እዚ ገጽ ኣብዚ ነቑጣ መርበብሓበሬታ ብዛዕባ ዘለዉ፡ ካብ ሸ ክሳብ ቀ ብዘለዉ ፊደላት ዝፍልሙ ስነሂወታዊ ቃላት ሓጺር መብርሂ የቕርብ። ከም ኣድላይነቱ ዝውስኽ ድማ ኢዩ።
ሸ
ሸፍኒ፥ ንህዋሳት ወይ ዋህዮታት እንስሳታት ወይ ኣትክልቲ ዝሽፍን ወይ ዘንጽፍ ወይ ዘላግብ ዝተዓጻጸፍ ነጸላ ሂወታዊ እልሚ ኢዩ።
ቀ
ቀመምሂወታዊ፥ ዝዀነ ምስ ሂወት ዝዛመድ ዘበለ ቀመም።
ቀጠጽሊ፥ ኣብ ጽማረብርሃናውያን ህዋሰኛታት ዝርከብ ሓደ ጉጅለ ሓምላይ ቀለማት ኰይኑ፡ ኣርባዕተ ኣብ ተፈጥሮ ዝርከቡ ቈይምታት ኣለውዎ።
ቃንጥሻ፥ ኣብ ጫፍ ናይቲ ካብ ትሕቲ መሬት ዝቕልቀል ስፍኒ ኣብ ዝወጸ ጉንዶም ቆብዕ ዘለዎም በብዓይነቶም ሰጋዋት ሰፍነግቲ ኢዮም።
ቅርፈት ወይ ቅሳር፥ ኣብ ስነእንስሳ፡ ኣብ ልዕለገጽ ቆርበት ዝርከብ ረቂቕ ቀጸላ ዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበት ኢዩ።
ቅርፈታዊ ወይ ቅሳራዊ፥ ኣብ ስነእንስሳ፡ ሰብነቱ ብኸፊል ወይ ምሉእብምሉእ ብረቂቕ ሓርፋፍ ቀጸላታት ዝተኸድነ (ከም ገሊኦም ዓሳታትን ለመምታን ዝበሉ) እንስሳ ኢዩ።
ቅድመውሻጠኛ፥ ብሓደ ዋህዮ ጥራሕ ዝቘመ ህዋሰኛ ኰይኑ፡ ሓቀኛ ስነሂወታዊ ውሻጠ ዘይብሉ ኢዩ።
ቅድምያ፥ ንከረርቲ ከባቢታት (ከም ነዃላት ማዕሙቝ-ባሕሪ፡ ውዑያት ምንጪማያት፡ ዝበሉ) ክላመዱ ዘኽእሎም ዝተፈልየ ዋህዮኣዊ ውህበታት ዘለዎም ቅድመውሻጠኛታት ዝሓዘ ስነምደባዊ ጉጅለ ኢዩ።
ቈጥቋጥ፥ ትሑት ዝቑመቱ ዓጻው ብዝሐዓመታዊ ተኽሊ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡሳዕ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ጉንድታት ኣለዎ።
ቈጥቋጣ መሬትሳዕሪ፥ ፋሕ ዝበሉ ወይ ዝተጨቓጨቑ ትሑት ቁመት ዘለዎም ቈጥቋጣት ዝሓዘ፡ ከምኡውን ሒደት ወይ ባዶ ኣግራብ ዘለዎ፡ ምስ ወቕታዊ ዝናብን ደረቕ ኩነታትን ዝሰማማዕ ስርዓተከባቢ መሬትሳዕሪ ኢዩ። እዚ ሕብረተሂወት ካብ ምድረበዳ ናብ መሬትሳዕሪ ዘሰጋግር ኰይኑ፡ ኣብ ቆላውን ወይነደጋውን ኣከባቢታት መብዛሕትኡሳዕ ይርከብ።
ቈይሚ፥ ኣብ ስነሂወት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ፍጣር ዝርከቡ፡ ካብ ካልኦት ደቂ ፍጣሮም ብዘየገድስ ትርኢታት ዝፍለዩ ህዋሰኛታት ዝሓቘፈ ስነምደባዊ ጉጅለ ኢዩ።