እዚ መዘከሪ ቃላት፡ ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ንእንረኽቦም፡ ብፊደላት እንዳ በ ከምኡ፣ውን እንዳ ተ ዝጅምሩ ስነምድራውያንን ስነማዕድናውያንን ቃላት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ይትርጉም።

ብጽቡጽ፥ ሓደዓይነታዊ ድብላቕ ተወሓደ ክልተ ጥረነገራት ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ (ግን ከኣ ናይ ግድን ኣይኰነን) ፈሳሲ ኢዩ።

ቦክሳይት፥ ብቐንዱ ብዕረጨዋዮ ዝጸሩ ማዕድናት ዝቘመ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ምንጪ ዕረጨዋዮ ናይ ዓለምና ከኣ ኢዩ።

ባሕሪ፥ ክፋል ውቅያኖስ ወይ ሰፊሕ ኣካል ጨዋሚ ማይ ኰይኑ፡ ብኸፊል ብመሬት ዝተኸበ ኢዩ።

ተመናይ፥ ሓደ ጉጅለ ብማግኔዚዮ ሃብታም ዝዀኑ ማያዊ ጽጸረታይ ማዕድናት ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓማል ሕብሪ ኣለዎም። ከም ምንጪ ጽሙኣይን ማግኔዚዮን፡ ከምኡ፣ውን ከም መጸባበቒ የገልግሉ።

ተመነታይ፥ ዝበዝሐ ትሕዝትኡ ብተመናይ ጉጅለ ማዕድናት ዝቘመ ልዉጣዊ ከውሒ ኢዩ።

ቲቡርቲናይ፥ ብቐንዱ ብኖረታይ ዝቘመ ልምሉም፡ ዘራቚ፡ በርሃው ዝሕብሩ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ።

ታኒካ፥ ልምሉም፡ ተቐራጺ፡ ብሩራዊ-ጻዕዳ ዝሕብሩ ምፍሓቝ ዝጻወር ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ቅንብሮታት ኣብ ምምስራሕን፡ ካልኦት ሓጺነመጺናት መታን ከይፋሓቑ ንምሽፋንን ዝጠቅም ኢዩ።

ታኒኬታ፥ መብዛሕትኡሳዕ ቀይሓው ቡናዊ ክሳብ ጸሊም ዝሕብሩ፡ ተሪር ብታኒካ መስረጭቋራይ ዝቘመ ማዕድን ኰይኑ፡ ናይ ዓለምና ቀዳማይ ዓቛሪ ታኒካ ሓጺነመጺን ኢዩ።

ትርፈሂወት፥ ኣብ ከውሒ ዝተዓቀበ ኣሰር ዝሓለፈ ሂወታዊ ኢዩ።

ትፋእእሳት፥ ካብ እሳተጎመራ ዝወጽእ ዝመኸኸ ከውሒ ኢዩ። ምካኽእሳት ኣብ ገጽምድሪ ምስተቐልቀለ ትፋእእሳት ይባሃል።