እዚ 7ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።
ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ፡ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብመንጽር ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)ን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ዝነበሩ ዝምድናታት ክትንተን ኣለዎ። እዚ ድማ ህግሓኤ ንፖለቲካ ኤርትራ ንበይኑ ስለዝበሓቶ ከምኡ’ውን ህወሓት ዓብላሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሰውራዊ ዴሞክራስያዊ ግንባር ህዝቢ ኢትዮጲያ (ሰዴግህኢ) ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ’ቲ ድሕሪ ደርግ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ኢትዮጲያ ስለዝነበረ ኢዩ። ብኣተሓሳስባ ህግሓኤ፡ ዳግመምሕዳስ ሽርክነት ምስ ህወሓት ዝተደልዩ ወተሃደራውያን ውጽኢታት ክሕፈሱ ኣኽኢሉ። ብ26 ግንቦት 1991፡ ህግሓኤ ዘየከራኽር ገዛኢ ኤርትራ ኮይኑ። እንተዀነ፡ ንኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጲያ ዝተመዝገበ ወተሃደራዊ ዓወትን ግብራዊ መሪሕነት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ናብ ኣህግራዊ ተቐባልነት ዘለዋ ናጻ ሃገረ ኤርትራ ንምቕያሩ ህግሓኤ ገና ደገፍ ሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮጲያ የድልያ ነይሩ። ካብ ቅድሚ መፈጸምታ ኲናት ጀሚሩ፡ ምስምማዕ ሰበስልጣን ኢትዮጲያ ንናጽነት ኤርትራ ጥራሕ ቅልጡፍ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ናጽነት ኤርትራ ከም ዘረጋግጽ ንመራሕቲ ህግሓኤ ንጹር ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ንቕልጡፍ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንምቕባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንበይኑ ጥራሕ ከም ዘይኰነ ዘዕጠይጢ ህግሓኤ ተገንዚባ። ንሓያል ስምዒት ኢትዮጲያውነት ዘለዎም ኣምሓሩ ጥራሕ ዘይኰኑስ እንኮላይ ንኢትዮጲያውነት ዝተቐበሉ ብርክት ዝበሉ ኦሮሞቶትን ካልኦት ህዝብታት ደቡብን ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ህዝቢ ኢትዮጲያ እንተዀነ’ውን ብግሁድ ንከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ከም ዝነጽጎ ትፈልጥ ነይራ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት’ውን ምስ ከም’ዚ ዝበለ ውሳኔ ዘይሰማማዕ ሓያል ኢትዮጲያውነታዊ ክንፊ ከም ዝነበረ ዓቢ ጥርጣሬ ነይርዋ። ስለ’ዚ፡ ኣህጉራዊ ቁጡብነት ንምውጋድን ሰፊሕ ኢትዮጲያዊ ተቓውሞ ኣንጻር “ቅሉዕ ምፍንጫል” ኤርትራ ካብ ኢትዮጲያ ንምዝሓልን፡ መራሕቲ ህግሓኤ ሽርክነቶም ምስ ሰዴግሂ/ህወሓት ዳግም ኣብ ዘሐደስሉ እዋን ነቲ ናይ መወዳእታ ፖለቲካዊ ዕድል ኤርትራ ንምውሳን ሪፈረንደም ክካየድ ኣለዎ ዝብል ኣምር ህወሓት ከተግብሩ ወሲኖም።
ህወሓት ብወገና፡ ናብ ምሽራኽ ምስ ህግሓኤ ዝኣተወት ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ደርግ ንምምዝጋብ ጥራሕ ኣይነበረን። ንመራሕቲ ሰዴግሂ/ህወሓት፡ ሽሕ’ኳ ሰዴግሂ ብወተሃደራዊ መዐቀኒታት እንተተዓወተት፡ ብፖለቲካዊ ደረጃ ግን ንኡሽተይ ምንባራ ብዘቐንዙ መንገዲ ይስምዖም ነይሩ። ስለዝዀነ፡ ተዋሓደ ክሳብ ወተሃደራዊ ዓወት ናብ ፖለቲካዊ ዕብላሌ ዝልወጥ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዘለዋ ስፍራ ኣብ ምድልዳል መታን ምሉእብምሉእ ከተድህብ፡ ሰዴግሂ ሽርክነት ምስ ህግሓኤ የድልያ ነይሩ። እንተዀነ ብዝዓሞቐ መልክዑ፡ ሽርክነት ምስ ህግሓኤ ዝተዓቀበሉ፡ ኣካል ናይ ዝሰፍሐ ስትራተጂ ፈተነ ምብሑጋግ ምንቅስቓስ ናጽነት ኤርትራ ከምኡ’ውን ንኤርትራ ምስ ኢትዮጲያ ንምጥማራ ዘድልዩ ኩነታት ንምድላው ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል። ብዘይጥርጥር ኣብ ውሽጢ ህወሓት፡ ተወሓደ ከበሳ ኤርትራ ኣካል ናይ’ቲ ኢትዮጲያ ዝተወልደትሉ ኣቦኣዊ ምድሪ ምዃኑን ብመኽንያት ናጽነት ኤርትራ ነዚ ምስኣን ከኣ ንደረጃ መርሒነት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ኣዚዩ ከምዝሃስን ዝገልጽ ሓያል እምነት ነይሩ።
እንተዀነ ግን መራሕቲ ህወሓት ኤርትራ ምስ ኢትዮጲያ ናይ ምጥማራ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ኣብ ሕሉፍ ከም ዘይተዓወተን ንመጻኢ’ውን ከም ዘይዕወት ምሉእብምሉእ ኣስተውዒሎም። ነዚ ክውንነት ብምቕባል መራሕቲ ህወሓት ዘይወተሃደራዊ ኣማራጺ ዝሓዙ ይመስሉ። ድሒሮም ዝተራእዩ ምዕባሌታት፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጲያ ንምጥማራ ብርክት ዝበሉ ቁጠባዊ ጠቕምታት ንኤርትራ ብምውፋይ መራሕቲ ህወሓት ከም ዝፈተኑ የመልክቱ። እዚ ድማ ቁጠባዊ ሓለፋታት ንኤርትራ ምሃብ ቁጠባዊ ጽግዕተኝነት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ከኸትል ኢዩ፡ ቁጠባዊ ጽግዕተኝነት ከኣ ንመራሕቲ ህግሓኤ ገለ ዓይነት ፖለቲካዊ ውህደት ምስ ኢትዮጲያ ክገብሩ ውዒሉ ሓዲሩ ከገድዶም ኢዩ ብዝብል ተስፋ ነይሩ።
እቲ ቅድሚ ወተሃደራዊ ዓወት ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግሓኤን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ’ቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ 1991 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ወግዓዊ ኮይኑ። ህግሓኤን ወከልቲ ኢትዮጲያን፡ ድሕሪ ክልተ መሰጋገሪ ዓመታት ንናይ መወዳእታ ፖለቲካዊ ዕድል ኤርትራ ዝውስን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝቋጻጸሮ ሪፈረንደም ክካየድ ተሰማሚዖም። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ህግሓኤ መንግስቲ ኤርትራ ከቕውምን ንኤርትራ ካብ ኢትዮጲያ ፈልዩ ከማሓድራን ተረዳዲኦም።
ብሃገራዊ ዋዕላ ዝቘመ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጲያ (መመኢ) ብፍጥነት ንኣብ መንጎ ክልቲአን ዘሎ ዝምድናታት ዝምልከት ብርክት ዝበለ ውሳኔታት ቅድሚ ሪፈረንደም ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣሕሊፉ። ኤርትራውያን ንብኢትዮጲያ ዝቐርበሎም ባጤራ ብር ከም ናቶም ባጤራ ምጥቃሞም ክቕጽሉ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኤርትራውያን ኣብ ባንኪ ዘቐመጥዎ ክንሱ፡ ኣብ መፈጸምታ ዕለታት ስርዓት ደርግ ናብ ባንክታት ኢትዮጲያ ዝተሰጋገረ ገንዘብ፡ ኢትዮጲያ ክትመልስ ምርድዳእ ተጌሩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ንጥሮታ ዝወጹ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ነበር ኤርትራውያን ጥሮታ ክኸፍል ሓላፍነት ወሲዱ።
ክልቲኦም ወገናት ዓሰብ ንኢትዮጲያ ናጻ ወደብ ኰይና ከተገልግል ዘኽእል ስምምዕ ፈሪሞም። ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኢትዮጲያ ንኣገልግሎት መሳለጥያታት ወደብ ምኽፋል እንተዘይኰይኑ ንናብ ኢትዮጲያ ብወደብ ዓሰብ ኣቢሎም ዝኣትዉ ኣቕሑ ቀረጽ ኣይትኸፍልን። ኢትዮጲያ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ዓሰብ ንምጽራይ ክትዕድግ’ሞ፡ ልዕሊ ሳላሳ ሚኢታዊት ናይ’ቲ ዝተጻረየ ነዳዲ ድማ ከም ክፍሊት ክራይ ንኤርትራ ክትህብ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።
ክልቲአን ሃገራት ሓደ ዓይነት ባጤራ ይጥቀማ ስለዝነበራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝካየድ ንግዲ ብዘይቀረጽ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከም ኢትዮጲያውያን ዜጋታት ክትሓዙ ኣለዎም ዝብል ፖሊሲ መመኢ ኣጽዲቑ። ስለዝዀነ፡ ብግብሪ ኤርትራውያን ድርብ ዜግነት ክውንኑ ተቐቢሉ፡ ዋላ’ኳ ሕጊ ዜግነት ኢትዮጲያ ኣግሂዱ ዘየፍቅዶ እንተዀነ። ነዚ ስጉምቲ ዝተዋህበ መኽንያታት ድማ ክሳብ ሪፈረንደም ዝካየድ ኤርትራ ብቴክኒካዊ መለክዒ ጌና ኣካል ኢትዮጲያ ኢያ ዘላ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝፈልጦ ኤርትራዊ ዜግነት የለን ዝብል ነይሩ።
ኣብ መንጎ መመኢን መንግስቲ ኤርትራ (መኤ)ን ዝተገብሩ ዝተፋላለዩ ስምምዓት ንወገን ኤርትራ ኣዚዮም የርብሑ ነይሮም። ኣብ ክንዲ ካብ ዝነበራ ሒደት ክቡር ናይ ወጻኢ ባጤራ ጌራ እትዕድግ፡ ኤርትራ ብብር ዝተፋላለዩ ኣቕሑ ካብ ኢትዮጲያ ከተአቱ ኣኽኢሎማ። ብዛዕባ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ኤርትራ ንመብዛሕትኡ ጠለባት ነዳዲኣ እተዕግበሉ ርጉጽ መንገዲ ጥራሕ ኣውሒሳ ዘይኰነስ እንኮላይ ንሰበስልጣን ኤርትራ ብርክት ዝበለ ክቡር ናይ ወጻኢ ባጤራ ከዋህልሉ ሓጊዝዎም። ብዛዕባ ዜግነት ዝተገብረ ውዕል፡ ንኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ብነጻ ኣብ ንጥፈታት ቁጠባ ክሳተፉ ኣፍቂድሎም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንኮላይ ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝህቡ መሓውራት መንግስቲ ኢትዮጲያን ኣብ መንግስቲ ዝቋጻጸሮ ክፋል ቁጠባ ኢትዮጲያን ስልጣን ክሕዙ ኣኽኢልዎም። እዞም ስምምዓት ምስ ተደምደሙ፡ እቲ ናብ ሓድሽ ሃገራዊ ሰራዊት ኤርትራ ዝተለወጠ ሰራዊት ህግሓኤ ኣብ ኢትዮጲያ ህላውነቱ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ መወዳእታ 1991 ናብ ሓድሽ ሰራዊት ኢትዮጲያ ዝተቐየረ ሰራዊት ሰዴግሂ ዝህቦ ሎጂስቲካውን ቴክኒካውን ሓገዝ ብስቱር ቀጺሉ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጲያን ዝተገብረ ሽርክነት፡ ኣብ ኣደባባይ ብዝደጋገም መደረታት ሰናይ ድሌትን ብባህጊ ክልቲኦም መሪሕነታት ንምዕራፍ ዝጸንሑ ግርጭታት ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዝተዓጀበ ነይሩ። እንተዀነ፡ ሓፈሻዊ ክፉት ክትዕ ብዛዕባ እዚ ሽርክነት ኣብ ኢትዮጲያ ኰነ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ኣይተኻየደን። እቶም ዝተኸተሙ ውዕላት ንህዝቢ ክፉታት ኣይነበሩን። ከይደንጐየ ከኣ ተቓውሞ ኣንጻር መመኢ ተቐልቂሉ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ጉልበቶም ዝተደቑሰ ዓበይቲ ዓዲ ኣምሓራ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ንኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ዝተዋህበ ሓለፋታት ከጉረምርሙ ጀሚሮም።
ብተማሳሳሊ ድሕሪ ግንቦት 1991፡ ሓፈሻዊ ክፉት ክትዕ ብዛዕባ ኲናት ኤርትራን ኣገባብ ኣፈጻጽምኡን ኣብ ኢትዮጲያ ኣይተኻየደን። ዝያዳ ዘደንጹ ግን ንመራሕትን ካድረታትን ዝወደቐ ስርዓት ደርግ ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ጸብጻባት ኣብ ዝተዳለወሉ ግዜ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኣብ ገምጋም ኣይኣተወን። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ኣባላት ሰራዊትን ምምሕዳርን ኢትዮጲያ ክዋሃብዎ ኣይሓተተን። ኣብ ኤርትራ ዝተራእዩ ምስ ኲናት ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታት ካብ ህዝባዊ ክትዕ ብዛዕባ ግፍዕታት ስርዓት ደርግ ብምውጋዶም፡ ኢትዮጲያን ኢትዮጲያውያንን ንኩሉንትናኣዊ ስፍሓትን ሓቀኛ ባህርን መንግስታት ኢትዮጲያ ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ኲናት ዘፍልጦም ዕድል ተነፊጎም። ዝዓመቘ መረዳእታ ብዛዕባ ኲናት ሓርነት ኤርትራ ከየጥርዩን ባህጊ ኤርትራውያን ንዝተፈልየት ሃገር ከይቅበሉን ድማ ጌርዎም።
ስለዝዀነ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ንብልጫታትን ድልዳሌን ኣብ መንጎኦም ዝተፈጥረ ምሕዝነት ብወግዒ እንተኣወደሱ፡ መለሳዊ ራኢ ዝሓዘ መስመር ኣተሓሳስባ ግን ኣብ ኢትዮጲያውነት ዘቐድሙ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ቀጺሉ። ን”ምፍንጫል ኤርትራ” ከም ምጉዝዛይ ኣደኣዊ መሬት ኢትዮጲያ ወጊዘሞ። ንሰዴግህኢ ከኣ ከም ተሓባባሪት እዚ ዘይፍትሓዊ ውዲት ኣምሪሮም ከሲሶማ። ብተወሳኺ፡ እዞም መለሳዊ ራኢ ዝሓዙ ሓይልታት ንህወሓት ከም ምስጢራዊት መሻርኽቲ ህግሓኤ ኣብ ተንኮል ምፍላይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጲያ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንኮላይ ንሃገር ብዞባታት ከፋፊልካን ንዘይኣምሓሩ ህዝብታት ኢትዮጲያ ዞባዊ ርእሰ-ምሕደራ ክኽተሉ እንዳመኸርካን ዝትግበር ምብትታን መላእ ኢትዮጲያ ወንጂሎማ።
ወግዓውያን መደረታት ብዛዕባ ሓድሽ ምሕዝነት ኢትዮጲያን ኤርትራን ንጎድኒ ገዲፍካ፡ መራሕቲ ህግሓኤ ንምክያድ ሪፈረንደም ከም ስልታዊ ሜላ ከም ዝረኣይዎ ርዱእ ኢዩ። እዚ ስጉምቲ ግን ናብ ኣምሓሩ ዘነጸረ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡ፡ ናብ’ቶም ብስቱር ንኤርትራ ኣብ ሕቕፎ ኢትዮጲያ ዘአቱ ስትራተጂ ከም ዝኽተሉ ህግሓኤ ዝጠርጠረቶም ኢትዮጲያውነታውያን ኣባላት ህወሓት ብፍሉይ ዘተኰረ ነይሩ። ኣደናጋሪ መደረታት ብምጥቃም፡ ዝካየድ ሪፈረንደም ንኣድመጽቲ ዝተፈላለየ ምርጫታት፡ እንኮላይ ምስ ኢትዮጲያ ምቕጻል ዝብል ኣማራጺ፡ ከም ዘቕርብ ዝእንፍት ስምዒት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያን መርሒነት ህግሓኤ ኮነ ኢሉ ፈጢሩ። ብተደጋጋሚ ዝላዓል ዝነበረ መወከሲ ነጥቢ፡ ኣብ 1980 ህግሓኤ ዘዳለወቶ በዓል ሸውዓተ ነጥብታት ንድፊ ሪፈረንደም ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ምድማጽ ንናጽነት እንተዀነ’ውን ናይ ግድን ምሉእብምሉእ ምፍልላይ ማለት ከም ዘየመልክት፡ እንታይ ደኣ ዝተፋላለየ ቅርበት ዘለዎ ዝምድናታት ምስ ኢትዮጲያ ንምትካል ዘኽእል ኣማራጺታት ምሕሳብ ከም ዝከኣል ብምትንባህ መርሒነት ህግሓኤ ኣራጒድዎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ እዋን ሪፈረንደም ሕብረት ምስ ኢትዮጲያ ንዝብል ምርጫ ኣብ ኤርትራ ንኽጉስጉሳ ሰልፍታት ኢትዮጲያ ክፍቀደለን ከም ዝኽእል መርሒነት ህግሓኤ ኣመልኪቱ።
እንተዀነ፡ ንኣተሓሳስባን ልብን መርሒነት ህግሓኤ ዝፈልጥ ሰብ፡ ዝዀነ ዓይነት ልባዊ ውፉዩነት ንሓሳብ ሓቀኛ ሪፈረንደም ከም ዘይነበረ ግሁድ ነይሩ። መራሕቲ ህግሓኤ ነጺሮም ዝተቐመጡ ፖለቲካዊ መተካእታታት ዝሓዘ ሪፈረንደም ከካይዱ ከምኡ’ውን ንጹር ዘተ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣማራጺታት ኣብ’ቲ ቅድሚ ሪፈረንደም ዝነበረ እዋን ክገብሩ ፈጺሞም ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ተሳትፎ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኢትዮጲያ ኣብ ጎስጓስ ሪፈረንደም ከአንግዱ’ውን ድሉዋት ኣይነበሩን። ጎድኒጎድኒ ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለምን ህዝቢ ኢትዮጲያን ንምስሓብ ተባሂሉ ዝተኻየደ ምድላዋት ሪፈረንደም፡ ብህግሓኤ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈልየት ሃገር ክሃንጽ ጀሚሩ። ከይውዓለ ከይሓደረ ብቑጽሪ ውሑዳት ዘይኰኑ ሕግታት ኣጽዲቑ (ንኣብነት ሕጊ ዜግነት ከምኡ’ውን ንዝጸንሑ ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ኤርትራዊ መልክዕ ምልባስ)። ከም’ዚ ዝበለ ተግባር፡ ሪፈረንደም ከይተኻየደ ከሎ ንሕጋዊ ምፍላይ ኤርትራ ካብ ሃገረ ኢትዮጲያ ባሪኹ።
ኣብ ልዕሊኡ፡ ብህግሓኤ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንምቕጻላ ወይ ከኣ ኣገደስቲ ቁጠባዊ ጠቕምታት ንምኽሳብ እንደገና ናብ ኢትዮጲያ ንምምላሳ ዝዓለመ ስትራተጂ ትግራይ ብዝተኻእለ መጠን ንምብዝባዙ ዝፍትን ሰፊሕ ስትራተጂ ዝሃንደሰ ይመስል። መኤ ኤርትራ ዘዋህለለቶ ክቡር ባጤራ ንምብርካት ንሓድነት ባጤራን ጉምሩክን ኢትዮጲያን ኤርትራን ዋላ’ኳ ኣብ ምሉእ መዓላ እንተውዓሎ፡ ንመንፈስ ሓድነት ባጤራ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ፖሊሲ መለዋወጢ መጠናት ክቡር ባጤራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምኽታል ብቕሉዕ ጥሒስዎ። ሕሉፍሓሊፍዋ ህግሓኤ ብካብ’ቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዝነበረ ኣጸቢቑ ዝለዓለ መለዋወጢ መጠን ክቡር ባጤራታት ናብ ብር ዝጥቀማ መሐወሊ ትካላት ተካይድ ነይራ። እዚ ከኣ ንኢትዮጲያውያን ክቡር ባጤርኦም ኣብ ኤርትራ ናብ ብር ክልውጥዎ፡ ብር ሒዞም ከኣ ናብ ኢትዮጲያ ክምለሱ ጌርዎም። በዚ ተግባር፡ ኤርትራ ትሕዝቶ ክቡር ባጤራኣ ከተሰስን ከላ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ግን ክቡር ባጤራ ከይረክብ ጌራቶ። ብተወሳኺ ብዘይቅሉዕ ፍቓድ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነጋዶ ንመሰላት ምስግጋር ኣቕሑት ኤርትራ ብኢትዮጲያ ብምግሃስ፡ ክሰጋገሩ ዝግብኦም ኣቕሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምኹላፍ ኣብ ዕዳጋታት ኢትዮጲያ ብዓቢ መኽሰብ ከም ዝሸጡ ዝነበሩ ዘረድኡ ምልክታት ኣለዉ።
ሓዲግ ኣጠማምታ ህግሓኤ ኣብ ህወሓት ኣብ’ተን ቅድሚ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ ዓወት ዝነበራ ኣዋርሕን ድሒረን ዝሰዓባ ዓመታትን ኣብ’ቲ ህግሓኤ ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) ዝነበራ ዝምድና ኣጸቢቑ ይግሃድ። ሽሕ’ኳ ኣብ ዝተበጽሐ ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ምውጋይ ክትፍጽሞ ዝግባኣ እጃም ከተተግብር ግሓኦ ብዘይምኽኣላ ኣብ 1990 ንህግሓኤ ሽርክነታ ምስ ህወሓት ዳግም ከተሐድሶ እንተኣገደዳ፡ ቅድምን ድሕርን ግንቦት 1991 ካብ ህወሓት ከተፍቅዶ ድሌት ዝነበራ ንላዕሊ ንግሓኦ ናብ ዝያዳ ዝበረኸ ጽፍሒ ኣብ’ቲ ድሕሪ ደርግ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ስርዓት ከተደይባ ህግሓኤ ኩሉሳዕ ትደሊ ነይራ። ብንጹር ብናይ ርሑቕ እዋን ኣጠማምታ፡ ዝተርንዐት ግሓኦ ኣገዳሲ ተራ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጲያ ምጽዋት እንተኽኢላ፡ ዓቢ ውሕስነት ንሓደጋታት መለሳዊ ራኢ ኢትዮጲያ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ከም ዝኸውን ህግሓኤ ርእያቶ።
እንተዀነ፡ ደገፍ ህግሓኤ ንግሓኦ ብኽልተ መንገድታት ኣዚዩ ዝተደረተ ነይሩ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ዘየርብሕ ኮይኑ ተሪፉ። ብርግጽ፡ ዘይከውን ተስፋታት ግሓኦ ከተሕድር ስለዝገበራ ንግሓኦ ፍረ ዘይርከቦ ነይሩ። ብቐዳምነት፡ ህግሓኤ ንምርጫ ናጽነት ወይ ፈደረሽን ግሓኦ ምስ ናታ ፖለቲካዊ ኣምራት ዝቃዶ ስለዘይነበረ ፈጺማ ብሓቂ ትድግፎ ኣይነበረትን። ካልኣይ፡ ንመብጻዓ ምቕባል ውጽኢት ሪፈረንደም መመኢ ከሰናኽሎ ስለዝኽእል ህግሓኤ ብመኽንያት ግሓኦ ምስ ህወሓት ኣብ ምትፍናን ክትኣቱ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ስለ’ዚ ህወሓት ኣንጻር ግሓኦ ምስተንቀሳቐሰት፡ ካብ መመኢን ፖለቲካዊ ጽልዋን ቀስብቐስ ምስ ኣባረረታ፡ ህግሓኤ ብሕቡእ’ኳ ተተቓወመት ድሒራ ግን ኩነታት ብምዕዛብ ተሰማሚዓ። ፖለቲካዊ ምቹእነት ኩሉሳዕ ንፖለቲካዊ መትከላት ይስዕር ነይሩ። ብንጹር፡ ናይ ሓጺር እዋን ጠቕሚ ምቕባል ውጽኢት ሪፈረንደም ብኢትዮጲያ ካብ ናይ ርሑቕ እዋን ጠቕሚ ተመሓዛዊት ግሓኦ ኣብ ኢትዮጲያ ስልጣን ምሓዛ ወይውን ናጻ ሃገር ኦሮሚያ ምምራሓ ዝያዳ የገድስ ተባሂሉ ተደምዲሙ።
መርሒነት ህግሓኤ ብመመኢ መብጻዓ ዝትኣትወሉ ምቕባል ውጽኢት ሪፈረንደም ከየተኣጓጉል ስለዝደለየ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ክፉት ዘተ ብዛዕባ ኣብ 1978-80 ኣብ መንጎ ህወሓትን ተሓኤን ኣብ ዝነበረ ግጭት ንዝተላዕለ ዘይደቀሰ ጉዳያት ዶብ ከወንዝፎ ጌርዎ። ዋላ’ውን ነቲ ብምምሕዳር ትግራይ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ኲናት ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝተፈጸመ ሰፊሕ ወረራ ኤርትራ ናተይ ትብሎ መሬት ብርኡይ ሸለል ኢልዎ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ህግሓኤ ሓይልታታ ምሉእብምሉእ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣሰሊፋትሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ፡ ህወሓት ንምምሕዳር ከባቢ ዓሊቴናን ገለ ምዕራብ ካብ ባድመ ዝርከቡ ቦታታትን ዝወሰደቶም ይመስል።
ስለ’ዚ፡ ሪፈረንደም ኣብ ሚያዝያ 1993 ምስተኻየደ፡ ንዝጸንሐ ክውንነት ንምቕዳስ ዝተሃንደሰ ነይሩ። ዝዀነ ንጹር መተካእታ ናጽነት ንኣድመጽቲ ኣይቀረበሎምን። እቲ ናይ ምድማጽ መስርሕ እንተዀነ’ውን ፖለቲካዊ ሕነ ፈሪሑ ንምርጫ ናጽነት ክነጽግ ዝደፍር ከይርከብ ብዝገብር መንገዲ ዝተቐርጸ ነይሩ። መርሒነት ህግሓኤ ንስትራተጂ ሪፈረንደም ንኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ኢትዮጲያ ከምኡ’ውን ማሕበረሰብ ዓለም ክመጽእ ዝኽእል ተቓውሞ ንምቑጻይ ከም ዝሃንደሶ ንጹር ኢዩ።
ሽሕ’ኳ ኣብ ቃልዕ ካብ ዝዀነ ተጻራሪ ርኢቶታት ኣብ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተራእዩ ናብ ሪፈረንደም ዘምርሑ ምዕባሌታት እንተተቘጠቡ፡ እታ ብህወሓት እትዕብለል ሰዴግህኢ ከምኡ’ውን መመኢ ኣብ ውሽጣዊ ክትዓቶም ስክፍታታቶም ገሊጾም። ንተግባራት ኤርትራ ድማ ከም መግሃስቲ ዝተበጽሐ መበቆላዊ ስምምዕ ጠሚተሞ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ውሽጦም እንዳዓበየ ዝኸደ ቁጥዐ ብመኽንያት ቁጠባዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ፖሊሲታት ባጤራ ገሊጾም። እንተዀነ፡ ሰዴግህኢ/ህወሓት ጌና ፖለቲካዊ ዕብላሌ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንምድልዳል ኣብ ብርቱዕ ቅልስ ተጸሚዳ ስለዝነበረት፡ ንወገን ኤርትራ ብቕሉዕ ክትወቕሰሉ ኮነ ምስ ሰሜናዊ መሻርኽታ ምብታኽ ክትጻወረሉ እትኽእል ደረጃ ዘላ ኮይኑ ኣይተሰማዓን። ስለ’ዚ፡ ብወግዒ ሰዴግህኢ/ህወሓት ነቶም ዝተራእዩ ፍጻሜታት ተቐቢላቶም፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንውጽኢት ሪፈረንደም ሃንጎፋይ ኢላቶ። ምስ ኩሉ ሃጓፋቱ ንመላእ መስርሕ ሪፈረንደምን ውጽኢቱን ኢትዮጲያ ምቕባላ ኣብ ቅልጡፍ ተቐባልነት ናጽነት ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም ዕዙዝ ኣበርክቶ ነይርዎ። ስለዝዀነ፡ ኣብ’ዚ ሸነኽ’ዚ ስትራተጂ ህግሓኤ ምሉእብምሉእ ሸትኡ ኣመዝጊቡ።
ኣብ ዝስዕብ ክፋል ድሕሪ ምክያድ ሪፈረንደም ዝተመዝገቡ ተርእዮታትን ውጽኢቶምን ክንመዝን ኢና።