ሰለስተ ኣዚዮም ኣገደስቲ ጥንቃቔታት ቆልቋል ሓበሻ ኣለዉ። ቀዳማይ፡ እዚ ተኽሊ ብዙሕ ብርሃንጸሓይ፡ እንተተኻኢሉ እውን ምሉእ ወቕዒ ጸሓይ ከም ዝረክብ ግበር። ከምኡ ምግባር ጥዑይ ዕብየት የውሕስ። ካልኣይ፡ ሓመዱ ምሉእብምሉእ ከምዝደረቐ ቅድሚ ማይ ምስታይካ ኣረጋግጽ። ካብ ዓቐን ንላዕሊ ማይ ምስታይ ምምሽማሽ ሱር የስዕብ። ንሱ ከኣ ኢዩ እቲ ቐንዲ ኣብዚ ተኽሊ ዘጋጥም ዘሻቕል ክስተት። ሳልሳይ፡ እዚ ተኽሊ ኣብ ጽቡቕ ነፋሻነት ዘለዎ ቦታ ኣንብሮ። ከምኡ ምግባር ካብ ተርእዮ ሰፍናጋዊ ሽግራት ይከላኸል።
ቆልቋል ሓበሻ ብኣሳሓይታ ተጠቃዒ ኢዩ። ኣብ ኣሳሓይታ ዘይብሉ ስፍራታት ጥራሕ ክትከል ኣለዎ።
ከም፣ቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፡ ገረብ ቆልቋል ሓበሻ ልኡም ጽላል ይጻወር። ኣብ ጽላል ክበቝል እንተጸኒሑ ብሃንደበት ካብ ጽላል ናብ ጸሓይ እንተተንቀሳቒሱ ብርቱዕ ንደት ስለዝጐንፎ ግና፡ ቅድሚ ናብ ምሉእ ጸሓይ ዘለዎ ቦታ ምስግጋሩ በብቑሩብ ጸሓይ ክለማመድ ኣለዎ።
ሓያል ንፋስ ንኣካላዊ ትርኢት ቆልቋል ሓበሻ ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል ኢዩ። ዓንድታት ጨናፍር ናይቲ ገረብ ምስ ነሓድሕዶም ከጋጭዎም ስለዝኽእል። እዚ ድማ ቀዋሚ በሰላታት የስዕብ። ስለዝዀነ፡ መልክዕ እትውንኖ ቆልቋል ሓበሻ ክትዕቅቦ እንተደሊኻ ኣብ ሓያል ንፋስ ዘየሸግረሉ ቦታ ክትተኽሎ ይምረጽ።
ቆልቋል ሓበሻ ንምቕራጽን ምጭንፋርን ክቕምቀም ይኽእል። ቅርጹ ንምሕላው ቀምቅሞ። ዝሞተን ዝተጐድአን ጨናፍሩ እለዮ። ኣብ ወቕቲ ዕብየቱ እንተተቐምቀመ ይምረጽ። ጽሩይን በሊሕን መሳርሒታት ተጠቀም። ካብ መርዛም ነዝዑ ነብስኻ ንምክልኻል ድማ ጓንቲ ልበስ።
ጥንቃቐታት
ከም ዳርጋ ኩላቶም ቆልቋላት፡ ተኽሊ ቆልቋል ሓበሻ ተባላዒ፡ መርዛም፡ ጸባዊ ነዝዒ ኣለዎ። ንቖርበት እንተተንኪፉ ነድርን ምሽልባጥን ከስዕብ ይኽእል። ናብ ዓይኒ እንተኣትዩ፡ ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ ዑረት ከኸትል ይኽእል ኢዩ። ስለዝዀነ፡ ምስ ቁርጽራጽ ቆልቋል ሓበሻ ክትሰርሕ ከለኻ ጓንቲ ምልባስ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ቆልቋል ሓበሻ ምስ ቀምቀምካ ከኣ ነቲ መቐምቀሚ ኣበርቲዕካ ኣጽርዮ። ከምኡ ምግባር ዘይተደልየ ምትንኻፍ ነዝዒ ይውግድ። ነዝዒ ቆልቋል ሓበሻ እንተተጸይቕካ፡ ቅድሚ ምንጻህካ ገጽካ ኰነ ኣዒንትኻ ኣይትተንክፍ። ብማይን ሳምናን ተሓጸብ።
ተኽሊ ቆልቋል ሓበሻ ንእንስሳታት እውን መርዛም ኢዩ። ነዝዑ ነድሪ ቆርበት ከስዕብ ይኽእል። እንተተዋሒጡ ድማ ብርቱዕ ጸገም መዓናጡ ከስዕብ ይኽእል። ነዚ ተኽሊ ብጥንቃቐ ሓዞ። ካብ ቆልዑን እንስሳታት ዘቤትን ኣርሕቆ።
መወከሲታት
Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.
Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.
EarthOne. How To Grow Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://earthone.io/plant/euphorbia%20abyssinica?srsltid=AfmBOop5q_kv9MqJ6plOlrZFFDvN_XXuMdCHr9ELK8Iu3I0TFFiKEswn
Encyclopedia of Living forms. “Euphorbia abyssinica” Text available under a CC-BY-SA Creative Commons Attribution License. www.llifle.com 14 Nov. 2005. 06 Sep 2025. Retrieved from https://www.llifle.com/Encyclopedia/SUCCULENTS/Family/Euphorbiaceae/1958/Euphorbia_abyssinica
Fern, Ken (2025) Euphorbia abyssinica J.F.Gmel. Useful Tropical Plants. Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-06. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Euphorbia+abyssinica
Oxford University, Department of Biology. Oxford University Plants 400: Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://herbaria.plants.ox.ac.uk/bol/plants400/Profiles/EF/Euphorbab
PictureThis. How to Grow and Care for Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://www.picturethisai.com/care/Euphorbia_abyssinica.html
Plant Resources of Tropical Africa (PROTA). Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://prota.prota4u.org/protav8.asp?g=pe&p=Euphorbia%20abyssinica
Royal Horticultural Society (2025) Euphorbia abyssinica – Abyssinian spurge. RHS Gardening. Retrieved from https://www.rhs.org.uk/plants/7035/euphorbia-abyssinica/details
World of Succulents. Euphorbia abyssinica (Desert Candle). Retrieved from https://worldofsucculents.com/euphorbia-abyssinica-desert-candle/#google_vignette