ኣብ ስነፍልጠት ሂወት፡ ምደባ ዝበሃል፡ መስርሕ ምስርራዕ ንብሂወት ዘለዉ ኰኑ ዝጸነቱ ህዋሰኛታት ናብ ጉጅለታት ኣብ ሓባራዊ ባህርያቶም ተመርኲስካ ኢዩ። እዚ ስነፍልጠት ምስማይን ምምዳብን ህዋሰኛታት ስነምደባ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣዚዩ ወሳኒ መሰረታዊ ስነፍልጠት ሂወት ድማ ኢዩ። ክኢላ ስነምደባ፡ ስነመዳቢ (ብዙሓት ስነመደብቲ) ተባሂሉ ይፍለጥ።

ስነመደብቲ ንህዋሰኛታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ቁመናዊ መሳርዕደረጃ ይኸፋፍልዎም። እዚ መሳርዕደረጃ ሂወታውያን ብዙሕ ጽፍሕታት ዘለዎ ስርዓት ኰይኑ፡ ንነፍሲወከፍ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ዝዓበየ ጉጅለ የስፍር። ኣብቲ ዝላዓለ ጽፍሒ ዝርከቡ ጉጅለታት እቶም ዝሰፍሑን ዝያዳ ኣጠቓለልትን ኰይኖም፡ ኣእላፍ በብዓይነቱ ሂወታዊ ፍጥረታት ዝሓዙ ኢዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ጉጅለታት ናብ ዝነኣሱ ተመሳሰልቲ ህዋሰኛታት ዝሓቘፉ ጉጅለታት ይምቀሉ። ነፍሲወከፍ ዝነኣሰ ጉጅለ ንባዕሉ፡ ናብ ዝያዳ ዝነኣሱ፡ ዝያዳ ተመሳሳሊ መልክዓት ዘለዎም ህዋሰኛታት ዝሓዙ፡ ጉጅለታት ይከፋፈል። ንኣብነት፡ ንኹሎም ተኽልታት ዘጠቓለለ ሓደ ሰፊሕ ጉጅለ፡ ከምእኒ ኣግራብ፡ ቈጥቋጣት፡ ሳዕሪስበታት፡ ዓምባቢ ኣትክልቲ፡ ወዘተ ዝበሉ ተመሳሰልቲ ዓይነታት ተኽሊ ዝሓቘፉ ዝነኣሱ ጉጅለታት ይሕዝ። ነፍሲወከፍ እዞም ዝነኣሱ ጉጅለታት እንተዀነውን ገና ዝያዳ ዝነኣሱ ጉጅለታት ይሓቁፍ። ንኣብነት፡ እቲ ጉጅለ “ኣግራብ” ናብ “ኣግራብ ገፊሕቈጽሊ” ወ “ፈረይቲጨልቊ” ይምቀል።

ነፍሲወከፍ ጉጅለ ስነሂወታዊ ምደባ፡ ማለት ነፍሲወከፍ ጽፍሒ መሳርዕደረጃ ህዋሰኛታት፡ “ምድብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመናውያን ስነፍልጠተኛታት ሰብነታውን ስነፍጥረታውን ጭብጢ ተጠቂሞም ንህዋሰኛታት ናብ ምድባት ስነሂወት ይሰራርዕዎም።

ጽፍሕታት ስነሂወታዊ ምደባ

ሎሚ ኣብ መዓላ ዝውዕል ንቡር ስርዓተ ምደባ ሂወታውያን፡ ኣብቲ ብሽወደናዊ ስነተኽለኛን ኣቦ ዘመናዊ ስነምደባን ዝዀነ ካሮለስ ሊኒየስ ኣብ 1758 ዘተኣታተዎ ሜላ ምደባ ዝተመርኰሰ ኢዩ። ሸሞንተ ጽፍሕታት ምድባት ድማ ኣለዎ። ንሳቶም ካብቲ ኣዚዩ ኣጠቓላሊ ክሳብ እቲ ኣዚዩ ኣመላኻቲ ክጥቀሱ ከለዉ ከምዚዝስዕብ ኢዮም፥ ሕዝኣት፡ ንግስነት፡ ነገድ፡ ክፍሊ፡ መስርዕ፡ እንዳ፡ ውልደት፡ ወ ፍጣር። ንኣትክልቲ ግና፡ መብዛሕትኡሳዕ ኣብክንዲ “ነገድ” ዝበሃል “ምቕሊ” ይበሃል። ነፍሲወከፍ ጽፍሒ ኣብቲ ካብኡ ዝልዕል ጽፍሒ ዝተኸተ ወይ ዝሰፈረ ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ውልደት ካብ ሓደ ዝበዝሑ ፍጣራት ክሕዝ ይኽእል፤ ሓደ እንዳ ካብ ሓደ ዝበዝሑ ውልደታት ክህልዎ ይኽእል፤ ሓደ መስርዕ ካብ ሓደ ዝበዝሑ እንዳታት ክሕዝ ይኽእል፡ ወዘተ። ሕዝኣት እቲ ዝላዓለ ጽፍሒ ምደባ ኰይኑ፡ እቲ ዝያዳ ኩሎም ዝሰፍሐ ጉጅለ ሂወታውያን ኢዩ። ቀጺልና መግለጺታት ነፍሲወከፍ ስነምደባዊ ጽፍሒ ናይ ዘመናዊ ስነሂወታዊ ምደባ ከነቕርብ ኢና።

ሕዝኣት

ሕዝኣት እቲ ዝለዓለ ስርዒት ስነሂወታዊ ምደባ ኢዩ። ብወግዒ ኣብ 1990ታት ዝቘመ ድማ ኢዩ። ኣብዚ እዋን ሰለስተ ሕዝኣታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ቅድምያ፡ ዘንግያ፡ ወ ሓቀኛውሻጥያ ኢዮም። ቅድምያ ወ ዘንግያ ነፍሲወከፎም ቅድመውሻጠኛታት (ሓቀኛ ውሻጠ ዘይብሎም እንኮ-ዋህዮ ህዋሰኛታት) ዝሓዘ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቁመናዊ፡ ስነፍጥረታዊ ወ ቀመምሂወታዊ ባህርያቶም ግና ይፈላለዩ። ሕዝኣት ሓቀኛውሻጥያ ሓቀኛውሻጠኛታት (ዋህዮታቶም ውሻጠታት ወ ሸፍኒ ዝኸደኖም ህውሲታት ዝሓዙ ህዋሰኛታት) ዝሓቘፈ ኢዩ።

ንግስነት

ቅድሚ ምድብ ሕዝኣት ምትእትታዉ፡ ንግስነት እቲ ዝለዓለ ስነምደባዊ ጽፍሒ ነይሩ። ብመሰረት መዝገብዝርዝር ሂወት፡ ኣብ ሓምለ 2025፡ ሕዝኣታት ቅድምያ ወ ዘንግያ ነፍሲወከፎም ኣርባዕተ ንግስነታት ኣለዎም። ሕዝኣት ሓቀኛውሻጥያ ድማ ንንግስነታት ፈለምቲ (ንከምእኒ ፍልሚእንስሳ ወ ስበት ዝበሉ ህዋሰኛታት ዘጠቓልል)፡ ሰፍነግቲ (ንከምእኒ ቃንጥሻ፡ ዕሰት፡ መባኹዒ ዝበሉ ሂወታውያን ዝጥርንፍ)፡ ኣትክልቲ (ንኹሎም ተኽልታት ዝሓቁፍ)፡ ወ እንስስቲ (ንኹሎም እንስሳታት ዝጥርንፍ) ዝሓቘፈ ኢዩ።

ነገድ (ወይ ምቕሊ)

ኣብ ስነምደባ፡ ነገድ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ከምኡ፣ውን ልዕሊ ክፍሊ ይስራዕ። ስነፍልጠተኛታት መብዛሕትኡ እዋን ንቅድምያ፡ ዘንግያ፡ ፈለምቲ፡ ሰፍነግቲ፡ ወ እንስስቲ “ነገድ” ዝብል መስመዪ ክጥቀሙ ከለዉ፡ ንኣትክልቲ ግና “ምቕሊ” ዝብል መስመዪ የዘውትሩ።

ኣብ ነገድ ወይ ምቕሊ፡ ህዋሰኛታት ብቐንዱ ኣብ ሓፈሻዊ ውጥን ሰብነት ተመርኲስካ ይምደቡ። ንኣብነት ኣባላት ነገድ እግረልጋብ፡ ግዳማዊ ዓስከሬን፡ ዝተጋጣጠመ ሰብነት፡ ከምኡ፣ውን ዝተላገበ ኣእጋር ኣለዎም። ሓሳኹ፡ ዕንቅርቢዒታትባሕሪ፡ ዘርሳሬታት፡ ገለ ኣብነታት ናይ እግረልጋብ ኢዮም። ጅማታዊ እግሪ ከምኡ፣ውን ልምሉም፡ ዘይተጋጣጠመ፡ ብዛዕጎል ዝተሸፈነ ኰነ ዘይተሸፈነ ሰብነት፡ ሕላገታት ነገድ ልምሉምታ ኢዮም። ፍሉጣት ልምሉምታ ከምእኒ ዓረነ፡ ተምሪባሕሪ፡ ጉጥ ዝበሉ ኢዮም። እንስሳታት ነገድ ዓንዲገመድ፡ ውሽጣዊ ዓስከሬን ከምኡ፣ውን ዓንዲሕቖ ወይ ገመድሕቖ ዘለዎም ኢዮም። ዓሳታት፡ ምድረማያውያን፡ ለመምቲ፡ ኣዕዋፍን ደቅሰባትን ገለ ካብ ኣባላት እዚ ነገድ ኢዮም።

ክፍሊ

ኣብ ስነምደባዊ መሳርዕደረጃ፡ ክፍሊ ትሕቲ ነገድ ከምኡ፣ውን ልዕሊ መስርዕ ይርከብ። ኣባላት ሓደ ክፍሊ፡ ካብ ምስ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓይነት ነገድ ዘለዉ ህዋሰኛታት ንላዕሊ ዝያዳ ባህርያት ምስ ናሓድሕዶም ይካፈሉ። ንኣብነት፡ ምድረማያውያንን ለመምትን ክልቲኦም ኣባላት ነገድ ዓንዲገመድ እኳ እንተዀኑ፡ ነፍሲወከፎም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ይምደብ። ኣባላት ክፍሊ ምድረማይ (ከምእኒ እንቅርዖብ፡ ውንጅር፡ ሳላማንድራ ዝበሉ)፡ ጥሉል ልሙጽ ቆርበት ዘለዎም ኰይኖም፡ ብዙሕ መለግለግ ዝብል እንቋቝሖታት ኣብ ማይ ብምውላድ ይፋረዩ። ኣባላት ክፍሊ ለመምታ (ከምእኒ ተመን፡ ጠበቕ፡ ጎብየ፡ ኣባጎብየ፡ ዝበሉ)፡ ድሩቕ ቅርፈታዊ ቆርበት ዘለዎም ኰይኖም፡ ሒደት ሕቋፍ ልፋዕቆርበታዊ እንቋቝሖታት ኣብ መሬት ብምውላድ ይፋረዩ።

መስርዕ

ኣብ ስነምደባ፡ መስርዕ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ከምኡ፣ውን ልዕሊ እንዳ ይምደብ። ኣብ ውሽጢ ሓደ መስርዕ ዝርከቡ ጉጅለታት ምስ ናሓድሕዶም ዝያዳ ሓባራዊ ባህርያት ኣለዎም ካብ ምስ ካልኦት ደቂ ክፍሎም ንላዕሊ። ንኣብነት፡ ክልቲኦም እንስሳታት ዓጋዜንበረድ ወ ነባሪዓሳ ኣባላት ክፍሊ መጥበውቲ ስለዝዀኑ፡ ከም ምምጋብ ጸባ ንዕሸላቶም ዝበሉ፡ መባእታዊ ባህርያት መጥበውትታት ይካፈሉ። ይኹን እምበር፡ ነፍሲወከፎም ኣባል ዝተፈልየ መስርዕ ኢዩ። ዓጋዜንበረድ ኣባል እቲ ንምቑል-ሸዀና መጥበውትታት ዝሓዘ መስርዕ ምዕሩይእግረጻብዕ ኢያ። ላሕምታት፡ ሓሰማታት፡ ኣሓዘገዳም፡ ወ ዘራፍ ካልኦት ኣብነታት ምዕሩይእግረጻብዕ ኢዮም። ዓሳነባሪ ኣባል እቲ ባሕራዊ መጥበዊ መስርዕ ዝዀነ መስርዕ ዓርሞሽባሕሪ ኢዩ። ንብዓል ሓሰማዓሳ፡ ማህጽዮን (ዶልፊን)፡ ወዘተ ብተወሳኺ ዘጠቓለለ ኢዩ።

እንዳ

ኣብ ስነምደባ፡ እንዳ ኣብ ትሕቲ መስርዕ ከምኡ፣ውን ልዕሊ ውልደት ይርከብ። ኣባላት ሓደ ስነምደባዊ እንዳ ምስ ናሓድሕዶም ካብ ምስ ካልኦት ደቂ መስርዖም ንላዕሊ ዝያዳ ብቕርበት ይዛመዱ። ንኣብነት፡ ውኻርያ፡ ኮዮት፡ ኣንበሳ፡ ድሙ፡ ወ እንሰማይ ኩላቶም ኣባላት መስርዕ በላዕቲስጋ ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ውኻርያን ኮዮትን ኣብ እንዳ ከልባውቲ ይምደቡ። ኣንበሳን ድሙን ኣብ እንዳ ድማውቲ ይምደቡ። እንሰማይ ኣባል እንዳ ኣጸንተውቲ ኢዩ።

ውልደት

ውልደት ኣብ መንጎ እንዳን ፍጣርን ዘሎ ስነምደባዊ ስርዒት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውልደት ዝርከቡ ጉጅለታት ህዋሰኛታት ብዙሕ ቁመናዊ ምምስሳላት ይካፈሉን ኣዚዮም ብቕርበት ይዛመዱን። ኣባላት ሓደ ውልደት ምስ ንሓድሕዶም ካብ ምስ ካልኦት ደቂ እንዳኦም ንላዕሊ ዝያዳ ይዛመዱ። ንኣብነት፡ እንዳ ድማውቲ ንከምእኒ ኣንበሳ፡ ጢግረስ፡ ኦቼሎት፡ ድሙ ዘቤት፡ ሉንኩስ፡ ውጥምድሙ ዝበሉ ዝሓቘፈ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣንበሳ ወ ጢግረስ ኣብ ውልደት ገስለ ይምደቡ። ኦቼሎት ወ ድሙ ዘቤት ናይ ውልደት ድመ ኢዮም። ሉንኩስ ወ ውጥምድሙ ኣብ ውልደት ልንከስ ይምደቡ።

ፍጣር

ኣብ ስነምደባ፡ ፍጣር እቲ ልዕሊኹሎም መሰረታዊ ኣሃዱ ኰይኑ፡ ኣብ እግሪ ስነሂወታዊ መሳርዕደረጃ ንረኽቦ። ኣባላት ሓደ ፍጣር ሓደ ዓይነት ፍልቀታዊ ታሪኽ ይካፈሉ። ካብ ምስ ዝዀነ ካልእ ህዋሰኛ ንላዕሊ ምስ ናሓድሕዶም ዝያዳ ብቕርበት ይዛመዱ። ህዋሰኛታት ኣብ ሰብነታውን ስነፍጥረታውን ምምስሳላቶም ተመርኲስካ ኣብ ሓደ ፍጣር ይጉጀሉ። ኩላቶም ኣባላት ሓደ ፍጣር ሓደ ብዝሒ ሕብረካል ኣለዎም።

ብመሰረት መዝገብዝርዝር ሂወት፡ ኣብ ሓምለ 2025፡ 722 ፍጣራት ኣብ ሕዝኣት ቅድምያ፡ 25,055 ፍጣራት ኣብ ሕዝኣት ዘንግያ፡ ከምኡ፣ውን 2,186,982 ፍጣራት ኣብ ሕዝኣት ሓቀኛውሻጥያ ክሳብ ሕጂ ተለልዮም ኣለዉ።

ኣብ ምምዳብ ፍጣር እቲ ዝያዳኩሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ፡ ክእለት ዕዉት መውልዶ ኣባላት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ምውሳብን ምፍራይ ሰረርቲ ውሉድን ማለት ኢዩ። ሰራሪ ውሉድ ዝበሃል ክዋለድን ክፈርን ዝኽእል ውላድ ኢዩ። ውልቀኣባላት ሓደ ፍጣር ምስ ናሓድሕዶም ዕዉት መውልዶ ከካይዱ ይኽእሉ። ምስ ኣባላት ካልእ ፍጣር ግና ዳርጋ ፍጹም ክዋለዱ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውልደት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፍጣራት ሓንፈጽ ውሉድ ከፍርዩ ዝተፈልጠ እኳ እንተዀነ፡ ውላዶም ግና ዳርጋ ኩሉሳዕ መኻን ኢዩ። ኣብነት ናይዚ፡ በቕሊ ዘፍሪ መውስቦ ፈረስን ኣድግን ኢዩ። በቕሊ መኻን ስለዝዀነ ግና እዚ መውልዶ ዘይዕዉት ይቑጸር።

ነፍሲወከፍ ፍጣር ናቱ ጥራሕ ዝዀነ ስነፍልጠታዊ ስም ኣለዎ። ብስም ውልደትን ስም ፍጣርን ዝቘመ ድራብስም ድማ ኢዩ። ኣብ ስነፍልጠታዊ ያታ፡ ስነፍልጠታዊ ስም ብቋንቋ ግሪኽን ላቲንን ይወሃብ። ስነፍልጠታዊ ስም ናይ ኣንበሳ “ገስለ ኣንበስ” ክኸውን ከሎ፡ ናይ ድሙ ዘቤት ስነፍልጠታዊ ስም ከኣ “ድመ ድሙ” ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ፍጣር ዝያዳ ዝጐልሐ ባህርያት ዝውንኑ ጉጅለታት ክርከቡ ከለዉ፡ ከም ትሕተፍጣር ይምደቡ። ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ስነፍልጠታዊ ስም፡ ስም ትሕተፍጣር ይውሰኾ። ንኣብነት፡ ዝተለለዩ ትሕተፍጣራት ኣንበሳ ክልተ ኰይኖም፡ እቲ ሰሜናዊ ኣንበሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ “ገስለ ኣንበስ ኣንበስ” ዝብል ስነፍልጠታዊ ስም ክህልዎ ከሎ፡ እቲ ደቡባዊ ኣንበሳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ድማ “ገስለ ኣንበስ ጠቃርፋረ” ዝብል ስነፍልጠታዊ ስም ኣለዎ።

ተወሰኽቲ ንባባት

Bainbridge, David (2025) How Zoologists Organize Things: The art of classification. Frances Lincoln.

Blackwelder, Richard E. (1967) Taxonomy; a text and reference book. Wiley: New York.

Broberg, Gunnar (2023) The Man Who Organized Nature: The Life of Linnaeus. Translated by Anna Paterson. Princeton University Press.

Duncan, Peter Martin (1882) Heroes of Science – Botanists, Zoologists, and Geologists. Society for Promoting Christian Knowledge: London.

Flannery, Maura C. (2023) In the Herbarium: The Hidden World of Collecting and Preserving Plants. Yale University Press.

Schuh, Randall T. and Brower, Andrew Van Zandt (2003) Biological Systematics: Principles and Applications. Comstock Pub. Associates/Cornell University Press.

Stenhouse, Ernest (1903) An Introduction to Nature-Study. Macmillan: London.