እዚ ዓሰርተ-ሓደይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ3 ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብ፣ዚ ዓንቀጽ፡ ንብእምነእንቁላሊሓዊ ቀጽዖታት ዝቘሙ ካልኣዊ መሬታት ክንድህስስ ኢና።
ኣብ ትሕቲ እምነእንቁላሊሓዊ መሬት፡ ስጉድእምነኖራ፡ ብምልኦም ክሳብ ኩሩሻዊ መሬታት ዘለዉ ስጉድእምነኖራ ዝጾሮም ተኸታተልቲ ቀጽዖታት፡ ከምኡ፣ውን እሳታዊ መበቆል ዘለዎም ኣብ፣ዚ ስነምድራዊ መድረኽ ዝምደቡ ኣኻውሕ ኣጠቓሊልና ኣለና።
እምነእንቁላሊሓዊ መሬት ኣብ ጥቓ ጨለቆትን ሕንጣሎን ተዓዚብና። ግና ናብ ምብራቕ-ደቡብምብራቕ ናብ ኣንፈት ሸዋ ኣቢሉ ስለዝዝርጋሕ፡ ናብ፣ቲ ዞባ ገጹ ሰፊሕ ምዕባሌ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።
ዝራኣናዮም ኩምራታት ብቐንዱ ኣብ ስጉድእምነኖራውን ታሕተዎት ቀጸላታት ታሕታይ እምነእንቁላሊሓዊ እምነኖራን ዝምደቡ ኢዮም። እዞም ኩምራታት፡ እምነኖራ፡ ማርጒላ፡ ጽጻራዊ እምነኖራን እምነሑጻን የጠቓልሉ። ኣብ፣ዞም ቀጽዖታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ እምነኖራን ማርጒላን፡ ብንጹር ስጉድእምነኖራዊ ወይ እምነእንቁላሊሓዊ ኣካለትርኢት ዘለዎም፡ ብርኩት ዝቑጽሮም ትርፈሂወት ድርዕታት ረኺብና። ይኹን እምበር፡ ብሓፈሽኡ ዘምጽኣናዮም መርኣያታት፡ ብፍሉይ ንምርግጋጾም ዘኽእል እኹል ባህርያት የብሎምን። ልክዐኛ መረዳእታ ብዛዕባ ዝረኣናዮም እምነእንቁላሊሓዊ ቀጽዖታት መታን ከነቕርብ፡ ብጨለቆትን ሕንጣሎን ገይሩ ካብ ድርባ ክሳብ ሳምረ ዘሎ ክፋል ክንገልጽ ኢና።
ኣብ ዶግዓ ድርባ፡ ሳልሳዊ ቀጽዖ ኣብ ዓፍራይፍሉጻይ ዓሪፉ ዳርጋ ኣብ ጋድማዊ ዝዀኑ ቀጸላታት ንረኽቦ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ ከብዲ ስንጭሮ ማይ-ጭንጓዕ፡ ብወገን ዀን-ጨለቆት፡ ንሪኦ። እቲ ዓፍራይፍሉጻይ፡ ልክዕ ከም ገለ ክፋል ሳልሳዊ መሬታት፡ ኣብ ከብዲ እቲ ስንጭሮን ብወገን ድርባን ብዋጋ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝርከቡ እምነኖራታት ዝተፈጥረ ቲቡርቲናይ እምነኖራ ዝተሸፈነ ኢዩ። ካብ ዀን-ጨለቆት ክሳብ ስንጭሮ ማይ-ጨለቆት፡ እቲ እምነእንቁላሊሓዊ መሬታት ይርአ። ነዚ ዝስዕብ ክፋል ከኣ ንረክብ። ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይ፣ቲ ስንጭሮ፡ ማለት ብሰሜንን ደቡብን፡ እቶም ደጋታት ብጨብራይ ጽኑዓይ ዝተጐልበቡ ኢዮም. በቶም ኩሎም ቀጸላታት፡ እንከላይ በቶም እምነእንቁላሊሓዊ ቀጽዖታት ሓሊፉ ድማ ንዕዘቦ. ኣብ ታሕትን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይ፣ቲ ስንጭሮን፡ ክትወርድ ከለኻ እዞም ዝስዕቡ ይርኣዩ፥
- ሓደሓደእዋን ጻዕዳ ወይ ሓማል-ብጫ ዝተገዝዐ ቀጸላ ሑጻዊ-ዋላኻ እምነኖራ፡ ሓደሓደግዜ ከኣ ጻዕዳ እምነሑጻ፤
- ኢሶካርዲያን4 ካርዲዩምን5 ዝሓዘ ቀጸላ ብጫ ድርዒ እምነኖራ፤
- ሞዲዮሊ6 ዘለዎ፡ ናኣሽቱ መትንታት ግራጭያዊ እምነኖራ ዝሓዘ ቀጸላ በጫው-ጨብራይ ዋላኻ እምነኖራ፤
- ቀጸላ በጫው-ጨብራይ ንጥብጣብእምናዊ ዋላኻ እምነኖራ ወይ ማርጒላ፡ ብጽልዋ እቲ ኣብ ከብዲ እቲ ስንጭሮ ዝርከብ ጽኑዓይ፡ ካብ ሕሉፍ ምቕያር እቲ ዋላኻ እምነኖራ ዝሳዓበ ምስ ሓደ ዓይነት ጸፋር ንጥብጣብእምኒ7 ኣብ መሰረቱ ኣጥቢቑ ዝተዃረነ።
- ኣብ፣ዚ ቦታ እንረኽቦም ትርፈሂወታት፡ ሞዲዮሊ፡ ኢሶካርዲያ፡ ካርዲዩም፡ ፕለሮሚያ፡8 ወዘተ የጠቓልሉ። ምቕልቃል ጽኑዓይ ኣብ ከብዲ እቲ ስንጭሮ፡ ነቶም እምነእንቁላሊሓዊ ቀጸላታት ናብ የማንን ጸጋምን ክቕይንኑ ገይርዎም። እዚ ማለት ከኣ ብሓደ ወገን ናብ ሰሜን ገጾም ሸለው ይብሉ፡ በቲ ካልእ ድማ ናብ ደቡብ። ኣብ ጫፍ እቲ ጽኑዓይ ኣብ፣ቲ ደቡባዊ ከበሳ፡ እቶም ብሕንጣሎ ገይሮም ዝሓልፉን ናብ ዙርያታት ኣራጉረ ዝቕጽሉን እምነእንቁላሊሓዊ ኩምራታት፡ ኣብ፣ቲ ቈጽለታያዊ መሬት ሃገረ ሳምረ እንደገና ዝጅምረሉ ደጊሞም ይቕልቀሉ።
ንእምነእንቁላሊሓዊ መሬት ብዝምልከት፡ ማለት እቲ ናብ ቀይሕ ባሕርን ሸዋን ዝዝርጋሕ መሬት፡ እዚኣቶም ኢዮም እቶም ከነቕርቦም እንኽእል ዝርዝራት።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
- ኢሶካርዲያ፡ ሓደ ካብ ዓሌታት ኣረነ (ተሪር ድርዒ ዝኸድኖ ልምሉም ሰውነት ዘለዎ እንስሳ) ኢዩ። ↩︎
- ካርዲዩም፡ ካብ ዘርኢ ተምሪባሕሪ (ዛዕጐል ዝኸድኖ ልምሉም እንስሳ ባሕሪ) ኢዩ። ↩︎
- ሞዲዮሊ፡ ሓደ ካብ ዘርኢ ተምሪባሕሪ (ዛዕጐል ዝኸድኖ ልምሉም እንስሳ ባሕሪ) ኢዩ። ↩︎
- ንጥብጣብእምኒ፡ ብግሪኻዊ ስሙ “ኢያስጲስ” ተባሂሉ ኣብ ብግእዝን ትግርኛን (ከምኡ፣ውን ካልኦት ቋንቋታት ኢቲዮ-ኤሪትራ) ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰምዩ እንረኽቦ ክቡርእምኒ ኢዩ። ↩︎
- ፕለሮሚያ፡ ዝበረሰ ጥንታዊ ተኽሊ ኢዩ። ↩︎