እዚ መዘከሪ ቃላት፡ ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ንእንረኽቦም፡ ብፊደላት እንዳ አ ዝፍልሙ ስነምድራውን ስነማዕድናውን ቃላት ሓጺር መግለጺ ይህብ።
ኣልማዝ፥ ክቡር ዝዋግኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ቤትዕዮ ከምኡ፣ውን ንስልማት ዘገልግል፡ ኣዚዩ ተሪር ተፈጥሮኣዊ ፍጥረት ሓቒቓዊ ፍሓሞ ኢዩ።
ኣልካሊ መሮጣር፥ ብሓሞጻሕዮ ሃብታም ዝዀነ፡ ካልእ ኣልካሊ ሓጺነመጺን እውን ዘካተተ ሓደ ጉጅለ መሮጣር ማዕድናት ኢዩ።
ኣልካሊ ሓጺነመጺን፥ ዝዀነ ካብቶም ልስሉሳት፡ ብሩራዊ-ጻዕዳ ዝሕብሮም፡ ትሑት ጻዕቂ፡ ትሑት ምክን ሓያል መልሰግብርን ዘለዎም ሓጺነመጺናዊ ባእታታት፡ እንከላይ እምናዮ፡ ሓሞኽሻዮ፡ ሓሞጻሕዮ፡ ቀይሓዮ፡ ሰማያዮ ወ ፈረንሳዮ ኢዩ።
ኣደንጋራይ፥ ኣብ እሳታውን ልዉጣውን ኣኻውሕ፡ ሓደ ኣገዳሲ ጉጅለ ከውሒ-ፈጠር ማዕድናት ኢዩ። ኣደንጋራያት ተመሳሳሊ ኣቃውማ ሓቒቕን ትርኢት ጭደትን ዘለዎም እኳ እንተዀኑ፡ ዝተፈላለየ መጠን ትሕዝቶ ሓሞኽሻዮ፡ ኖራዮ፡ ሓጺን ከምኡ’ውን ማግኔዚዮ ዘለዎም ኢዮም። ኣደንጋራይ ማዕድናት ብሓፈሽኡ ደባን-ዝሕብሮምን ተረርትን ኢዮም። ብመልክዖም ኣዚዮም ተማሳሰልቲ ስለዝዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ናሓድሕዶም ፈሊኻ ዝልለይሉ መንገዲ መርኣዪደቂቕ ምጥቃም ኢዩ።
ኣደንጋረታይ፥ ብቐንዱ ካብ ሓምላይ፡ ቡናዊ ወይ ጸሊም ኣደንጋራይ ማዕድናትን ቅይነጭዳይ መሮጣርን ዝቘመ ልዉጣዊ ከውሒ ኢዩ። ኣደንጋረታይ ኣብ ዕዮታት ህንጻ ብሰፊሑ ኣብ ማዓላ ይውዕል።
ኣራጎነታይ፥ ብብርቱዕ ጸቕጢ ካብ ኖራዮ ፍሓመታይ ዝፍጠር ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ዝያዳ ብብዝሒ ዝርከብን ዝመሳሰሎን ኖረታይ ዝልለየሉ መንገዲ ብዝበርትዐ ትረቱን ፍሉይ ስሕበቱን ኢዩ።
ኣዚዩ ደቂቕ-ጥረኛ (ወይ ኣዚዩ ልሙጽ ጥረኛ)፥ ትሕቲ 0.002 ሚሊሜትሮ ሰንጣቒት ጥረ ዘለዎ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ።
ኣዛም፥ እቲ ዝነኣሰ ዓይነት ዝሪግቶ ኰይኑ፡ ክብብ ዝበለ፡ ጉልላት ዝቕርጹ እቱዊ እሳታዊ ከውሒ ኢዩ።
እልመት ከውሒ፥ ንዕብየት፡ ቅርጺ፡ ከምኡ፣ውን ኣሰራርዓ ጥረታት ማዕድን ወ ሓቒቓት ናይ ከውሒ የመልክት።
እምነልሕቲት፥ ሓምላይ ዝሕብሩ፡ ብናሓስ ፍሓመታይ ማየመስረጭቋራይ ዝቘመ ማዕድን ኰይኑ፡ ከም ዓቛሪ ናሓስ፡ ቀለም ወ መጋየጺ ኰይኑ ንኣሻሓት ዓመታት ዘገልገለ ኢዩ።
እምነሓሞኽሻ፥ ጻዕዳ ወይ ሕብሪኣልቦ እምነፍላሕ ማዕድን ኰይኑ፡ ናይ ሓሞኽሻዮን ዕረጨዋዮን ማያዊ ጽጸረታይ ዝሓዘ ኢዩ።
እምነሑጻ፥ ዝበዝሐ ክፋሉ ብዝተጣበቐ ጥረታት ሑጻ ዝቘመ ዘይተሪር፡ ብጫ ወይ ቀይሕ ዝሕብሩ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ።
እምነኖራ፥ ብቐንዱ ብኖራዮ ፍሓመታይ ዝቘመ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ።
እምነበረድ፥ ካብ እምነኖራ ብብርቱዕ ምቘትን ጸቕጥን ዝፍጠር ልዉጣዊ ከውሒ ኢዩ።
እምኒመንጎ፥ ናይ ሓሞኽሻዮን ኖራዮን ማያዊ ዕረጨጽጸረታይ ዝሓዘ እምነፍላሓዊ ማዕድን ኢዩ።
እምናዮ፥ ልስሉስ፡ ብሩራዊ-ጻዕዳ ኣልካሊ ሓጺነመጺን ኰይኑ፡ ብፍሉይ ባህርያቱ፡ ከምእኒ ዝፈዀሰ ሓጺነመጺን ምዃኑ፡ ዝለዓለ ኤሌክትሮቀመማዊ ዕቑርብቕዓት ዘለዎ ብምዃኑ፡ ከምኡ፣ውን ምስ ማይ ኣዚዩ መልሰግብረኛ ብምዃኑ ዝገነነ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ መዓላታት ከምእኒ ኣብ ምምስራሕ ዳግመተመላኢ ባትርታት፡ ቤትዕዮታት ምንስፋፋየር፡ መድሃኒት፡ ካይላን ጥርሙዝን የገልግል።
እምነጭቃ፥ ብንጥረታት ዋላኻ ወይ ካልእ ዓይነት ሓመድ ዝቘመ ልሙጽ-ጥረኛ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ። እምነጭቃ ካብ እምነጸብሪ ዝፈልዮ ረቛሒ፡ እምነጭቃ ናብ ዘይስሩዕ ድንኩላት ዝሰባበር ክኸውን ከሎ፡ እምነጸብሪ ግና ናብ ረቀቕቲ ፍንጫላት ወይ ቀጸላታት ይሰባበር።
እምነጸብሪ፥ ብንጥረታት ዋላኻ ወይ ካልእ ዓይነት ሓመድ ዝቘመ ልሙጽ-ጥረኛ፡ ሃንዛው ድበታዊ ከውሒ ኢዩ። እምነጸብሪ ካብ እምነጭቃ ዝፈልዮ ረቛሒ፡ እምነጭቃ ናብ ዘይስሩዕ ድንኩላት ዝሰባበር ክኸውን ከሎ፡ እምነጸብሪ ግና ናብ ረቀቕቲ ፍንጫላት ወይ ቀጸላታት ይሰባበር።
እምነጽያቕ፥ መብዛሕትኡ ግዜ ሓማል ወይ ጸብራው-ሓምላይ ሕብሪ ዘለዎ፡ ሉዝያዊ፡ ልሙጽ-ጥረኛ፡ ብማዕድን ጽዕዳይ ሃብታም ዝዀነ፡ እሳተጎመራዊ ከውሒ ኢዩ።
እምነፍላሕ፥ ሓደ ሰፊሕ ጉጅለ ደቂቕዘራቚ፡ ሓቒቓዊ፡ ዕረጨጽጸረታይ ማዕድናት ኰይኑ፡ ኣባላት እዚ ጉጅለ ዝዀኑ ማዕድናት ብብዝሒ ከም ኣጥበቕትን ኣበገስትን ኣብ ንግዳዊ መዓላ ይውዕሉ።
እምኒቱርኲ፥ ካብ ሰማያዊ ክሳብ ጸብራው-ሓምላይ ዝሕብሩ ማዕድን ኰይኑ፡ ብቐንዱ ብናሓስ፡ ዕረጨዋዮ፡ ዋሃብብርሃናይ ወ ማየታይ ዝቘመ ኢዩ።
እሳተጎመራ፥ ኣብ ዝባንምድሪ (ወይ ኣብ ገጽ ካልኦት ዘወርቲ) ዝርከብ፡ ትፋእእሳትን በንታትን ዝግንፍልሉ ስንጣቕ ኢዩ።
እሳተጎመራዊ ሓሞዅሽቲ፥ ብነታጒ ግንፋለታት እሳተጎመራ ዝትፋእ ሽርፍራፋት ከውሕን ደርነግን ኰይኑ፡ እቶም ዝደቐቑ ንጥርታት ብንፋስ ናብ ርሑቕ ይብተኑ።
እሳተጎመራዊ ከውሒ፥ ብግንፋለታት ትፋእእሳት ከምኡ፣ውን/ወይ ብስባራትእሳት ዝተፈጥረ ከውሒ ኢዩ።
እቱውነት፥ ኣብ ሓደ ማዕድን ወይ ከውሒ ዝተዋሕጠ ባዕዳዊ ኣካል ኰይኑ፡ ድሩቕ ወይ ፈሳሲ ወይ በናኒ ክኸውን ይኽእል።
እኽብካብ ከውሒ፥ ብዝደቐቐ ጥረታት ዘለዎም ዝገታት (ከም ሑጻ፡ ድበት፡ ዋላኻ ዝኣመሰሉ) ዝተኸቡ፡ ከክንዲ ጸጸር ዝዀኑን ክብብ ዝበሉን ፍንጭልጫላት ከውሒ ዝተፈጥረ ድበታዊ ከውሒ ኢዩ። እቶም ኣብውሽጢ እኽብካብ ከውሒ ዝርከቡ ዝፈረዩ ፍንጭልጫላት “ስብርባራት” ተባሂሎም ክጽውዑ ከለዉ፡ እቲ ነቶም “ስብርባራት” ዝሽፍን ዝደቐቐ ድበት ከኣ “መህጸኒ” ይባሃል።
ኦባል፥ ሓውሲጋራዲ፡ ዝፈላለ ሕብሪ ዘለዎ፡ ማየታይ ዘይሓቒቓዊ ፍጥረት ጽጸረታይ ኢዩ። ገለ ዓይነታቱ ከም ሉልእምኒ የገልግሉ።