samuel Smith. ↩︎
- Munro-Hay, Stuart c. (1991) Aksum: An African Civilisation of Late Antiquity. Edinburgh University Press: Edinburgh. ↩︎
- ንኣብነት ንስርሓት ኣል-ማስዑዲ፡ ኣል-ያቁቢ፡ ዋሲፍ ሻህ፡ ኢብን ሮስጤ፡ ወዘተ ተመልከት። ↩︎
- Parkyns, Mansfield (1853) Life in Abyssinia: Being Notes Collected During Three Years’ residence and Travels in that Country. Volume II. John Murray, Albemar: London. ↩︎
- Pearce, Nathaniel (1831) The Life and Adventures of Nathaniel Pearce. Edited by John James Halls. Volume 1. p.282. Cambridge University Press: Cambridge. ↩︎
- ንኣብነት ኣል-ያቁቢ፡ ኣል-ፋዛሪ፡ ኣል-ኹዋረዝሚ፡ ኣል-ፋርጋኒ፡ ኣል-ጃሒዝ፡ ወዘተረፈ። ↩︎
- ከም ኣብነት፡ ናይ ኣል-መስዑዲ መጽሓፍ (916) مُرُوج ٱلذَّهَب وَمَعَادِن ٱلْجَوْهَر ዘርእስቱ ታሪኻዊ መዝገበፍልጠት ርአ። [“Meadows of Gold and Mines of Gems”. Translated from Arabic into English by Aloys Sprenger (1841). Printed for the Oriental Translation Fund of Great Britain and Ireland: London.] ↩︎
- The Works of Ibn Wadih al-Ya‘qubi (2018). An English Translation. Volume 2. p560. Edited by Matthew S. Gordon et al. Koninklijke Brill Nv: Leiden. ↩︎
- Wasif Shah (1209) Akhbar al-zaman……al-Ajaib al Buldan [History of the Ages and Those Whom Events have Annihilated]. Sometimes attributed to Al-Masudi. Translated into English by Jason Colavito. ↩︎
- Ruffini, G. et al. (2015) Extracts from Al-Mas’udi’s Akbar Al-Zaman. Giovanni Vantini’s Oriental Sources Concerning Nubia. ↩︎
- Al-Ya‘qubi vol 2., Al-Mas’udi’s Akbar Al-Zaman, Wasif Shah, etc. ↩︎
- The Christian Topography of Cosmas, An Egyptian Monk. Translated from the Greek, and Edited, with Notes and Introduction by J.W. McCrindle (1897). pp.34-36. Printed at the Broford Press for Hakluyt Society: London. ↩︎
- ንጉሰ ነገስት ዔዛና ካብ ኣስታት 303 ክሳብ 350 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ሃጸይነት ኣኽሱም ዝነገሰ ኢዩ። ↩︎
- ኣብ ናይ ሎሚ ደቡባዊ ከበሳታት ሃገረ የመን ዝነበረ ጥንታዊ ብሄር። ↩︎
- ኣብ ናይ ሎሚ ሃገረ የመን ዝነበረ ጥንታዊ ነገድ። ↩︎
- ኣብ ደቡብምብራቓዊ ክፋል ናይ ሎሚ ሃገረ የመን ዝነበረ ጥንታዊ ህዝቢ። ↩︎
- ሓደ ጥንታዊ ህዝቢ ናይ ሎሚ ሃገረ የመን። ↩︎
- ኣብ ገለ ክፋል ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ጥንታዊ ህዝቢ። ↩︎
- ኣብ ናይ ሎሚ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ህዝቢ። ↩︎
- ላዕለዋይ ወይ ደቡባዊ ክፋል እቲ ኑብያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጥንታዊ ዞባ፡ ናይ ሎሚ ሰሜናዊ ክፋል ሃገረ ሱዳን። ↩︎
- ግሪኻዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ ኲናት። ↩︎
- ቅድሚ ክርስትና ዝምለኽ ዝነበረ ኣኽሱማዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ ፍትሕን ኲናትን። ↩︎