ንነፍሲወከፍ ሳልሳዊ ከበሳ ብዝርዝር ክንገልጾ ኣይኰናን። እንታይ ደኣ፡ መረዳእታ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሳልሳዊ ቀጽዖታት ዝርከብሎም ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተዓዘብናዮም ቀንዲ ስንጣቕ-ገጽታታት ከነቕርብ ኢና።

ሓደዓይነትነት ሳልሳዊ ቀጸላታት ምድረሓበሻን1 ኣቃውምኡን ኣብ ዝተፈጥርሉ ስፍራ ብኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ፡ ናብ ሰፋሕቲ ብሓፈሽኡ ክብ ዝበሉ ቀላያት ደጊሞም ዝተዓዩ፡ ብዙሓት መርኣያታቶም እውን ክሳብ ሎሚ ዘለዉ ኣኻውሕ ዝቘሙ ኩምራታት የመልክት። ኣብ ማእከል እዞም ቀላያት፡ እሳተጎመራዊ መተንፍሶታት ድሒሮም ተኸፍቱ። ፍርያቶም ከኣ ነቶም ገና ኣብ ማዓሙቕ ናይቶም ቀላያት ልምሉማት ዝነበሩ ድበታዊ ኣኻውሕ ለወጥዎም። እቶም ማያት ድማ ብምቕይያር ዓቐኖምን ኣቀማምጣ መሬትን ተተፍኡ። እቲ ዝያዳ ዘገርም ግና፡ ዋላ’ኳ መጽናዕቲ ነካይድ እምበር፡ ዝዀነ ትርፈሂወት ኣብዞም ሳልሳዊ ኩምራታት ክንረክብ ኣይከኣልናን።

ካብ ኣስመራ ናብ ዓዲ-ገብራይ፡ ብሳልሳዊ ዋላኻታትን እምነሑጻታትን ዝተፈጥረ፡ ብትፋኣትእሳት ጥራሕ ዝቋራረጽ ከበሳ ይርአ። ብሓፈሽኡ ጥምቢሓቒቓዊ ዋላኻ፡ ቀይሓው ጻዕዳ፡ ዝተረረ፡ ናብ ዝዕጉላያት ዝሓልፍ፡ ወይከኣ ዋላኻዊ እምነሑጻ፡ ስጉድ፡ ቀይሕ፡ ጻዕዳ ነጠብጣብ ዘለዎ፡ ዝተረረን ናብ ሙሽሙሽእምኒ ዝላበስን ኢዩ። እዞም ኣኻውሕ ብህላዌ ፍርያት እሳተጎመራ ዝተለወጡ ኢዮም። ብተወሳኺ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብነታት ተመሳሳሊ ምቅይያር ኣብ ካልእ ክፋላት ንዕዘብ።

ኣብ ጉልዘቦ፡ ጻዕዳ ስሚንቶ ዘለዎ፡ ካውሊናዊ ዋላኻ ዝመስል፡ ኩምራ ቀይሕ እምኒሑጻ ወይ ጻዕዳው በጫው እምኒሑጻ ተዓዚብና። ከምኡ ዝበለ ኩማር ድማ ንዝባን እቶም ቈጽለታያት ይሽፍኖ፡ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ እውን ኣብ ደብረ-ዳሞ ንረኽቦ። ኣብ ጥቓ ጉልዘቦ ብተወሳኺ እንተተመዝሚዙ ዘርብሕ ኩምራታት ለሰታይ ይርአ።

ኣብ ነጎት፡ ኣብ ዝባን እቶም ቈጽለታያት፡ በዞም ዝስዕቡ ኩምራታት ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቘመ ሳልሳዊ ድበታዊ ቀጽዖ ንረክብ፥

  1. ናብ ጡንታይ ዝላበስ ጻዕዳው ጨብራይ ካውሊናዊ ከምኡ፣ውን ሓጺናዊ ዋላኻዊ እምነሑጻ፤
  2. ዋላኻዊ-ሓጺናዊ እምነሑጻ፤
  3. ልሙጽ፡ ጻዕዳ፡ ዝተረረ ዋላኻዊ እምነሑጻ፡ ዋሓደ በዝሐ እምነነጠብጣባዊ፤
  4. ሃንዛው ሓጺናዊ እምነሑጻ።

ኩላቶም እዞም ቀጸላታት ዳርጋ ጋድማውያን ኢዮም፡ ግንከኣ ኣዚዮም ዝተለወጡ ኢዮም።

ኣብ እንትጨው፡ ኣብ፣ቶም ቈጽለታያት ዝትርኣስ፡ ቀይሕን ወይናይን እምነበረዳዊ ንጻፍ ጻዕዳ ዝዕጉላይ ዋላኻ ርኢና። ኣብ መንጎ እንትጨውን ደብረ-ዳሞን፡ ነቶም ቈጽለታያት ዝጉልብብ፡ ብተጣሓኒ ሓጺናዊ እምነሑጻ ዝቘመ፡ መሰረቱ ድማ መትንታት ፍርዙን ሓጺናዊ እምነሑጻ ዝሓዘ፡ ነቶም ላዕለዎት እምነሑጻታት እውን ናብ ቀጽላታት ዝመቓቕል ከበሳ ኣሎ። ከም ርኢቶና፡ እዚ ምምቕቓል ቀጽላታት ካብ፣ቲ ምሽምቃቕ ናይ፣ቲ እምነሑጻ፡ እቶም ኣብ ዙርይኡ ዘለዉ ጽኑዓያት ምስተቐልቀሉ፡ ኣብ፣ቶም ዝተፈጥሩ ነቓዓት ድሒሩ ብዝሳዓበ ዝርቋ ዝመጸ ኢዩ።

ኣብ ደብረ-ዳሞ፡ እቶም ቈጽለታያት ብካብ 4 ክሳብ 500 ሜትሮ ዝስንጣቒኡ፡ ኣስታት 30 ሜትሮ ከኣ ዝምንውሑ ከበሳ ዝተጐልበቡ ኢዮም። ኣቃውምኡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፥ ኣብ መሰረቱ፡ ካውሊን ዋላኻ ዝመስል፡ ደባን ስሚንቶ ዘካተተ፡ ልሙጽ ጻዕዳው እምነሑጻ፡ ወይ ዳርጋ ሃንዛው ሓጺናዊ እምነሑጻ፡ ከምኡ፣ውን ኣብ ላዕለዋይ ክፋሉ፡ ስጉድ፡ በጫውን ጻዕዳውን ዋላኻ፡ ወይ ዋላኻዊ ሙሽሙሽእምኒ። ናብ ታሕታይ ገጹ፡ እቲ እምነሑጻ ብተወሳኺ ናብ ቀጽላታት ብፍርዙን ጸምላው ዋላኻ-ሓጺናዊ እምነሑጻ ዝተመቓቐለ ኢዩ። ኩላቶም እዞም ቀጸላታት ዋላኻ፡ እምነሑጻ፡ ወዘተ፡ ኣብቶም ቈጽለታያት ብዘይዝዀነ ዝርአ ቅይናነ የዕርፉ። እዚ እምባ ብተፈጥሮ ብእምነሑጻ ዝተዓርደ ኢዩ።

ከበሳ ዓዲግራት ናብ ወገን ኣጽቢ ገጹ ይዝርጋሕ። ይኹን እምበር ኣብ በለሳ፡ ሓደ ሳልሳዊ እምነሑጻ ገና ነቲ ዓፍራይፍሉጻይ ሸፊንዎ ንርኢ፤ ኣብዚ እውን ከም ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ዝጥቀስ ቅይናነ የልቦን።

ኣብ ኩላቶም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዛረብናሎም ከባቢታት፡ እምነሑጻ መሰረታዊ ከውሒ ናይቶም ሳልሳውያን ኩምራታት ኢዩ። መብዛሕትኡሳዕ ዋላኻ ዳርጋ ረቂቕ ክባሃል ዝከኣል ነቲ እምነሑጻ ዝሽፍን ቀጸላ ጥራሕ ኢዩ ዝፈጥር።

እዚ ዓሰርተ-ርብዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ2ን ሰሜን3ን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ4 ዝተዳለወ ኢዩ። እዚ ዓንቀጽ 1ይ ክፋል ናይ፣ቲ ንሳልሳዊ ድበታዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ዝፍትሽ ኢዩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
  2. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  3. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  4. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎