እዚ 3ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።
ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣብ ወሰናስን ሩባ መረብ ዝርከቡ ኣህዛብ እንዳገፍሐ ዝኸይድ ዝነበረ ምንጽጻል፡ ሕብረተሰባት ከበሳ ተዋላዋሊ ግብረመልሲ ንምስፍሕፋሕ ጣልያን ካብ ገማግም ባሕሪ ናብ ከበሳታት ኤርትራ ክወስዱ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ። ብዙሓት ንኡሳን ገዛእቲ ከበሳን ወተሃደራውያን መራሕቲ ሕብረተሰብ ከበሳን ንጠላይን ከም መማዝንቲ ናይ ዘይደልይዎ ዕብለላ ትግራይ ሓሲበሞም። ያታዊ ኣገባብ ምቛም ሽርክነት ምስ ቀንዲ ተጻራሪ ዝገዝእ መስፍን ብምኽታል፡ ግዝኣት ትግራይ ንምእላይ ንግዚኡ ምስ ጣላይን ንክተሓባበሩ ድልዋት ነይሮም። ካብ’ቶም ናይ ፖለቲካዊ ግጥማት መጻውቶም ዝዀኑ ጎይቶት ኲናት ትግራይን ኣምሓራን ጣላይን ፍሉይ ዝዓይነቱ ዕላማ ከም ዝነበሮም ደንጒዮም ኢዮም ተረዲኦም። ጠላይን ንኽሰፍሩ ስለዝመጹ፡ ገዛእቲ ትግራይ ምስ ተባረሩ ኤርትራውያን መሓዝቶም ናብ’ቲ ናይ ቀደሞም ሓውሲ-ነጻ ሕብረተሰብ ናይ ምዃን ክውንነት ናይ ምምላስ ዕድል ኣይነበሮምን።
እንተዀነ ግና ገለ መራሕቲ ከበሳ ንጠላይን ከም ዝያዳ ሓደጋ ንዝተደረተ ናጽነቶም ኣብ ትሕቲ ምድረሓበሻ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ንመጻኢ ምድረሓበሻ ብዓቢኡ ምዃኖም ስለዘለለዩ ምስ ሃጸይ የውሃንስን ኣሉላን ወጊኖም። ኣብ’ተን ቁጽጽር ጥልያን ኣብ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ዝሰፈነለን ውሑዳት ዓመታት (1889-1896) ዝተኸስቱ ዝተሓላለኹ ፍጻሜታት ድማ ንኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት መስመር መረብ-በለሳ ዝርከቡ ከባብያውያን ጎይቶት ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ኣብ ምግፋሕ ተወሳኺ ኣበርክቶ ገይሮም።
ከበሳውያን ጥራሕ ኣይኮኑን ንጣላይን እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ክዋሃብ ኣለዎ ኣብ ዝብል ጉዳይ ዝተማቓቐሉ። ድሕሪ ሞት የውሃንስ ራባዓይን ምድያብ ናብ ሃጸያዊ ዙፋን ምነሊክ ካልኣይን ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ተመሳሳሊ ምምቕቓል ተራእዩ። መብዛሕትኦም ልኡላን ትግራይ ናይ ዙፋን ይግባኣኒ ጠለባት ራእሲ መንገሻ (ወዲ የውሃንስ ራባዓይ) ብምድጋፍ ኣብ ጎድኑ ተሰሊፎም። ንምትግባሩ ድማ ደገፍ ጠላይን ይደልዩ ነይሮም። ራእሲ መንገሻን ሰዓብቱን ዕብለላ ኣምሓራ ብናይ ጣልያን ናይ ምልዋጥ ድሌት ኣይነበሮምን። ኣብክንድኡ፡ ህላዌ ጣልያን ንግዚኡ ብምምዝማዝ ዙፋን ክሕዙ’ሞ ጸኒሖም ኣንጻር ጣልያን ክዋግኡ’ዮም ወጢኖም። ስለ’ዚ ጎይቶት ከበሳ ኤርትራን ልኡላን ትግራይን ንግዚኡ ምስ ጠላይን ተዓራሪኾም፡ ዋላ’ኳ ዝተፋላለየ ዕላማታት እንተነበሮም።
ኣብ ፈለማ፡ መሬታውን ፖለቲካውን ሸቶታት ግዝኣታዊ ዕንደራ ጣልያን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብንጹር ኣይተገልጸን። ዋላ’ኳ ገለ መግዛእታውያን ዓንደርቲ ጣልያን ሃገሮም ናብ ከበሳታት ኤርትራ ከተስፋሕፍሕ ቅድሚ ምብጋሳ ጀሚሮም ብርግጽ ከምኡ ዓይነት ገዘፍቲ ሕልምታት እንተነበሮም፡ ብወግዒ ጣልያን ዝሓንጸጸቶ ዋና ንድፊ ንወረራ ምሉእ ከበሳ ኢትዮጲያ ኣይነበራን። እንተዀነ ግዳ ድሕሪ ከበሳታት ኤርትራ ምቁጽጻራ፡ ርሑቕ ዝኸዱ ተወዳደርቲ ኣምራት ዕላማታት ጣልያን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ማዕቢሎም።
ሓደ መስመር ሓሳብ፡ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ውሽጢ ከበሳታት ኣብ’ቶም ናይ ትግርኛ ቦታታት ምድራት ጥራሕ ንዝብል ኣማራጺ ዘጉልሐ ነይሩ። እዚ ማለት ድማ ንዝተረፈ ክፋላት ኢትዮጲያ ነጻ ሓዲግካ ወይውን ብፖለቲካ ካብ’ቲ ትግርኛ ዝዀነ ግዝኣት ጣልያን ፈሊኻ ጽግዕተኛ ሃገር ከም ዝኸውን ምግባሩ ማለት ኢዩ። ከም’ዚ ዝበለ ምርጫ ነቲ ትግርኛ ዝዝረበሉ ዞባ ኣብ ትሕቲ ሓደ ግዝኣታዊ ስልጣን ጥራሕ ምጠመረ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ነቲ ኣብ መንጎ ትግራይን ጎረባብቲ ኣውራጃታት ኣምሓራን ዝጸንሐ ውሽጠ-ሓበሻዊ ምምሕዳራዊ ዶብ ብሓድሽ ፖለቲካዊ ዶብ ምተከአ ነይሩ። እዚ ከኣ ተዛረብቲ ትግርኛ ንኣዚዩ ዝበዝሐ ቁጽሪ ተቐማጦ ናይ’ታ ግዝኣት ጣልያን ስለዘቑሙ ንምቕልቃል ዘመናዊ ትግርኛዊ ሃገራዊ መንነት ዘድሊ ፖለቲካዊ ቅድመ-ኩነታት ምፈጠረ ነይሩ።
እንተኾነ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ብቐሊሉ መግዛእቶም ኣብ ከበሳ ኤርትራ ከተግብሩ ስለዝኻኣሉ፡ ናይ ምግዛእ ሸውሃት ጣልያን መሊሱ ወሲኹ። መግዛእታዊ ቁጽጽር ኣብ መላእ ኣቢሲንያ ከምኡ’ውን ኣብ’ቶም ኣብ ካርታ ዘይሰፈሩ ኣብ መንጎ ምድረሓበሻን ዝበጋገስ ዝነበረ ግዝኣት ብሪጣንያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ መሬታት ምስፍሕፋሕ ብፍጥነት ኣድህቦ ግዝኣታዊ ባህግታት ጣልያን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ። ስለዝዀነ ብርቂ ታሪኻዊ ዕድል ንምውላድ ዝሓበረት ትግርኛዊት ሃገር እግረ-ጽሑፍ ኣብ ታሪኽ መግዛእቲ ጣልያን ኮይኑ ተሪፉ።
ዝሰፍሐ ኢትዮጲያዊ ምርጫ ዝሓዘ መግዛእታዊ ሃቐናታት ጣልያን እንተዀነ’ውን፡ ኣብ ውሽጡ ክልተ ምስ ነናሓድሕዶም ዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ኣምራት ነይረሞ። ቀዳማይ ሓድሽ ዝተደረተ ትግርኛዊ ኣማራጺ፡ ጠለባት ውርሻ ዙፋን ራእሲ መንገሻ ብምድጋፍ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ነታ ንሱ ዝገዝኣ ኢትዮጲያ ጽግዕተኛ ጣልያን ምግባር ዝሓረየ ነይሩ። መቐናቕንቲ እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ዝነበረ ምርጫ ሸዋ ከኣ ተመሳሳሊ መኸተምታ ዘለዎ ውጽኢት ንምምዝጋብ ዝዓለመ ነይሩ። ኢትዮጲያ ጽግዕተኛ ጣልያን ክትከውን’ሞ ብምነሊክ ካልኣይ ዝተወከለ ስርወመንግስቲ ሸዋ ድማ ኣብ ትሕቲ ጠላይን ክገዝእ። ኣብ መወዳእታ ግና ጠላይን ንምርጫ ሸዋ ብምሕራይ ነቲ ዝተደረተ ትግርኛዊ ኣማራጺ ገዲፈሞ። በዚ ከኣ ንነጻነት ኢትዮጲያ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ንስልጣን ሃጸይ ምነሊክ ካልኣይን ንባህግታት ራእሲ መንገሻን ኣብ ሓደጋ የእትየሞ። ጠላይን ስግር መረብ ብምምራሽ ንመላእ ትግራይ ተቛጻጺሮም። ንመሬታት ኣምሓራ ገጾም ብምግባር’ውን ናብ ደቡብ ተወሳኺ ደፊኦም። እዚ ድማ ንራእሲ መንገሻን ልኡላት ትግራይን ከይፈተዉ ምስ መነሊክ ክውግኑን ኣብ ጎድኑ ተሰሊፎም ክዋግኡን ኣገዲድዎም።
መግዛእታዊ ሰራዊት ጣልያን ብቑጽሮም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ከም ተሓጋገዝቲ ምስላፉ ንመጻኢ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጲያውያንን ብሓፈሻ፡ ከበሳን ትግራይን ድማ ብፍላይ፡ ኣገዳሲ ነይሩ። ጠላይን ደገፍ መብዛሕትኦም ጎይቶት ከበሳ ነይርዎም። እዚ ከኣ ንወፍሪ ጣልያን ከም ነቶም ኣብ ደቡብ መረብ ዝነበሩ ቐንዲ መቐናቕንቶም ዝዀኑ መሳፍንቲ ትግራይ ዓወት ዘመዝግብሉ ዕድል ስለዝወሰድዎ ኢዩ። ብዘይምግናን፡ ሓጺር ዕድመ ዝነበሮ ጐበጣ ትግራይ ብጣልያን ብብዙሕ መንገድታት ኣብ ተሓጋገዝቲ ደቂ ከበሳ ዝተመርኰሰ ነይሩ። ንሳቶም ድማ ኢዮም ዝርአ ገጽ ወረራ ጣልያን ንህዝቢ ትግራይ ዝነበሩ። ስለ’ዚ ድሕሪ ኣስታት 150 ዓመታት ዝኸደ ፈተነታት ትግራይ ንምቁጽጻር ከበሳ ኤርትራ፡ ነገራት ብሃንደበት ተጋላቢጦም። ምረሻ ተጋሩ ንወረራ ከበሳ ተሪፉ፡ ደቂ ከበሳ ተሓባበርቲ ጠላይን ብምዃን ደቡብ ናብ ትግራይ መሪሾም።
ውሑዳት ጎይቶት ከበሳ ጥራሕ ኢዮም ካብ ተጋሩን ኢትዮጲያውያንን ንላዕሊ ጠላይን ንፖለቲካዊ መጻኢኦም ዝያዳ ሃሰይቲ ከም ዝዀኑ ብምስትብሃል ንምነሊክን መንገሻን ኣንጻር ጠላይን ዝደገፉ። ምነሊክ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ 1896 ንዶብ መረብ ምስተቐበለ፡ እዞም ገና ምስ ምድረሓበሻ ጥብቀት ዝስምዖም ዝነበረ ደቂ ከበሳ ኣዚዮም ጒሂዮም። ጥልመት ኮይኑ’ውን ተሰሚዕዎም። ምነሊክ ዝዀነ ይኹን ንጠላይን ካብ ኤርትራ ናይ ምስጓግ ፈተነ እንተካይዱ ካልኦት ኤውሮጳውያን መግዛእታውያን ሓይልታት ከም ዘይጻወርዎን መወዳእትኡ ከኣ ስዕረት ከም ዘምጽእን ብልክዕ ከም ዝተገንዘበ ክርድኡ ኣይከኣሉን።
ኣብ ቦታታት ከበሳ፡ ድሕሪ ዓወት ኢትዮጲያ ኣብ ዓድዋ ዝተኸተሙ ስምምዓት ጣልያንን ኢትዮጲያን ንፖለቲካዊ ዶብ ኢትዮጲያን ግዝኣት ጣልያን ዝዀነት ኤርትራን ብቐንዱ ኣብ’ቲ ንግዝኣታት ባሕሪ ነጋሽን ትግሬ መኮነንን ዝፈሊ ጥንታዊ ውሽጠ-ትግርኛዊ መስመር ዶብ ኣቚመሞ። ዶብ ንምውሳን ዝተፋላለዩ ውዕላት ኣብ 1900፡ 1902፡ 1906 ተኻይዶም። ግን መብዛሕትኡ ክፋል ናይ’ቲ ዝተፋራረምሉ ዶብ ኣብ መሬት ኣይተሓንጸጸን። ኣብ ገለ ክፋላት ናይ’ቶም ውዕላት’ውን ዝተዋህበ መግለጺ ዶብ ኣብ መሬት ንምትግባሩ ኣብ ዝተፈተነሉ ግዜ ዝተፈላለየ ትርጓሜ ክለዓሉ ጌሩ።
ኣብ ምብራቓዊ ከበሳታት፡ ኣብ ምድሪ ኢሮብ ዝነበረ ዶብ፡ ኣብ ፈለማ ዓመታት መግዛእቲ ጣልያን፡ እቶም ስምማዓት ብዝተተርጐምሉ መንገዲ መሰረት፡ ብሓፈሻ ጎድኒጎድኒ ሰሜናዊ ተጸንባሪ ሩባ ዕንደሊ ዝዀነ ሩባ መሓና ሬና ኢዩ ዝጓዓዝ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ። እንተዀነ ግና ገለ ኣባላት መግዛእታዊ ምሕደራ ጣልያን እቲ ዶብ ማዕረ ማዕረ ደቡባዊ ተጸንባሪ ሩባ ዕንደሊ ዝዀነ ሩባ ማይ ሙና ከም ዝኸይድ እቶም ስምማዓት ከም ዘመልክቱ ጌሮም ኣምቢበሞም። እቲ ቀዳማይ ትርጓሜ ንዓሊ ቴና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ከእትዋ ከሎ፡ እቲ ዳሕረዋይ ትርጓሜ ግና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ከም ኣካል ኤርትራ ኣቐሚጥዋ። መዓስ ጣልያን ነቲ ካልኣይ ትርጓሜ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዓለቶን ነቲ ኣብ መንጎ ሩባታት መሓና ሬናን ማይ ሙናን ዘሎ መሬት ከም ዝወነነቶን ንጹር ኣይኮነን። ብርግጽ ግን ኣብ 1934 ኩሎም ካርታታት ጣልያን ደቡባዊ ዶብ ኤርትራ ማዕረ ማዕረ ሩባ ማይ ሙና ከም ዝኸይድ የርእዩ ነይሮም።
ደቡብ-ምዕራብ ዝዝርጋሕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብዝተሓላለኹን ሓደሓደ እዋን ድማ ዝጻረሩ ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ጣልያንን ከምኡ’ውን ንጎረቤት ሱዳን ትገዝእ ዝነበረት ዓባይ ብሪጣኒያን ብዝተገብሩ ስምማዓት ተሓንጺጹ። ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ጣልያንን ዝተኻየደ ውዕል 1900 ንምዕራባዊ ዶብ ኣብ ሩባ መረብ ከም ዝኸውን ጌርዎ። እንተዀነ ግን ኣብ 1902 ኣብ መንጎ ብሪጣኒያን ጣልያንን ኢትዮጲያን ዝተፈረመ ውዕል ነቲ ዶብ ናብ ፈለግ ሰቲት (ተከዘ) ቀይርዎ። ብመሰረት እቲ ውዕል፡ እቲ ዶብ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ሱዳን ተበጊሱ ማዕረ ማዕረ ፈለግ ሰቲት ብምጉዓዝ ኣብ’ቲ የማናዊ ኢድ ተጸንባሪ ማይ ቶምሳ ናብ ፈለግ ሰቲት ዝሕወሰሉ ቦታ ይዓርፍ። ካብኡ ቀጺሉ ከኣ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕተጓዒዙ ኣብ’ቲ የማናዊ ተጸንባሪ ማይ ኣምበሳ ናብ ሩባ መረብ ዝሕወሰሉ ነቑጣ ይበጽሕ። ካብኡ ድማ ብሸነኽ ምብራቕ ንሩባ መረብ ይኽተል’ሞ ብድሕሪኡ ማዕረ ማዕረ ሩባ በለሳ ይቕጽል።
ዶብ ንመንገዲ ሩባታት ኣብ ዘይክተለሉ ኣከባቢታት፡ ትርጓሜ መግለጺ ውዕል ኩሉ ዝሰማምዓሉ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ መሬት ንክኸውን፡ ኣብ ተቐባልነት ክልተ መበገሲ ነቑጣታት ናይ’ቲ ትኽ ዝበለ፡ ንኣብ መንጎ ሰቲትን መረብን ዘለዉ ጎላጉል ዝስንጥቕ መስመር ዶብ ዝዀኑ “ኣፍ ማይ ቶምሳ” ከምኡ’ውን “ኣፍ ማይ ኣምበሳ” ዝባሃሉ መወከሲ ቦታታት ይምርኮስ። እንተዀነ ግን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝኰነ ይኹን ኣብ መሬት ናይ ምሕንጻጹ ዕቱብ ፈተነ ኣይተገብረን። እዚ እንጠቕሶ ዘለና ኣብ መንጎ ሰቲትን መረብን ዘሎ ቦታታት ኣብ’ቲ ግዜ እቲ ውሑድ ዝቑጽሮም ተቐመጥቲ ዝነበርዎ ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ኣብ መንጎ እቶም ብምዕራብ ዝርከቡ ኩናማን ብሸነኽ ምብራቕ ዝርከቡ ትግርኛ ተቐማጦ ሽረን ዝነበረ መንጎኛ ዞባ ኢዩ ዝውክል። እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ውዕላት ንዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ቆላታት ዓፋር ኣይወሰኑን። ዋላ’ኳ ገለ ሓፈሻውያን ስምማዓት ድሒሮም እንተተኸተሙ፡ እቲ ዶብ ብእዋን መግዛእቲ ጣልያን ብክልሰሓሳብ ኮነ ብግብሪ ኣነጺሩ ኣይተሓንጸጸን።
ኣብ ዝመጽእ ክፋል መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ዝምድናታት ትግራይን ከበሳን ዘኸተሎም ለውጥታትን ሳዕቤናቶምን ክንፍትሽ ኢና።