እዚ ገጽ ኣብዚ ነቑጣ መርበብሓበሬታ ብዛዕባ ዘለዉ፡ ካብ ሀ ክሳብ ሐ ብዘለዉ ፊደላት ዝጅምሩ ስነቀመማውን ስነነገራውን ቃላት ሓጺር መብርሂ የቕርብ። ከም ኣድላይነቱ ዝውስኽ ድማ ኢዩ።
ሀ
ህዋሰኛ፥ ሂወት ዘለዎ ፍጥረት ዘበለ ኢዩ።
ህዋሳዊ፥ ናይ ፍሓሞ መሰረት ዘለዎ ዘበለ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ።
ለ
ለውጢ፥ ኣብ ስነነገር፡ መብዛሕትኡሳዕ ኣብመንጎ መበገስን መወድእን ኩነት ዘሎ ፍልልይ፡ ወይ ምስ ግዜ ዝርአ መጠን ምቅይያር፡ ወይ ድማ ኣካላዊ ለውጢ የመልክት። ኣብ ስነቀመም፡ ለውጢ ምቕያር ሓደ ሕመረት ናብ ካልእ ዓይነት ሕመረት ኢዩ።
ሉል ወይ ሉልእምኒ፥ ጸሪብካን ኣልሚጽካን ስልማት ክኸውን ዝኽእል፡ ብጽባቒኡ፡ ድልዳሊኡን ሳሕትነቱን ዝምረጽ ማዕድን፡ ከውሒ ወይ ህዋሳዊ ነገር ኢዩ። ንኣብነት ኣልማዝ፡ ሉልዑንቊ፡ ቅይሖ፡ ወዘተ።
ላስቲኽ፥ ካብ ዝተፈላለየ ህዋሳዊ ብዝሐፋላት ዝስራሕ፡ ብልስሉሱ ከሎ ናብ ዝተደልየ ቅርጺ ዝካወን፡ ብድሕሪኡ ግና ዘይልወ ወይ ቁሩብ ዝምጠጥ ቈይሚ ዝፈጥር ጽማራዊ ወይ ሓውሲጽማራዊ ንዋይ ኢዩ።
ልዕለገጽ፥ ኣብ ስነቀመምን ስነነገርን፡ እቲ ዝለዓለ ደጋዊ ቀጸላ ናይ ሓደ ነገር ወይ ሕመረት ኢዩ።
ልኻይሕብሪ፥ ልዕለገጽ ንምሕላውን ንምጽብባቕን ከም መሸፈኒ ዘገልግል ሕመረት (ብፍላይ ከኣ ኣብ ፈሳሲ ዝተኣልከ ሕውስዋስ ቀለም) ኢዩ። ምስ ነቐጸ ተሪር ሽፋን ይፈጥር።
ሐ
ሓማሎ፥ ተራ ዘይሓጺናዊ እንኮጅግኖ ቀመማዊ ባእታ ኰይኑ፡ ብተፈጥሮ ከም ጨው ኰይኑ ጥራሕ ይርከብ። ቀንዲ ዝፍለጠሉ ቈይሚ ግና ከም ከቢድ ብጫ ሰርሳሪ መርዛም በኒ (ዝተመስርሐ) ኢዩ። ማይ ንምንጻህ፡ ከም መጻዕደዊ፡ ከምኡ፣ውን ከም ጸረለኽፊ ኰይኑ ድማ ብብዝሒ የገልግል።
ሓማሎይ፥ ሓማሎ ምስ ካልእ ባእታ ክዋሃሃድ ከሎ ዝጽዋዓሉ ስም ኢዩ።
ሓሞኽሻዮ፥ ብሩራዊ-ጻዕዳ ዝሕብሩ ልምሉም፡ ስምዓዊ፡ ተገባባሪ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ኣባል ጉጅለ ኣልካሊ ሓጺነመጺን ኢዩ። ሓሞኽሻዮ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ውህዶታት ብብዝሒ ዝርከብ ኰይኑ፡ ክነድድ ከሎ ብጫ ሃልሃልታ ዝህብን ኣብ ማይ ብጐነጽ ዝጋባበርን ኢዩ።
ሓሞጻሕዮ፥ ፈኲስ ልምሉም ብሩራዊ-ጻዕዳ ዝሕብሩ ብትሑት ምቘት ዝመክኽ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ኣባል ጉጅለ ኣልካሊ ሓጺነመጺን ኢዩ። ኣብ ኣየር ብቑልጡፍ ዝምስጭቍርን ምስ ማይ ብጐነጽ ዝገባበርን ድማ ኢዩ። ሓሞጻሕዮ ኣብ ተፈጥሮ ምስ ካልኦት ባእታታት ተጸንቢሩ ብብዝሒ ይርከብ።
ሓቒቕ፥ ስሩዕ፡ ዝደጋገም ኣቶሚካዊ ኣቃውማ ዘለዎ ደረቕ ኢዩ።
ሓቒቓውነት፥ ሓቒቓት ዝፍጠርሉ፡ ከም ምዝሓል ዝመኸኸ ከውሒ፡ ምህፋፍ ብጽቡጽ ዝኣመሰሉ፡ መስርሕ ኢዩ።
ሓውሲመሕለፊ፥ ኤሌክትሪካዊ ምምሕልላፍነቱ ኣብ መንጎ ሓጺን ወ ገዳቢ ማእከለኛ ዝዀነ ሕመረት ኢዩ። ምምሕልላፍነቱ ድማ ምስ ምቘትን ምስ ህላዌ ኣበራትን ይውስኽ።
ሓይሊ፥ ኣብ ስነነገር፡ “ኣብ ነገራዊ መጠን ለውጢ ዝፈጥር ጽልዋ” ተባሂሉ ይግለጽ። ሓይሊ ክንዲ “ክብደት” ብ”ናህሪ” ምርባሕ ይኸውን።
ሓጺነመጺን፥ ልዑል ዓቕሚ ናይ ምምሕልላፍ ኤሌክትሪክን ዋዕን ዘለዎም፡ ተቐረጽቲ፡ መኸኽቲ፡ ተለወይቲ ከምኡ፣ውን ኣንጻባረቕቲ ባእታታት ኢዮም። ክሳብ ሎሚ ካብ ዝተለለዩ ቀመማዊ ባእታታት ዳርጋ ሰለስተ-ርብዒ ሓጺነመጺን ኢዮም።
ሓጺነመጺንመሰል፥ ኣብ ነገራዊ ስነፍልጠት፡ ባህርያቱ ኣብመንጎ ሓጺነመጺንን ድሩቕ ዘይሓጺነመጺንን ዝዀነ ቀመማዊ ባእታ ንምግላጽ ዝውዕል ዘይልክዐኛ ቃል ኢዩ። ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ዝበጽሑ ሓጺነመጺንመሰል ባእታታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ቦሮን፡ ጽጻሮ፡ ጀርማንዮ፡ ዛርኑቕ፡ ኩሕሊ፡ ምድራዮ፡ ጻዕዛ፡ ፖላንዮ ወ ርብሻዮ ኢዮም።
ሓጺነመጺናዊ ማዕድን፥ ኣብ ጥረኣዊ ርኽበቱ ብውሕዱ ሓደ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ዘካትት ማዕድን ኢዩ።
ሓጺን፥ ከቢድ፡ ተቐጥቃጢ፡ ተወጣሪ፡ ሰሓብነታዊ ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኢዩ። ኣብ ጽሩይ ቈይሙ ብሩራዊ-ጻዕዳ እኳ እንተዀነ፡ ብቐሊሉ ግና ይምርት። ኣብ ስነሂወታውን ቤትዕዮኣውን ስርሓት ኣዚዩ ኣድላዪ ባእታ እውን ኢዩ።
ሕመረት፥ ኣብ ነገራዊ ስነፍልጠት፡ ከምእኒ ንጹህ ባእታ ወይ ንጹህ ውህዶ ዝበለ፡ ዘይለዋወጥን ርጉጽን ትሕዝቶ ዘለዎ ቈይሚ ጉድ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ሕመረት ካብ ካልእ ዓይነታት ጉድ ከምዝልለ ዘግብሮ ፍሉያዊ ባህርያት ዘውህቦ ሓደ ዓይነት ኣቶም ወይ ኩምሪት ጥራሕ ዘካተተ ኢዩ።
ሕምሮ፥ ብተፈጥሮ ዝርከብ፡ ብሓደ ወይ ልዕሊኡ ዝቝጽሮም ነዊሕ ሰንሰለታት ዓሚናዊ መጭቋሮታት ዝቘሙ ሰፋሕቲ ኩምሪታት ዘለዎ፡ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ መስረናትራዊ ህዋሳዊ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ። ሕመረታዊ ጥረነገር ናይ ኩሎም ህያው ህዋሰኛታት እውን ኢዩ፡ ብፍላይ ከም ቁመናዊ ኣካል እልምታት ሰብነት፡ ከም ብኽእን ጸረኣካልን።
ሕምባበ፥ ኣብ ስነነገር፡ ሓደ ነጥቢ ክሳዕ ክንደይ ይፈጥን ከም ዘሎን ናበይ ኣንፈት ምዃኑን ዝሕብር መጠን ኢዩ።
ሕቃቕ (ወይ ብጽባጽ)፥ ሓደዓይነታዊ ሕውስዋስ ናይ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሕመረታት ኢዩ። ዋላኳ ብዙሕሳዕ ፈሳሲ እንተዀነ ናይ ግድን ኣይኰነን ፈሳሲ ክኸውን ዘለዎ።
ሕንዚ፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ እንስሳታት ዘመንጭውዎን ዝተፍእዎን መርዚ ኢዩ። ንኣብነት ከም መንደላይ ዝበሉ ገለ ኣትማን ከምኡ፣ውን ከም እንቅርብዒት ዝበሉ መርዛማት ሓሳኹ ሕንዚ ኣለዎም።
ሕቡእሓቒቓዊ (ወይ ስዉርሓቒቓዊ)፥ ብመርኣዪደቂቕ ጥራሕ ዝርአ ሓቒቓዊ ኣቃውማ ኢዩ።
ሕብረካል፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ንፍጥርታት ብመስመራዊ መስርዕ ዝጸውር፡ ኣብ ውሻጠ ዋህዮ ዝርከብ፡ ፈትሊመሰል ክፋል ጎዳልረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ) ኢዩ።
ሕብሪ፥ ብመኽንያት ዝፍንውዎ፡ ዘሕልፍዎ ወይ ዘንጸባርቕዎ ብርሃን ዝስዕብ ዝርአ ባህሪ ነገራት ኢዩ።
ሕውስዋስ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ብዘይ ተወሰነ መጠናትን ብዘይ ቀመማዊ ምቑራንን ዝተደባለቑ ሕመረታት ዝሓዘ ሕመረት ኢዩ።