ሃጸይነት ኣኽሱም ንዝተፈላለየ ቋንቋታትን ባህልን ዝነበሮም ኣፍሪቃውያን ወ ዓረባውያን ኣህዛብ ዝጠርነፈ ብዙሐብሄራዊ ሃጸይነት ነይሩ። ሸቶታቱ ንምርግጋጽ፡ ግዝኣታውን ዕብለላውን መካወንያታት ይጥቀም ነይሩ። ብቐጥታዊ ወረራዊ ውግኣት ንሰፊሕ ክፋል ቅርኒ ኣፍሪቃ ከምኡ፣ውን ንክፋላት ደቡባውን ምዕራባውን ምድረዓረብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትዩ። ንዝገዝኦም ኣህዛብ ግብሪ የገብር ነይሩ። ኣብ ሕርያ ከባብያውያን ነገስታት ጣልቃ ብምእታው ወይ ቀጥታ ብምምዛዝ፡ ከባብያዊ ምንሕናሓት ብምምዝማዝ፡ ኣብ ዝተመርጹ ቦታታት ሰራዊት ብምስፋርን ብምጉባጥን፡ መዋግኣዊ ደገፍን ውሕስነትን ብምሃብ ከምኡ፣ውን ብቁጠባዊ ዕብለላ ቁጽጽሩ የውሕስ ነይሩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጉልበት ሃጸይነት ኣኽሱም ወሳኒ ተራ ነይርዎ። ብካብቶም ኣዚዮም ጸለውቲ ስዩማት ሃጸይነት ኣኽሱም ዝነበረ ባሕር ነጋስ እንዳተመርሐ፡1 ናብ ሓውሲደሴት ዓረብ ስልጣን ክዝርጋሕን ንመስመራት ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ምቁጽጻርን ኣኽኢሉ። እዚ ድማ ንሃጸይነት ኣኽሱም መሳለጢት ሸቐጣዊ ርክባት ኣብ መንጎ ህንዳዊ ውቅያኖስማእከላይ ባሕርን፡ ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ኣፍሪቃኤሲያን ክትከውን ገይርዋ።2 ስለዝዀነ፡ ንግዲ ኣብ ሃብትን ብርትዐን ሃጸይነት ኣኽሱም ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎ።

መንበሪ ንጉሰ ነገስት ዝነበረት ርእሰከተማ ኣኽሱም መማእከሊት ሃጸይነት ነይራ። እቲ ሃጸያዊ ክፋላት ድማ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተንጉስ ኣኽሱም ብዝተሰርዓ ኣዚየን ባዕለሓገግቲ ትሕተ-ንግስነታት፡ ሕልቅነታት፡ ወ ኣውራጃታት ዝቘመ ነይሩ።3 እተን ትሕተንግስነታት “ነጋስ” ዝብል መዓርግ ብዝነበሮም ትሕተነጋውስቲ ይግዝኣ ነይረን። እተን ብሰበኽሳግም ኣህዛብ ዝቘማ ሕልቅነታት ብሓለቓታት ይምርሓ ነይረን። እተን ኣውራጃታት ከኣ “ስዩም” ዝብል መዓርግ ብዝነበሮም ይመሓደራ ነይረን። ንሳቶም ብወገኖም ንንኡሳን ሓለቓታትን ኣራእስ ዓድታትን ይእዝዙ ነይሮም።

እተን ትሕተንግስነታት ቅድሚ ምቛም ሃጸይነት ኣኽሱም ነጻ ህላዌ ዝነበረን ኢየን።4 ገለ ካብኣተን ድማ ካብ ኣኽሱም ንላዕሊ ጥንታውነት ነይርወን። ንኣብነት፡ ኣዱሌ ንነዊሕ ግዜ ቅድሚ ትንሳኤ ኣኽሱም ኣገዳሲት ማእከል ንግዲ ናይቲ ዞባ ነይራ።5 ኣኽሱም ዝገበረቶ ንኹላተን ዝጥርንፍ ሓደ ፖለቲካዊ ጽላል ምፍጣር ነይሩ። እተን ትሕተ-ንግስነታትን ሕልቅነታትን ብደቀባት ገዛእቲ ስድራቤታት ይምርሓ ነይረን።

ኣኽሱማዊ ምሕደራ ኣብ ብዙሐቀጸላዊ መሳርዕመዚ ዝተመርኰሰ ነይሩ። ሃጸያውያን ሰበስልጣናት “ስዩም” ዝብል መጸውዒ ነይርዎም።6 ሃጸያዊ መንግስቲ ኣኽሱም መማእከሊ ምሕደራ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቁመና ስልጣኑ ምሉእብምሉእ ግዝኣተንጉሳዊ ዝነበረ ይመስል። ቅድሚ ምእታው ክርስትና ከኣ ሓውሲ-መለኮታዊ ገዛኢ ዘመልክት ዓይነት ንግስና ነይሩ። መቕርብ ስድራ ሃጸይ ኣገዳሲ ተዋግኣውን ምሕደራውን መዝታት ዝሓዙ ነይሮም። ንኣብነት ኣብ ፈለማ 200ታት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፡ ዋናከተማ ሖመር ዝነበረት ረይደን ብወዲ ንጉሰ ነገስት ገደረተ (ገደራት) ዝዀነ በየገተ (በየጋት) ተጐቢጣን ተዓሪዳን።7 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 240ታት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፡ ንጉሰ ነገስት አደበሐ (ኣደባሕ) ንወዱ ገረመተ (ግርማት) ውግኣዊ ልእኽቶ ክፍጽም ናብ ደቡብ ዓረብ ሰዲድዎ።8

ዝለዓለ መዚ ሃጸይነት ኣኽሱም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣኽሱም ነይሩ። “ንጉሰ ነገስት” ዝብል መዓርግ ድማ ነይርዎ። ልዕልና ስልጣን ንጉሰ ነገስት ብንጹር ኣብ ባጤራ ኣኽሱም ይርአ። ምስሊ ንጉስ ኣብ ክልቲኡ ቅድመገጽን ድሕረገጽን ናይቶም ባጤራታት ወርቂ፡ ብስሙን “ንጉሰ ኣኽሱማውያን” ብዝብል መዓርግን ተዓጂቡ ይርከብ።9 ካብቶም ባጤራታት፡ ምስሊ ሰገን-ጣፍ ናይ ሃጸይነት ኣኽሱም ኣርማ ከም ዝነበረ ንግንዘብ።10 እዚ ንፍርያምነት መሬታ ዝጽንብል ከምኡ፣ውን ተፈጥሮኣዊ ምህርቲ ንሃጸይነት ኣኽሱም ዝነበሮ ኣገዳስነት ዘመልክት ይመስል። ብተወሳኺ፡ ሃይማኖት መንግስቲ፡ ቅድሚ ክርስትና ብመልክዕ ምስሊ ጸሓይን ወርሕን (ምልክት ኩሎም ጣኦታት ኣማልኽቲ ዝነበረ)፡ ድሕሪ ምእታው ክርስትና ከኣ ብምስሊ መስቀል (ምልክት ክርስትና)፡ ኣብ ባጤራታት ኣኽሱም ጎሊሑ ንረኽቦ።

ቅድሚ ምእታው ክርስትና፡ ንጉሰ ነገስት ኣኽሱም ከም ውሉድ ማሓረም፡ ጣኦታዊ ኣምላኽ ኲናትን ፍትሕን ኣኽሱም፡ ይቑጸር ነይሩ። ኣብ ግሪኻዊ ጽሑፋት፡ ማሓረም ከም መዘና ኣሬስ፡ ጣኦታዊ ኣምላኽ ኲናት፡ ትብዓትን ሰለማዊ ስርዓትን ግሪኻውያን፡ ኰይኑ ይቐርብ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ጃህራ መለኮታዊ ውልዱነት፡ ኣብቲ እዋን መብዛሕትኦም ጥንታውያን ነጋውስቲ ዘዘውትርዎ ስልቲ ነይሩ። ነገስታት ኣብ ቅድሚ ግዙኣቶም ንዝነበሮም ክብሪ ንምድራዕ ይጥቀምሉ ነይሮም። ካብ ኩሎም ደቅሰባት ዝተፈልዩን ዝለዓሉን፡ ሓውሲ-መለኮታውያን ኰይኖም ንኽቀርቡ ይሕግዞም ነይሩ። ድሕሪ ምእታው ክርስትና ግና፡ ሃጸያት ኣኽሱም ቅቡልነቶም ንምሕያል ኣብ ሓድግታት ኣቦታቶም ይምርኰሱ ነይሮም።

ውርሻ ዙፋን ኣኽሱም ኣቦሓረጋዊ ነይሩ። ካብ ኣቦ ናብ ወዱ፡ እዚ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ናብ ናይ ደም ሓው ይሳጋገር።11 ንኣብነት፡ ክልቲኦም ዔዛናን ካሌብን ንኣቦታቶም ስዒቦም ናብ ዙፋን ደይቦም። ክልተ ውሉዳት ካሌብ እውን ብተኸታታሊ ነጊሶም። ቦኽርነት ኣብ ምትሕልላፍ ዙፋን ዝነበሮ ተራ ንጹር ኣይኰነን። ሃጸያት ኣኽሱም ብዙሓት ኣንስቲ ይንበርኦም ኣይንበርኦም ንፈልጦ የለን። ኣብ መስርሕ ውርሻ ዙፋን ምትሕልላኻት እንተተፈጢሩ ብኸመይ ከምዝፍታሕ ዝነበረ ዘብርህ ሓበሬታ የብልናን። ምሉእ ንጉሳዊ ስልጣን ብሰበይቲ ከም ዝትሓዝ ዝነበረ ዘረድእ ዝዀነ ይኹን መርትዖ ኣብቶም ናይቲ እዋን ምንጭታት የለን። እንተዀነ ግና ሰበይቲ ወኪልገዛኢት (ናይ ዘይበጽሒ ወራስ ዙፋን) ክትከውን ትኽእል ከም ዝነበረት ዘመልክት ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ዝተኻእለሉ ሃጸያዊ መንግስቲ ኣኽሱም ዘይቀጥታዊ ገዚእነት ገባሮ የዘውትር ነይሩ። ምሕደራ ክፋላት ሃጸይነት፡ ንዝጸንሑ ከባብያውያን ገዛእቲ ኣፍልጦ ብምሃብ ወይ ሓደስቲ ገዛእቲ ካብ ከባብያውያን ስድራታት ብምሻም ከምኡ፣ውን ምልክት ጽግዕተኝነት ዝዀነ ግብሪ ብምስላዕ የካይድ ነይሩ። መስራቲ ሃጸይነት ኣኽሱም ከም ዝነግረና፡ ድሕሪ እቶም ዝወረሮም ዝተፈላለዩ ኣፍሪቃውያን ነገዳት ንስልጣን ኣኽሱም ምቕባሎም፡ ኣገቢሩ መሬቶም መሊስሎም። ብተመሳሳሊ፡ ንነገዳት ዓረብ ከም ዝግዝኡ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንነገስታቶም ስልጣኖም ብምምላስ ግብሪ መሬት ክኸፍሉ ከምኡ፣ውን ንመንገድታት ባሕርን ንቑጽመሬትን ክሕልዉ ገይርዎም። ከም ውጽኢቱ፡ ምእባይ ክፍሊት ግብሪ ከም ተግባር ዕልወትን ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ሃጸያዊ መንግስትን ይቑጸር ነይሩ። ግብረመልሲ መንግስቲ ኣኽሱም ንኸምዚ ዝበለ ጉዳይ ብሓደ ሃጸያዊ ውቃር ጽሕፈት ኣኽሱም ብኸምዚ ይግለጽ፥ “ነቶም ዝተኣዘዝዎ ኣናሕሰየሎም፡ ነቶም ዝተጻረርዎ ግና ቀተሎም።”12

መወከሲ ነጥብታት

  1. Abbadie, Arnaud-Michel (1868) Douze ans dans la Haute-Éthiopie (Abyssinie). p.539. Tome premier. L. Hachette et ce: Paris. ↩︎
  2. Kobishchanov, Yuri M. (1979) Axum. Edited by Joseph w. michels and translated by Lorraine T. Kapitanoff. Pennsylvania State University Press: Pennsylvania. ↩︎
  3. Munro-Hay, Stuart (1991) Aksum: An African Civilisation of Late Antiquity. Edinburgh University Press: Edinburgh. ↩︎
  4. Phillips, Jacke (2016) Aksum, Kingdom of. The Encyclopedia of Empire. 1st Edition. Edited by John M. MacKenzie. pp.1-5. John Wiley & Sons, Ltd. ↩︎
  5. Zazzaro, Chiara (2013) The Ancient Red Sea Port of Adulis and the Eritrean Coastal Region. Archaeopress: Oxford. ↩︎
  6. Guillaume, Alfred (1955) The Life of Muhammad. A translation of Ibn Ishaq’s Sirat Rasul Allah, Islam’s canonical biography of Muhammad. P.152. Oxford University Press: Oxford. ↩︎
  7. Munro-Hay (1991) p.72. ↩︎
  8. Ibid: p.73. ↩︎
  9. Ibid: p.149. ↩︎
  10. THE British Museum. Aksumite Coins – Humanities LibreTexts. Retrieved from https://human.libretexts.org/Bookshelves/Art/SmartHistory_of_Art_2e/04%3A_SmartHistory_of_Art_IV-_Africa/06%3A_East_Africa_and_the_Horn_of_Africa/6.02%3A_The_art_of_Ethiopia/6.2.01%3A_Aksumite_Coins ↩︎
  11. Munro-Hay (1991) pp.157-158. ↩︎
  12. ናይ ንጉሰ ነገስት ወሰና (ካብ 310 ክሳብ 330 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነገሰ) ምዃኑ ዝእመን ውቃር ጽሕፈት፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ናይ Munro-Hay (1991) ገጻት 223-224 ሰፊሩ እንረኽቦ። ↩︎