
ኤሪዮጲያውያን ኩሉሳዕ ካብ ጸዓዱ ሳምንታት ድሒርና ክርስትናውያን ባዓላትና ከምነብዕል ንኹሉ ግሁድ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣቋጻጽራ ግዜና ወትሩ ካብ ምዕራባውያን ብዓመታት ምስደሓርና ኢና። እቲ መኽንያት ንጽንብላትናን ባዓላትናን ንምውሳን ዝተፈልየ ዓውደግዜ ስለእንጥቀም ምዃኑ ዘይተረድኦ ዘሎ ኣይመስልን። እንተዀነ ግና፡ ስለምንታይ ያታዊ ዓውደግዜና ካብ ካልኦት ዓውደግዜታት ከምዝፍለ ዝፈለጠ ውሑድ ይመስል። ስለዚ ገለ ብዛዕባ ያታዊ ዓውደግዜና ክብል።
ያታዊ ዓውደግዜና ብልምዲ ግእዛዊ ዓውደግዜ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ካብቶም ካልኦት ህዝብታት ዓለም ዝጥቀምሎም ዓውደግዜታት፡ ከምበዓል ግሪጎርያዊ ዓውደግዜ፡ (ምዕራባውያን ዝጥቀምሉ)፡ ዩልያዊ ዓውደግዜ (ሩሲያውያን፡ ሰርብያውያን፡ ገለ ግሪኻውያን፡ ወዘተ ዝጥቀምሉ) ከምኡ’ውን ግብጻዊ ዓውደግዜ (ግብጻውያን ክርስትያናት ዝጥቀምሉ) ዝተፈልየ ኢዩ። ምስቶም ካልኦት ዓውደግዜታት ዘየማሳስሎ ቀንዲ ረቋሒ፡ ንግዜ ዝሓስበሉ ኣገባብ ካብቶም ካልኦት ዓውደግዜታት ፍልይ ዝበለ ስለዝዀነ ኢዩ። እዚ ከኣ ልደት እየሱስ ክርስቶስ ንምውሳን ዝጥቀመሉ መንገዲ፡ ብዘይካ ምስ ግብጻዊ ዓውደግዜ፡ ምስቶም ካልኦት ዓውደግዜታት ዘይሰማማዕ ስለዝዀነ ኢዩ። ምስ ግብጻዊ ዓውደግዜ እንተዀነ’ውን፡ ኣብ መወከሲ መድረኽ ግዜ ኣይጋጠምን ኢዩ። ማለት፡ ግእዛዊ ዓውደግዜ “ዓመተ-ምህረት” ክጥቀም ከሎ፡ ግብጻዊ ዓውደግዜ ግና “ዓመተ-ሰማእታት” ይጥቀም። ኣብ መዓልታት ቅዱሳንን መዓስ ከምዝኽበሩን እውን ፍልልያት ኣለዎም።1
ናይ ግዜ ፍልስፍና ግእዛዊ ዓውደግዜ፡ ባሕረ-ሓሳብ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ካብ ክርስትያናዊ ያታን መጽሓፍ ቅዱስን ዝመንጨወ ድማ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዓንድታት ባሕሪ-ሓሳብ፡ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ብሰንኪ ሓጥያቶም ካብ ገነት ምስጓጎም፡ ኣብ ምድረኤደን ንሸውዓተ ዓመታት ከምዝተቐመጡ ንመጽሓፍ ኣዳም (ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ግን ኣካል ክርስትያናዊ ስነጽሑፍ ኢትዮ-ኤሪትራ ዝዀነ መጽሓፍ) ብምጥቃስ ይነግር። ብተወሳኺ፡ ኣብ መጽሓፍ ኣዳም ተመርኲሱ፡2 ኣዳምን ሄዋንን ሓጥያቶም ምስተናዘዙ፡ እግዛእቢሄር ድሕሪ 5500 ዓመታት ከምዘድሕኖም ከምዝተመጻባዓሎም ይገልጽ። ካብዚ ተበጊሱ ዓውደግዜ ግእዝ፡ መታን ነተን ሸውዓተ ዓመታት ራህዋን ጣዕምን ገነት ካብ ዕምሪ ቃንዛን ሓጥያትን ናይዛ ዝወደቐት ዓለም ክንጽለን፡ ነተን ቀዳሞት ሸውዓተ ዓመታት ተፈጥሮ ኣብ ሕሳብ ግዜ ኣየእትወንን ኢዩ። መብዛሕትኦም ካልኦት ዓውደግዜታት ግና ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ዝነበርሉ እዋን ኣፍልጦ ኣይህብዎን ኢዮም፡ ወይከኣ ንሕሳብ ግዜ ክጸልዎ ኣይደልዩን። ከምውጺኢቱ፡ ግእዛዊ ዓውደግዜ ካብ ምስጓግ ገነት ክሳብ ልደተክርስቶስ 5500 ዓመታት ይቈጽር፡ ካብ ሕሳብ ግዜ ድማ ሸውዓተ ዓመታት የጉድል (ኣብዚ ምስ ግብጻዊ ዓውደግዜ ምምስሳል ኣለዎ)። ቤተክርስትያን ግሪኽን ካልኦት ብራቓውያን ቤተክርስትያናት ግና 5508 ዓመታት (ንዓመተ 0 ሓዊስካ) ይቘጽሩ።3 ምዕራባውያን ቤተክርስትያናት ግና ኣብ ቁጽሪ ቅድሚ ልደተክርስቶስ ዝነበራ ዓመታት ኣብ መንጎኦም ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ንኣብነት ብዙሓት ወንጌላውያን ቤተክርስትያናት ቅድሚ ልደተክርስቶስ 4004 ዓመታት ከምዝነበረ ይገልጹ።4 ያታዊ መረዳእታ ፍጥረት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድማ፡ ካብ እዋን ፍጥረት ክሳብ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ትሕቲ 6000 ዓመታት ከምዝዀነ ይሕብር።5 ኣብ መንጎ ግእዛዊ ዓውደግዜን ግሪጎርያዊ ዓውደግዜን ዘሎ ናይ ዓመታት ፍልልይ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ነሓሰ (ንክልቲአን ኣዋርሕ ዘጠቓለለ) ሸሞንተ ዓመታት ይኸውን። መኽንያቱ ድማ ሓድሽ ዓመት ኣብ ነንበይኑ ኣዋርሕ ስለዝጅምሩ ኢዩ።
መወከሲ ነጥብታት
- Aberra Molla (2008) The Ethiopic Calendar. An Ethiopian Journal. Retrieved from https://tseday.wordpress.com/2008/09/14/ethiopian-calendar/ ↩︎
- መጽሓፍ ኣዳም 3:1-6 ↩︎
- Bruce, James (1790) Travels to discover the source of the Nile, in the years 1768, 1769, 1770, 1771, 1772, and 1773. Printed by J. Ruthven: Edinburgh. ↩︎
- Isenberg, Charles William; Krapf, Johann Ludwig; and MacQueen, James (1843) Journals of the Rev. Messrs. Isenberg and Krapf, missionaries of the Church missionary society, detailing their proceedings in the kingdom of Shoa, and journeys in other parts of Abyssinia, in the years 1839, 1840, 1841, and 1842. Seeley: London. ↩︎
- Owen, Hugh (2012) The Traditional Catholic Doctrine of Creation. Kolbe Center for the Study of Creation. Accessed 02/28/2024. Retrieved from https://kolbecenter.org/the-traditional-catholic-doctrine-of-creation/ ↩︎