እዚ መዘከርቃላት ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘለዉ ስነሂወታዊ ቃላት ሓጺር መብርሂ ይህብ።
ሀ
ህዋሰኛ፥ ዝዀነ ሂወት ዘለዎ ፍጥረት። እንኮ ዋህዮ (ንኣብነት፡ ዘንግያ) ወይ ብዙሓት ዋህዮታት (ንኣብነት፡ ኣትክልቲ፡ እንስሳታት) ክህልዎ ይኽእል።
ህውሲት፥ ዝተፈልየ ክፍለኣካል ናይ ዋህዮ፤ ከም ህዋስ ናይ ዋህዮ ኢዩ።
ለ
ለማሚ፥ ዝሑል-ደማዊ መላግቦኛ ኣባል ክፍሊ ለመምታ ዝዀነ እንስሳ፡ ከምእኒ ኣባጎብየ፡ ተመን፡ ጠበቕ፡ ዝበሉ ኢዩ።
ልምሉምታ፥ ከም ዓረነ፡ ተምሪባሕሪ ዝኣመሰሉ ዘይመላግቦኛታት እንስሳታት ኰይኖም፡ ልስሉስ ዘይተጋጣጠመ ሰብነት ዘለዎምን ኣብ ማያዊ ወይ ትርኩስ ስፍራ ዝነብሩ ኢዮም። መብዛሕትኦም ዓይነታት ልምሉምታ ግዳማዊ ኖረኛ ዛዕጎል ኣለዎም።
ሉንኩስ፥ በዓል ሓጺር ጭራ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጨጓር ኣእዛን ዘለዎ፡ ቆርበቱ ዝድለ፡ ማእከላይ ዕቤት ዘለዎ፡ ድሙዘገዳም ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኤስያን ይርከብ።
ላኻ፥ ዝደራረብ ቈጽሊ-መሰል ክፍለኣካል ተኽሊ፡ ከም ናይ ዓርኮብኮባይ፡ ሳዕሪክንቲት፡ ስየ፣ ዝበለ ኢዩ።
ልዕለገጽ፥ እቲ ዝለዓለ ደጋዊ ወይ ዝለዓለ ጫፋዊ ቀጸላ ናይ ሓደ ነገር ኢዩ።
ሐ
ሓቀኛውሻጠኛ፥ ዋህዮታቱ ውሻጠን ብሸፍኒ ዝተኸድኑ ህውሲታትን ዘካተቱ ህዋሰኛ ኢዩ።
ሓሰማዓሳ፥ ጐዲም ሸሊሕ ገጽን ሓያሎ ኣስናንን ዘለዎ፡ መብዛሕትኡሳዕ ቁመቱ ካብ 2.5 ሜትሮ ዘይሓልፍ፡ ብጭፍራ ዝነብር፡ መጥበዊ እንስሳ ባሕሪ ኢዩ።
ሓቢ፥ ዝዀነ ካብቶም ብዙሓት ዘንፋሕኹን ዝፍሕትሩን ንእሽተይ፡ ልምሉም ሰብነት ዘለዎም፡ መሓውር ድማ ዘይብሎም ዘይመላግቦኛታት እንስሳታት ኢዩ። ዘይዓዀዀ ሓሰኻ እውን ክኸውን ይኽእል።
ሓየኽቶት፥ ከም ኣንጭዋ፡ ቅንፍዝ ዝበሉ፡ ንምሕያኽ ዝተፈልየ ብቐጻልነት ዝዓቢ ንጽል ጽምዶ ቆሎ ኣስናን ዘለዎም ብተዛማዲ ናኣሽቱ ዕትብታውያን መጥበውቲ ኢዮም።
ሕማም፥ ንገለ ክፋል ወይ ንመላእ ኣካል ሓደ ህዋሰኛ ዝጸሉ ምስንኻል ንቡር ስነሰብነታዊ ዕማም ኢዩ።
ሕርሻ፥ ደቅሰብ ንምጥቃም ዘገልግሉ እንስሳታትን ኣትክልትን ንምፍራይ ዝካየድ ኣከባቢ ዝቕይር እኩብ ንጥፈታት ኢዩ።
ሕብረካል፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ንፍጥርታት ብመስመራዊ መስርዕ ዝጸውር፡ ኣብ ውሻጠ ዋህዮ ዝርከብ፡ ፈትሊመሰል ክፍለኣካል ጎዳልረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ) ኢዩ።
መ
መላግባዊ ዓንዲ፥ ተወሳኺ መጸውዒ ዓንዲሕቖ ወይ ዓጽሚሕቖ ኢዩ።
መላግቦኛ፥ ኣብ ስነእንስሳ፡ ዓንዲሕቖ ወይ ዓጽሚሕቖ ዘለዎ ዘበለ ኢዩ።
መኻን፥ ክዋለድ ዘይክእል ማለት ኢዩ።
መሬትሳዕሪ፥ ሳዕሪ ወይ ሳዕሪመሰል ዕጽዋት ዝበቝለሉን ካብ ኩሉ ዓይነት ፍጣረ ተኽሊ ዝያዳ ዝዕብልለሉን መሬት ኢዩ።
መሬትዕንጸይቲ፥ ብኽፍተት ዘለዎም ኣግራብን ቈጥቋጥን ዝተሸፈነ ከምኡ፣ውን ሳዕርታትን ናኣሽቱ ኣትክልትን ዘካተተ ብዙሕነታዊ ሽፋን ባይታ ዘለዎ መሬት ኢዩ።
መባኹዒ፥ ኣብ ስነእንስሳ፡ ብዘይጾታዊ መስርሕ ብጠጥዒ ወይ ብምምቕቓል ዝፋረ እንኮ-ዋህዮኛ ሰፍናግ ኢዩ።
መጒዶ፥ ብመንቋቝሒ፡ ግራጮ ወ ኣፈት ዝቘመ ኣንስታይ ክፍለኣካል ዕምባባ ኢዩ።
መንቋቝሒ፥ እንቋቝሖታት ዝጸፊ ኣንስታያዊ መፍረዪ ህዋስ ኢዩ።
መደው፥ ተባዕታይ መፍረዪ ህዋስ ዕምባባ ኢዩ።
መውልዶ፥ ምፍራይ ውሉድ ኢዩ።
መጥጊ፥ ካብ ገለ ኣትክልቲ፡ ከም ዳዕሮ፡ ቆልቋል ዝበሉ ዝወጽእ ጸባዊ ነዝዒ ኰይኑ፡ ናብ ኣየር ምስ ተቓልዐ ይረግእ።
መፍረሕማም፥ ሕማም ዘስዕብ ዘበለ።
ማህጽዮን ወይ ዶልፊን፥ ካብ ዓሌት ዓሳነባሪ ዝዀነ፡ ሰናን መትኮብመሰል ገጽ ዘለዎ፡ ካብ ሓሰማዓሳ ዝዓቢ መጥበዊ እንስሳ ባሕሪ ኢዩ።
ምልውዋጥነት፥ ኣብ ገለ እንስሳታት ዘጋጥም ካብ ዕቡስ ናብ በጽሒ ንምስግጋር ዝካየድ ዝስትውዓልን ቅልጡፍን ምቅይያር መልክዕ ኢዩ።
ምቑጥቋጥ፥ ንዳግም ክጥጥዕ ዝኽእል ገረብ ወይ ቈጥቋጥ ኣትሒትካ ጥቓ ባይታ ኣብ መሰረቱ ምቝራጽ ኢዩ። መብዛሕትኡሳዕ ዕላምኡ ሓድሽ ዕብየት ኦም ካብ ጉማድ ጉንዲ ንምፍራይ ኢዩ። ንመብዛሕትኦም ኣግራብን ቈጥቋጣትን ኣብ ግዜ ትኻሶም ክግበር ኣለዎ።
ምቕምቃም፥ ስፍሕ ዝበለ ቃል ኰይኑ፡ ቅርጺ፡ ጥዕና፡ ወይ ግዝፊ ተኽሊ ንምሕላው ዝካየድ ምእላይ ጨናፍር ኢዩ።
ምቅይያርነት፥ ንኹሎም ሂወት ዝጥውሩ ኣብ ዋህዮ ወይ ህዋሰኛ ዝርከቡ ህዋሳዊ ስነቀመማዊ መስርሓት ዘመልክት ኢዩ።
ምብርራይ እኽሊ፥ ኣብክንዲ ሓደ ዓይነት እኽሊ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደ ግራት ምብቋል፡ ዝተፈላለዩ ኣእካል ኣብ ሓደ ግራት ብዝተወጠነ ተኸታታሊ መንገዲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት ምዝራእ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ጥዕና ሓመድ የማሓይሽ፡ ምህርቲ እኽሊ የወስኽ ከምኡ፣ውን ተርእዮታት ባልዓትን ሕማማትን የጕድል።
ምኹስኳስ፥ ንኣትክልቲ ኰነ ንእንስሳታት መታን ክዓብዩን ክፈርዩን ምክንኻን ማለት ኢዩ።
ምድረማያዊ፥ ኣባል ክፍሊ ምድረማያውያን ዝዀነ፡ መብዛሕትኡሳዕ ኣብ መሬት ዝቕመጥ ግንከኣ ኣብ ማይ ዝፋረ ዝሑል-ዝደሙ መላግቦኛ እንስሳ ዘበለ ኢዩ። ማያዊ ዕቡሳት ምድረማያውያን ብጹሕ ቈይሚ ንኽሕዙ ምልውዋጥነት የካይዱ።
ምድረበዳ፥ ብዙሕሳዕ ብሑጻ ወይ ኣኻውሕ ዝተሸፈነ፡ ኣዚዩ ቁንጣሮ ዝናብ ዝረክብ፡ ሒደት ኣትክልቲ እውን ዘለዎ ነቓጽ መሬት ኢዩ።
ምግዳን፥ ምክንኻን ገደና ኢዩ።
ምጽልጻል፥ ኢደግብሪ ምቕምቃም ተኽሊ ኰይኑ፡ ንላዕለዋይ ጨናፍር ገረብ በብእዋኑ ክሳብ እቲ ኣውራ ኦም ክበጽሕ ዝኽእል ምእላይ ኢዩ። ዕላምኡ ብቐንዱ ግዝፊ ንምቝጽጻር ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ግዜ ትኻስ ገረብ ምስዝግበር ዝበለጸ ይኸውን።