ከም ኩሎም ግሪኻውያን ናይ ዘመኑ፡ ሄሮዶቶስ ንክፍለዓለም ኣፍሪቃ ሊብያ ብማለት ኢዩ ዝፈልጣ ነይሩ። ኣብ ኣጠቓቕማ “ሊብያ” ዝብል ቃል ግና ርጡብ ኣይነበረን። ንክፍለዓለም ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንከላይ ብዛዕባ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍሉይ ኣብ ዝዛረበሉ እዋናት ነዚ ቃል ይጥቀመሉ ነይሩ። አረ ንደቀባት ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ ጉጅለታት መቒልዎም፣ ሊብያውያን ከምኡ’ውን ኢቲዮጲያውያን። ንሊብያውያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣፍሪቃ ዝቕመጡ ኢሉ ክገልጾም ከሎ፡ ንኣፍሪቃውያን ኢቲዮጲያውያን ከኣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ (ካብ ግብጺ ንደቡብ) ዝርከቡ ኢልዎም። ብተወሳኺ፡ ሄሮዶቶስ ንኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዝሰፈሩ ፎኒቃውያን ከምኡ’ውን ግሪኻውያን ከም ነበርቲ ኣፍሪቃ ጠቒስዎም። ፎኒቃውያን ካብ ከባቢ ወሽመጥ ፋርስ ዝፈለሱ ክዀኑ ከለዉ፡ ግሪኻውያን ድማ ካብ ምድረግሪኽን ደሴታት ግሪኽን መጺኦም።1
ይኹን እምበር፡ ሄሮዶቶስ ብዛዕባ ብሄራውን ዓሌታውን ብዙሑነት ክልቲኣቶም ደቀባት ኣህዛብ ኣፍሪቃ ዘስተውዓለ ነይሩ። ዋላ’ኳ “ሊብያ” ዝብል ቃል ንኹሎም ኢቲዮጲያውያን ዘይኰኑ ኣፍሪቃውያን ንምግላጽ ይጠቀመሉ እምበር፡ ነቶም ሊብያውያን ኢሉ ዝሰመዮም ህዝብታት ከም ሓደ ዓሌታዊ ወይ ብሄራዊ ጉጅለ ገይሩ ኣየቕረቦምን። ኣብ ራባዓይ መጽሓፉ፡ ካብ ምዕራፍ 167 ክሳብ 196፡ ነቶም ኩሎም ዝፈልጦም ሊብያውያን ብሄራት ይዝርዝር። እቲ ዝራሓቐ ሄሮዶቶስ ብኣካል ክበጽሖ ዝኻኣለ ቦታ ኣፍሪቃ ከተማ ኤለፋንቲን2 ስለዝነበረ፡ ብዛዕባ ዓሌታት ኢቲዮጲያ ከም’ቲ ናይ ነገዳት ሊብያ ገይሩ ኣስፊሑ ቀቕርብ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓቲቱ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተመርኲሱ፡ ገለ ውሑዳት ነገዳት ኢቲዮጲያ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት መጽሓፉ ይጠቅስ። ከምኡ ብምግባር ድማ ኢቲዮጲያውያን ሓደ ብሄር ከምዘይኰኑ የረድእ።
ሄሮዶቶስ ብዛዕባ ግብጺ ዝተደናገረ መረዳእታ ኢዩ ነይርዎ። ከም መሰጋገሪ መሬት ኣፍሪቃን ኤሲያን ገይሩ ከኣ ኣቕሪብዎ። በቲ ሓደ ወገን፡ ንገማግም ማእከላይ ባሕሪ ግብጺ ከም ኣካል እታ ንሱ ዝፈልጣ ኤሲያ ገይሩ ክገልጾ ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቶም ጥቓ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዘይኰኑ ቦታታት ግብጺ ከም ኣካል ኣፍሪቃ ኣቕሪብዎም። ብተወሳኺ፡ ኣፍሪቃ ሓውሲ-ደሴት ምዃና ንምእማን፡ ንናይ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ደንደሳት ግብጺ ከም መበገስን መወድእን ነቑጣታት ዙርያ ኣፍሪቃ ስለዝጥቀመሎም፡ ክልቲኦም ገማግም ባሕሪ ግብጺ ኣካል ኣፍሪቃ ምዃኖም የመልክት።
ብዛዕባ ኣብ ታሪኽ ቀዳማይ ዝተመዝገበ ዕዉት ጉዕዞ መርከብ ኣብ ዙርያ ክፍለዓለም ኣፍሪቃ ሄሮዶቶስ ይሕብረና።3 ፋርኦን ኒቆ ዳግማዊ4 ዝመወሎም ፎኒቃውያን ባሕረኛታት ንክፍለዓለም ኣፍሪቃ ብዓወት ብመርከብ ክዀልዋ ኪኢሎም። ፈለማ፡ ካብ ወሽመጥ ኣቃባ ብምብጋስ፡ ናብ ኣንፈት ደቡባዊ-ምብራቕ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንሳፊፎም። ቀጺሎም፡ ብመጻብቦ ባብኤል መንደብ ብምሕላፍ መጀመርታ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ድሓር ከኣ ናብ ኣንፈት ደቡብ ብህንዳዊ ውቅያኖስ ተጓዒዞም። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ ናብ ምዕራብ ብምጥዋይ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣንሳፊፎም። ቀጺሎም፡ ብመጻብቦ ጂብራልጣር ብምሕላፍ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣትዮም። ናብ ሸነኽ ሰሜን ብምጉዓዝ ድማ ናብ ግብጺ ተመሊሶም። መገሸኦም ንምፍጻም ኩሉምሉ ሰለስተ ዓመታት ወሲድሎም። በብእዋኑ ኣብ ዝጐነፎም ገማግም መሬት ኣፍሪቃ ብምዕራፍ ከኣ ንስንቆም ዝኸውን እኽሊ ይዘርኡን ይዓጽዱን ነይሮም።
ሓቅነት እዚ ኣስታት 120 ዓመታት ቅድሚ ምውላዱ ዘጋጠመ ታሪኻዊ ፍጻሜ ንሄሮዶቶስ ዘጠራጠረ ነይሩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ፡ እቶም ባሕረኛታት ንኣፍሪቃ ብመርከብ ክዀልዋ ከለዉ፡ ጸሓይ ኣብ የማናዮም ከም ዝነበረት ስለዝተዛረቡ ኢዩ። ሄሮዶቶስ ምድሪ ክቢ ምዃና ይፈልጥ ስለዘይነበረ፡ ነዚ ነገር ክኣምኖ ኣይከኣለን። እንተዀነ ግን እዚ ንሄሮዶቶስ ዘጠራጠረ ሓበሬታ፡ እቶም ፎኒቃውያን ባሕረኛታት ብሓቂ ንክፍለዓለም ኣፍሪቃ ብመርከብ ከምዝዀለልዋ የረጋግጸልና።
መወከሲ ነጥብታት
- መጽሓፍ 4፡ ምዕራፍ 197። ↩︎
- ናይ ሎሚ ኣስዋን፡ ግብጺ። ↩︎
- መጽሓፍ 4፡ ምዕራፍ 42። ↩︎
- ፋርኦን ኒቆ ዳግማዊ ካብ 610 ክሳብ 595 ቅድሚ ልደተክርስቶስ ኣብ ግብጺ ነጊሱ። ↩︎
ምንጭታት
Herodotus (1890) The History of Herodotus. Translated into English by G. C. Macaulay. Digitally printed by Gutenberg 2001. Volume I. MacMillan and Co.: London and New York.
Herodotus (1920-1925) The History of Herodotus. With an English translation by A. D. Godley. Volumes I and II. Harvard University Press: Cambridge, MA.