ስነምድሪ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጨንፈራት ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ኰይኑ፡ ብሰፊሑ ክርአ ከሎ፡ ንውሽጣውን ደጋውን ክፋላት ምድሪ የጽንዕ። ንኣቃውማ፡ ኣፈላልቓን ምንቅስቓሳትን ምድሪ ከምኡ’ውን ንተፈጥሮኣዊ ማዕድናውን ጸዓታውን ጸጋታታ ይምርምር። ስለዚ ድማ ኢዩ “ምድረስነፍልጠት” ወይ “ስነፍልጠት ምድሪ” ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ።

ስነምድሪ ካብ ፈለማ ታሪኽ ንምድሪ ዝቐረጹ መስርሓት ይፍትሽ። መዛግብቲ ኣኻውሕ ተጠቂሙ ንታሪኽ ምድሪ ይዝርዝር። ንኣብ ዙርያና ዝርከቡ ማዕድናት፡ ኣኻውሕን ካልኦት ነገራትን ይምርምር። ተፈጥሮኣውያን ነገራት ክፍጠሩ ዝገበሩ መስርሓት፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ኰነ ውሽጢ መሬት ንዝውሕዝ ማይ፡ ምስ ግዜ ንዝተራእዩ ለውጥታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ምቅይያራት ይድህስስ። ስነምድሪ ኣብ ዘካይዶም ስርሓት፡ ንብዙሓት ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠታት ከም ስነነገር፡ ስነቀመም፡ ስነሂወት፡ ስነቁጽሪ፡ ስነኮኾብ፡ ወዘተ ዘኣመሰሉ ዝቐናብር ኣዋሃሃዲ ዓውደፍልጠት ኢዩ።

ስነምድረኛታት እንታይ ይገብሩ?

ስነምድረኛታት ኣብ በብዓይነቱ ሸቕልታት ኣብ ዝተፋላለዩ ትካላት ዕዮ፡ ኩባንያታትን ማሕበራትን ይሰርሑ። ገሊኦም ኣብ ቤት-ጽሕፈታት ክሰርሑ ከለዉ፡ ገሊኦም ኣብ መሮር ይሽቅሉ፡ ካልኦት ከኣ ንኽልቲኡ ዝሕውስ ተልእኾታት የካይዱ። ኣብ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ኩባንያታት፡ ኣብ መንግስታውያን፡ ኣህጉራውያን ከምኡ’ውን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ኣብ ንግዳውያን ትካላትን ዘይንግዳውያን ማሕበራትን ይዓዩ። ገለ ካብቶም ስነምድረኛታት ዝሰርሕሎም ጽላታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣ ዕደና፡ ህንጻ፡ ህንደሳ፡ ጽዓት፡ ትምህርቲ፡ ምርምር፡ መራኸቢታት፡ ኣከባቢ፡ ጽሬት፡ ስርዓተሕጊ፡ ምክልኻል ሓደጋታት፡ ምሕደራ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ወዘተ።

ካብቶም ስነምድረኛታት ዘካይድዎም ዕዮታት እዞም ዝስዕቡ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል፣

  1. ስነምድራዊ ስነዳ መሮር፣ ንዓይነታት ኣኻውሕን ስነምድራዊ ኣቃውማን ሓደ ቦታ ምምርማርን ከመይ ከምዝዛመድ ምግላጽን። ካብኡ ተመርኲስካ ከኣ ስነምድራዊ ካርታ ምድላው።
  2. መርኣያ ስነምድራዊ ዳህሳስ ምክያድ።
  3. ምድረኢደግብራዊ ስነዳ፣ ንህንደሳዊ ባህርያት ኣኻውሕን ድልዳሊኦምን ቅድሚ ዝዀነ ዓይነት ህንጸት ወይ መሬታዊ ለውጢ ምግምጋም። ንኣብነት ቅድሚ ህንጻ ገለሪያ ምክዋን።
  4. ስነምድራዊ ምዝገባ፣ እዚ ኣብ መሮር ዝግበር ምስ ስነምድራዊ ኩዕታ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ስነምድረኛታት ኣብ ትሕቲ ገጽ መሬት ዝርከብ ስነምድራዊ ኣቃውማ ንምርዳእ፡ ብኹዕታ ንዝወጹ ኣኻውሕ ይገልጹ። ምዝገባ ኣብ ልዕሊ ገጽ መሬት ዝርከቡ ድበታውያን ወይ እሳተጎመራውያን ኣኻውሕ እውን ሕሉፍ ከባብያዊ ለውጥታት ንምጽናዕ ወይ መርኣያ ቦታታት ብቕኑዕ ንምምልካት የገልግል። ስነምድራዊ ምዝገባ እዞም ዝስዕቡ ዓይነታት የጠቓልል፣
    • ምዝገባ ሕመረት ከውሒ (ወይ ምዝገባ ጭንፋል ከውሒ)፣ እዚ ንኩባንያታት ነዳድን ዳህሰሳን ኣገዳሲ ኢዩ።
    • ምዝገባ ጭቃ፣ እዚ ኣብ ዳህሳስ ነዳድን ጋዝን ወሳኒ ዕዮ ኢዩ።
    • ምድረኢደግብራዊ ምዝገባ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለዉ ኣኻውሕ ክሳዕ ክንደይ ተረርቲ ወይ ድኹማት ምዃኖም ሕመረት ከውሒ ብምጽናዕ ዝግምግም ኢዩ።
  5. ስርሓት ቤተምርምር፣ ስነምድራዊ ምርመራታት ምክያድ ከምኡ’ውን ንዝተፈላለያ ኩባንያታትን ትካላትን (ከም ትካላት ዕደና፡ ነዳድን ጋዝን፡ ህንደሳ፡ ኣከባቢ ዝ ኣመሰላ) ዝጠቅም ጥረሓበሬታ ምምስራሕ። ሸቕሊ ቤተምርምር እዞም ዝስዕቡ ዕዮታት የጠቓልል፣
    • ስራሕ ማይክሮስኮፕ፣ ንኣዚዩ ደቀቕቲ ትርኢታት ኣኻውሕ ብማይክሮስኮፕ ምጽናዕ።
    • ምድረቀመማዊ ትንተና፣ ቀመማዊ ሜላታት ተጠቂምካ ንባህርያት መርኣያታት ምቕላዕ። ንኣብነት ሓጺናዊ ትሕዝቶ ወይ ዓይነት ነዳዲ ምግሃድ።
    • ምድረሜካኒካዊ ፈተነታት፣ ድልዳሌ ኣኻውሕ ምፍታን።
  6. ብኮምፒተር ዝግበር ስርሓት፣ ኩሎም ስነምድረኛታት ብዙሕ ዕዮታቶም ፍሉይ ሶፍትዌራት ብምጥቃም ኣብ ኮምፒተር የካይድዎ። ነዞም ዝስዕቡ ከኣ የጠቓልል፣
    • ስርዓታት ጽንዓተምድራዊ ሓበሬታ (ስ።ጽ።ሓ)፣ እዚ ብቐንዱ ኣብ ኮምፒተር ዝካየድ ስነምድራዊ ስነዳ መሮር ኰይኑ፡ ስነምድረኛታት ካብ መሮር ንዝኣከብዎ ጥረሓበሬታ ኣብ ድጂታላዊ መኽዘን ጥረሓበሬታ ምኽታት ኢዩ።
    • ምሕደራ መኽዘን ጥረሓበሬታ።
    • ስርሓት ንድፊ፣ እዚ ዓይነት ሸቕሊ ዘካይዱ ስነምድረኛታት ስልጠና ኣጠቓቕማ ፍሉይ ሶፍትዌር ወይ ኮምፒተር ፕሮግራሚንግ የድልዮም። ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓለሉ ስርሓት ከኣ የካይዱ፣
      • ምንዳፍ ስነምድራዊ መስርሓት (መብዛሕትኡ እዋን ንምርመራ ዝዓለመ ኢዩ)።
      • 3-ወገናዊ ንድፊ ዕቑር ማዕድን፡ መሬት ነዳዲ ወይውን ዕቑር ማይ ምድላው።
      • ንብህንደሳዊ ውጥን ዝቕየር ስነምድራዊ ሓውሲ ገጸመሬት ምንዳፍ።
  7. ጸብጻባት ምጽሓፍ ከም ኩሎም ስነፍልጠኛታት፡ ስነምድረኛታት ንኹሉ ርኽበታቶም ብጽፉፍን ንጹርን መንገዲ ክጽብጽብዎ የድሊ። እዚ ካብ ዕለታዊ ጸብጻብ ምቕራብ ክሳብ ምድላው ዓንቀጻት ወይውን መጽሓፍ ክበጽሕ ይኽእል።

ምንጭታት

American Geosciences Institute. Geoscience Workforce. Retrieved from https://www.americangeosciences.org/workforce

Geological Society of London and University Geoscience UK. What is Geology? Retrieved from https://www.geolsoc.org.uk/Geology-Career-Pathways/What-is-Geology

Geological Society of London and University Geoscience UK. What do geologists do? Retrieved from https://www.geolsoc.org.uk/Geology-Career-Pathways/What-is-Geology/What-do-Geologists-do

Geological Society of London and University Geoscience UK. Job Sectors. Retrieved from https://www.geolsoc.org.uk/Geology-Career-Pathways/Careers/Job-Sectors

Indeed Editorial Team (2023) What Is a Geologist? (With Duties, Skills and Salary). Indeed.com India. Retrieved from https://in.indeed.com/career-advice/finding-a-job/what-is-a-geologist

Whittinghill, Kyle (2024) Introduction to Geology. In Environmental Science. Compiled by LibreTexts Project. University of Pittsburgh. Retrieved from https://bio.libretexts.org/Courses/University_of_Pittsburgh/Environmental_Science_(Whittinghill)/06%3A_Geology/6.01%3A_Introduction_to_Geology

U.S Bureau of Labor Statistics. Geoscientists. In Occupational Outlook Handbook. Retrieved from https://www.bls.gov/ooh/life-physical-and-social-science/geoscientists.htm#:~:text=Geologists%20study%20the%20materials%2C%20processes,to%20them%20since%20their%20formation.