‘ምዕባሌ’ ዝብል ቃል መወናወኒ ካብ ዝኸውን ዓሰርተታት ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ማንም ክነጽጎ ዘይክእል ሓሳብ ከምኡ’ውን ንሓፋሽ ኰነ ንማሕበራዊ ስርዓታት ኣዚዩ ዝማርኽ እማመ ኰይኑ ድማ ይርከብ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኩሉ ብዛዕባ ‘ምዕባሌ’ ይጭነቕ። ውልቀሰባት፡ መታን ኩሉንትናኣዊ ውልቃዊ ምዕባሌ ከረጋግጹ፡ ንብልሕኦም፡ ስሚዒታቶም ከምኡ’ውን ንባህርያቶም ክኹስኩሱ ይጋደሉ።1 ናኣሽቱ ጉጅለታት ኣብ ምምዕባል ሜላታት መራኸቢታትን ክእለታት ኣባላቶምን ከምኡ’ውን ኣብ ምፍጣር ርክባት ምስ ካልኦት ጉጅለታት የተኩሩ።2 ማሕበራት ብዛዕባ ምምዕባል ውጥናት፡ መደባት፡ ቦታታት ከምኡ’ውን ዓቕሚሰብ ይግደሱ።3 ገዘፍቲ ማሕበራዊ እካቤታት ከም ማሕበረኮማት፡ ሃገራት ዝኣመሰሉ ብወገኖም፡ ኣብ ንዕኦም ዝምልከት ዓይነት ምዕባሌ፡ ከም ምዕባሌ ማሕበረኮም፡4 ሃገራዊ ምዕባሌ፡5 ከባብያውን ዞባውን ምዕባሌ6 ብምድሃብ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ምዕባሌ7 ኣበርክቶ ክህልዎም ይህንጠዩ።
ስለ’ዚ ‘ምዕባሌ’ ካብ ኣፍ ብዙሓት ዝስማዕ ምዃኑ ክንድቲ ዘገርም ኣይኰነን። ተራ ሰባት ‘ምዕባሌ’ መፍትሒ ኩሉ ሽግራት ኢዩ ብዝእምት ኣገባብ ይዛረቡ። ሰበስልጣናት ብምዕባሌ ተኣምራት ከምዝፍጸም የተንብሁ። ሞያውያን ብኹሉ ሓይልና ንምዕባሌ ክንጋደል ይመኽሩ። መራኸቢታት ሓፋሽ ብወገኖም ውዳሴ ምዕባሌ ይዝምሩ።
ካብ መግለጺታት ከምንዕዘቦ፡ ምዕባሌ መፈጸሚ መንገዲ ወይ’ውን ዝህረም ሸቶ ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት ብእኡ ገይሮም ገንዘባዊ፡ ነገራውን ዓቕሚሰባውን ትሕዝትኦም ከኻዕብቱ ስለዝጽዕሩ፡ ምዕባሌ መፈጸሚ መንገዲ ኢዩ። ውሑዳት ዘይኰኑ ካልኦት ብወገኖም፡ ንምዕባሌ ባዕሉ ከም ክጭበጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ዕላማ ገይሮም ኣብ ኣጀንድኦም ስለዘቐምጥዎ፡ ምዕባሌ ሸቶ’ውን ኢዩ።
ትርጓሜ ምዕባሌ ብዝምልከት፡ ዘይከም ዝውታሬ ኣጠቓቕማኡ፡ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ኣይኰነን። ዝተፈላለዩ ምሁራን ኣብ በብበይኖም ገጻት ምዕባሌ ስለዘተኩሩ፡ እቲ ኣምር ዝተፈላለዩ ትርጓሜታት ኣለዎ። እንተዀነ ግን፡ ምሁራን ኣብ ሓደ ነጥቢ ይሰማምዑ ኢዮም። ንሱ ከኣ ንሕብረተሰባዊ ምዕባሌ ኣብ ዝምልከት ኢዩ። “ምዕባሌ ብመሰረቱ ንኹሉንትና ሕብረተሰብ — ማለት ቁጠባዊ፡ ማሕበረ-ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ኣካላውን ኣቃውማታት ከምኡ’ውን ንስርዓተ ክብርታትን መነባብሮ ሂወትን ህዝቢ — ዘሳትፍ መስርሕ ለውጢ ኢዩ”።
ኣምር ምዕባሌ ንኽንርዳእ መታን ክሕግዘና፡ ገለ ካብ ጸለውቲ ዓውደትምህርታውያን መግለጺታት ‘ሕብረተሰባዊ ምዕባሌ’ ኣብ መጻኢ ከቕርብ ኢየ።
መወከሲ ነጥብታት
- Madeline Miles. What Is Personal Development and Why Is It Important? Retrieved 01/16/2024. ↩︎
- Devon Denomme and Sherri Hartzell. Group Development – Stages & Examples. Retrieved 01/16/2024. ↩︎
- Association for Talent Development (ATD). What is Organization Development – The 5 Phases of Organization Development Strategies. Retrieved 01/16/2024. ↩︎
- James A. Christenson. Community Development. Retrieved 01/16/2024. ↩︎
- Pritchett, Lant (2021) National Development Delivers: And How! And How? Center for International Development: Harvard University. Accessed 01/16/2024. ↩︎
- Pike, Andy; Rodriguez-Pose, Andres; and Tomaney, John (2006) Local and Regional Development. Routledge: London and New York. ↩︎
- Fukuda-Parr, Sakiko. Theory and Policy in International Development: Human Development and Capability Approach and the Millennium Development Goals. International Studies Review, vol. 13, no. 1, 2011, pp. 122–32. ↩︎