እዚ 9ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።

ኣብ እዋን ነዊሕ ዓመታት ቃልሲ ምስ ኤርትራውያንን ተጋሩን ዝተኻየዱ ዓሞቕቲ ዘተታትን ጥውይዋያት ዝበዝሖ ዝምድናታቶምን ኩሉሳዕ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግሓኤ/ህግደፍን ዝነበረ ርክባት ኣሰራት ዘይምትእምማን ዝሓዘለ ምንባሩ ብንጹር የመልክቱ። ናይ ሓባር ሸቶታት ክሳብ ዝሃለዉ ዘይምትእምማኖም ናይ ደገ ተዓዘብቲ ብዙሕ ዘስተውዕልዎ ኣይነበረን። ንደገፍቲ ውድባት ኤርትራን ትግራይን ነቲ ካልእ ወገን ከም መሻርኽትን መሓዛን ገይሮም ከቕርቡ ፖለቲካዊ ቅኑዕነት የገድዶም ነይሩ።

እንተዀነ ኣብ መንጎ ናይ ኤርትራውያንን ናይ ተጋሩን ውድባት ፍልልያት ኣብ ዝለዓለሉ እዋን፡ ካብ ዓሚቝ ሰረት ዘለዎም ንርክብ ኤርትራውያንን ተጋሩን ከኣ ብሓፈሻ ዝጸልዉ ቅድመፍርድታትን ልምዳዊ ምስልታትን ዝነቐለ ሓድሕዳዊ ምጥርጣር፡ ንፍልልያት ናብ ዲቕ ዝበለ ግርጭታት ኣብ ምዕራግ ዓቢ ተራ ይጻወት ከምኡ፣ውን ንኣብ መንጎ ኣባላትን ደገፍትን ውድባት ዝነበረ ርክብ ብሓፈሻ ይዕብልል ነይሩ። ውድባት ኤርትራን ትግራይን ሓቀኛ ምውጋይ ከካይዳ ድሌት ኣይነበረንን። ምግጫው ረብሓታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታተን ዘሎ ፍሉይ ማሕበረ-ስነኣእምራዊ ዝምድና ነዘን ውድባት ብርትዓዊ መንገዲ ከይቀራረባ ኣዚዩ ይሕንኩለን ነይሩ።

ተሓኤ ኮነ ካብኣ ዝተፈንጨላ ጉጅለታት፡ ህግሓኤ ኮነ ህወሓት፡ ንማሕበረ-ስነኣእምራዊ ገጽ ናይ፣ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን ዘሎ ዝምድናታት ብግሉጽ ተዘራሪበናሉ ስለዘይፈልጣ፡ መራሕቲ እዘን ግንባራት ሽርክነት የኽስበና ኢዩ ኢሎም ኣብ ዝሓሰብሉ ሓድሕዳዊ ቅድመፍርድታትን ዘይምትእምማንን ከም ዘለውዎ ይሕለፉ ነይሮም። ግን ብመኽንያት ምቅይያር ረብሓታት በለጻዊ ሽርክነት ኣብ ዝብተኸሉ ግዜ፡ ዝጸንሑ ቅድመፍርድታት ብፍጥነት ይቕልቀሉን ንምጉቶም ይዕብልልዎን ነይሮም።

ስለ፣ዚ ኢዩ ድማ ኣብ 1985 ሽርክነት ህወሓትን ህግሓኤን ብወግዒ ምስ ተቛረጸ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን ዝነበረ ዝምድና፣ውን ማዕረማዕሪኡ ዝኸርፈሐ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ክልቲኦም ሕብረተሰባት ከም፣ቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግሓኤን ሽርክነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገብርዎ ዝነበሩ ብሓንሳብ ምእካብ ዳርጋ ገዲፈሞ። ብሓፈሽኡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ኣሉታዊ ኣባህላታት ብዛዕባ ሓድሕዶም ብዓውታ ከውትኡ ጀሚሮም። ህግሓኤ-ኤርትራውያን ንህወሓት ብህግሓኤ ምውጋእ ከም ዝተማህረት ግን ከኣ ሕጂ ንህግሓኤ ክትምህር እትፍትን ዘላ ተልመዴን ብምባል ኣላጊጾም። ህወሓት-ተጋሩ ድማ ነዚ ጠባይ ከም ዓቢ መርኣያ ትምክሕቲ ኤርትራውያን ገይሮም ብምቕራብ ዘሊፎም።

ህወሓት ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ውድባት ሽርክነት ምስኣቘመት፡ ኣብ፣ዚ እውን ዝጸንሑ ጉዳያት ኣይተዘተየሎምን። ፖለቲካዊ ቅኑዕነት ብስም ዝተፈጥረ ሓድሽ ሽርክነት፡ ንኣባላትን ሰዓብትን እዘን ውድባት ናሓድሕዶም ኣብ ቃልዕ ካብ ምውቕቓስ ክቑጠቡ ኣገዲድዎም ጥራሕ ዘይኰነስ እንከላይ ምእንቲ ናይ ደገ ተዓዘብቲ ክርእይዎ እንተተኻኢሉ መሓዙ እንተዘይተኻኢሉ ድማ መሻርኽቲ ክመስሉ ገይርዎም። ብተማሳሳሊ፡ ህወሓት/ሰዴግህኢን ህግሓኤን ኣብ 1990 ሽርክነተን ዳግም ከሕድሳ ከለዋ፡ ካብ ላዕሊ ብመራሕቲ እዘን ውድባት ዝተበገሰ በለጻዊ ስጉምቲ ነይሩ። ኣባላተን ዝርዝራዊ ዘተ ብዛዕባ ዳግመምቛም ሽርክነት ውድባቶም ይትረፍ ከካይዱ፡ ንጣብ ሓበሬታ ብዛዕባ ዳግመምሕዳስ ሽርክነት ውድባቶም ኣይነበሮምን። ብሃንደበት ኢዮም ኣባላትን ሰዓብትን እዘን ውድባት ፖለቲካዊ ምጉቶም ብምቕያር ነቲ ሓደ ወገን ከም እሙን መሓዛን መሻርኽትን ገይሮም ከቕርቡ ዝጀመሩ።

ሕመረት ኣብ መንጎ ምንቅስቓሳት ሓርነት ኤርትራን ትግራይን ዝቘሙን ዝፈርሱን ዝነበሩ በለጻውያን ሽርክነታት እንተመርሚርና፡ ካብ ክውንነታት ኣጀማምርአንን ኣመሰራርትአንን ዝመንጨወ ሓፈሻዊ ድኽመት እዘን ምንቅስቓሳት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ንርዳእ። ብመሰረቱ፡ ግንባራት ትግራይን ኤርትራን ንገዛእ ርእሰን ባዕለን ዝሸማ ምንቅስቓሳት ሓርነት ኢየን። ማለት፡ ኣብ ሓደ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮ-ኤርትራ ዝተፈጥረ መላግቦ ፖለቲካዊ ምዕባሌ፡ ናኣሽቱ ጉጅለታት ውልቀሰባት ንዕጥቃዊ ቃልሲ ከም እንኮ ዝተረፈ መፍትሒ ንሕብረተሰቦም ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምዃኑ ባዕሎም ወሲኖም።

ጀመርቲ እዘን ምንቅስቓሳት ንገዛእ ርእሶም ከም እሙናት ወከልቲ ሓፈሻዊ ድሌት እተን ሓራ ከውጽእወን ዝህንጠዩ ዝነበሩ ሕብረተሰባት ገይሮም ቈጺሮም። ብትእዛዝ ዕድሎት ከምዝተዋህቦም ስለዝሓሰቡ፡ ሓቀኛ ባርኾት እቶም ንውክሎምን ምእንትኦም ንዓዪ ኣለናን ዝብልዎም ኣህዛብ ክረኽቡ ፈጺሞም ኣይደለዩን። ክውንነታዊ ስምዒታት ንጎድኒ ብምግዳፍ፡ ርግጸኛ ረብሓታትን ባህግታትን ሕብረተሰቦም ንውክል ኢና ኢሎም። ኣብ ረብሓታትን መረዳእታታትን መራሕቲ እተን ግንባራትን ናታቶም ማሕበራዊ ጉጅለታትን ተመርኲሶም ንህዝብታቶም ናይ ምልዋጥ ከምኡ፣ውን ናብ፣ቲ ዝደልይዎ ምስሊ ናይ ምቕያር መሰልን ግቡእን ከም ዘለዎም ኰይኖም ቀሪቦም። ሓቀኛ ረብሓታት ሃገሮም ንውክል ኢና ስለዝበሉ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህግታትን ማሕበራዊ ረብሓታትን ኣብ ኣቀራርጻ እተን ክፈጥርወን ዝደልዩ ዝነበሩ ሃገራት እንታይ ዓይነት ጽልዋ የሕድር ብሓቂ ከስተንትኑ ፈጺሞም ኣይተቐሰቡን።

ካብ መፈለምታ ኩለን ምንቅስቓሳት ኤርትራን ትግራይን ጀሚሩ፡ ፖለቲካዊ መርሒነት ኣብ ኢድ ኣባላት ምሁር ቀጸላ ሕብረተሰብ ኢዩ ነይሩ ወይ ከይደንጐየ ኣብ ኣእዳዎም ኣትዩ። እዚ ካብ መግዛእታዊ ወይ ድሕረ-መግዛእታዊ ኣቃውማታት ሃገር ዝበቘለ ምሁር ደርቢ፡ ተኸታሊ ፍልስፍና መንግስትነት ኢዩ ነይሩ። ፍልስፍና መንግስትነት ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንትምህርትን ደረጃታት ማሕበራዊ መዓርግን ዝወሃብ ክብሪ ምርኩስ ብምግባር፡ ከም ምሁራት መጠን ንህዝቦም ክመርሕዎን ፖለቲካዊ ሸቶታትን ባህግታትን ክውስንሉ ተፈጥራኣዊ መሰልን ጽሕፍቶን ዘለዎም ኰይኑ ተሰሚዕዎም።

ምቕልቃል ብዕድመ ንኣሽቱ ክባሃሉ ዝኽእሉ ኣባላት ምሁር ቀጸላ ሕብረተሰብ ዝምራሕ ምንቅስቓሳት ሓርነት ኤርትራን ትግራይን ብተወሳኺ ምግጫው ወለዶ ዝተራእየሉ ኢዩ ነይሩ። ነዘን ውድባት ዘቘሙ ወይ ኣብ መወዳእትኡ ዝተቘጻጸርወን መንእሰያት መራሕቲ፡ ንምንቅስቓሳቶም ከም መግለጺ ተቓውሞ ኣንጻር ነቲ ንሶም ከም ባህርያዊ ሃገራዊ ባህጊ ዝጠመትዎ ከጓናጽፉ ብቕዓት ዘይብሎም ወይ ፍቓደኛታት ከምዘይኰኑ ዝሓሰብዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ነባራት ፖለቲካውያን መራሕቲ ሕብረተሰቦም ርእየሞ።

ዘይጥዑይ ኣመሰራርታ ስለዝነበረን፡ እዘን ምንቅስቓሳት ኣብ ውሽጣዊ መሳርዐን ሓቀኛ ኣስተንታኒ ፖለቲካዊ ክትዕ ከካይዳ ፈጺመን ብቑዓት ዘይምንባረን ዘገርም ኣይኰነን። ዘልዓልኦ ውሽጣዊ ህዝባዊ ምጉት ብዘየገድስ፡ ብባህሪአን ዘይዴሞክራስያውያን፡ ምልካውያን፡ ወተሃደራውያን ውድባት ኢየን ነይረን። መራሕተን ከኣ ብዕድሎት ሓርነት ሃገራቶም ክዉን ክገብሩ ዝተሓርዩ ምዃኖም ዝገልጽ ሓያል እምነት ዝተሸከሙ ኢዮም ነይሮም። እዚ ድማ ዋላ ነቲ ምስ ገዛእ ህዝቦም ዝነበሮም ዝምድና ኣዚዩ ጸልይዎ። ብዓውታ ብዛዕባ እቲ ንጠቕሙ ንጽዕርን ንዋጋእን ኣለና ከምኡ፣ውን ብእኡ ንምራሕን ንምሰጥን ዝበልዎ ሓፋሽ ብዘየማትእ ቃላት ይምድሩ ነይሮም። ኣብ ተግባር ግና እዘን ምንቅስቓሳት ሓርነትን መርሒነተንን ነቲ ንሳቶም ሸቶታት ቃልሲ ሓርነት ክኸውን ኣለዎ ዝበልዎ ሓፋሽ መታን ክቕበሎ፡ ምልኪ፡ ምትላል፡ ጎነጽን መጋበርያ ስነሓሳባትን ይጥቀሙ ነይሮም።

ሕይሹ ኣብ ዝተባህለሉ፡ እዘን ውድባት ምስ ሓፋሽ ዘካይድኦ ፖለቲካዊ ዝርርብን ግብራዊ ርክብን ተሪር ማንታዊ ጠባይ የንጸባርቕ ነይሩ። ብሓደ ወገን፡ ንሓፋሽ ዓንዲ ሕብረተሰብ ኢዩ ብምባል ይውድስኦ ነይረን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ዘይነቕሐ፡ ብእልፊ ጐዳእቲ ማሕበራውን ባህላውን ልምድታት ከምዝተጎብአ ከምኡ፣ውን ብትምህርታውን ፖለቲካውን ድንቁርና ከምዝተኣስረ ገይረን ይጥምትኦን ይገልጽኦን ነይረን። ስለ፣ዚ ድማ ንሕና ኢና መሪሕና ከነውጽኦ ዘለና ይብላ ነይረን። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ መንጎ እዘን ምንቅስቓሳት ሓርነትን ሓፋሽን ዝነበረ ዝምድና ብቐንዱ ብብርቱዕ ምምህርናዊ ጣልቃን ኣስተምህሮን ዝተዓብለለ ነይሩ። እዘን ምንቅስቓሳት ብሓቂ ንህዝበን ይሰምዓን ካብኡ ይማሃራን ኣይነበራን።

ንኣምራት ሃገርን ምንቅስቓስ ሓርነትን ዳርጋ ሃይማኖታዊ ባህሪ ስለዘልበስኦ፡ እዘን ውድባት ንፖለቲካዊ ፍልልያት ከም ሕጋዊ ክስተት ዘይምቕባለን ዘደንቕ ኣይኰነን። ምስ ብመሪሕነት ነፍሲወከፍ እዘን ምንቅስቓሳት ዝተመደበ ፖለቲካዊ ራኢ ዘይተሰማምዑ ውልቀሰባት ከም ንቡር ፖለቲካዊ መሰልን ምርጫን ዝጥቀሙ ዘለዉ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ይጥመቱ ኣይነበሩን። እንታይ ደኣ፡ ከም ጸላእቲ እቲ ቅዱስ ዝበልኦ ሃገርን ቃልሲ ሓርነትን ገይረን ብምግላጽ ይኹንንኦም ነይረን። መለለዪ ጠባይ ሕብረተሰብ ሓበሻ ዝዀነ ባህሊ ምስጢራውነት ምስ ኣድላይነት ሓለዋ ካብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኰነ ካብ መቓናቕንቲ ውድባት ክመጽእ ዝኽእል ተጻብኦታት ተደሚሩ፡ ዝዀነ ክፉትን ግሉጽን ክትዕ ኣብ ውሽጢ እዘን ምንቅስቓሳት ከይካየድ ዓቢ ማሕንቖ ይፈጥር ነይሩ። ኣቃውማታተን ብዕምቆት እንተመርሚርናዮ፣ውን ምንቅስቓሳት ሓርነት ኤርትራን ትግራይን ፍልይ ዝበለ ቅርጺ ዕርዳዊ ስርዓት ዘለወን ኢየን።

ኣብ ኢትዮጲያን ኤርትራን ድሕሪ ምጉንጻፍ ዓወትን ምቁጽጻር ሃገርን ዝተጠቕሱ ባህርያት ምንቅስቓሳት ሓርነት ቀጺሎም። ብመኽንያት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝተፋላለየ ኩነታት ሓደ ዓይነት ቅርጺ ዝሓዘ፣ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝቘመ ፖለቲካዊ ስርዓት ግን ብትሕዝትኡ ዝፈላለ የብሉን። ብኹሉ ሸነኻቱ ዘይዴሞክራስያዊ፡ ምስጢራዊ ከምኡ፣ውን ንክፉት ህዝባዊ ዘተ ተጻራሪ ኢዩ። “ሰውራ ብደም ደቃ ኢያ እትዓቢ” ብዝብል ጭርሖ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕቲ ኤርትራን ትግራይን፡ ፖለቲካዊ ሸውሃቶም ንምርዋይ ደም ህዝቦም ምስታይ ለሚደሞ ኢዮም። ከም፣ዚ ዝበለ ኩነታት ከኣ ኢዩ ናብ ትርጉም ኣልቦ ብረታዊ ግጭት ዘንቈልቈለ፡ ቁጠባዊ ዘይምስምማዕን ምስሕሓብ ዶብን ዝፈጠረ። ብሓደ ወገን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምስ ኢትዮጲያ ዝነበሮ ቁጠባዊ ርክባት ዒብ ዘይብሉ ስስዐ ስለዘርኣየ ጎንጺ ንኽፍጠር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ ህወሓት መሬት ኤርትራ በብቑሩብ እንዳጨራረመ ይወስድ ስለዝነበረ ኣብ መሬታዊ ጉዳያት ተሓታቲ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።

ኲናት ምስ ጀመረ፡ ሓያል ማዕበል ሃገራውነት ኣብ ክልቲኡ ወገናት ተላዒሉ። ኩሉ ነባር ቅሬታታት ናብ ደገ ወጺኡ። ቅድመፍርድታትን ኣሉታዊ ልምዳዊ ኣባህላታት ሓድሕዶም እንደገና ክውሕዝ ተራእዩ። ብፍላይ ግብረመልሲ ወገን ኢትዮጲያ ሕሱም ነይሩ። ኢትዮጲያውነታውያን ሕነ ዝሓለፈ ስዕረቶም ንኽፈድዩ ኣይትሓዙና ኢሎም። ተዋሓደ ወደብ ዓሰብ ንምሓዝ ብኹሉ ኢትዮጲያ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ከባቢታት ውግእ ከፊቶም።