እዚ ገጽ ንኣብዚ ነቑጣ መርበብሓበሬታ ዘለዉ ብፊደላት ረን ሰን ዝጅምሩ ስነቀመማውን ስነነገራውን ቃላት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ይገልጽ። ከም ኣድላይነቱ ድማ ይውስኽ።
ረ
ረቦስ፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ብተፈጥሮ ዝርከብ፡ ከም መሰረታዊ መህነጺ ወሰንቲ ስነሂወታዊ ውህዶታት ኰይኑ ዘገልግል፡ ብሓሙሽተ ኣቶማት ፍሓሞ ዝቘመ ተራ ሽኮር ኢዩ።
ረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ረውመ)፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ኣብ ኩሎም ሂወታውያን ዋህዮታት ዝርከብ ነዊሕ ብዝሐፋል ውሻጠኛ መጭቋሮ ኰይኑ፡ ቀንዲ ተራኡ ጽማረ ሕምሮታት ዝቋጻጸሩ መምርሒታት ካብ ጎዳልረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ) ዘበጻጽሕ መልእኽተኛ ምዃን ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ሰመምቲ ኣብክንዲ ጎውመ፡ ረውመ ኢዩ ፍጥራዊ ሓበሬታ ዝስከም።
ረዝኒ ወይ ረዝናዊ ስሕበት፥ ኣብ ስነነገር፡ ኣብ መንጎ ኩላቶም ኣብ ኣድማስ ዝርከቡ ክብደታት ዘሎ ናይ ምስሓብ ሓይሊ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ስሕበት ክብደት ምድሪ ንኣብ ጥቓ ልዕለገጻ ዘለዉ ኣካላት ኢዩ።
ርሕቀት፥ ብኣብ መንጎ ክልተ ክውንቶታት ወይ ነቝጣታት ዝርከብ ቦታ ዝፍጠር ባህርያት ኢዩ። ኣብ ስነነገር፡ ርሕቀት “ጠቕላላ ንውሓት ናይ ሓደ ክውንቶ ዝተጓዕዞ መንገዲ፡ ኣንፈት ብዘየገድስ” ተባሂሉ ይግለጽ።
ርሲ፥ ጨብራይ ዝሕብሩ ሓቒቓዊ ፍልያዓይነታዊ ቈይሚ ፍሓሞ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ኣኻውሕ ከም ማዕድን ዝርከብን ካብ ሕመት ክምስራሕ ዝኽእልን ኢዩ። ከም ደረቕ መቕብኢ፡ ንመስርሒ ርሳስ፡ ከምኡ፣ውን ከም መልዘቢ ውሻጣዊ መጋባበሪታት ብምዃን ብብዝሒ የገልግል።
ርቡዕጅግኖ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ኣርባዕተ ጅግኖነት ዘለዎ ዘበለ ኢዩ።
ርብሾ፥ ኣዚዩ ዘይርጉእ ንጥፈጭረታዊ ቀመማዊ ባእታ ኰይኑ፡ እቲ ዝኸበደ ኣባል ጉጅለ መስረጨው ኢዩ። ውጽኢት ቡዅባዀ ዓስታርዮን ኖግዳዮን እውን ኢዩ።
ሰ
ሰሓብነት፥ ካብ ምንቅስቓስ ኤሌክትሪካዊ ቅስቃሳት ዝስዕብ፡ ምስ ሰሓብነታዊ ሜዳታት ዝተኣሳሰር፡ ኣብ መንጎ ክውንቶታት ዝኽሰት ናይ ምስሓብ ወይ ምንጻግ ሓይሊ ኢዩ።
ሰሓብነታዊ ሜዳ፥ ኣብ ጐደቦ ማግኔት ዝርከብ ሰሓብነታዊ ሓይልታት እንዕዘበሉ ኤሌክትሪካዊ ዋሕዚ ወይ ዝቃያየር ኤሌክትሪካዊ ሜዳ ኢዩ። መባጽሒ ሜዳ እውን ኢዩ።
ሰሓብነታዊ፥ ምስ ሰሓብነት ዝተኣሳሰር ወይ ብሰሓብነት ዝስዕብ ዘበለ ኢዩ።
ሰርቢ ወይ ስርበት፥ መስርሕ ምቕያር ካብ በናኒ ናብ ፈሳሲ ወይ ደረቕ ኩነት ኢዩ።
ሰፈር፥ ብገለ ነገር ዝተታሕዘ ወይውን ገለ ነገር ዝርከበሉ ዝተፈልየ ምቅሊት ቦታ ኢዩ።
ስሉስጅግኖ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ሰለስተ ጅግኖነት ዘለዎ ባእታ ኢዩ።
ስሚ፥ ዝዀነ ንህያው ህዋሰኛ መቝሰልቲ፡ ሕማም ወይ ሞት ዘስዕብ ሕመረት ኢዩ።
ስራሕ፥ ገለ ነገር ንምግባር ወይ ንምፍጻም ዝካየድ ንጥፈት ኢዩ። ኣብ ስነነገር፡ ስራሕ “ርኡይነት ጸዓት” ተባሂሉ ይግለጽ። ምስግጋር ጸዓት ካብ ሓደ ነገራዊ ስርዓት ናብ ካልእ ነገራዊ ስርዓት እውን ኢዩ። ክንዲ ምርባሕ “ሓይሊ” በቲ ሓደ ኣካል ናብቲ “ሓይሊ” ኣንፈት ዝንቀሳቐሰሉ “ርሕቀት” ድማ ይኸውን።
ስርት፥ ንኸም ንጽል ኣሃዱ ብሓንሳብ ዝተቘርኑን ክፍለኣካል ናይ ሓደ ኩምሪት ዘቑሙን ክልተ ወይ ልዕሊኡ ኣቶማት የመልክት።
ስርዓት፥ ዝሰመረ ምልኡነት ዘቕውም ሓደ ጉጅለ ነጻ ግንከኣ ዝተታሓሓዙ ባእታታት ኢዩ።
ስነነገርምንቅስቓስ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስርዓት ኣብ መንጎ ክውንቶታትን ኣከባቢኦምን ዝካየድ ውህደተግባራት ብኸመይ ይፍጸም ዘጽንዕ ጨንፈር ስነነገር ኢዩ።
ስነነገርምዝውዋር፥ ምንቅስቓስ ንዘስዕቡ ሓይልታት ጐስዩ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ክውንቶታት ብመንጽር ሰፈሮም ዘጽንዕ ጨንፈር ስነነገርምንቅስቓስ ኢዩ።
ስነነገርብርትዐ፥ ምስ ዝጸልውዎም ነገራዊ ረቛሒታት (ሓይሊ፡ ክብደት፡ ድፍኢት፡ ወ ጸዓት) ብምዝማድ ንምንቅስቓስ ንዋያዊ ክውንቶታት ዘጽንዕ ጨንፈር ስነነገርምንቅስቓስ ኢዩ።
ስነነገርጉዕዞ፥ ንጽልዋ ሓይልታትን ጠምዘዝትን ኣብ ምንቅስቓስ ክብደት ዘለዎም ኣካላት ኣብ ምጽናዕ ዘድህብ ጨንፈር ስነነገርምንቅስቓስ ኢዩ።
ስነጠጠው፥ ንጽኑዓት ክውንቶታት ወይ ኣብ ተመጣጣንነታዊ ኩነት ንዘለዉ ስርዓታት ኣብ ምጽናዕ ዘተኩር ጨንፈር ስነነገርምንቅስቓስ ኢዩ።