እዚ ሻውዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ3 ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ፡ ንብሳይነታይ ኣኻውሕ ዝቘሙ ማእከላዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ከነቕርብ ኢና።

ሳይነታይ ብባህሪኡ ካብ ጥቡቕታይ፡ ኣደንጋራይ መዐወርቅርኒ ከምኡ’ውን መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕ ዝቘመ ገዚፍ ሓቒቓዊ ከውሒ ኢዩ። ገለ ስነምድረኛታት ጥምቢሓቒቕ ኣብ ምፍጣር ሳይነታይ ኣድላዪ ከምዘይኰነ ዝሓስቡ ከምዘለዉ ሓቂ ኢዩ። ነዚ ዝያዳ ምኽኑይ ዝገብር ከኣ፡ ካብ ጥቡቕታይን ኣደንጋራይን ዝቘሙ ኣኻውሕ ሳይነታይ ተባሂሎም ስለዝተጸውዑን ኣብዞም ኣኻውሕ ጥምቢሓቒቕ እንተተረኺቡ ድማ ከም ድንገተኛ ይቑጸር ስለዝጸንሐን ኢዩ። ንሕና ግና፡ እቲ ልሙድ ሳይነታይ፡ ኣብ ግብጺ ዘሎ ከውሒ ሳይን፡ ከምኡ’ውን ኩላቶም ናይ ምድረሓበሻ4 ሳይነታያት፡ ጥምቢሓቒቕ ዝሓዙ ኢዮም ኢና ንብል። ስለዚ፡ እዚ ማዕድን ኣብ ሳይነታይ ድንገተኛ ካብ ምዃን ርሒቑ ግድነታዊ ክፋል የቕውም። በዚ መኽንያት ከኣ ኢና ንኣኻውሕ ምድረሓበሻ ሳይነታይ ዝብል ስም ሂብናዮም ዘለና፡ ከምኡ’ውን ጥምቢሓቒቕ ከም ግድነታዊ ክፋል ዘይብሉ ሳይነታይ ከም ካልእ ከውሒ ክንሓስቦ ንደፋፋእ። ኣብዚ ንክልሰሓሳባዊ ርዲኢታት ኣይቶ ሪቪየር ንኽተል ኣለና።5

ከም ኣብ ካልኦት ብዙሓት ክፋላት ኣፍሪቃ፡ ሳይነታይ ኣብ ምድረሓበሻ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከውሒ ኢዩ። ከም ውጺኢቱ፡ ምቕልቃል እዚ ከውሒ ኣብ ስነምድራዊ ክውንነት እዚ ክፋል ዓለምና ኣዚዩ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ። ይኹን እምበር፡ ዋላ’ኳ ሳይነታይ ኣብ ምድረሓበሻ ኣዚዩ ብርኩት እንተዀነ፡ ብዙሕሳዕ ብኻልኦት ኣኻውሕ ዝተዓብጠ ኢዩ። ኣብ ኣዚዩ ሰፊሕ ቦታ እውን ተቐልቂሉ ኣይንርእዮን። እቲ ቀንዲ ዝርአ ኩማራት እዚ ከውሒ ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕርን ታረንታን፡6 ኣብ ጉንደት፡ ኣብ ኣቡነ-ኣሌፍ፡ ኣብ ከባቢ ኣኽሱምማይ-ብራዚዮን፡ ኣብ ሰለኽለኻ፡ ኣብ ከባቢ ሓዲሽ-ዓዲ፡ ኣብ ተከዘ ከምኡ’ውን ኣብቶም ናብዚ ሩባ ዘምርሑ ስንጭሮታትን ኢዩ።

ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕርን ታረንታን፡ ሳይነታይ ንምዕራብ ከባቢታት ዓይሌትን ንእግሪ ታረንታን ዝገበቱ ወሰንቲ ኣጻድፍ ይፈጥር። ኣብ እግሪ ታረንታ ቀይሕ ወይ ሓማል ጽገሬዳዊ ኢዩ። ኣብ ማእከል እቲ ቁልዓይሩፍራፍፍሉጻይ፡ ወዘተ፡ ኣዚዩ ሓያል ኣጻድፍ የቕውም። እዚ ማለት ድማ ኣብ ማእከል ኣኻውሕ ቀዳማዊ መሬታትን ኣብቶም ዝማሳቐሎም መሰጋገሪ መሬታትን ማለት ኢዩ። ንሱ ንባዕሉ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብነባረታይን ናብ ኣደንጋራያዊ ኣኻውሕ ብዝተላገበ ቈንዳፍእምንን ዝተቘርጸ ኢዩ።

ሳይነታይ ኣብ ከባቢ ጉንደት እንደገና ይቕልቀል። መሰረት ናይቲ ሓመድ ድማ ይፈጥር። ብሰሜን ብጽኑዓያት ዝተደረተ ኰይኑ፡ ብደቡብ ከኣ ብስርነታይ። ኣብ ዓዲ-ከተዮጉንደትን ብጽኑዓይ ዝተመስቀለን ዝተጐልበበን ክኸውን ከሎ፡ ናብ ደቡብ ቀጺልካ፡ ናብ መረብ ገጽ ግና ነቲ ስርነታይ ይበስዕ። ብነባረታይን ኣደንጋረታይን ዝተቘርጸ ኢዩ። እዚ ሳይነታይ ካብቲ ኣብ ዓዲ-ከተዮ ዘሎ ደረት ናይቶም ጽኑዓያት ክሳብ ስግር ጉንደት ነቲ ሓመድ የቕውም። ስለዝዀነ ንመሰረት ሩባ ሸኽነ ዘቘመ ኢዩ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ቦታ ቀይሕ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጥቓ ጉንደት ግና ብሓፈሽኡ ሓማል ኢዩ። ኣብ ኩላቶም እዞም ቦታታት እዚ ከውሒ ስርነታያዊ እልሞ ዘለዎ ኢዩ።

ካብዞም ዝቐደሙ ሓቅታት፡ ምስ ካልኦት ኣኻውሕ ዘለዎ ደረጃ ብምምዝዛን ዘመዳዊ ዕድመ ናይዚ ሳይነታይ ክንውስን ንኽእል ኢና። እምበኣር ካብ ስርነታይቁልዓይሩፍራፍፍሉጻይ፡ ዋላውን ካብ ኣኻውሕ መሰጋገሪ መሬታት ንላዕሊ ዝያዳ ዘመናዊ ኢዩ። እንተዀነ ግና ካብ ነባረታይ፡ ወዘተ ዝያዳ ዝሸምገለ ኢዩ። ስለዚ ሳይነታይ ድሕሪ ምፍጣር መሰጋገሪ መሬታት ብርሃን ዝርኣየን፡ ምቕልቃሉ ከኣ ንናይቲ ግዜ ተኸታታሊ ክስተታት ዝደምደመን ክኸውን ይኽእል። እዞም መኽንያታት ድማ ኢዮም ንሳይነታይን ወይነታይን ምስ መሰጋገሪ መሬታት ከነታሓሕዞም ዝደረኹና።

ኣብ ከባቢ ኣቡነ-ኣሌፍ፡ ብነባረታይ ዝተኸበን ዝተመሳቐለን ሳይነታይ ንረክብ። እዚ ሳይነታይ ሓማል፡ ኣዚዩ መሮጣራዊ፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ባህርያት ናብ ስርነታይ ዝሓልፍ ኢዩ። ኣብዚ ከባቢ፡ እቲ ሳይነታይ ሒደት ዝበሰለ ምዃኑ ርኡይ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ብደቡብምዕራባዊ ኣንፈት፡ ብትሕቲ እቶም ካልኦት ኣኻውሕ ገይሩ፡ ምስቶም ብብዝሒ ሰሜን ካብ ኣኽሱምን ኣብ ዙርያ ማይ-ብራዚዮን ዝርከቡ ኩርባታት ሳይነታይ ዝተኣሳሰረ ኢዩ።

ኣብ ደብረ ስብሓት፡ እቲ ሳይነታይ ሰምያው፡ ኣዚዩ ጥረኛ ከምኡ’ውን ኣዚዩ ልሙጽ ኢዩ። ብሓርፊፋያት ዝተቐየረ ይመስል፡ ነባረታይ እውን ይላበስ። ተመሳሰልቲ ዓይነታት ኣኻውሕን ተመሳሰልቲ ክውንነታትን ኣብ ዙርያ መጋረዓ-ዛምብረ፡ ኣኽሱም ከምኡ’ውን ጐልጐል ሽረ ይርከቡ።

ደቡብ ካብ ኣኽሱም፡ ሳይነታይ ኣብ ትሕቲ ሳልሳዊ መሬታት ሽረ ደጊሙ ይቕልቀል። እዚ ከውሒ ኣብ ከባቢ ዓዲጋሓድ፡ ኣብ መንጎ ዓዲ-በራኽን ሓዲሽ-ዓድን፡ ኣብ ጥቓ ኣኽራናት ጽኑዓይ እውን ንርእዮ። ኣብዚ ቦታ ወይነታይን ጥሙራይን ሕሉፍ ዓይነት ሳይነታይ ጥራሕ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ክልቲኣቶም ብመትንታት ጥምቢሓቒቕ ዝተመሳቐሉ ኢዮም።

ኣብ ስንጭሮ መዛንገምበሳ (ጐልጐል ሽረ)፡ እቲ ሳይነታይ ናብ ጥሙራይን ወይነታይን ዝቕየር ጽገሬዳዊ ኢዩ። ኣብ ስንጭሮ መድረ ኣዚዩ ዝተለወጠ ሳይነታያዊ ጥምቢሓቒቕ ወይነታይ ንረክብ። ኣብ ማይ-ትንከት፡ እቲ ሳይነታይ ቀይሓው ወይነታይ ወይ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዝማህመነ፡ ጨብራው ሳይነታያዊ ወይነታይ ኢዩ። ኣብ ስንጭሮ መራኻት፡ ሓቀኛ ሮማናያዊ ጽገሬዳዊ ጥምቢሓቒቕ ወይነታይ ኢዩ፡ ብዙሕሳዕ እውን ኣደንጋራያዊ። እንተዀነ ግና ጽግዕተኛ ሳይነታይ ኢዩ።

ኣብ ዙርያ ሰለኽለኻ፡ እቲ ሳይነታይ ምስ ቀጸላታት ሳልሳዊ መሬታትን ጽኑዓያትን ክነጻጸር ከሎ፡ ገና ኣብ ዝነበሮ ደረጃ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ስንጭሮ ፍርፍራ፡ እዚ ክውንነት ብሰፊሕ መጠን የጋጥም። ሳይነታይ ናይዚ ስንጭሮ ኣብ ላዕለዋይ ክፋሉ ኣዚዩ ስለዝቦኽቦኸ፡ እግረኛታት ብኡ ገይሮም ክሓልፉ ክኢሎም። ኣብ ከብዲ እቲ ስንጭሮ ግና በንጻሩ ኣዚዩ ተሪርን ኣዚዩ ዓቐብን ኢዩ። ኣብዚ ሓማል ጨብራይ ኰይኑ፡ ካብ 4 ክሳብ 5 ሰንቲሜትሮ ብዝምርጓዱ መትንታት ዝሓቐቐ ጥምቢሓቒቕ ዝተቘርጸ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ቦታታት ወይነታይን ጥሙራይን ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ብዙሕሳዕ ሮማናይን ዉርቃይን ዝሓዘ ጥሙራይ፡ ምናልባት ካብ ድንገት ሳይነታይ ዝሳዓበ ኢዩ። እቲ መትንታት ጥምቢሓቒቕ ካብቲ ኩምራ ሳይነታይ ኣብቲ ዝተቐልቀለሉ እዋን ተፈልዩ ዝመጸ ኽከውን እውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ብመኽንያት ምቕልቃል ነባራያት፡ ጽኑዓያት፡ ወዘተ፡ ብኣንቀሳቓሲ ረቛሒታት ዝተፈጥሩ ጨዳዳት፡ ድሒሮም ከኣ ብሕጽበትን ድበታዊ ዝርቋን ዝተመልኡ፡ ዝስዕቡ ክዀኑ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።

ሳይነታይ ስንጭሮ ፍርፍራ ብዙሕሳዕ ሩፍራፋውን ስርነታያውን ኢዩ። ኣብ ካልእ እዋናት ድማ፡ ናብ ሳይነታይ ዝላበስ ኣደንጋራያዊ ከምኡ’ውን ጥማዕ ዓፍረኛ ወይነታይ፡ ወይ ዝያዳ ብልክዕ ንምዝራብ፡ ኣዚዩ ሕሉፍ ዓይነት ናይ ሳይነታይ ጥራሕ ዝዀነ፡ ንረክብ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ስንጭሮ ፍርፍራ ልዕሊ 2000 ስልዒታዊ ሜትሮ ዝግዝፎምን ምሉእብምሉእ ካብቲ ቀንዲ ኩምራ ዝተፈልዩን ደንጎላታት ሳይነታይ ንዕዘብ።

ኣብ ስንጭሮ ማይ-ትንከት፡ ጥቓ ዓዲ-ቀስቲ፡ ገና ሳይነታይ ንመሰረት እቲ ሓመድ ከምዘቕውም ንርኢ። ከምቲ ዝበልናዮ፡ ቀይሕ፡ ወይነታይ ዝላበስ ሳይነታይ ኰይኑ፡ ብሳልሳዊ ኩምራታት ዝተሸፈነ ኢዩ። ሳይነታይ ኣብ ብዙሕ ካልእ ከባቢታት እውን ይርከብ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደንደሳት ተከዘ። ወሓደ በዝሐ ብነባረታያት ዝተመሳቐለ ከኣ ኢዩ።

ኣብዚ ንስለመዝገብ፡ ነቶም ኣብ ዙርያ ድግሳ ዘለዉ ቈጽለታያት ዝመሳቐል ጥምቢሓቒቕ ገፍሒ ምጥቃስ የድልየና። እዚ ገፍሒ ብጽዕዳይ ዝተፈጥረ ኢዩ። መንቅብ ዘለዎ ውሑድ ሓቒቓት ጽዕዳይን ጥምቢሓቒቕን ዝሓዘ ኢዩ። እንተተለዊጡ፡ ጻዕዳን ጨንፋርን ይኸውን። ኣብ ልሙድ ኩነቱ ግና ብሓፈሽኡ ቀይሓው ኢዩ። ኣብ ዙርያ ድግሳ፡ እዚ ከውሒ ነቶም እልመቶም ዝያዳ ሓቒቓዊ ክኸውን ብምግባር፡ ክሳብ ዓፍራይፍሉጻይ ዘላበሶም ቈጽለታያት ይመሳቐሎም። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ገፍሒ እምበኣር ካብቶም ቈጽለታያት ንላዕሊ ዝያዳ ዘመናዊ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ከይደንጐየ ድሕሪ ምፍጣር እዞም ኣኻውሕ ከምዝተጋህደ ርግጽ ኣይኰነን። በንጻሩ፡ ድሕሪ ወይ ኣብ ግዜ ምፍጣር ቀጽዕታት ጸብጎላዊ ጉጅለ ማእከላዊ መሬታት ዝተቐልቀለ ዝያዳ ይመስል።

ኣብ ሩባ ተከዘ፡ ሳይነታይ ዝላበስ ኣደንgaረታያውን ዓፍረኛን ወይነታይ ብተወሳኺ ንረክብ። እዚ ከውሒ ሓደሓደሳዕ ጽገሬዳው-ጨብራይ ኢዩ። ጸኒሑ ከኣ ብመኽንያት ብለውጡ ዓፍረኛ ነገር ዘፍሪ ሽፋናት ኣደንጋራይ፡ ፍሉጻዊ ኢዩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
  5. Rivière, Alphonse (1839) Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative. Méquignon-Rivière: Paris. ↩︎
  6. ሰንሰለት ኣኽራን ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎