ሓወልቲ ኣዱሊስ ኣብ መበል 27 ዓመተግዝኣት ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ንጉስ ኣኽሱም ዝተወቕረ፡ ብኸመይ ዝበለ መስርሕ እተን ቅድሚኡ ዝነበራ ናኣሽቱ ኣውራጃውያን ሃገራት ናይ’ቲ ዞባ ኣብትሕቲ ሓደ ስልጣን ተጠርኒፈን ንግስነት ኣኽሱም ከቑማ ከምዝኻኣላ ዝሕብር ዓወታዊ ቅርጸጽሑፍ ዝሓዘለ መንበር እምነበረድ ነይሩ። ሓድነት ንግስነት ኣኽሱም ንምፍጣር ኣብ ጥንታዊ ኢቲዮጲያን ምድረዓረብን ንዝተኻየዱ ወተሃደራውያን ወፍርታት ይዝርዝር። ሓወልቲ ኣዱሊስ ናይ ዙፋን ቅርጺ ስለዝነበሮ፡ “ዙፋን ኣዱሊስ” ተባሂሉ እውን ሓደሓደሳዕ ይስመ ኢዩ። ኣድማሱ ህንዳዊመንገደኛ ከም’ዚ ዝስዕብ ብምባል ብዛዕባ ሓወልቲ ኣዱሊስ ይነግረና፣
“ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢቲዮጲያ፡ ክልተ ማይላት1 ካብ ደንደስ ባሕሪ ርሒቓ፡ ናይ ኣኽሱማውያን ወደብ ዝዀነት፡ ካብ ኣሌክሳንድሪያን ኤላናዊ ወሽመጥን2 ዝመጹ ነጋዶ ከኣ ብዙሕሳዕ ዝመላለስዋ፡ ኣዱሌ እትባሃል ከተማ ኣላ። ብወገን ምዕራብ ናብ’ታ ከተማ በቲ ናብ ኣኽሱም ዝወስድ መንገዲ ክትኣቱ ክትብል፡ ሓደ መንበር እምነበረድ ትርኢ። … ብኸም’ቲ ጠረጴዛ እምነበረድ ንምዕያይ እንጥቀመሉ ዝመስል፡ ግንከኣ ከም’ቲ ካብ ፕሮኮኔሱስ3 ዝመጽእ ዓይነት ዘይኰነ፡ ክቡር ጻዕዳ እምነበረድ ዝተሰርሐ ኢዩ።”
“ሰረቱ ርቡዕኩርናዓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓቱ ኣብ ኣርባዕተ ቀጠንትን ምልኩዓትን ዓንድታት የዐርፍ። ኣብ ማእከል ከኣ ኣብ ሓደ ዝያዳ ዝረጐደ፡ ጥውይዋያዊ ቅርጺ ዝተፋሕሮ ዓንዲ ይምርኰስ። እቶም ዓንድታት ነቲ ኮፍ መበልን ሕቖን ናይ’ቲ መንበር ይስከሙ። ኣብ የማናይን ጸጋማይን እቲ መንበር እውን ጐድንታት ኣሎ። ብምልኡ እቲ መንበር ምስ ሰረቱ፡ ሓሙሽቲኡ ዓንድታቱ፡ ኮፍ መበሊኡ፡ ሕቑኡ ከምኡ’ውን የማናይን ጸጋማይን ጐድንታቱ፡ ካብ ሓደ ንጽል ከውሒ ናብ’ዚ ዘለዎ ኣቃውማ ዝተወቕረ ኢዩ። ዓቐኑ ክልተ እመትን ፈረቓን4 ኰይኑ፡ ቅርጹ ከኣ ከምቲ ዙፋን ኣቡን ኢልና እንጽውዖ መንበር ይመስል።”
“ብድሕሪ እቲ መንበር፡ ከም ጽላት ዝመስል፡ ሰለስተ እመት5 ዝምንውሑን ርቡዕኩርናዓዊ ኣቃውማ ዝሓዘን፡ ኣርሓእምኒ ዝዓይነቱ ካልእ እምነበረድ ኣሎ። ኣብ ማእከል ላዕለዋይ ክፋሉ ሸሊሕ ውጥሚት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብኡ ጀሚሮም ጐድንታቱ በብቑሩብ ብቕርጺ ፊደል ላምዳ (x) የንቈልቁሉ። ቀንዲ ኣካል ናይ’ቲ ቀጸላ ግና ቅኑዕኩርናዓዊ ኢዩ። እዚ ጽላት ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ድሕሪ እቲ መንበር ወዲቑ ንረኽቦ። ታሕተዋይ ክፋሉ ድማ ተሰይሩን ዓንዩን ኢዩ። እቲ እምነበረድን6 እቲ መንበር ንባዕሉን ብፊደላት ግሪኽ ምሉእብምሉእ ዝተሸፈኑ ኢዮም። … ብተወሳኺ ኣብ ዝባን እቲ መንበር ዝተወቕረ ምስልታት ኤራቅለስን7 ሜርኩሪን8 ረኺብና…”
ንኣድማሱ ኣብቲ መንበር ዝተወቕረ ጽሕፈት መቐጸልታ ናይቲ ኣብቲ ጽላት ኣርሓእምኒ ዝነበረ ጽሕፈት መሲልዎ ነይሩ። እዚ ከኣ መእተውን ስም ናይቲ ዘቘሞ ንጉስን ዝሓዙ ቀዳሞት መስመራት ናይቲ ጽሕፈት ክረክብ ስለዘይከኣለ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ክልቲኦም ውቃራት ብዘይካ ጥቓንጥቓ ምንባሮም ዘራኽብ ኣይነበሮምን። ኣብቲ ጽላት ኣርሓእምኒ ዝነበረ ጽሕፈት፡ ነቲ ቶለሚ ሳልሳይ ዩርጌተስ9 ኣብ ኤሲያ ኣብ መጀመርታ ክፋል ግዝኣቱ፡ ማለት ካብ ቀዳማይ ክፋል ኲናት ሎደቂያ10 ጀሚሩ ክሳብ ንማእከላይ ኤሲያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእተወሉ ግዜ፡ ዘካየዶ ዕዉት ወተሃደራዊ ወፍርታት ዘዘንቱ ኢዩ። ኣብቲ መንበር እምነበረድ ዝነበረ ጽሕፈት ግና፡ ንሓደ ገለ ዘመናት ድሕሪ ቶለሚ ሳልሳይ ዩርጌተስ ናይ ግብጺ ዝነበረ ኣኽሱማዊ ንጉስ ኣብ ጥንታዊ ኢቲዮጲያን ምድረዓረብን ዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝገልጽ ኢዩ።
ሎሚ እዞም ጥንታውያን ሓወልትታት ክርከቡ ኣይተኻእሉን። ኣብ ዑናታት ኣዱሊስ ተቐቢሮም ኣለዉ። መዝገብ ትሕዝቶታቶም ካብናይ ኣድማሱ ህንዳዊመንገደኛ ቅርጸመሬት ክርስትያን ዘርእስቱ መጽሓፉ11 ጥራሕ ኢና እንረኽቦ። ተስፋ ንገብር ሓደ መዓልቲ ብዕዮ ስነኩዕታ እንደገና ክቕልዑ።
መወከሲ ነጥብታት
- 3.2 ኪሎሜተራት። ↩︎
- ኤላናዊ ወሽመጥ ሎሚ ወሽመጥ ኣቃባ ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። ↩︎
- ሎሚ ፕሮኮኔሱስ ማርማራ ደሴት ተባሂላ ትጽዋዕ ኰይና፡ እታ ብዕቤታ ካልአይቲ እትስራዕ ደሴት ቱርኪየ ኢያ። ካብ ጥንቲ፡ ብልዑል ብቕዓቱን ልምጹን ዝልለ እምነበረድ ብምፍራይ ዝገነነት ኢያ። ↩︎
- ኣስታት 114 ሰንቲሜተር። ↩︎
- ኣስታት 137 ሰንቲሜተር። ↩︎
- እቲ ጽላት ኣርሓእምኒ ማለቱ ኢዩ። ↩︎
- ኤራቅለስ ከም ልዕለሰብኣዊ ጉልበት ዝነበሮ ሓውሲኣምላኽ ጅግና ዝሕሰብ ዝነበረ ኰይኑ፡ መዳርግቲ ዘይነበሮ ምልክት ሰብኣያዊ ሓይልን ትብዓትን ነይሩ። ከም ዋሕሰኛ እውን ይምለኽ ነይሩ። ↩︎
- ሜርኩሪ ሓደ ካብ ሮማውያን ኣማልኽቲ ኰይኑ፡ ኣምላኽ ንግዲ፡ ሸቐጥ፡ መራኸቢታት፡ መጓዓዝያ፡ ወዘተ ነይሩ። ከም መልእኽተኛ ኣማልኽቲ እውን ይቑጸር ነይሩ። ↩︎
- ቶለሚ ሳልሳይ ዩርጌተስ፡ ካብ 246 ክሳብ 222 ቅ።ል።ክ ኣብ ግብጺ ዝገዝአ መበል ሳልሳይ ፋርኦን ናይ ቶለማዊ ስርወመንግስቲ ኢዩ። ↩︎
- ካብ 246 ክሳብ 245 ቅ።ል።ክ። ↩︎
- The Christian Topography of Cosmas, An Egyptian Monk. Translated from the Greek, and Edited, with Notes and Introduction by J.W. McCrindle (1897). Printed at the Broford Press for Hakluyt Society: London. ↩︎