ህሉው ኩነታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ እዋን ኲናት ቃልሲ ሓርነት ካብ ዝነበሩ ተግባራትን ስነሓሳባትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዝመንጨወ፡ ካብ ምጉንጻፍ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1991 ጀሚሩ በብቑሩብ ዝፈለቐ፡ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ዝነበረ ሰፊሕ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጭፍለቓ ድማ ምልኣት ዝረኸበ ኢዩ። ጉድለት ዴሞክራስያዊ ምዕባሌን ዘይምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ሓራ ኤርትራ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ብጎነጽ ናብ ስልጣን ዝደየቡ ማርክሳውያን-ለኒናውያን ምንቅስቓሳት ሓርነት ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተራእየ ስለዝዀነ ግና ኣብ ዓለምና ፍሉይ ክስተት ኣይኰነን። ኣነጻጻሪ ፖለቲካዊ መጽናዕትታት ከምዘረድኦ፡ ምስረታን ቀጻልነትን ኣንጻር ጨቋኒ ስርዓት ንዝግበር ቃልሲ ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዘድሊ ዝዀነ ብረታዊ ምንቅስቓስ ሓርነት፡ ዘይንቡር ኣካይዳን ጨካን ኣሰራርሓን ኢዩ ዘስዕብ።

ኣብ’ተን ዝቘመለን ዓመታት፡ ህግሓኤ ብረታዊ ዓቕሙ ከደልድል ነይርዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ዘይምእዙዝነት ኰነ መተካእታ ሓሳባት ዘየፍቅድ ጥቡቕ ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ኣሰራርዓ ፈጢሩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣዚዩ ዝተማእከለን ምልካዊ ውድባዊ ኣቃውማ ማዕቢሉ። ስነስርዓት፡ እሙንነትን ፖለቲካዊ ስብከትን ተጠቂሙ ከኣ ሓደ ኣብ ዓለምና ውሑዳት መዳርግቲ ዝነበሮ ኣዚዩ ጽፉፍን ኣድማዕን ሰራዊት ሓርነት ሃኒጹ። ክንዝክሮ ዘለና ግን ህግሓኤን መሪሕነቱን ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጥራሕ ኣይኰኑን ዝተዋግኡ። ምስ ካልኦት ኤርትራውያንን ኢትዮጲያውያንን ምንቅስቓሳት ተቓውሞ ከምኡ’ውን ምስ ውሽጣውያን ተቓወምትን መወዳድርቲ መራሕቲ ክዀኑ ተኽእሎ ዝነበሮምን እንኮላይ ተዋጊኦም ኢዮም። እዚ ከኣ ብውሽጥን ብደገን ዕብለላ ፖለቲካዊ ግዝኣቶም ንምርግጋጽ ነይሩ። ውድባዊ ንጽህናን እንኮ-ከውሓዊ ስነሓሳብን ህግሓኤ ካብ ላዕሊ ብናይ ሎሚ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እንዳተመርሐ ብውሑዳት ውፉያት ውልቀሰባት ኣብ ትግባሬ ይውዕል ነይሩ።

እንተዀነ ግዳ፡ ውድባዊ ልዕልና ህግሓኤ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለ ነይሩ። ንከም ውልቃዊ መሰላት፡ ተሓታትነት መሪሕነት ከምኡ’ውን ውድባዊ ግሉጽነት ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ባህርያት ‘ኩሉ ኣድህቦና ኣብ ሸቶ ምሕራር ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጲያ ክኸውን ኣለዎ’ ብዝብል ምኽኒት ብፍላጥ ዕሽሽ ዝበለ ነይሩ። ኣብ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ኣብ 1993 ዝተመስረተ ‘ሲቪላዊ መንግስቲ’ ኤርትራ እንተዀነ’ውን ብሓቂ ሲቪላዊ ኣይነበረን። ቀጥታዊ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓርነት ዝዓንበበ ፖለቲካዊ ባህሊ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ፡ ዘርኢ ውልቀምልካዊ ኣገዛዝኣን ዓፈና ህዝብን ኣብ መስርሕ ምህናጽ እንኮ-ከውሓዊ ወተሃደራዊ ውድብ ኣብ እዋን ኲናት ሓርነት ኤርትራ ኢዩ ተዘሪኡ። ኣብ’ዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ በብኽፋል ዝቐርብ ዓንቀጽ እምበኣር፡ ህግሓኤ ምልካዊ መሓውራቱ ኣብ ዝተኽለሉ ዝነበረ ግዜ ከመይ ኢሉ በብቑሩብ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ከይተረፈ ዝነፍግ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ባህሊ ከምዝሰረጸ ክንገልጽ ኢና። እዚ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ስዉር መስርሕ ምሕዳግ መሰላት ኤርትራውያን ከተኩር ኢዩ።

ፖለቲካዊ ባህሊ ህግሓኤ ካብ ፈለማ ኣብ ምስጢራውነት፡ ጐነጻዊ ምቁጽጻርን ምብሓት ስልጣንን ዝተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። መርኣያ ናይ’ዚ ከኣ ኣብ ኩለን ዓመታት ኲናት ናጽነት ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ብኣብ ውሽጢ ህግሓኤ ዝነበረ ህዝቢ ኮነ ተጋደልቲ ዘይፈልጥዎ ‘ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ’ ሓደሓደ ግዜ’ውን ‘ማሕበርነታዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕቡእ ውሽጣዊ ሰልፊ ይምራሕ ነይሩ። እዚ 13 ኣባላት ዝነበርዎ ምስጢራዊ መስርዕ ኣብ መጀመርታ 1970ታት ዝቘመ ኰይኑ፡ ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ይዝወር ነይሩ። ብማኦነታዊ ስነሓሳብን ብለኒንነትን እንዳተማእዘነ ውሽጣዊ ውሳኔታት ዘመስርሕ ኣሃዱ ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ። ስነሓሳባዊ መሪሕነት ቃልሲ ኣብ ምሃብን መትከላት ዝትግበሩ ፖሊሲታት ህግሓኤ ኣብ ምንጻፍን ድማ ይሰርሕ ነይሩ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ፖለቲካዊ ስልጠና ኣብ ዓመተ 1968-69 ኣብ ቻይና ወሲዱ። ኣብ’ቲ እዋን ‘ባህላዊ ሰውራ ቻይና’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘስካሕክሕ ፖለቲካዊ ውጥን ማኦ ዜዶንግ (መራሒ ቻይና ዝነበረ) ኣብ መላእ ቻይና ይትግበር ነይሩ። ‘ባህላዊ ሰውራ ቻይና’ ብወግዒ ‘ዓቢ ባህላዊ ሰውራ ሸቃሎ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ተረፍመረፍ ርእሰማልነትን ያታዊ ባእታታትን ብምጽራግ ቻይናዊ ዴስነት ንምዕቃብን ማኦነት (ስነሓሳብ ማኦ ዜዶንግ) ኣብ ቻይና ከምዝነግስ ንምግባርን ነይሩ። እዚ ጎነጻዊ ማሕበረፖለቲካዊ ሕጽቦ ኣብ ቻይና ኣዚዩ ዓቢ ሃስያ ኣኸቲሉ። ንቁጠባን ያታዊ ባህሊ ቻይናን ኣዕንይዎ። ክሳብ 20 ሚሊዮን ዝቑጽሮም ቻይናውያን ድማ ቀቲሉ። ዓሰርተታት ሚሊዮናት ቻይናውያን ተገፊዖም። ብዙሓት ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ቻይና ተጸሪጎምን ተሰዲዶምን (ሓደ ካብኦም ድሕሪ ሞት ማኦ ዜዶንግ ላዕለዋይ መራሒ ቻይና ዝዀነን ነዛ ሎሚ እንፈልጣ ዘመናዊት ቻይና ዝሃንደሰን ዴንግ ዣኦፒንግ ነይሩ)። ሚሊዮናት ቻይናውያን ኣባላት ‘ሓሙሽተ ጸለምቲ ቀጸላታት’ ኢኹም ተባሂሎም ተጠቂኖም (1ይ ወነንቲ መሬት፡ 2ይ ሃብታማት ሓረስቶት፡ 3ይ ጸረ-ሰውራውያን፡ 4ይ ክፉኣት ጸለውቲ፡ 5ይ የመናውያን)፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ዝዋረዱ፡ ዝእሰሩ፡ ዝሳቐዩ፡ ኣብ ከቢድ ጉልበታዊ ሸቕሊ ከምዝባርዩ፡ ንብረቶም ከምዝህገር፡ ከም ዝቕንጸሉ ወይ ድማ ብምድፍፋእ ገዛእ ሂወቶም ከምዘጥፍኡ ድማ ይግበር ነይሩ። ምሁራት ብሰፊሕ ይካላበቱ ነይሮም፣ ፍሉጣት ሊቃውንትን ተመራመርትን ተቐቲሎም ወይ ባዕሎም ገዛእ ርእሶም ከም ዝቐትሉ ተገይሩ። ቤት ትምህርትታትን ዩኒቨርስትታትን ተዓጽዮም። ልዕሊ 10 ሚሊዮን ምሁራት ደቂ ከተማ መንእሰያት ናብ ገጠራት ተባሪሮም።

ዋላ’ኳ ኣብ ፈለማ ዓመታት ምስረታ ህግሓኤ መሪሕነት ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (ሰሰህኤ) መሪሕነት ህግሓኤ ዘቘመ እንተነበረ፡ ዳሓር ግን መሪሕነት ሰሰህኤን ህግሓኤን ከም ዝፈላለ ተጌሩ። ሰሰህኤ ቅድሚ ነፍሲወከፍ ኣገዳሲ ጉባኤ ወይ ኣኼባ ህግሓኤ ብስቱር ብምምይያጥ፡ ንድፊ መደብ ህግሓኤን ኣየኖት ‘ቅኑዓት’ ውልቀሰባት ኣብ ‘ብምርጫ ዝምልኡ’ ጽፍሕታት ህግሓኤ ይምዘዙን ይውስን ነይሩ። ሰሰህኤ ኣብ ምስትምሃርን ስብከትን ካድረታት ህግሓኤ ዝዓዘዘ ተራ ነይርዎ። ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ካድረ ስነሓሳባዊ ስልጠና ንዝተመርጹ፡ ኣዚዮም እሙናት ኢዮም ዝተባህሉ ጉጅለ ውልቀሰባት ብምሃብ ፖለቲካዊ ቁጽጽር ኩላቶም ንጥፈታት ህግሓኤን ናይ’ቲ ውድብ ምንቅስቓሳት ሓፋሽን የረጋግጽ ነይሩ።

ብሰሰህኤ ዝሓለፈ ውሳኔታት ዘይምእዛዝ ወይ ሕቶታት ምልዓል፡ ብናይ ነዊሕ እዋን ማእሰርትን ተሃድሶን ወይ ከኣ ብምርሻን ብዘይንሕስያ ይቕጻዕ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ምምስራት ሰሰህኤ ቀጻልነት ጭፍለቓ ውሽጣዊ ዘይምስምማዕ ብምውሓስ ቃልሲ ሓርነት ናብ ውልቀመላኽነት ከምርሕ መንገዲ ጸሪጉ። ሕቡእ ኣሰራርሓ ሰሰህኤ ኣብ 1989 ጠጠው ኢሉ ኢዩ እኳ እንተተባህለ፡ እቲ ውሽጣዊ ሰልፊ ግና ክሳብ ድሕሪ ናጽነት፡ ለካቲት 1994፡ ብወግዒ ኣይተራሕረሐን። ክሳብ ሎሚ ዘይተረፈ ዝመስል ምስጢራዊ ኣገባብ ኣገዛዝኣ እቲ ሰልፊ ከኣ ኣብ እዋን ምንዳፍ ድሕሪ ናጽነት ዝተሓንጸጹ ፖሊሲታት ምሕደራ ኤርትራን ምህናጽ ትካላት ሃገርን በሰላ ገዲፉ።

ቀዳማይ ግብራዊ ፈተና ብዙሕነት ኣብ ምድማጽ ኣብ 1992 ኣብ ዝተኻየደ ከባብያዊ ምርጫ (ኣብ ዓድታትን ኣውራጃታትን) ነይሩ። እንተዀነ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ተኸልኪለን። ተመረጽቲ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውጥን ወይ መደብ ንመረጽቲ ከቕርቡ ኣይተፈቐደሎምን። ብተወሳኺ፡ ስቱር መድመጺ ወረቐት ኣይነበረን። ብዙሕ ምድንጋራት ኣብ ኣመዛግባን ኣረቛቑሓን ተመረጽቲ ስለዝነበረ፡ ህግሓኤ ንኣገባባት ምርጫ ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ ቀይርዎ። ስለ’ዚ ናይ 1992 ከባብያዊ ምርጫታት ወግዓዊ ምርጫዊ ፍጻሜ ኢልካ ክትገልጾ ኣይከኣልን ኢዩ።

ሓቀኛ ባህሪ ብህግሓኤ ዝቘመ መንግስቲ ኤርትራ ዘመልከተ መርኣያ፡ ኣብ ሚያዝያ 1993 ዝተኻየደ ሪፈረንደም ናጽነት ኤርትራ ነይሩ። ውጽኢት ሪፈረንደም ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ምርጫ ዓለም ኣዚዮም ኣወንታውያን ዝበሃሉ ኢዩ። ካብ ንኸድምጹ ዝተመዝገቡ 98.5% ዘድመጹ ኮይኖም፡ ካብኣቶም ድማ 99.8% ‘እወ’ ኣድሚጾም። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ከም ዝደሊ ዝነበረ ዘጠራጥር የብሉን። እቲ 99.8% ‘እወ’ ኣድሚጾም ዝበሃል ግን ሕቶታት ዘለዓዕል ኢዩ። ገለ ክፋላት ብሄራት ኤርትራ (ዓፋርን ኩናማን) ኣብ እዋን ቃልሲ ሓርነት ደገፎም ንመንግስቲ ኢትዮጲያ የርእዩ ነይሮም፥ ክፋላት ቀጸላ ንግድን ሸቐጥን ኤርትራ ውሕስነት ዝሸጥሉ ዕዳጋ ንምርግጋጽ ዝተረረ ምትእስሳር ምስ ኢትዮጲያ ከምዝሓርዩ ርዱእ ኢዩ፥ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ከምኡ’ውን ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ከበሳ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ናይ ምጽናሕ ድሌት ኣብ ሕሉፍ ገሊጾም ኢዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ምድማጽ ናጽነት ኮነ ምቕጻል ምትእስሳር ምስ ስልጣን ዝሓዘ ተማሓዛዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዝተወሰነ መጠን ክንጸባረቑ እትጽበዮም ረቛሒታት ኢዮም። እንተዀነ እዞም ረቛሒታት ኣብ’ቲ 99.8% ‘እወ’ ንናጽነት ፈጺሞም ኣይተራእዩን።

መስርሕ ሪፈረንደም ንኣድመጽቲ ማዕሪጉ ዝተቀናበረ ግን ከኣ ትርጉም ዘለዎ መተካእታ ኣማራጺ ዘይነበሮ ፍጻሜ ነይሩ ክንብሎ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ዝበዝሐ ክፋል ኣድመጽቲ ትርጉም ዘለዎ ኣማራጺ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዘገድሶም ኣይነበረን። ምክያድ ሪፈረንደም ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓውደ ኲናት ዘመዝገቦ ዓወት ዝኹልዕ ምልክታዊ ተግባር ጥራሕ ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ሓቀኛ ሪፈረንደም ምክያዱን ዘይምክያዱን ኣብ ናጽነት ኤርትራ ፍልልይ ዝፈጥር ኣይነበረን። ኣገዳስነቱ ንፖለቲካዊ ባህሊ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። ህግሓኤ ምስ ኣተሓሳስብኡን ፖሊሲታቱን ዘይሰማማዕ ድሌት ኰነ ሓሳብ ህዝቢ ንኸአንግድ ድሉው ከምዘይኰነ ዘረጋገጸ ኣጋጣሚ ድማ ነይሩ።

ኣብ 1993 ኣዝዮም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ‘እወ’ ንናጽነት ከምዘድምጹ ብፍጹም ዘጠራጥር ኣይነበረን። ናጽነት ከምዝብህጉ በቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ነዊሕ ኲናት ሓርነት ኣነጺሮም ገሊጸሞ ኢዮም። ስለዝዀነ፡ ህግሓኤ ከም’ቲ ቅድሚ 1991 ዝምጉቶ ዝነበረ ሓቀኛን ክውንነታውን መተካእታታት ናጽነት ከይተሻቐለ ከቕርብ ይኽእል ነይሩ። እዚ ማለት ድማ ንሰለስቲኡ ኣማራጺታት ‘ናጽነት’፡ ‘ፈደረሽን ምስ ኢትዮጲያ’፡ ወይ ‘ሓድነት ምስ ኢትዮጲያ’ ዘንጸባርቑ መምረጺ ወረቓቕቲ ምድላው ማለት ኢዩ። ኣብ ክንድኡ፡ መስርሕ ሪፈረንደም ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝነበሩ ኣማራጺታት ‘እወ’ ወይ ‘ኣይፋል’ ንናጽነት ጥራሕ ዝብሉ ነይሮም። ትሕዝቶ ኣማራጺ ‘ኣይፋል’ ኣይተገልጸን። ብጐስጓስ ኢዩ ትርጉም ምድማጽ ‘ኣይፋል’ ንኣድመጽቲ ዝተጋህደ። ‘ኣይፋል’ ምድማጽ ዳግም ኲናት ምውላዕን ስቓይ ህዝቢ ምንዋሕን ምዃኑ ዘስምዕ ድማ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊኡ፡ ንናጽነት ኤርትራ ይነቕፉ ኢዮም ተባሂሉ ዝተኣመነሎም ኤርትራውያን ብትግሃት ይድቈሱ ነይሮም። ኣብነት ናይ’ዚ መሰኻክር ጂሆቫ ኢዮም። ብመኽንያት ‘ኣብ ፖለቲካ ብንጥፈት ከይንሳተፍ ይኽልክለና ኢዩ’ ዝበልዎ ሃይማኖቶም ንኸድምጹ ከምዘይምዝገቡ ምስ ገለጹ፡ ተኻላቢቶም፡ ተኣሲሮም ከምኡ’ውን ዜግነቶም ተሓዲጎም። ሓቀኛ ሪፈረንደም/ምርጫ ግን ዘይምምራጽ እውን የፍቅድ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ንህግሓኤ ዘለዎም ደገፍ ዘተኣማምን ኣይኰነን ዝተባህሉ ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ ስለያዊ ክትትል ይግበረሎም ነይሩ።

ኣብ’ዚ ዕሸላዊ መድረኽ ምዕባሌ ኤርትራ፡ ተበግሶታት በርጌስ ማሕበራት ተቘጽዩ። ብመስራቲ ኣቦወንበር ሰብኣዊ ክንፊ ህግሓኤ፡ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ፡ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ኣብ ሚያዝያ 1992 ዝቘመ እንኮ ድሕሪ ህግሓኤ ስልጣን ምሓዙ ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ዘይመንግስታዊ ውድብ ‘ዞባዊ ማእከል ሰብኣዊ መሰላትን ምዕባሌን’ ንጉዳይ ሪፈረንደምን ውጥናት መጻኢ ምዕባሌ ኤርትራን እትዝቲ ጋዜጣ ክሓትም ምስ ደለየ ብሃንደበት ኣብ መጀመርታ 1993 ብዝተዋህቦም ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ዓጽየሞ። ጳውሎስ ከኣ ን3 ኣዋርሕ ግዳይ ናይ ገዛ ማሕዩር ኮይኑ። ከም ውጽኢቱ፡ ቀዳማይ ተኽሊ ነጻ ሕብረተሰብኣዊ ትካል ኤርትራ ሱር ከይሰደደ ከሎ ተሓምቲሉ።

ነጻ ጋዜጣታት ንምምስራት ዝተወስዱ ተበግሶታት እንተዀኑ’ውን ተዓጊቶም። ንኣብነት ክቡር ሃገራዊ ኤርትራዊ ሽማግለ ጣሃ መሓመድ ኑር፡ ሕጊ ሕትመት ኤርትራ ዝጠልቦ ብምምላእ ነጻ ጋዜጣ ኣብ ማእከል 1990ታት ክኸፍት ፍቓድ ክዋሃቦ ምስሓተተ፡ ብሚኒስተር ዜና ኩሉ ትሕዝቶ ናይ’ታ ጋዜጣ ቅድሚ ሕትመት ብኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክንበብ ከምዘድሊ ተነጊርዎ። ጣሃ ነዚ ዓይነት ምምያ ስለዝነጸጎ ነጻ ጋዜጣ ናይ ምቛም ተበግስኡ ከቋርጾ ተገዲዱ። ሓርበኛ ጣሃ መሓመድ ኑር ካብ መስረቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ 2005 ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተጨውዩ ምስተወስደ ኣብ ማሕዩር ሞይቱ።

ኣብ ግንቦት 1993 ንዝተኸስተ ተቓውሞ ተጋደልቲ ብመሪሕነት ህግሓኤ ዝተዋህበ ግብረመልሲ፡ ኤርትራ ናብ ደልሃመት ተምርሕ ከምዝነበረት ዘአንፈተ ነይሩ። ብዘይዝዀነ ኢሂንምሂን፡ ንሓድሽ ሰራዊት ኤርትራ ዘቘሙ ተዋጋእቲ ህግሓኤ ነበር ብዘይደሞዝ ንተወሳኺ 2 ዓመታት ከገልግሉ ተኣዚዞም። በዚ ተግባር ዝተቘጥዑ ተጋደልቲ ተወዲቦም ኣቓልቦ መራሕቲ ህግሓኤ ንኽስሕቡ ብምባል ኣብ 20 ግንቦት 1993 ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ባንክታት ከምኡ’ውን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላት መንግስቲ ብምኽባብ ድምጾም ክስማዕ ጠሊቦም። እቲ ተቓውሞ ዘይጐነጻውን ስርዓት ዝሓለወን ኢዩ ነይሩ። ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ እስታዲየም ኣስመራ ቀሪቡ መልሲ ክህቦም ጌረሞ። ንሱ ከኣ ክጣየሱ ከለዉ ዓስቦም ከምዝዋሃቦም ብምምጽባዕ ንኽብተኑ ኣእሚንዎም። እንተዀነ፡ ድሕሪ 2 መዓልታት ብስቱር ነቲ ተቓውሞ መሪሖም ዝተባህሉ ብውሕዱ 137 ተጋደልቲ ተሓይሮም። ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመታት ንኽእሰሩ ድማ ተፈሪዶም።

ኣብ ሓምለ 1994 ዝተራእየ ፍጻሜ መራሕቲ ህግሓኤ/ህግደፍ ንጣብ ሰብኣዊ ርህራሄ ከምዘይብሎምን ንኹሉ ሐራይ ዘይበሎም ድኹም ኮነ ሓያል ኣካል ዘለዎም ምላሽ ዘየናሕሲ ጭፍለቓ ምዃኑ ዘግሃደ ነይሩ። ኣብ’ታ ወርሒ እቲኣ ኣብ ማይ ሓባር ተደርብዮም ዝነበሩ ስንኩላን ተጋደልቲ ኣተሓሕዝኦም ክማሓየሽን ናብ ሕብረተሰቦም ክጽንበሩን ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ስለዝሰኣነ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ተኣኻኺቦም። ኣብ’ቲ ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ዝጸንሕሉ መዓስከር ማይ ሓባር ደጊም ከምዘይቅመጡ ብምውሳን ከኣ ጉዕዞ ናብ ከተማ ኣስመራ ጀሚሮም። ንምብታኖም ብመራሕቲ ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተገብረ ጻዕሪ ስለዝፈሸለ፡ ነዞም ዘይዓጠቑ ብምርኩስን ዓረብያን ዝንቀሳቐሱ ስንኩላን ተጋደልቲ ወተሃደራት ብምልኣኽ ብጥይት ጨፍጪፈሞም።

ካብ ተጋደልቲ ህግሓኤ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረ ሕቶታትን ተቓውሞን ንገደብ ዘይብሉ ስልጣን ዝለመደ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዕረፍቲ ከሊእዎ። ኮረሻ ስልጣኑ ካብ ጸቕጢ ተጋደልቲ ህግሓኤ ነበር ብሓፈሻ፡ ካብ ነባራት ሓለፍቲ ህግሓኤ ከኣ ብፍላይ ነጻ ንምውጻእ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ከተግብር ተራእዩ። ቀዳማይ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ንነባራት መራሕቲ ህግሓኤ ካብ ወሰንቲ ጽፍሕታት ሰልፊ ምእላይ ነይሩ። ‘ሓድሽ ደም ኢዩ ዘድልየና’ ብዝብል ምስምስ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህግሓኤ፡ ለካቲት 1994፡ ንኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ፈጻሚ ሽማግለን ስሙ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝቐየረ ህግሓኤ ብሓደሽቲ ተመኩሮ መሪሕነት ዘይብሎም ብቐሊሉ ዝእዘዝዎ ተራ ተጋደልትን ኣባላት ሓፋሽ ውድባትን ለዊጥዎም። ካብ ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተኣልዩ ነባራት መራሕቲ ህግሓኤ መንግስታዊ ስልጣን እኳ እንተተዋህቦም፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና ሰልፊ ህግደፍ ንትካላት መንግስቲ ከምዝዕብልሎ ስለዝገበረ ኣስናን ዘይብሎም ኣናብስ ኮይኖም ተሪፎም። ኣብ ልዕሊኡ፡ ብተደጋጋሚ ካብ ሓደ ትካል መንግስቲ ናብ ካልእ ትካል መንግስቲ ብምዝውዋር ደገፍቲ ኮነ ጽልዋ ከየጥርዩ ገይርዎም። ንባህ ዘይበልዎ ሓለፍቲ መንግስትን ሰራዊትን ‘ደስኪልኩም’ ብምባል ዘይረብሕ ደሞዝ እንዳኸፈለ፡ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ከይሰርሑ ብምእጋድ፡ ብቐንፈዘው ሃገራዊ ኒሖም ሰይርዎ። ንምእዛዞም ዘጠራጠርዎ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝዀኑ ዝተዓጥቁ ተጋደልቲ ንምውጋድ ከኣ ብጉልባብ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ሓደሽቲ ምእዙዛት ወተሃደራት ከፍሪ ኣብ 1995 ወፍሪ ኣበጊሱ።

ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንትካላት ፍትሒ ኤርትራ ከዳኽም ተጓይዩ። ካብ 1996 ክሳብ 1998 ብፍላይ፡ ንኣብያተ ፍርዲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ኣደባባይን ብምንሻው ከምኡ’ውን ንንቡር ትካላት ፍርዲ ዝጻረር ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝምራሕ ‘ፍሉይ ቤት ፍርዲ’ ዝብሃል ትካላት ዓመጽ ብምቛም መሓውር ፍትሒ ኤርትራ ከምዝለምስ ገይሩ። እዚ ‘ፍሉይ ቤት ፍርዲ’ ብሕግን ሕጋጋትን ሃገር ዘይቅየድ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ሕጊ ክኢላታት ብናይ ሕጊ ኣፍልጦ ዘይብሎም ላዕለዎት ወተሃደራውያን መኮነናት ዝካየድ ኢዩ። መሰላት ተኸሰስቲ ፈጺሙ ዘየኽብርን ዝህቦ ፍርዲ ድማ ይግባይ ዘይበሃሎን ኢዩ። ንቡራት ኣብያተ ፍርዲ ዝዓጸውኦ ጉዳይ ከምብሓድሽ ክኸፍት ይኽእል። ስለዝዀነ ከኣ ንንቡር ትካላት ፍርዲ ጥራሕ ኣበርዒኑ ዘይኰነስ እንኮላይ መዐፈኒ ህዝቢ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ብሰንኩ ብዙሓት ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም ደሃዮም ጠፊኡ። ተጨውዮም ምስተወስዱ ዝሞቱ’ውን ብዙሓት ኢዮም።