እዚ መዘከሪ ቃላት፡ ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ንእንረኽቦም፡ ብፊደላት እንዳ-መ ዝጅምሩ ስነምድራውያንን ስነማዕድናውያንን ቃላት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ይትርጉም።
መስኮዋይ፥ ኣባል ጉጅለ ማዕድን ሩፍራፍ ዝዀነ፡ ብብዝሒ ዝርከብ ነጽላ ጽጸረታይ ማዕድን ኰይኑ፡ ብልክዐኛ ጭደቱ፡ በርሃው ሕብሩ፡ ከምኡ፣ውን ዘንጸባርቕ ትርኢቱ ዝልለ ኢዩ።
መዐወርቅርኒ (ወይ መዖርቅርኒ)፥ ብርክት ዝበሉ ደባን-ዝሕብሮም ብትሕዝትኦም ዝፈላለዩ ግንከኣ ብኣካላዊ ባህርያቶም ዝማሳሰሉ ኣደንጋራይ ማዕድናት ኢዮም። እዞም ማዕድናት ብዘይ ቤተምርምራዊ ትንተና ካብ ሓድሕዶም ክትፈልዮም ኣይክኣልን ኢዩ።
መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕ፥ “ከውሒ ሓቒቕ” ወይ “ሓቒቕ እምባ” ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ሓደ ኣዚዩ ንጹር፡ ሕብሪኣልቦ ዓይነት ጥምቢሓቒቕ ኢዩ ከምኡ፣ውን ዘይከም ጸባዊ ጥምቢሓቒቕ ምሉእብምሉእ መሕለፊ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ እትወታት ነጻ ኢዩ።
መረጼናይ፥ ሕብሪኣልቦ ዓይነት ኦባል ኰይኑ፡ ሓደሓደሳዕ ንጹህ ከም መረጼን፡ ሓደሓደግዜ ከኣ ጻዕዳውን ደባንን ኢዩ።
መረጼነታይ፥ ዝተረፈ መጸውዒ መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕን ሩፍራፍን ዝሓዘ ጭዳይ ኢዩ።
መሮጣር፥ ኣብ ቀመማዊ ትሕዝትኡ ብህላዌ ዕረጨውን ጽጻርን ዝልለ ሓደ ሰፊሕ ጉጅለ ተረርቲ ሓቒቓዊ ማዕድናት ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ድማ ኖራዮ፡ ሓሞኽሻዮ፡ ሓሞጻሕዮ፡ ወይ ረዝናዮ ዘካተተ ኢዩ።
መሮሊካ ኣኻውሕ፥ ብጽጻር ሃብታም ዝዀኑ ኣኻውሕ ኰይኖም፡ ልዑል ትሕዝቶ ከም ጥምቢሓቒቕ፡ መሮጣር፡ ወይ መስኮዋይ ዝኣመሰሉ ማዕድናት ዘለዎም፡ ከምኡ፣ውን ብተዛማዲ ትሑት ትሕዝቶ ማዕድናት ሓጺንን ማግኔዚዮን ዘለዎም ኢዮም።
መዐደኒ፥ ጥረነገራት ማዕድን ዝወጻሉ ጉድጓድ ወይ ኩዕታ ምድሪ፡ ወይውን ኩምራ ዓቛሪታት ኢዩ።
መርጀን፥ ብገለ ባሕራውያን ፍጥረታት ከም ደጋዊ ኣስከሬን ዝምንጩ ተሪር እምናዊ ነገር ኢዩ።
መትኒ፥ ኣብ ስነምድሪ፡ ኣብ ነቓዕ ወይ ጨዳድ ናይ ከውሒ ብቀጸላዊ ወይ ሰንጠረጃዊ መልክዕ ዝርከብ ማዕድናዊ ምልኣት ኢዩ።
መላግቦምድሪ፥ ብኽልተ ወገኑ ምስ ማያዊ ኣካል ዝዳወብ፡ ንኽልተ ሰፋሕቲ ንቑጽመሬታት እውን ዘላግብ ብተዛማዲ ጸቢብ ቀጽዖ መሬት ኢዩ።
መጭቋሮ፥ ዝተፈላለየ ዓይነታት ዘለዎ መብዛህትኡሳዕ ኣብ ማይ ክብጽበጽ ዝኽእል፡ መጭቋር ቀመማዊ ውህዶ ኰይኑ፡ ምስ ተበጽበጸ ምስ መስራቲ ባእታ ብመልሰግብሪ ጨው ክፈጥር ይኽእል።
መስረማይ፥ እቲ ዝፈዀሰ በኒ ኰይኑ፡ ሕብሪ፡ መቐረት፡ ወይ ሽታ ዘይብሉ ከምኡ፣ውን ኣዚዩ ተባራዒ ቀመማዊ ባእታ ኢዩ። መስረማይ ምስ መስረጭቋር ተዋሂዱ ማይ ይፈጥር።
መስረማዮታይ፥ ሕውስዋስ ኣቶማት መስረማይን መስረጭቋርን ዘካተተ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ።
መስራቲ ባእታ፥ ኣብ ማይ ምስ ተበጽበጸ መጭላቝ ድህሰት ዝህብ፡ ዕረ ጣዕሚ ዘለዎ፡ ሕብሪ መመልከቲታት-ቀመም ዝቕይር፡ ምስ መጭቋሮቶት ብመልሰግብሪ ጨው ዝፈጥር፡ ወዘተ፡ በብዓይነቱ ንጥረነገር ኢዩ።
መስረጭቋር፥ ሕብሪ ኰነ መቐረት ወይውን ሽታ ዘይብሉ በናኒ ባእታ ኰይኑ፡ ን21% ክፋል ጠፈር ዘቕውም ኢዩ። ብዘይካ ምስ ሒደት ድስኩላን በንታት ምስ ኩሎም ባእታታት ክወሃሃድ ዝኽእል፡ ኣብ ስነኣካላዊ መስርሓት ዳርጋ ኩሎም ዝተፈልጡ ሂወታውያን ንጡፍ ዝዀነ፡ ከምኡ፣ውን ኣብ ምቅጻል ዕዙዝ ተራ ዘለዎ ኢዩ።
መስረጭቋራይ፥ መስረጭቋር ምስ ካልእ ባእታ ምስ ዝዋሃሃድ ዝጽዋዓሉ ስም።
ሙሽሙሽእምኒ፥ ብቐንዱ ብቻልሴዶናይን ንኡሰሓቒቓዊ ጥምቢሓቒቕን ዝቘመ ዘራቚ፡ ተጣሓኒ፡ ንኡሰሓቒቓዊ ጽጻራዊ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ።
ማእከላይ-ጥረኛ፥ ካብ 1 ክሳብ 5 ሚሊሜትሮ ሰንጣቒት ጥረ ዘለዎ እሳታዊ ወይ ልዉጣዊ ከውሒ፡ ከምኡ፣ውን ካብ 0.06 ክሳብ 2 ሚሊሜትሮ ሰንጣቒት ዘለዎ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ።
ማዕድን፥ ካብ ተፈጥሮ ብመልክዕ ሓቒቓት ዝርከብ ከምኡ፣ውን ብዘይህዋሳዊ መስርሓት ዝፍጠር ደረቕ ቀመማዊ ባእታ ወይ ውህዶ ኢዩ።
ማርጒላ፥ ልምሉም፡ ብርሁው-ዝሕብሩ፡ ደቂቕ-ጥረኛ ድበታዊ ከውሒ ኰይኑ፡ ዋላኻ ማዕድናት፡ ኖረታይ ወይ ኣራጎነታይ፡ ከምኡ፣ውን ድበት ዝሓዘ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከም መዳበርያ ወይ መካወኒ ሓመድ የገልግል።
ማርቋሺሻ፥ ዘይደራዊ ኣቃውማ ሓቒቕ ዘለዎ ሓጺን ዲናይ ኢዩ። ሓደ ዓይነት ቀመማዊ ቀመር ምስ ሓወይቶ ስለዘለዎ፡ ሓደሓደ ግዜ “ጻዕዳ ሓጺን ሓወይቶ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ሓወይቶ ብኣካል ኰነ ብሓቒቓዊ ኣቃውምኡ ዝተፈልየ ኢዩ። ከመይ፡ ሓወይቶ ትስልዒታዊ ኣቃውማ ሓቒቕ ዘለዎ ሓጺን ዲናይ ኢዩ።
ማግኔሲያ፥ ካብ ማግኔዚዮን መስረጭቋራይን ዝተፈጥረ ጻዕዳ ደረቕ ማዕድን ኰይኑ፡ ብተፈጥሮ ኣብ ዙረጭዳይ ይርከብ፡ ምንጪ ማግኔዚዮ ድማ ኢዩ።
ማግኔዚዮ፥ ጨብራይ-ጻዕዳ ዝሕብሩ፡ ፈኲስ፡ ዘይመራዚ፡ ዘይሳሓቢ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኢዩ። እቲ ካብ ኩሎም ሓጺነመጺናት ዝፈዀሰ ክብደት ዘለዎ እውን ኢዩ። ማግኔዚዮ ኣዚዩ መልሰግብረኛ ስለዝዀነ ኣብ ተፈጥሮ ምስ ካልኦት ባእታታት ተሓዊሱ ጥራሕ ኢዩ ዝርከብ።
ማንጋኔዝ፥ ተሪር፡ ተሓምሻሺ፡ ብሩራዊ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ብዙሕሳዕ ኣብ ማዕድናት ምስ ሓጺን ተሓዊሱ ይርከብ።
ምህመና፥ ቀስብቐስ ምስ ምኻድ ግዜ ዝፍጸም ኣካላዊ፡ ቀመማውን ስነሂወታውን ምፍርኻሽ ኣኻውሕን ማዕድናትን ኰይኑ፡ ብሰንኪ ኩነተጠፈራውን ስነሂወታውን መስርሓት ይስዕብ።
ምካኽእሳት፥ ብእሳተጎመራ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ዝፍጠር ምካኽ ኣኻውሕ ኢዩ።
ምድረሃጓፍ፥ ብመኽንያት ተማዓደውቲ ተኻታተልቲ ነቕዓትምድሪ ዝጠለቐ፡ ተማዓደውትን ዳርጋ ጋድማውያንን ጎድንታት ዘለዎ ዓቢ መስመራዊ ስንጭሮ ኢዩ።