እዚ ገጽ ኣብዚ ነቑጣ መርበብሓበሬታ ብዛዕባ ዘለዉ፡ ካብ ረ ክሳብ ሰ ብዘለዉ ፊደላት ዝፍልሙ ስነሂወታዊ ቃላት ሓጺር መብርሂ የቕርብ። ከም ኣድላይነቱ ዝውስኽ ድማ ኢዩ።
ረ
ረቦስ፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ብተፈጥሮ ዝርከብ፡ ከም መሰረታዊ መህነጺ ወሰንቲ ስነሂወታዊ ውህዶታት ኰይኑ ዘገልግል፡ ብሓሙሽተ ኣቶማት ፍሓሞ ዝቘመ ተራ ሽኮር ኢዩ።
ረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ረውመ)፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ኣብ ኩሎም ሂወታውያን ዋህዮታት ዝርከብ ነዊሕ ብዝሐfaል ውሻጠኛ መጭቋሮ ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕማሙ ጽማረ ሕምሮታት ዝቋጻጸሩ መምርሒታት ካብ ጎዳልረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ) ዘበጻጽሕ መልእኽተኛ ምዃን ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ሰመምቲ ኣብክንዲ ጎውመ፡ ረውመ ኢዩ ፍጥራዊ ሓበሬታ ዝስከም።
ረኽሲ፥ ሰብነት ብመፍረሕማም ዝዀኑ ደቂቕህዋሰኛታት ምስዝውረር ዝመጽእ ስነሕማማዊ ኩነት ኢዩ።
ሰ
ሰማሚ፥ ኣብ ስነሰማሚ፡ ብረቂቕ ሕምሮ ዝተጠቕለለ ጭራም ውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ ወይ ረውመ) ኰይኑ፡ ኣብውሽጢ ዋህዮታት ህያውያን ኣእንገድቱ ጥራሕ ገዛእነብሱ ዘራብሕ ሕ፣ሉፍደቂቕትርኢታዊ ኣርካሲ መጋበርያ ኢዩ። ብዙሓት ካብኣቶም መፍረሕማማት ኢዮም።
ሰበባ ወይ ስበት፥ ፍልማዊ ቀጠጽሊ ዘካትቱ፡ ናይ ባሓቂ ጉንዲ፡ ሱርን ቈጽልን ዝጐድሎም፡ ብቐንዱ ማያውያን ሓቀኛውሻጣውያን ህዋሰኛታት ኢዮም።
ሳዕሪ፥ እንስሳታት መጋሃጫ ዝቛርፍዎ፡ ሓሰር ንክኸውን ዝዕጸድን ዝናቐጽን ጸቢብ ዘቝጽልቱ ሓምላይ ዕጽዋት ኢዩ።
ሰፈርደረታዊ ተኽሊ፥ ኣብ ሓደ ቦታ እንዳባዊ ተኽሊ ዝዀነን ኣብ፣ቲ ቦታ ጥራሕ ብተፈጥሮ ዝበቝልን ተኽሊ ኢዩ።
ሰፍናጊ፥ ቀጠጽሊ ዝጐድሎን ህዋሳዊ ነገራት ዝምገብን ኣባል ንግስነት ሰፍነግቲ ዝዀነ ህዋሰኛ ዘበለ ኢዩ።
ሳላማንድራ፥ ምስ ጠበቕ ዝመሳሰል ናብ ማይ ንኽፋረ ጥራሕ ዝምለስ መሬታዊ ምድረማያዊ እንስሳ ኢዩ።
ሳዕረክንቲ፥ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዕምባባ ኰነ ዘርኢ ዘይብሉ፡ ካብ ስርዊት ናይ ባሓቂ ሱራት ከምኡ፣ውን ናብ ላዕሊ ገጾም ዝዝርግሑ ላኻታት ዘለዎ፡ ብፈርዒ እውን ዝፋረ ሰራውራዊ ተኽሊ ኢዩ።
ሳዕሪስበት፥ ንዕንጭሉቝ ቈጻል-ዝጉንዱ ዕምባባኣልቦ ተኽሊ ኢዩ።
ሳቫና፥ ኣብ ቆላን ወይነደጋን ስፍራታት ዝርከብ ሰጥ ዝበለ መሬትሳዕሪ ኢዩ።
ስርዊት፥ ኣብ ልዕሊ ባይታ ጠጥዒ፡ ኣብ ትሕቲ ባይታ ከኣ ሱራት ዘለዎ ከም ቁመና መፋረዪ ኰይኑ ዘገልግል ጋድማዊ ጉንዲ ተኽሊ ኢዩ።
ስቡሕ ተኽሊ፥ ከም ቅሚጦታት ማይ ዘገልግሉ ሰጋው ማይ-ዓቘርቲ እልምታት ዘለዎ ምስ ነቓጽ ክውንነታት ዝርዕም ተኽሊ ኢዩ።