እዚ መዘከሪ ቃላት፡ ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ንእንረኽቦም፡ ካብ ለ ክሳብ ሐ ብዘለዉ ፊደላት ዝጅምሩ ስነምድራውያንን ስነማዕድናውያንን ቃላት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ይትርጉም።


ለ-ሎ

ለሰታይ፥ ዘይሓቒቓዊ፡ በጫው ክሳብ በጫው ቡናዊ ዝሕብሩ ሓጺን መስረጭቋራይ። ንኣሻሓት ዓመታት ከም ዓቛሪ ሓጺንን ምንጪ ቀለምን ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ሉዝያ፥ ኣብ እሳተጎመራዊ ወይ ግዳማዊ ኣኻውሕ ብብዝሒ እንረኽቦ፡ ንኡሽተይ፡ ከቢብ ወይ ቅርጺ-ሉዝ ዘለዎ ብኸፊል ወይ ምሉእብምሉእ ብኻላኣዊ ማዕድናት ዝተመልአ ማዓጕ። ሉዝያታት ዘለዎ ከውሒ “ሉዝያዊ” ይበሃል።

ልዉጣዊ ከውሒ፥ ካብ ናይ ፈለማ ፍጥረቱ ብምቖት ከምኡ’ውን/ወይ ብጸቕጢ ዝተለወጠ ዓይነት ከውሒ ኢዩ።

ልዉጥነት፥ መስርሕ ምቕያር ኣኻውሕ (ማዕድናትን እልመትን) ብምቘት ከምኡ፣ውን/ወይ ብጸቕጢ።

ሐ-ሖ

ሓመድ፥ ኣትክልቲ ዘብቁል ዝለዓለ ቀጸላ ዝባንምድሪ ኰይኑ፡ ብሕውስዋስ ጥረነገራት ማዕድን፡ ህዋሳዊ ትሕዝቶ፡ ማይ፡ ኣየርን ህያውያን ፍጥረታትን ዝቘመ ኢዩ። ሓመድ ብመስርሕ ምህመና ይፍጠር።

ሓምለታይ፥ ሓደ ጉጅለ ብብዝሒ ዝርከቡ ነጽላ ጽጸረታይ ማዕድናት ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ሓምለታይ ማዕድናት ሓምላይ ሕብሪ፡ ቀጸላዊ ትርኢት፡ ልክዐኛ ጭደት፡ ከምኡ፣ውን ዘይታም ወይ ሳምናዊ ድህሰት ዘለዎም ኢዮም።

ሓመለፍሉጻይ፥ ልዉጣዊ ከውሒ ኰይኑ፡ ካብ ሓማል ክሳብ ደባን-ሓምላይ ዝሕብሩ፡ ደቂቕ- ወይ ማእከላይ-ጥረኛ ከምኡ፣ውን ቅርፋዊ እልመት ዘለዎ ኢዩ።

ሓሞጻሕ፥ ኣልካላዊ ውህዶ ሓሞጻሕዮ፡ ብፍላይ ከኣ ሓሞጻሕዮ ፍሓመታይ ወይ ሓሞጻሕዮ መስረማዮታይ ኢዩ።

ሓሞጻሕዮ፥ ልምሉም፡ ብሩራዊ-ጻዕዳ፡ ፈኲስ ከምኡ፣ውን ብትሑት ምቘት ዝመክኽ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ኣባል ጉጅለ ኣልካሊ ሓጺነመጺን ኢዩ።

ሓርፊፋይ፥ ብርሁው ዝሕብሩ፡ ደቂቕ-ጥረኛ እሳተጎመራዊ (ግዳማዊ እሳታዊ) ከውሒ ኰይኑ፡ ብቐንዱ ካብ ኣልካሊ መሮጣር ምስ ሒደት መጠን ደባን-ዝሕብሮም ማዕድናት ዝፍጠር ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓርፊፋይ ክትድህስሶ ከለኻ ሓርፋፍ ስምዒት ይህብ። ስለዝዀነ ድማ ኢዩ ሓርፊፋይ ተባሂሉ ዝተጸውዐ። ሓርፊፋይ፡ ብዘለዎ ሓያል ድልዳሌን በብዓይነቱ ሕብርታትን ኣብ ስነህንጻን ስነትልምን ተጠላቢ ኢዩ።

ሓቒቕ፥ ስሩዕ፡ ዝደጋገም ኣቶሚካዊ ኣቃውማ ዘለዎ ደረቕ ኢዩ።

ሓቒቓዊ ከውሒ፥ ብዝገጣጠሙ ሓቒቓት ዝቘመ ከውሒ ኢዩ። ዳርጋ ኩሎም እሳታውያንን ልዉጣውያንን ኣኻውሕ ሓቒቓውያን ኢዮም። ከምኡ፣ውን ከውሒ-ጨው።

ሓቒቓውነት፥ ከም ዝመኸኸ ከውሒ ክዝሕል ከሎ፡ ወይ ብጽቡጽ ክሃፍፍ ከሎ ዝኣመሰለ፡ ሓቒቓት ዝፍጠርሉ መስርሕ ኢዩ።

ሓወይቶ፥ ካብ ተፈጥሮ ዝርከብ ኣስራዛዊ-ብጫ ዝሕብሩ ሓጺን ድርበ-ዲናይ ማዕድን ኰይኑ፡ ድሙቕ ሓጺነመጺናዊ ነጸብራቕ ኣለዎ። ሕብሩ ምስ ጸጸር ወርቂ ስለዝመሳሰል፡ ንሓደሽቲ ኣረይቲ ወርቂ ብዙሕሳዕ ዘደናግር ኢዩ። ሓወይቶ ዝተሰምየሉ መኽንያት፡ ብሓጺነመጺን እንተተወቒዑ ቁልዒ ስለዝተፍእ ኢዩ።

ሓውሲደሴት፥ ካብ ሓደ ዓቢ ንቑጽመሬት ሸሊሑ ዝወጸ፡ ብመብዛሕትኡ ወገናቱ ብማይ ዝተኸበ፡ ክፋል ንቑጽመሬት ኢዩ።

ሓጺን፥ ተቐራጺ፡ ተለዋዪ፡ ሳሓቢ፡ ረዚን ብሩራዊ-ጻዕዳ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ንጥሉል ኣየር እንተተቓሊዑ ብቐሊሉ ይምርት። ንሓጺን ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓጺነመጺን ዝገብሮ፡ ምስ ካልኦት ሓጺነመጺናት ተሓዋዊሱ ዝያዳ ዝተረሩ፡ ብቐሊሉ ዘይምርቱን ናብ ዝተፈላለየ ኣቕሑ ክቕረጹ ዝኽእሉን በብዓይነቶም ቅንብሮታት ስለዝፈጥር ኢዩ።

ሓጺነመጺን፥ ልዑል ዓቕሚ ናይ ምምሕልላፍ ኤሌክትሪክን ሙቘትን ዘለዎም ጥረነገራት ኰይኖም፡ ተቐረጽቲ፡ መኸኽቲ፡ ተለወይቲ፡ ጋረድቲ ከምኡ፣ውን መብዛሕትኡሳዕ ኣንጻባረቕቲ ኢዮም።

ሓጺነመጺናዊ ማዕድናት፥ ኣብ ጥረኣዊ ርኽበቶም ብውሕዱ ሓደ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ዘካተቱ ማዕድናት ኢዮም።

ሑጻ፥ ካብ 0.1 ክሳብ 2 ሚሊሜትሮ ሰንጣቒት ዘለዎ ንጥረ ድበት ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጥምቢሓቒቕ ዝተፈጥረ ኢዩ።