ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ምጽራፍ ኣብ ሕብረተሰብና ዝውቱር ኰይኑ ይርከብ። ሰብ ኣፉ እንተኸፈተ ምዝላፍ ዝቕድሞ ኢዩ ዝመስል። ክዋዘ ጸርፊ፡ ክዋሳእ ጸርፊ፡ ክካታዕ ጸርፊ፡ ክሕጎስ ጸርፊ፡ ክሓዝን ጸርፊ፨ኣብ መወዳእትኡስ መልሲ እዚ ሃገርን ሕብረተሰብን ዘባላሹ ዘሎ ክፉእ ልምዲ እንተረኸብኩ ኢለ ሕግታት እንዳባ ህዝብና ክፍትሽ ፈቲነ። እቲ ዝገርም ግን ስርዓታት እንዳባ ሕብረተሰባትና ንኽፉእ ኣፍ ኣዚዩ ኢዩ ዝኹንኖ። መርኣያ ክኸውን ኢለ እነሆ ቆናጪለ ፍርዲ ክጸርፍ ዝተረኽበ ሰብ ብመሰረት ሕግታት እንዳባ ሕብረተሰብና የቕርበልኩም ኣለኹ።

ኣብ ስርዓት ዓጽሚ-ሓርማዝ፣ ብኣፉ ዝዓመጸ፡ ከም ኣድጊ፡ ሓርፋፍ፡ ቆርፋፍ፡ ውርንጫ፡ ባርያ፡ ጠቢብ፡ ቡዳ፡ ናህባይ ዝኣመሰሉ ጸርፍታት ዝበለ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።

ኣብ ሕጊ ስርዓተ ኣድከመ-ምልጋእ፣ ኣድጊ ኢሉ ዝጸረፈ 60 ቅርሺ ይኽሕስ። ባርያ ወይውን ብኸንፈሩ ዝውጠጥ ኢሉ ዝጸረፈ ንተጸራፊ 60 ቅርሺ ኪሒሱ ናብ ዕዳጋ ሓዚሉ ወሲዱ ይስይሞ። ዋጣ፡ ሓሜን ኢሉ ዝጸረፈ ሕልቂ ይኽሕስ። ኣኮይፍረስ ዝበለ 3 ሕልቂ ይኽሕስ።

ኣብ ስርዓት ካርነሽም፣ ባርያ፡ ናህባይ ኢሉ ዘይውላዱ ዝጸረፈ ዋጋ ዓሰርተ ላሕምታት ይኸፍል።

ኣብ ስርዓት ሸውዓተ-ዓንሰባ፣ ኣድጊ፡ ሳሕሳሕ፡ ሓርፋፍ፡ ቡዳ፡ ባዓል መናፍሕ፡ ወይውን ባርያ ኢሉ ዝጸረፈ 40 ፈርጊ ይዓዲ።

ኣብ ሕጊ ሳሓርቲ-ላምዛ፣ ባርያ ኢሉ ንጭዋ ዝጸረፈ’ሞ መርትዖ ዝሳኣነ 120 ቅርሺ ይኽሕስ። ኣድጊ ኢሉ ዝተጻረፈ፡ 120 ቅርሺ ኪሒሱ ይተሓዝ። ሳሕሳሕ ኢሉ ዝተጻረፈ 30 ቅርሺ ይኽሕስ። ቡዳ፡ ናህባይ፡ ጠቢብ ኢሉ ዝጸረፈ’ሞ መርትዖ ዝሳኣነ፡ 120 ቅርሺ ኪሒሱ ይተሓዝ።

ብሕጊ ሎጎ-ጭዋ፣ ብዘይጭብጢ ባርያ ዝበለ 60 ፈርጊ ከፊሉ ንተጸራፊ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ሓዚሉ ሲዩም ይብሎ። ኣድጊ፡ ሳሕሳሕ፡ ሓርፋፍ፡ ፍንፉን፡ ዋይዝሻንቅላ፡ ውላጅ፡ ውጡሕኣካኤል፡ ተሽተሽ፡ ሓሰርንፋይ፡ ቁርንጫጭ፡ ውርንጫ፡ ትሽየጥ ኢኻ ዝበለ 60 ፈርጊ ይኸፍል።

ኣብ ሕጊ ሃብተስሉስ፣ ባርያ፡ ናህባይ፡ ኣድጊ ዝበለ፡ ዘይምላድ ዝሃበ፡ ዋጋ 10 ኣሓ ይኸፍል። ኣብ ርእሲኡ ንተጸራፊ ሽዩም ኢሉ ዕዳጋ ወሪዱ ይሓዝሎ።

ኣብ ስርዓት ሓደግቲ፣ ዓጽሚ ወለዶ ሲዩም ዝጸረፈ፡ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።

ኣብ ስርዓት ማይኣድጊ፣ ባርያ፡ ጠቢብ፡ ሓሳዊ ምስክር፡ ፍንፉን፡ ርኹስ ኢሉ ዝጸረፈ፡ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።

ኣብ ስርዓት እንዳ-ፍግራይ፣ ባርያ፡ ጠቢብ ኢሉ ዝጸረፈ፡ ወለዶ ዘናሸወ 55 ቅርሺ ይኸፍል።

ኣብ ስርዓት ዝባን ሰራውር፣ ባርያ ወይ ጠቢብ ኢሉ ዝጸረፈ፡ ወለዶ ዘናሸወ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።

ኣብ ሕጊ ኣድግናተገለባ፣ ንዓለት ንደም ነቕኒቑ ዝጸረፈ፡ ጠቢብ፡ ባርያ፡ ዋጣ፡ ሓሜን፡ ኣድጊ፡ ዓዲ-ዓውዲ ዘይብሉ፡ በዲኡ ዝጸረፈ፡ ጀማሪ እንተኾይኑ 110 ቅርሺ ይኽሕስ። ምስተጸርፈ ዝጸረፈ እንተኾይኑ ድማ 55 ቅርሺ ይኽሕስ።

ዝተጠቕሰ ዋጋታት ቀሊል ከይመስለኩም! እቲ ኣብ’ቲ እዋን ዘገልግል ዝነበረ ቅርሺ ማሪያ ተሬዛ ተይለር ሎሚ ዋግኡ ክትመን ከሎ፡ 1 ቅርሺ 28 ይሮ ኢዩ። ሎሚ መብዛሕትኣ መንእሰይ ከም’ቲ እትጻረፎ እንተትቕጻዕ ነይራ ሓንቲ ጭል ትብል ሳንቲም’ውን ዝተርፋ ኣይመስለንን!