ኣስማት ኣዋርሕ ዓመት ብቋንቋ ትግርኛ ከምኡ’ውን ትርጉማቱ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ፣
መስከረም፣ እዚኣ ቀዳመይቲ ወርሒ ዓውደግዜ ግእዝ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ክልተ ቃላት ግእዝ ብምሕዋስ ዝቘመ ኢዩ። ንሳቶም ከኣ “መሴ” ከምኡ’ውን “ከረም” ኢዮም። “መሴ” ዝብል ቃል ናብ “ዓረበ”፡ “ከደ”፡ “ሓለፈ”፡ ወዘተ ይትርጐም። “ከረም” ድማ “ክረምቲ” ማለት ኢዩ። ስለ’ዚ “መስከረም” ማለት “ክረምቲ ሓለፈ” ማለት ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኤሪ-ኢቲዮጲያ፡ ወቕቲ ዝናብ ዝዀነ ክረምቲ ኣብ ወርሓት ሰነ፡ ሓምለን ነሓሰን ናይ ግሪጎሪያዊ ዓውደኣዋርሕ የጋጥም። መስከረም ኣብ ዕራርቦ ዕለት 10/11 መስከረም ናይ ዓውደግዜ ግሪጎሪዮስ ስለእትጅምር፡ እዛ ወርሒ እታ ምኽታም ዘናብን ጨቃውን ወቕቲ ክረምቲ ከምኡ’ውን ምምጻእ ውሁብን ምቹእን ወቕቲ ቀውዒ እተበስር ወርሒ ኢያ።
ጥቅምቲ፣ ካልአይቲ ወርሒ ናይ ያታዊ ዓውደግዜ ኢቲዮ-ኤሪትራ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ጠቀመ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኢዩ። “ጠቓሚ”፡ “ኣድላዪ”፡ ወዘተ ድማ ይትርጐም። ስለ’ዚ “ጥቅምቲ” ማለት ጠቓሚ ወርሒ ማለት ኢዩ። መኽንያቱ ድማ ብዙሓት ዘራእቲ ዝኣኽሉሉን ዓጺድ ዝጅምረሉን እዋን ስለዝዀነ ኢዩ።
ሕዳር፣ ሳልሰይቲ ወርሒ ናይ ዓውደኣዋርሕ ግእዝ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ሓደረ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኢዩ። “ለይቲ ኣሕለፈ” ከኣ ይትርጐም። እዚ እዋን ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኢቲዮ-ኤሪትራ ግዝያት ዓጺድ ስለዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት መታን ዘራእቶምን ዝተኣከበ ኣእካሎምን ካብ ወረራ እንስሳታት ዘገዳም ክሕልዉ፡ ኣብ ግራውቶምን ዓውድታቶምን ዝሓድርሉ እዋን ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ እዛ ወርሒ ሕዳር፡ ማለት ኣብ ደገ ዝሕደረላ ወርሒ ዝተባህለት።
ታሕሳስ፣ ራብዐይቲ ወርሒ ናይ ያታዊ ዓውደግዜ ኤሪ-ኢቲዮጲያ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ታሓሠሠ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኢዩ። “ሓንሰሰ”፡ “ወድአ”፡ “ጸረገ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። ስለ’ዚ ታሕሳስ ማለት ዝሕንሰሰሉ ወርሒ ማለት ኢዩ። መኽንያቱ ድማ እዚ እዋን ምእታው ዘራእቲ ዝዛዘመሉ፡ ምዕጻድን ምኽያድን ደንጐይቲ ኣእካል ዝውዳኣሉ ወርሒ ስለዝዀነ ኢዩ።
ጥሪ፣ ሓሙሸይቲ ወርሒ ያታዊ ዓውደግዜ ኢቲዮ-ኤሪትራ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ነጠረ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኰይኑ፡ ስማዊ ኣቃውምኡ ከኣ “ነጥሪ” ኢዩ። “ዘለለ”፡ “ለዓለ”፡ ወዘተ ድማ ይትርጐም። እዛ ወርሒ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኢቲዮ-ኤሪትራ፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀውዒ (ጥቅምቲ-ታሕሳስ) እትመጽእ ወርሒ ስለዝዀነት፡ እዋን ሽሻይን ደስታን ኢያ። ቆፎታት ምሉኣት ስለዝዀኑ፡ መርዓታትን ዝተፈላለዩ ጽንብላትን ዝግበረሉ ግዜ ኢዩ። በዚ መኽንያት ድማ ኢያ ዝዝለለላ ወርሒ ዝተባህለት።
ገለ ሰባት ግና ጥሪ ካብ “ጠሐር” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ቃል ብርተዐን ሓይልን ዘመልክት ኰይኑ፡ እዛ ወርሒ ብመኽንያት ምልኣት ምህርቲ እዋን ጽጋብን ዱልዱል ጉልበትን ከምዝዀነት ዘረድእ ኢዩ።
ለካቲት፣ ሻዱሸይቲ ወርሒ ናይ ዓውደግዜ ግእዝ ኢያ። ስማ ካብ “ከተተ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኢዩ። “ኣእተወ”፡ “ኣከበ”፡ “ኣምጽአ”፡ ወዘተ ድማ ይትርጐም። እዚ ግዜ ሰባት ንክውንነት ከቕልብሉ ዝጅምሩ እዋን ኢዩ። ቀልቦም ካብ ድግስን ውራይን ናብ ሂወትን ናብራን ይምለስ። እቶቶም ካብ ምብኻን ክቑጠቡ ይጅምሩ። ንሓጋይ፡ ጽድያን ክረምትን ዝዀኖም እኽሊ ከምኡ’ውን ንጥሪቶም ዝምግብ ሓሰር ይኽዝኑ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ ወርሒ ምኽታት ወይ ምእካብ ዝተባህለት።
መጋቢት፣ ሻወዐይቲ ወርሒ ያታዊ ዓውደግዜ ኢቲዮ-ኤሪትራ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “መገበ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኢዩ። “መግቢ ሃበ”፡ “ጠወረ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። ዋላ’ኳ እዚ እዋን ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኢቲዮ-ኤሪትራ ሓጋይ ናብ ምውድኡ እንተዀነ፡ ሰባት ብቐሊሉ በቲ ካብ ዝሓለፈ ቀውዒ ዝኣከብዎ እቶት ዝጥወርሉ ግዜ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ መጋቢት ወይ ጠዋሪት ወርሒ ዝተሰምየት።
ሚያዝያ፣ ሻሙነይቲ ወርሒ ዓውደግዜ ግእዝ ኢያ። ሱር ቃል ስም ናይ’ዛ ወርሒ “መሓዘ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ኢዩ። “ዓረኸ”፡ “ተማሕዘወ”፡ “ሓዘ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። እዚ እዋን ጽልዋ ናይ ንቑጽ ወቕቲ ዝራኣየሉ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ትዕግስትን ምትሕብባርን ዘድልየሉ ግዜ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ ወርሒ መሓዝ ኢያ ዝተባህለት።
ግንቦት፣ ታሸዐይቲ ወርሒ ያታዊ ዓውደግዜ ኢቲዮ-ኤሪትራ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ገነበ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኢዩ። “ሃነጸ”፡ “ኳዓተ”፡ “ሰረሐ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኤሪ-ኢቲዮጲያ፡ እዛ ወርሒ ቅድሚ ዝናብ ክረምቲ ምፍላሙ ዘላ ወርሒ ስለዝዀነት፡ ሓረስቶት ግራውቶም ንዘራእቲ ዘዳልውሉ ግዜ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ ወርሒ ምኹዓት ወይ ምህናጽ ዝተባህለት።
ሰነ፣ ዓስረይቲ ወርሒ ዓውደግዜ ግእዝ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ሰናይ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኢዩ። “ግሩም”፡ “ጽቡቕ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። እዚ እዋን ዝናብ ክረምቲ ዝጅምረሉ ኢዩ። ዝቓደረ መሬት ይሓዊ፡ ሳዕርን ኣታኽልትን ይበቕሉ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ ሰናይ ወይ ግርምቲ ወርሒ ዝተሰምየት።
ሓምለ፣ ዓሰርተ-ሓደው ወርሒ ያታዊ ዓውደግዜ ኢቲዮ-ኤሪትራ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ሓመለ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኢዩ። “ቀጠልያ ኰነ”፡ “ቈጸለ”፡ “ሓምሊ ኰነ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኤሪ-ኢቲዮጲያ እኹል ጠሊ ስለዘሎ፡ ምድሪ ብቈጽለመጽልን ኣሕምልትን እትኽደነሉ ግዜ ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብ ኤሪ-ኢቲዮጲያ ጀራዲን ምውናን ልሙድ ስለዘይነበረ፡ እዛ ወርሒ ብብዝሒ ሰባት ኣሕምልቲ ካብ ውህበት ተፈጥሮ ዝምገቡላ ግዜ እውን ኢያ። ስለ’ዚ ድማ ወርሒ ሓምሊ ዝተባህለት።
ነሓሰ፣ ዓሰርተ-ክልተው ወርሒ ዓውደግዜ ግእዝ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ “ኣናሕሰየ” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኢዩ። “ሓደገ”፡ “መሓረ”፡ ወዘተ ከኣ ይትርጐም። እዚ እዋን ማይ ብብዝሒ ዝዘንበሉ ኢዩ። ዘራእቲ ዘድልዮም ጠሊ ዝረኽብሉን ምንጭታት ማይ ዝመልእሉን ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢያ ኣናሕሳይት ወርሒ ዝተሰምየት።
ጳጉሜ፣ እታ ናይ መወዳእታን ዘይልምዳዊትን ወርሒ ያታዊ ዓውደግዜ ኤሪ-ኢቲዮጲያ ኢያ። ስም እዛ ወርሒ ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝመጸ ኣይኰነን። ኣብክንድኡ ካብ “ኢጳጎሜኖስ” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝተወስደ ኢዩ።1 ትርጉሙ ከኣ “ዝተወሰኸ መዓልታት” ኢዩ። እዛ 5 ወይ 6 መዓልታት እትሕዝ ወርሒ ጳጉሜ ኣካል ዓውደግዜ ግእዝ ዝዀነትሉ መኽንያት፡ ዓውደወርሓዊ ዓመት ምስ ስነኮኾባዊ ዓመት2 ንምስምማዕ ኢዩ። ብማእከላይ ገምጋም፡ ሓደ ስነኮኾባዊ ዓመት 365.25 መዓልታት ንውሓት ኣለዎ።