ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዋላ’ኳ ብኣሰራርሕኡን ተግባራቱን ዓፋኒ ሓይሊ እንተነበረ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ንወጻእተኛታት ተዓዘብትን ግና ዴሞክራስያዊ ሽፋን ከርኢ ይዋሳእ ነይሩ። እዚ ድማ ልብን ቀልብን ኩሉ ኤርትራዊ ንምምሳጥ ከምኡ’ውን ናይ ደገ ተደናገጽቲ ንምርካብ ዝዓለመ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ 2 “ሃገራዊ ዴሞክራስያዊ ውጥን” ዝተሰየሙ ንድፍታት ኣቕሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሰነድ ኣብ ቦኽሪ ጉባኤ ህግሓኤ ጥሪ 31 1977 ጸዲቑ። እቲ ዝሰዓበ ድማ ኣብ መጋቢት 1987 ኣብ መደምደምታ ካልኣይ ጉባኤ ህግሓኤ ተሓቲሙ። ኣብ ክልቲኡ “ሃገራዊ ዴሞክራስያዊ ውጥናት” ህግሓኤ ብወግዒ ዴሞክራስያዊ መሰላት ህዝቢ ከምዝድግፍ ገሊጹ። ናጽነታት ምዝራብ፡ ሕትመት፡ ምእካብ፡ ኣምልኾን ሰላማዊ ሰልፍን ኣብ ክልቲኡ ሰነዳት ዝተጠቕሱ ኮይኖም፡ ናይ 1987 ንድፊ ብተወሳኺ ህግሓኤ መሰላት ሃገራውያን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከም ዘረጋግጽ ይሕብር።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክዉን ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ህግሓኤ ናብ ህግደፍ (ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን) ዝተለወጠሉ ሳልሳይ ጉባኤ ህግሓኤ፡ ለካቲት 1994፡ “ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ” ዝተሰየመ ውድባዊ ቻርተር ጸዲቑ። ብሓፈሻ “ሃገራዊ ቻርተር” ህግደፍ ንበብእዋኑ ብመሪሕነት ህግሓኤ ዝተዘርቡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት፡ ባህግታት፡ መረዳእታታት ከምኡ’ውን ተመስጦታት ሓዋዊሱ ብምቕራብ ፖለቲካዊ ፍሉይነትን ብስለትን ውድቦም ከርኢ ዝፍትን ሰነድ ኢዩ። እንተዀነ ግና ዝጥቀስ ኣእምሮኣዊ ብስለት ኮነ ፖለቲካዊ ፍሉይነት የብሉን። እኳ ደኣ ብነናሓድሕዶም ዝጻረሩ፡ ዝበለዩ፡ ዝደጋገሙን ዝተመንዉን ኣባሃህላታት ዘዕለቕለቐ ኢዩ።

ቻርተር ህግሓኤ/ህግደፍ ኣገባብ ዴሞክራሲ ካብ ትሕዝቶ ዴሞክራሲ ክፈላሊ ይፍትን። እዚ ኩላቶም “ንሓፋሽ ንውክል ኢና” ዝብሉ ምልካውያን ስርዓታት ዝጥቀምሉ መግዝኢ ሜላ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ቻርተር ህግደፍ ብኸመይ መንገዲ ዴሞክራስያዊ ክብርታትን መትከላትን ይትግበርን ይትከልን ኣነጺሩ ኣይገልጽን።

ኣብ ቻርተሩ፡ ህግደፍ ንፖለቲካን ትካላትን ሃገረ ኤርትራ ክቐርጹ ዝደልዮም ስነሓሳባውያን መምሪሒታት ተዘርዚሮም ኣለዉ። 6 መባእታውያን ሸቶታት ራኢ ህግደፍ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራ እዞም ዝስዕቡ ምዃኖም ይነግር፦

  1. ሃገራዊ ሓድነት፤
  2. ፖለቲካዊ ዴሞክራሲ፤
  3. ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባሌ፤
  4. ማሕበራዊ ፍትሒ (“ምዕሩይ ዝርግሐ ሃብቲ፡ ኣገልግሎታትን ዕድላትን ከምኡ’ውን ፍሉይ ኣተኩሮ ንብዝያዳ ዝተወጽዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ምሃብ” ብምባል ዝገልጾ)፤
  5. ባህላዊ ምሕዳስ፤ ከምኡ’ውን
  6. ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ህግሓኤ/ህግደፍ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን 35 ዓመታት ኣብ ባይታ ዝተፈጥረ ክውንነት እንተገምጊምና፡ ምስ’ዞም ዝተጠቕሱ ዘወናውኑ ሸቶታት ኣዚዩ ዝጻረር ኢዩ። ሎሚ ኤርትራ ብህግደፍ ዘቖሞ ገዛእ መንግስታ ተኸርዲና ትርከብ። ብመወዳእታ ዘይብሉ ምስምስ ህዝቢ ኩሉ ዓይነት በደላት ይወርዶ ኣሎ። “ማሕበራዊ ፍትሒ” ስኢኑ ጥራሕ ዘይኰነስ መባእታዊ መሰላቱ ከይተረፈ ተሓዲጉ ግዳይ ሕሰምን ስደትን ኰይኑ ይርከብ። መንግስቲ ኤርትራ ዝዀነ መተካእታ ድምጺ ወይ ሓሳብ ክስማዕ ኣይፈቅድን። ኩሉ ጸጋታትን ዓቕሚሰብን ንዓፋንን ወተሃደራውን ትካላት ኣብ ምድልዳል የውዕሎ። ብሕታዊ ወይ ነጻ ሕትመት ኮነ ትካል መራኸቢ ብዙሃን የለን። መንግስቲ ንሃይማኖታውያን ማሕበራትን ኣብያተ ኣምልኾን ከይተረፈ ይከታተልን ይቈጻጸርን። ባህ ኣብዝበሎ ንብግሉጽነት ዝዛረቡን ንመሰል ኣመንቲ ብጾቶም ዝከራኸሩን መራሕቲ ሃይማኖት የባርርን ይኣስርን። ምስ ሰላማዊ ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰሩ ትካላትን ውድባትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ከም ዘይርከቡ ንኹሉ ግሁድ ኢዩ። ደረጃ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ እንተሪኢና እውን ዘሕዝን ኢዩ። ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጭቈና ገዛእ ህዝባ፡ ብምፍራይ ስደተኛታትን ምፍጣር ዞባዊ ህኰትን እትልለ ሃገር ኰይና ትርከብ።

ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ህግሓኤ ካብ በረኻ ሒዝዎ ዝመጸ ኢሰብኣዊ ባህርያት ምግዳፍ ስለዝኣበየ ኢዩ። ንጐነጽ፡ መግሃስቲ፡ ምልኪ፡ ምትላልን ምድንጋርን ከም ፖለቲካዊ ሜላታት ምጥቃም ኣየቋረጸን። ጥዑም ቃና ዘለዎም ሰነዳት ንህዝባዊ ሃልክን ዲፕሎማስያዊ መኽሰብን ምምስራሕ ቀጺልዎ። ቻርተር ህግሓኤ/ህግደፍ ድማ ሓደ ካብቶም ፍርያት ኢዩ። እንተዀነ ኣብ’ቶም ከም ዋና መምሪሒታት ንትግባሬ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ “መባእታውያን ሸቶታት” ህግሓኤ/ህግደፍ ከም ዝዀኑ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓሳባት፡ ንሓቀኛ ጠባይ ህግደፍ ዝእምቱ ኣባህላታት ንረክብ።

“ሃገራዊ ሓድነት” ቀዳማይን ዝለዓለን መምርሒ ምክዋን ራኢ ህግሓኤ/ህግደፍ ከም ዝዀነ ኣብ ቻርተር ህግሓኤ/ህግደፍ ተኣዊጁ ንረኽቦ። ዋላ’ኳ እዚ መምርሒ ብደጊኡ ክትርእዮ ሰናይ ይምሰል እምበር፡ ትግባሪኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ሓያል “ሃገራዊ መንግስቲ” ከም ዝምርኰስ ስለዝጸቅጥ ንጭቈና ህዝቢ መንገዲ ዘጣጥሕ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ እንታይ ምዃኖም ኣነጺሮም ዘይተዘርዘሩ “ኩላቶም መቓቐልቲ ባህርያትን ንጥፈታትን” ክንጸጉ ከም ዘለዎም ስለዝጠቅስ ንዕፈና ነዃል ይኸፍት። ብተወሳኺ፡ “ሃገራዊ ረብሓ” ልዕሊ ኩሉ ነገር ክስራዕ ከም ዘለዎ ስለዝነግር ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ሓርነት ህግሓኤ ብጉልባብ “ኩሉ ኣድህቦና ኣብ ምስዓር መግዛእቲ ኢትዮጲያ ክኸውን ኣለዎ” ውልቃዊ መሰላት፡ ተሓታትነት መሪሕነት፡ ውድባዊ ግሉጽነት ከምኡ’ውን ዝተፈልየ ሓሳባት ተጋደልቲ ዝዀልፎ ዝነበረ ዘዘኻኽር ኢዩ።

“ሃገራዊ ረብሓ” ብዙሓት ምልካውያን ስርዓታት መሰላት ዜጋታት ንምግሃስ ዝጥቀምሉ ልሙድ ምኽኒት ኢዩ። እንተዀነ ግን “ሃገራዊ ረብሓ” ብዕምቆት እንተመርሚርናዮ ንመሰል ህዝቢ ከውሕስ እምበር ክጥሕስ ኣይግባእን። “ሃገራዊ ረብሓ” ድሕነትን ጠቕምታትን ሃገር ምሕላው ማለት ኢዩ። “ሃገር” ማለት ከኣ ብውሕዱ ህዝቢ፡ መሬት፡ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ከምኡ’ውን ዶብ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ኮይኑ፡ ብቑዕ ክባሃል እንተዀይኑ ንግቡኣት ዜጋታት ዘተግብርን መሰላት ዜጋታት ዘውሕስን መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ። “ሃገራዊ ረብሓ” ህዝቢ ከይሓዝካ ብፍጹም ክዉን ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። መኽንያቱ ህዝቢ ቀዳማይን ወሳንን ባእታ ሃገር ኢዩ። መሬት፡ ዶብ ኮነ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘይነበሮም ግን ከኣ ህዝቢ ስለዝነበረ ሃገር ዘቘሙ ሕብረተሰባት ብዙሓት ኢዮም። ንኣብነት ሃገረ እስራኤል። ብኣንጻሩ፡ ህዝቢ ስለዘይብሉ ሃገር ዘይኰነ መሬት ብዙሕ ኢዩ። ንኣብነት ኣህጉር ኣንታርቲካ። ስለ’ዚ ሓቀኛ “ሃገራዊ ረብሓ” ቅድሚ ኩሉ ኡፈይታን ቅሳነትን ህዝቢ ከረጋግጽ ይትልም። ኣገዳስነት ምሕላው ዶብ እንተዀነ’ውን ብቐንዱ ህዝቢ ዝቕመጠሉን ዝጥቀመሉን መሬትን ንምውሓስ ዝዓለመ ኢዩ።

“ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ” ካልኣይ መምርሒ ክኸውን ከሎ፡ “ውልቃዊ ውፉይነትን ርእሰ-ምብጃውን” ዝጉስጉስ “ሰባዊ ረቛሒ” ድማ ሳልሳይ መምርሒ ኢዩ። በዞም ክልተ ኣቢሉ ከኣ ፖሊሲታት ሃገራዊ ልምዓት ከም ዝትግበር ይገልጽ። እዚ ንህዝቢ ኣብ ዘይሓረዮን ኣብ ምምስርሖም እውን ኢዱ ዘይሓወሰሎም ብመንግስቲ ዝዋሃቡ ንጥፈታትን ፖሊሲታትን ከገልግል ዝድርኽ ጥራሕ ዘይኰነስ እንከላይ ዋጋ ክኸፍል ዘገድድ ኢዩ። “ውልቃዊ ውፉይነትን ርእሰ-ምብጃውን” ብፍላይ ንመሰላት ሂወት፡ ሓርነት ከምኡ’ውን ምጥራይ ንብረት ዜጋታት ብቕሉዕ ይግህስ። ንኤርትራውያን ውልቀሰባት መጻወቲ መንግስቲ ክዀኑ ይገብር።

እቲ ራባዓይ መምርሒ “ሃገራውን ማሕበራውን ቃልስታት ምትእስሳር” ዝብል ኮይኑ፡ ንህዝባዊ ሃልኪ ዝተቐመጠ ይመስል። “ርእስኻ-ምኽኣል” ኣብ ኩላቶም ዓውድታት (ፖለቲካ፡ ቁጠባ ከምኡ’ውን ባህሊ) ሓሙሻይ መምርሒ ቻርተር ህግደፍ ኢዩ። እቲ ግርምቢጥ ግን፡ ህግሓኤ/ህግደፍ ካብ ባዕዳውያን ኣካላት ዘይወሰዶ ናተይ ክብሎ ዝኽእል ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ኮነ ባህላዊ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ዘይብሉ ምዃኑ ኢዩ። ዋላ’ውን ኣምር “ርእስኻ-ምኽኣል” ካብ ሰውራ ኣልባንያ ዝተለቅሖ ኢዩ። ፖለቲካዊ ተሳትፎን ህዝባዊ ዘተን ዝኽልክል፡ ፖለቲካዊ ቁጽጽር ዘቐድም፡ ቁጠባ ሃገር ዝግብት ከምኡ’ውን ንነጻ ተዋሳእቲ ሕብረተሰብ ዝእግድ ፖሊሲታቱ ካብ ኣካይዳታት ሩስያውያን ቭላድሚር ለኒን ወ ዮሴፍ ስታሊን፡ ከምኡውን ቻይናዊ ማኦ ዜዶንግ ዘቀናበሮ ኢዩ። ባህላዊ ስርሓት ህግሓኤ/ህግደፍ ብማርክሳዊ-ለኒናዊ-ማኦነታዊ መረዳእታታት ዝእለም ኢዩ። ንያታዊ ባህልታትን ክብርታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ምድኻም ከኣ ዓቢ ተራ ተጻዊቱን ይጻወት ኣሎን።

ሻዱሻይን ናይ መወዳእታን መምርሒ “ተሪር ዝምድና ኣብ መንጎ ህዝብን መሪሕነት ውድብን” ዝብል ኢዩ። ንመሪሕነት ውድብ ህግሓኤ/ህግደፍ “ብቑዕን ኣድማዕን” ብምባል ባዕሉ ንባዕሉ ይውድስ። መራሕቲ ውድብ “ብሓሳብን መንፈስን” ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብኣካል እውን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ጣልቃ ክኣትዉ ከምዘድሊ ይሕብር። እዚ ንምልካዊ ባህሪ ህግደፍ መሊሱ ዘጋድድ ኢዩ። ንመሪሕነት ህግደፍ ከም ነባርን መተካእታ ዘይብሉን ገይሩ የቕርብ። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ፖለቲካዊ ውድብ ከይምስርትን ከየናድን’ውን ይዓግት።

ቻርተር ህግሓኤ/ህግደፍ ዴሞክራስያዊ መሰላት ከም ዝሕሎን ምምስራት ፖለቲካውያን ውድባት ከም ዝተባባዕን ይገልጽ። እንተዀነ ግን ኣብ ግብሪ ህግሓኤ/ህግደፍ ንኣምር ዴሞክራሲ ብማኦነታዊ-ለኒናዊ እምነቱ ይጥምዝዞ። ቻርተር ህግሓኤ/ህግደፍ’ውን ንዴሞክራሲ ኣብ ዝተፋላለዩ ገጻት ብዝገራጮ መንገዲ ስለዝዝትዮ “ዴሞክራስያዊ መሰላት” ክብል ከሎ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኣይኰነን። ከም’ቲ መብዛሕትኡ ሰብ “ዴሞክራሲ” ዝብል ቃል ክሰምዕ ከሎ ዝሓስቦ፡ ህግሓኤ/ህግደፍ ሓራዊ ኣተሓሳስባ ዴሞክራሲ የብሉን። ብሓራዊ ኣገላልጻ፡ “ዴሞክራሲ” ማለት “ምሕደራ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ” ማለት ኢዩ። ህዝቢ ባዕሉ ብዝመረጾ መንግስቲ ክማሓደር ኣለዎ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ከገልግል ኣለዎ (ህዝቢ ኣይኰነን ንመንግስቲ ከገልግል ዝግብኦ)። ፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ብሓራዊ ኣጠማምታ ምምቕቓል ስልጣን፡ ስሩዕ ምርጫ ከምኡ’ውን ብዙሕነት ሰልፍታት የመልክት።

እንተዀነ ሰበስልጣን ህግሓኤ/ህግደፍ ፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ሓርበኝነት፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ዘይሃይማኖታውነት ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ፍትሒ ከጠቓልል ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ይምድሩ። ንፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ምስ ቁጠባውን ማሕበራውን ዴሞክራሲ ወ ኣምራት ሃገራውነት ብምድብላቕ፡ ንፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ንምብላል ዝጥቀምሉ ስልቲ ድማ ኢዩ። ህዝቢ ንምድንጋር ከኣ የገልግሎም። ይኹን እምበር፡ ፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ክዉን ዝኸውን ካብ ቁጠባውን ማሕበራውን ዴሞክራሲ ተፈልዩ ምስ ዝትሓዝ ኢዩ። መኽንያቱ ንህዝቢ ፖለቲካዊ መሰላቱ መንዚዕካ ማሕበራዊ ፍትሒ ከተንግሰሉ ስለዘይከኣል። ሃገራውነት ህዝቢ ንኽተርር ድማ ዋንነት ሃገሩ ክስምዖ የድሊ። መን የማሓድሮን ብከመይ ዝበሉ ፖሊሲታትን ሕግታትን ይማሓደር ክውስን ዘይክእል ህዝቢ ግን ሃገራውነቱ ክድልድል ምጽባይ ርትዓዊ ኣይኰነን።

ቻርተር ህግሓኤ/ህግደፍ “ዴሞክራሲ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ብዝሒ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ስሩዕ ምርጫታትን ዘይኰነስ ኣብ ክዉን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ምቛም ውሳኔታት ኣብ ዝተፋላለዩ ጽፍሕታት ክምርኰስ ኣለዎ” ይብል። እዚ ድማ ዴሞክራስያዊ ተራ ህዝቢ ኣብ ምፍጻም ብመንግስቲ ዝተኣዘዞ እምበር፡ ኣብ ምሕራይ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይመርሖ ኣይኰነን የስምዕ። ህግሓኤ/ህግደፍ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምክያድ ሃገር፡ ብኣብ ባዕሉ ዝፈጥሮም ቅርጽታት፡ መስርሓት ከምኡ’ውን ንጥፈታት ዝግበሩ ንጡፍ ኣበርክቶታት ጥራሕ ክሕጸር ይደሊ። ንገዛእ ርእሱ ከም ንህዝቢ ኤርትራ ጐቲቱ ናብ ምዕባሌ ከብጽሕ ዝኽእል እንኮ ስልጣን ገይሩ ይሸይም።

ከም’ቲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝበሎ፡ ህግሓኤ/ህግደፍ ሓራዊ ዴሞክራሲ ንኤርትራ ከም ዘይምጥንን ግዚኡ ከም ዘይኣኸለን ይምጉት። ከም ቀንዲ መኽንያት ዝቐርብ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንሓራዊ ዴሞክራስያዊ ሂወት ድሉው ኣይኰነን ዝብል ምስምስ ኢዩ። ስለ’ዚ ባዕሎም ዘቑምዎ መንግስቲ ደረታትን ቁጽጽርን ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ከካይድ ይደልዩ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካን መሪሕነት ሃገርን ዝተወሰነ ከምኡ’ውን ዘገምታዊ ክኸውን ይብህጉ።

እንተዀነ ግን ከም’ዚ ዝበለ ምጉት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ከምኡ’ውን ምብሓት ስልጣን ብህግደፍ ንምውሓስ ዝተፋሕሰ ኢዩ። ከም’ቲ ሓርበኛ ጣሃ መሓመድ ኑር ኣብ 1996 ዝተዛረቦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 70 ዓመታት ኣብ 1946 ዝተፈላለየ ስነሓሳባትን ፖሊሲታትን ዝሓዛ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክምስርትን ፍልልዩ ከይዓገቶ ምስ ሓድሕዱ ብሰላማዊ መንገዲ ክዛራረብን ካብ ከኣለ፡ ሎሚ ፖለቲካዊ ብስለት የብሉን ምባል ጣቛ ዘለዎ ኣይኰነን። ፈደረሽን ምስ ኢቲዮጲያ ኣብ ዝቘመሉ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ 10 ዝዀና ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነይረን። ኣብ ግዜ ፈደረሽን እንተዀነ እውን ክሳብ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንትካላት ኤርትራ ብሓይሊ ዝፈንጥሓሉ እዋን፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ህላዊአን ቀጺሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ይውክሉኒ ኢዮም ዝበሎም ሰባት ናብ ባይቶ ኤርትራ ብስነስርዓትን ውሕልነትን ዝዓሰሎ ኣገባብ ይመርጽ ነይሩ። እቲ ሓቀኛ መኽንያት’ሲ ህግደፍ ንኹሉ ጽላታት ኤርትራ (ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ሕብረተሰብ) ብዘይመቐናቕንቲ ንበይኑ ክዕንድረሉ ስለዝደሊ ኢዩ።