ጥንታውያን ኤውሮጲያውያን ጸሓፍቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ‘ኢቲዮጲያ’ ከምኡ’ውን ‘ኢቲዮጲያውያን’ ዝብሉ ስያሜታት ፈጺሞም ንጹራት ኣይነበሩን። ናይ’ዚ እዋን ኣረዳድኣ እዞም ዝተጠቕሱ ቃላት ምስ ናታቶም ርዲኢታት እንተኣናጻጺርናዮ ከኣ ኣዚዩ ዘይቃዶ ኢዩ። ንጥንታውያን ግሪኻውያን ጸሓፍቲ፡ ‘ኢቲዮጲያ’ ዝብል መጸውዒ ንሓንቲ ብዝተደረተ ጽንዓተምድራዊ ዶባት እትግለጽ ሃገር ዘመልክት ኣይነበረን።1 ኣብክንድኡ፡ ነዚ ቃል ንደባን ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ዓሌታት ዝሰፈርዎም ክፋላት ዓለም ንምግላጽ ይጥቀምሉ ነይሮም።2
ምሁራን ‘ኢቲዮጲያውያን’ ዝብል ኣሰያይማ ንገዛእ ርእሱ ካብ “ኢቲዮጲስ” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ከምዝመጸ ይሰማምዑ። እዚ ቃል ድርብ ቃል ኰይኑ፡ ካብ “ኢቲዮስ” (“ዝሓረረ”) ከምኡ’ውን “ዮጲስ” (“ገጽ”) ዝብሉ ቃላት ድማ ዝቘመ ኢዩ። ትርጉሙ ከኣ ቃልንቓሉ “ሓረሮ-ገጾም” ህዝቢ ማለት ኢዩ።3 እንተዀነ ግዳ፡ “ኢቲዮጲስ” ኣብ ቅጽላዊ ኣቃውምኡ “ቀይሕ-ከደራይ” ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።4
ከም ውጽኢቱ፡ እቶም ግሪኻውያን “ኢቲዮጲያውያን” ኢሎም ዝጽውዕዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ይትረፍ’ዶ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክፍለዓለም ኣፍሪቃ እውን ዝተወሰኑ ኣይነበሩን። ዋላ’ኳ ኣፍሪቃ ቀንዲ ቤት ጸለምቲ ኣህዛብ ብምዃና ንዝበዝሑ ክፋል ‘ኢቲዮጲያውያን’ ዝሓቘፈት እንተነበረት፡ ሰፊሕ መሬት ኤሲያ እውን በዚ ኣሰማምያ ዝፍለጡ ዓሌታት ዝተታሕዘ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ጥንታውያን ግሪኻውያን ንህንዲ ከም ደቡባዊ ኣካል ክፍለዓለም ኣፍሪቃ ገይሮም ይሓስብዎ ስለዝነበሩ፡ ብዙሕሳዕ ‘ኢቲዮጲያ’ ንደቡብ ህንዲ ከምዘጠቓልል ይዛረቡ ነይሮም።5 ነቲ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ናይ’ቲ ዘመን ተበቲኑ ዝነበረ ታሪኻውን ጽንዓተምድራውን ፍልጠት ዝኣኻኸበ ዝመስል፡ ሆመር ዝተባህለ ጥንታዊ ግሪኻዊ ማሰኛ፡ ‘ኢቲዮጲያውያን’ ካብ’ቲ ጸሓይ ትበርቀሉ ክሳብ’ቲ ጸሓይ ትዓርበሉ ዝተዘርግሑ ኢዮም ምባሉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን:6
“እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ-ባሕሪ ገይሹ ናብ’ቶም ዝተገለሉ ኢቲዮጲያውያን፡
ዝተመቕሉ ህዝቢ፡ ካብ ደቂሰብ እቶም ኣዚዮም ዝራሓቑ፡
ገለ ካብኣቶም ኣብ’ቲ ኣምላኽ-ጸሓይ ዝዓርበሉ ይነብሩ
ካልኦት ከኣ ኣብ’ቲ ዝበርቀሉ፡
ዕዙዝ መስዋእቲ ኣብዑርን ደዓውልን ክቕበል፡
ብድግሶም ክፍሳህ፡ ኣብ መንጎኦም ተቐሚጡ።።።”
ብተመሳሳሊ፡ ሮማውያን ጸሓፍቲ፡ ብመኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ደቡብ ህንዳውያንን ምብራቕ ኣፍሪቃውያንን ዘሎ ናይ ወጅሂ ምምስሳል፡ ንህንዳውያን ምስ ‘ኢቲዮጲያውያን’ የደናግርዎም ነይሮም። ከም ሳዕቤኑ፡ ንደቡብ ህንዳውያን ነገዳት ብተደጋጋሚ ‘ኢቲዮጲያውያን’ ክብልዎም ከለዉ፡ ንነበርቲ ምብራቕ ኣፍሪቃን ደቡብ ዓረብን ድማ ‘ህንዳውያን’ ይብልዎም ነይሮም።7

ኣብ 17 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ከይተረፈ፡ ጌና ኤውሮጵያውያን ንሰፋሕቲ ክፋላት ኣፍሪቃን ኤሲያን ‘ኢቲዮጲያ’ ብምባል ይሰምይዎ ነይሮም። ኣባል ማሕበር ኢየሱስ ዝነበረ ፖርቱጋላዊ ቀሺ ባልጤዛር ቴለዝ፡ ኣብ መቕድም መጽሓፍ “መገሻታት ኢየሱሳውያን ኣብ ኢቲዮጲያ”8፡ ‘ኢቲዮጲያ’ ዝብል ስም ኣዚዩ ኣጠቓላሊ ምዃኑን ንኹሎም ጸለምቲ ዝነብሩሎም ክፋላት ከምዝሓቁፍን ገሊጹ። ወሲኹ፡ ‘ኢቲዮጲያ’ ዝብል መጸውዒ ነተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብወገን ዓረብ ክሳብ ፍልስጤም ዝርከባ ሃገራት፡ ንኹሉ ልዕሊ ግብጺ ንቀይሕ ባሕሪ ተኸቲልካ ክሳብ ጽንፊ ጓርዳፉዊ9 ዘሎ መሬት፡ ካብኡ ቀጺልካ ንኹሉ ክሳብ ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ10 ዘሎ ቦታታት ከምኡ’ውን ንጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ ምስተጠወኻ ክሳብ ኣንጎላን11 ሓምላይ ጽንፍን12 ዝርከብ ብምልኡ መሬት ከምዘመልክት ጠቒሱ። ነባሮ እዞም ዝተዘርዘሩ ቦታታት ‘ኢቲዮጲያውያን’ ተባሂሎም ከምዝፍለጡ እውን ገሊጹ።
ኣብ’ዚ እዋን፡ ገለ ኤውሮጲያውያን ንኣዚዩ ሰፊሕ ኣጠቓቕማ ‘ኢቲዮጲያ’ ዝብል ኣሰማምያ ንምንጻር ብምባል ‘ኣውራ ኢቲዮጲያ’ ዝብል ሓረግ ምጥቃም ጀሚሮም። እንተዀነ ግና ምስ ናይ ሎሚ ርድኢት ‘ኢቲዮጲያ’ ዝብል ቃል ክርአ ከሎ ኣዚዩ ገፊሕ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ጽንዓተምድራዊ ስፍሓት ‘ኣውራ ኢቲዮጲያ’ ምስምማዕ ኣይነበረን። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ገለ ጸሓፍቲ13 ‘ኣውራ ኢቲዮጲያ’ ንኹሉ ካብ ዶብ ግብጺ ምስ ሱዳን ክሳብ ጽንፊ ጓርዳፉዊ ከምኡ’ውን ካብኡ ቀጺልካ ክሳብ ማሊንድን14 ሞምባሳን15 ዘሎ መሬት ዘጠቓለለ ኢዩ ክብሉ ከለዉ፡ ካልኦት 16 ግና ንኑብያ፡ ሰናርን ምድረሓበሻን ጥራሕ ዝሓቘፈ ኢዩ ይብሉ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ 17 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ፡ ኤውሮጵያውያን ንኣጠቓቕማ ‘ኢቲዮጲያ’ ዝብል ቃል ኣብ ክፍለዓለም ኣፍሪቃ ክቕይድዎ ጀሚሮም።17 እንተዀነ ግን ክሳብ 19 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ፡ ‘ኢቲዮጲያ’ ካብ ምዕራባዊ ደንደስ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ገምገም ህንዳዊ ውቅያኖስን ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ደንደስ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ከምዝዝርጋሕ ይኣምኑ ነይሮም።
ክንፈልጦ ዘለና ግን፡ ኩሉ ኣፍሪቃ ‘ኢቲዮጲያ’ ኣይነበረን፡ ኤውሮጵያውያን ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ‘ኢቲዮጲያውያን’ ይብልዎም እውን ኣይነበሩን። ዋላ ጥንታውያን ግሪኻውያን ተረኽቲ፡ ንኣፍሪቃውያን ኣብ 2 ዓበይቲ ጉጅለታት፡ ‘ሊብያውያን’ ከምኡ’ውን ‘ኢቲዮጲያውያን’ ብማለት፡ ይኸፍልዎም ነይሮም።18 ድሒሩ ሄሮዶቶስ ነዞም 2 ኣፍሪቃውያን ጉጅለታት፡ ሰፈርቲ ብምዃን ንሰሜናዊ ገማግም ኣፍሪቃ ዝተቛጻጸሩ ‘ግሪኻውያን’ ከምኡ’ውን ‘ፎኒቃውያን’ ዝሰመዮም ምድባት ወሲኽሎም።19 ኣብ 18 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ፡ ኤውሮጵያውያን ንኣፍሪቃ ተዋሓደ ኣብ 5 ዞባታት ይመቕልዋ ነይሮም።
መወከሲ ነጥብታት
- Russell, Michael (1833) Nubia and Abyssinia: Comprehending their Civil History, Antiquities, Arts, Religion, Literature, and Natural History. Oliver and Boyd: Edinburgh. ↩︎
- ibid: pp.23-24 ↩︎
- Mitchell, Daniel (2023) ‘Ethiopians: Herodotos on southern peoples at the ends of the earth (mid-fifth century BCE)’. Ethnic Relations and Migration in the Ancient World. Accessed 03/02/2024. ↩︎
- Liddell, Henry George, and Scott, Robert (1940) “Aithiops”. A Greek-English Lexicon. revised and augmented throughout by. Sir Henry Stuart Jones. with the assistance of. Roderick McKenzie. Clarendon Press: Oxford. Available on Perseus online catalog. Accessed 03/02/2024. ↩︎
- Russell pp.23-24. ↩︎
- The Odyssey. Book I. Lines 21-25. Translated by A. S. Kline. 2004. ↩︎
- Pierre Schneider. The so-called confusion between India and Ethiopia: the eastern and southern edges of the inhabited world from the Greco-Roman perspective. S. Bianchetti, M. R. Cataudella, H. J. Gehrke. Brill’s Companion to Ancient Geography. The Inhabited World in Greek and Roman Tradition, pp.184-205, 2015, Brill’s Companions to Classical Studies, 10.1163/9789004284715_012. hal-03648391. ↩︎
- Tellez, Balthazar (translated into English 1710). The Travels of the Jesuits in Ethiopia. London : Printed for J. Knapton, in St. Paul’s Church-Yard, etc. ↩︎
- ጽንፊ ጓርዳፍዊ ኣብ ገዛእ ርእሳ እተማሓድር ክልል ፑንትላንድ፡ ሃገረ ሶማሊያ ዝርከብ ርእሰመሬት ኢዩ። ↩︎
- ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ ኣብ ገምገም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ርእሰመሬት ኢዩ። ↩︎
- ኣንጎላ ኣብ ማእከላይ-ምዕራብ ገምገም ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኢያ። ↩︎
- ሓምላይ ጽንፊ፡ ኣብ ማእከላይ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እትርከብ ምስ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትቑጸር ደሴታዊት ሃገር ኢያ። ↩︎
- C.F. Beckingham and G.W. B. Huntingford (2016) Some Records of Ethiopia, 1593–1646. Being Extracts from The History of High Ethiopia or Abassia by Manoel de Almeida Together with Bahrey’s History of the Galla. Routledge: Oxford. ↩︎
- ማሊንዲ፡ ኣብ ገምገም ህንዳዊ ውቅያኖስ ናይ ኬንያ እትርከብ ከተማ ኢያ። ↩︎
- ሞምባሳ፡ ኣብ ገምገም ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ደቡብ-ምብራቓዊ ክፋል ኬንያ እትርከብ ከተማ ኰይና፡ 120 ኪሎሜተራት ንደቡባዊ ምዕራብ ካብ ማሊንዲ ሪሒቓ ትርከብ። ↩︎
- Moryson, Fynes (1617) An Itinerary Written by Fynes Moryson gent. first in the Latine tongue, and then translated by him into English. London, Printed by J. Beale. ↩︎
- Ludolf, Hiob. 1684. A New History of Ethiopia. 2nd edition. Translated into English by J. P. (Gent.). London: Printed for Samuel Smith. ↩︎
- Russell p.24. ↩︎
- The History of Herodotus. By Herodotus (400 B.C. Translated into English by George Rawlinson. Accessed 03/02/2024. ↩︎