ብሰንኪ ስፍሓት ናይ’ቲ “ኢቲዮጲያ” ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ቦታ፡ ኤውሮጲያውያን መታን ነቲ ብፍኑው ኣጠቓቕማ “ኢቲዮጲያ” ዝብል ስም ዝሰዓበ ምድንጋር ኸጉድሉ፡ ንናይ ቀደም ኢቲዮጲያ ናብ ክፋላት ክመቓቕልዎ ግድን ኢዩ ነይሩ። ምቃላት ዓለምና መሰረት ብምግባር፡ ንጥንታዊ ኢቲዮጲያ ናብ ኣፍሪቃውን ኤሲያውን ክፋላት ፈልየሞ።1 “ኣፍሪቃዊ ኢቲዮጲያ” ንጸለምቲ ኣህዛብ ዝቕመጥሉ ቦታታት ክፍለዓለም ኣፍሪቃ ዘመልክት ነይሩ። “ኤሲያዊ ኢቲዮጲያ” ንደባን ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ዓሌታት ዝሰፈርዎ መሬት ክፍለዓለም ኤሲያ ዝሕብር ነይሩ።

ኣብ ተዛማዲ ኣንፈት ተመርኲሶም፡ ኤውሮጲያውያን ንናይ ቀደም ኢቲዮጲያ ናብ ብራቓውን ዕራባውን ወገናት መቒለሞ።2 “ብራቓዊ ኢቲዮጲያ” ካብ ምብራቓዊ ደንደስ ቀይሕ ባሕሪ ጀሚሩ ንክፋላት ዓረብ፡3 ሚዲያን፡4 ወዘተ ክሳብ ፍልስጤም ዘጠቓልል ነይሩ።5 ብምልኡ ድማ ኣካል ክፍለዓለም ኤሲያ ኢዩ። “ብራቓዊ” ተባሂሉ ዝተሰምየሉ መኽንያት፡ ካብ ኣፍሪቃዊ ኢቲዮጲያ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ብምዃኑ ኢዩ። “ዕራባዊ ኢቲዮጲያ” ካብ ምዕራባዊ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ጀሚሩ ክሳብ ምዕራባዊ ደንደስ ኣፍሪቃ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ይበጽሕ ነይሩ።6 ንብምልኡ ኣፍሪቃዊ ኢቲዮጲያ ከኣ ዝሓቘፈ ነይሩ። “ዕራባዊ” ዝተባህለሉ መኽንያት፡ ካብ ኤሲያዊ ኢቲዮጲያ ናብ ኣንፈት ምዕራብ ዝርከብ ብምዃኑ ኢዩ። ኣፍሪቃዊ ኢቲዮጲያ ካብ ኤሲያዊ ኢቲዮጲያ ዝያዳ ንሸነኽ ደቡብ ዝርከብ ብምንባሩ፡ “ደቡባዊ ኢቲዮጲያ” ተባሂሉ’ውን ይስመ ነይሩ።7

ብሳላ ኣብ 15 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ዘባጋገስዎ ዳህሰሳታት፡ ኣብ መወዳእታ 17 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ኤውሮጲያውያን ዝሓሸ መረዳእታ ብዛዕባ ጽንዓተምድሪ ዓለምና ኣጥርዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ንናይ ቀደም ኢቲዮጲያ ኣብ ክፍለዓለም ኣፍሪቃ ጥራሕ ክድርትዎ ጀሚሮም።8 ጽንዓተምድራዊ ገለጻታትን ካርታታትን ናይ’ቲ እዋን ንጥንታዊ ኢቲዮጲያ ናብ ምብራቓውን ምዕራባውን፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ከምኡ’ውን ውሽጣውን ደጋውን ይመቕልዎ። “ምብራቓዊ ኢቲዮጲያ” ማለት፡ ሎሚ ሃገራት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤሪትራ፡ ኢቲዮጲያ፡ ጂቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ታንዛኒያ፡ ዩጋንዳ፡ ርዋንዳ፡ ብሩንዲ፡ ሞዛንቢክ፡ ማላዊ፡ ወዘተ ዝርከባሉ ልዕሊ ግብጺ ዘሎ ምብራቓውን ደቡብ-ምብራቓውን ክፋል ኣፍሪቃ ማለት ነይሩ።9 “ምዕራባዊ ኢቲዮጲያ” ማለት፡ ሓምላይ ጽንፊ፡ ኣንጎላ፡ በኒን፡ ካሜሮን፡ ሃገራት ኮንጎ፡ ጋቦን፡ ጋምቢያ፡ ጋና፡ ሃገራት ጊኒ፡ ኣይቬሪኮስት፡ ኒጀር፡ ናይጀርያ፡ ላይበሪያ፡ ናሚቢያ፡ ሰራሊዮን፡ ሰኔጋል፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቶጎ፡ ቦትስዋና፡ ወዘተ ዝርከባሉ ምዕራባውን ደቡብ-ምዕራባውን ወገን ኣፍሪቃ ማለት ነይሩ።10

“ላዕለዋይ ኢቲዮጲያ” ነቲ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ክፋላት ጥንታዊ ኢቲዮጲያ ዘመልክት ነይሩ። ብኽልተ መኽንያታት “ላዕለዋይ” ተባሂሉ።11 እቲ ቀዳማይ፡ ፈለግ ናይል ካብ’ዚ ቦታ ተበጊሱ ንጐላጉል ግብጺ ስለዘስቲ ኢዩ። እዚ ክውንነት’ውን ነዚ ክፋል “ልዕሊ ግብጺ ኢቲዮጲያ” ተባሂሉ ክስመ ገይርዎ። ካልኣይ መኽንያት፡ እዚ ክፋል ናብ ሰሜናዊ ዋልታ-ምድሪ12 ካብ “ታሕተዋይ ኢቲዮጲያ” ንላዕሊ ዝያዳ ዝቐረበ ስለዝዀነ ኢዩ። ብተወሳኺ እዞም ዝተጠቕሱ 2 ረቛሒታት እዚ ክፋል “ዝበረኸ ኢቲዮጲያ” ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ገይረሞ።13

“ታሕተዋይ ኢቲዮጲያ” ነቲ ኣብ ጥቓ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝነበረ ክፋል ናይ ቀደም ኢቲዮጲያ ዝሕብር ነይሩ። ምስ ላዕለዋይ ኢቲዮጲያ ኣወዳዲርካ ለጠቕ ዝበለ ስለዝዀነ፡ “ታሕተዋይ” ተባሂሉ ተሰይሙ።14 ኣብ’ዚ ክጥቀስ ዘለዎ፡ ተቐማጦ ላዕለዋይ ኢቲዮጲያ ካብ ጥንቲ ምስ ንግስነት ግብጺ ናይ ንግዲ ርክባት ስለዝነበሮም፡ ኤውሮጲያውያን ካብ ታሕተዋይ ኢቲዮጲያ ንላዕሊ ዝሓሸ ኣፍልጦ ብዛዕባ ላዕለዋይ ኢቲዮጲያ ነይርዎም።15

ኣብ ርእሲኡ፡ ብመንጽር ሩባ ናይል ንናይ ቀደም ኢቲዮጲያ ናብ ውሽጣውን ደጋውን ክፋላት ምምቃል ዝተለምደ ነይሩ።16 “ውሽጣዊ ኢቲዮጲያ” ነቶም ኣብ መንጎ ሩባ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ዝርከቡ ቦታታት ዘጠቓለለ ነይሩ። “ደጋዊ ኢቲዮጲያ” ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ሩባ ናይልን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስን ዝነበረ ክፋል ጥንታዊ ኢቲዮጲያ ዝሓቘፈ ነይሩ። ናብ ግብጺ ዝቐረበ ብምንባሩ፡ ኤውሮጲያውያን ብዛዕባ ውሽጣዊ ኢቲዮጲያ ብተዛማዲ ዝሓሸ ኣፍልጦ ነይርዎም።

መወከሲ ነጥብታት

  1. Ludolf, Hiob. 1684. A New History of Ethiopia. 2nd edition. Translated into English by J. P. (Gent.). London: Printed for Samuel Smith. ↩︎
  2. C.F. Beckingham and G.W. B. Huntingford (2016) Some Records of Ethiopia, 1593–1646. Being Extracts from The History of High Ethiopia or Abassia by Manoel de Almeida Together with Bahrey’s History of the Galla. Routledge: Oxford. ↩︎
  3. ክሳብ 20 ዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ፡ ኤውሮጲያውያን “ዓረብ” ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ክፋላት ሓውሲ-ደሴት ዓረብ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም: “ሕጉስ ዓረብ” (ንናይ ሎሚ የመን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ዞባ ኣሲር ዝሓቘፈ)፡ “ምድረበዳ ዓረብ” (ዝባደመ ማእከላይን ሰሜናውን ክፋላት ሓውሲ-ደሴት ዓረብ) ከምኡ’ውን “ከዋሕ ዓረብ” (ሰሜናዊ-ምዕራብ ሓውሲ-ደሴት ዓረብ)። ↩︎
  4. ሚዲያን ኣብ ናይ ሎሚ ሰሜናዊ-ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ነይሩ። ↩︎
  5. Tellez, Balthazar (translated into English 1710). The Travels of the Jesuits in Ethiopia. London : Printed for J. Knapton, in St. Paul’s Church-Yard, etc. ↩︎
  6. C.F. Beckingham and G.W. B. Huntingford (2016) Some Records of Ethiopia, 1593–1646. Being Extracts from The History of High Ethiopia or Abassia by Manoel de Almeida Together with Bahrey’s History of the Galla. Routledge: Oxford. ↩︎
  7. Telez p.6. ↩︎
  8. Ludolf p.8. ↩︎
  9. Nutt, John (1714) Atlas Geographus: Or, A Compleat System of Geography, Ancient and Modern, For Africa. Volume IV. Illustrated by Herman Moll. John Nutt: London. ↩︎
  10. Ibid: p.30. ↩︎
  11. Tellez p.7. ↩︎
  12. ሰሜናዊ ወይ ኣርክቲካዊ ዋልታ-ምድሪ፡ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ’ቲ ምድሪ ኣብ መዓልታዊ ዙረታ እትሽክርከረሉ ሓሳባዊ ዘንጊ ኢዩ። ሰሜናዊ ዋልታ-ምድሪ ቦታ ኣይኰነን። ጐድናዊ መዐቀኒ የብሉን። እንተዀነ ግና ከም ስነቁጽራውን ትዕዝብታውን ቀመር፡ ንሰራሕቲ ካርታን ነደፍትን ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ። ኣብ ፍልስፍናን ኣእምሮ ህዝብን እውን ንብዙሕ ዘመናት ጸላዊ ምልክት ኰይኑ ጸኒሑ። ↩︎
  13. Tellez p.7. ↩︎
  14. Ibid: pp.6-7. ↩︎
  15. Nutt p.30. ↩︎
  16. Moryson, Fynes (1617) An Itinerary Written by Fynes Moryson gent. first in the Latine tongue, and then translated by him into English. London, Printed by J. Beale. ↩︎