ግእዝ ወይ ልሳኔ ግእዝ ጥንታዊ ደቡብ ሴማዊ ቋንቋ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ኢቲዮ-ሴማዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቋንቋዊ ጨንፈር ከኣ ይምደብ። ልሳኔ ግእዝ ብገለ ኤውሮጲያውያን “ኢቲዮጲኛ” ተባሂሉ እውን ይስመ ኢዩ። ኢቲዮ-ሴማዊ ጨንፈር ቋንቋ ኣብ ኢቲዮጵያን ኤርትራን ገለ ክፋል ሱዳን ንዝርከቡ ሴማውያን ቋንቋታት ዝሓቘፈ ኢዩ። ኢቲዮ-ሴማውያን ቋንቋታት፡ ዘይከምካልኦት ሴማውያን ቋንቋታት፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዮም ዝጸሓፉን ዝንበቡን። ግእዝ ኣብ ምድሪ ኤርትራን ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኢቲዮጵያ እትርከብ ክልል ትግራይን ኢዩ ተወሊዱ። እንተዀነ ግን ካብ 900 ክሳብ 1200 ክፍለዘመን ኣቢሉ ግእዝ ዕለታዊ መረዳድኢ ቋንቋ ካብ ምዃን ተሪፉ1

ካብ ዘለዉ ልሙዳት ቋንቋታት እቶም ናብ ግእዝ ኣዚዮም ዝቐረቡ ትግረን ትግርኛን ኢዮም። ዴቪድ ታምሰን ኣብ 1976 ዘሕተሞ “ቋንቋታት ሰሜናዊ ኤርትራ” ዝብል መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ከምዘብርሆ2፡ ትግረ 71 ሚኢታዊት ናይ ቃላት ምምስሳል ምስ ግእዝ ክህልዎ ከሎ፡ ትግርኛ ድማ 68 ሚኢታዊት ናይ ቃላት ምምስሳል ምስ ግእዝ ኣለዎ። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ግእዝ ኣቦ ትግረን ትግርኛን ዝባሃል።

ቅድሚ ንግስነት ኣኽሱም ወይውን ኣብ መጀመርታ ንግስነት ዘመነ ኣኽሱም ከም ዝተወቐረ ዝእመነሉ ሓወልቲ መጠራ

ዛጊት ካብ ዝተረኽቡ ጽሕፈታት ግእዝ፡ እቲ ዝጠንተወ ዝበሃል ኣብ 3ይ ወይ 4ይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ከም ዝተወቕረ ዝእመነሉ ኣብ ኤሪትራ ዝርከብ ሓወልቲ መጠራ ኢዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ጽሕፈት ግእዝ ኣድመጽቲ3 የብሉን። ድሒሮም ካብ 4ይ ክሳብ 9ይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ዝተጻሕፉ፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከቡ፡ ጽሕፈታት ግእዝ ግና ኣድመጽቲ ኣለዎም። እዚ ከኣ ፍልቀትን ምዕባሌን ግእዝ የመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ግእዝ ኣብ መንጎ 5ይን 7ይን ክፍለዘመናት ድሕሪ ልደተክርስቶስ ከምዝተተርጐመ ኢዩ ዝእመት።

ግእዝ ስርዓተሃይማኖታዊ ቋንቋ ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ኤርትራን ኢቲዮጵያን፡ ካቶሊካውያን ቤተክርስትያናት ኤርትራን ኢቲዮጵያን ከምኡ’ውን ቤተእስራኤል4 ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. Geʿez language. Encyclopedia Britannica. Accessed 01/19/2024. ↩︎
  2. Thompson, E. David. 1976. Languages of Northern Eritrea. In Bender, M. Lionel (ed.), The Non-Semitic Languages of Ethiopia, 597-603. East Lansing, Michigan: African Studies Center, Michigan State University. ↩︎
  3. ኣድመጽቲ ዝበሃሉ ሓውሲ-ፊደላት ኰይኖም፡ ሓደ ፊደል ከመይ ከም ዝድመጽ ዝሕብሩ ኢዮም። እቶም ልሙዳት ኣድመጽቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡ አ፡ ኡ፡ ኢ፡ ኣ፡ ኤ፡ ኦ። ንኣብነት ተደማጺ “ብ”፡ ምስቶም ኣድመጽቲ ክጽመድ ከሎ፡ በ፡ ቡ፡ ቢ፡ ባ፡ ቤ፡ ቦ፡ ብምዃን ምሉእ ፊደል ይኸውን። ↩︎
  4. ቤተእስራኤል ወይ ፈላሻ ኢቲዮጵያውያን ኣይሁድ ኢዮም። ↩︎