ኣስማት መዓልታት ሰሙን ብትግርኛ ከምኡ’ውን ትርጉማቱ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ:

፩ ሰምበት። ምሉእ ስማ “ሰምበተ ክርስትያን” ኰይኑ፡ ብተለምዶ ግና “ሰምበት” ጥራሕ ተባሂላ ኢያ እትጽዋዕ። ሰምበት ካብ “ሻቫት” ወይ “ሻባት”1 ዝብል ናይ እጵራይስጥ2 ቃል ዝመጸ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ “ኣቋርጽ” “ዕረፍ” ማለት ኢዩ። ስለ’ዚ “ሰምበተ ክርስትያን” ማለት ክርስትያን ኩሉ ዕዮታቶም ዘቋርጽሉ ወይ ዘዕርፍሉ ማለት ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ “እሑድ” ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ ነይራ ኢያ።3 ብኣምሓርኛ ግና ክሳዕ ሎሚ “እሑድ” ተባሂላ ኢያ ትስመ። “እሑድ” ካብ “አሐደ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ “ጀማራይ”፡ “ፈላማይ”፡ “ቀዳማይ” ወዘተ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና፡ እግዛእቢሄር ዕዮ ፍጥረት ኣብ’ዛ ቀዳመይቲ ዕለት ናይ ሰሙን ስለዝጀመረ ኢዩ።4

፪ ሰኑይ። እዚ ቃል ካብ “ሰነየ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ “ካልኣይ ኰነ” ወይ “ኣሰነየ” ማለት ኢዩ። እዛ ዕለት ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰምበት ስለትስዕባ፡ ካልአይታ ወይ ኣሰናይታ/ዓጃቢታ ስለትዀና፡ ሰኑይ ተባሂላ። ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና፡ እዛ ዕለት ካልአይቲ መዓልቲ ተፈጥሮ ኢያ።5

፫ ሰሉስ። ካብ “ሠለሰ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ “ሳልሳይ” ማለት ኢዩ። እዛ መዓልቲ፡ ሳልሰይቲ ዕለት ተፈጥሮ ስለዝዀነት፡ ሰሉስ ተሰይማ።6

፬ ረቡዕ። እዚ ቃል ካብ “ረብዐ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ “ራብዓይ” ማለት ኢዩ። እዛ ዕለት ራብዐይቲ መዓልቲ ናይ ተፈጥሮ ስለዝዀነት፡ ረቡዕ ተባሂላ።7

፭ ሓሙስ። እዚ ቃል ካብ “ኃመሰ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ “ሓሙሻይ” ማለት ኢዩ። እዛ ዕለት ሓሙሸይቲ መዓልቲ ናይ ተፈጥሮ ስለዝዀነት፡ ሓሙስ ተሰይማ።8

፮ ዓርቢ። እዚ ቃል ካብ “ዓርበ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ “ተወደአ” ወይ “ተፈጸመ” ማለት ኢዩ። እግዛእቢሄር ንኹሉ ዕዮ ፍጥረት ኣብ’ዛ ሻዱሸይቲ ዕለት ናይ ሰሙን ስለዝዛዘሞ ድማ ኢያ ዓርቢ (ማለት መወዳእታ፡ መዛዘሚት) ተባሂላ።9

፯ ቀዳም። ምሉእ ስም ናይ’ዛ መዓልቲ “ቀዳሚ/ቀዳሚት ሰምበት” ኢዩ። እንተዀነ ብልምዲ ቀዳም ጥራሕ ተባሂላ ኢያ ትጽዋዕ። “ቀዳም”፡ “ቀዳሚ” ከምኡ’ውን “ቀዳሚት” ዝብሉ ቃላት ካብ “ቀደመ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጹ ኰይኖም፡ ትርጉሞም ድማ “ዝቐደመ” ከምኡ’ውን “ቀዳመይቲ” ማለት ኢዩ። እዛ ዕለት እታ እግዛእቢሄር ካብ ኩሉ ዕዮታት ተፈጥሮ ዘዕረፈላ መዓልቲ ስለዝዀነት10 ከምኡ’ውን እታ እግዛእቢሄር ዝቐደሳ ናይ መጀመርታ ሰምበት ስለዝዀነት (ማለት ቅድሚ ሰምበተ ክርስትያን ምቛማ ስለዝነበረት)፡11 “ቀዳም” (ዝቐደመ) ሰምበት ተሰይማ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. Encyclopaedia Britannica (2024) Sabbath | History, Meaning & Observance. Accessed 13/02/2024. ↩︎
  2. እጵራይስጥ ቋንቋ ናይ ኣይሁድ ኢዩ። ብሉይ ኪዳን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፈለማ ብእጵራይስጥ ኢዩ ተጻሒፉ። ↩︎
  3. Weld-Blundell, Herbert Joseph (1922) The Royal Chronicle of Abbysinia, 1769-1840. Cambridge University Press: Cambridge. ↩︎
  4. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:5 ↩︎
  5. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:8 ↩︎
  6. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:13 ↩︎
  7. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:19 ↩︎
  8. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:23 ↩︎
  9. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:31 ↩︎
  10. መጽሓፍ ዘፍጥረት 2:2 ↩︎
  11. መጽሓፍ ዘፍጥረት 2:3 ↩︎