ጽኑዓያት ብባህሪኦም ብጋሸሳት፡ ድምቆ፡ ላብራዶራይን ፋርዶን ዝቘሙ ኰይኖም፡ ይውሓድ ይብዛሕ ሓቒቓውያን ኣኻውሕ ኢዮም። በዚ መሰረት፡ ፈለማ ክትሪኦም ዝተፈልዩ ዝመስሉ ግን ከኣ ብሓቂ ድንገታት ጽኑዓይ ዝዀኑ ብዙሓት ኣኻውሕ ምስቶም ጽኑዓያት ከነታሓሕዞም ኢና።
ኣብ ምድረሓበሻ1 እቶም ጽኑዓያት ካብ፣ቶም ሓርፊፋያት ንላዕሊ ዝያዳ ዝበሰሉ ኢዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ምቕልቃሎም ኣብ ትርኢተኣቃውማ ሓመድ ዝላዓለ ጽልዋ ኣኸቲሉ፡ ከምኡ፣ውን ዝያዳ ዝበርትዐ ኣበርክቶ ኣብ መስርሕ ለውጥታት ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ካልኦት ኣኻውሕ፡ ብቐንዱ እምነሑጻታትን ሳልሳውያን ዋላኻታትን፡ ገይሩ። ጽኑዓያት ንዝበረኹ ነቑጣታት ምድረሓበሻ ዝፈጥሩ ኰይኖም፡ ብዙሕሳዕ እውን ብውርጪ ይሽፈኑ።
ኣብ ሰራየ፡ ካብ ዓዲ-ገብራይ ክሳብ ጉንደት፡ ጽኑዓያት ንሓመድ ገጽምድሪ የቑሙ፡ ናይ፣ቲ ከበሳ ምስ ኩርባታቱ ወይ ናይቲ ጉንደት ዝተደኰነትሉ ኣጻድፍ። ኣብ ጉንደት፡ ልክዕ ከም፣ቲ ኣብ ሽረ ዘጋጥም፡ ነቲ ሳይነታይ ጽኑዓያት ይመሳቐልዎ።
ኣብ ዓዲ-ባሕሮ፡ ሓደሓደግዜ ሓማል-ጸሊም ጥረኛ ጽኑዓይ፡ ሓደሓደሳዕ እምነፍላሓትን ዓኸታት ቻልሴዶናይን ዘካተተ፡ ሉዝያዊ ጸብጎላ ጽኑዓይ፡ ሓደሓደግዜ ከኣ ሉዝያውን እምነፍልሓውን ቀይሓው ጸብጎላ ጽኑዓይ ንርኢ።
ኣብ ማይ-ልቡስ፡ ጻዕዳ መሮጣር (ላብራዶራይ) ዝሓዘ ደቂቕ-ጥረኛ ከውሒ ፋርዶ (ፋርዶታይ) ተዓዚብና።
ሰሜን ካብ ጉንደት፡ እምነፍላሓት ዘለዎ ሓምላይ ጽኑዓይ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጉንደት ግና ጽቡቕ ዓሮጼን ዘለዎ ጸሊም ጽኑዓይ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ሓፈሻዊ ቁመና እዞም ጽኑዓያውያን ኣኻውሕ ብሓቀኛ ጽኑዓይ ዝተፈጥረ ኢዩ። ስለዝዀነ፡ እዞም ዝጠቐስናዮም ወሓደ በዝሐ ዘይልሙዳት ጽኑዓያውያን ኣኻውሕ፡ ግዳማውያን ድንገታት ናይ፣ቲ ጽኑዓይ ኢዮም። ኣብ ምድረሓበሻ ጥራሕ ኢዮም ድማ ብብዝሒ ዝርከቡ።
ሳልሳዊ ቀጽዖ እንትጮ ብሓማል-ጸሊም ጽኑዓይ ዝተበስዐን ዝተወጥሐን ኰይኑ፡ ኣብ፣ቲ ከባቢ ከኣ ኣዚዩ በረኽቲ እምባታት ይፈጥር። ኣብ ጥቓ ዓዲግራት እውን ከምኡ። ኣብ ጥቓ ጉልደም፡ ጽኑዓይ ብዙሓት ኩርባታት የቕውም፡ ከምኡ፣ውን ነቶም ኣብ ዙርይኡ ዘለዉ ኣኻውሕ ኣበርቲዑ ለዊጥዎም ይርከብ። እዚ ሓደሓደሳዕ ጸሊም፡ ቀይሓው ጽኑዓይ፡ ሓደሓደግዜ ከኣ ትንኩዕኳዕ እምነፍላሕ ዘለዎ ሓማል-ጸሊም ሉዝያዊ ጽኑዓይ ኢዩ።
እዚ ዓሰርተ-ሻውዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ2ን ሰሜን3ን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ4 ዝተዳለወ ኢዩ።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎