ሄሮዶቶስ ንወተሃደራዊ ኣጽዋርን ኣለባብሳን እቶም መሻርኽቲ ንጉስ ዘርቅሲስ ቀዳማዊ ብምዃን፡ ኣብ ካልኣይ ናይ ፋርሳውያን ወረራ ግሪኽ (480-479 ቅድሚ ልደተክርስቶስ) ዝተሳተፉ ልዕሊ ግብጺ ዝቕመጡ ዝነበሩ ጥንታውያን ኢቲዮጲያውያን ከም’ዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ፣

“እቶም ኢቲዮጲያውያን ቆርበታት ኣናብርን ኣናብስን ዝተጐምጐሙ ነይሮም። ካብ ጭዳድ ኦምስየ ዝተሰርሑ፡ ካብ ኣርባዕተ እመት1 ዘይሓጽሩ፡ መንትጋት፡ ከምኡ’ውን ኣብክንዲ ብሓጺን፡ ብንመቕረጺ ማሕተም ዝጥቀምሉ በሊሕ እምኒ ዝወጠሙ ናኣሽቱ ቀስትታት ሻምብቆ ሒዞም ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ከም ጭማራ ዝበልሑ፡ ብቅርኒ ጤለበዱ ዝራእሰኑ ኲናውትን ለዓት ዘለዎም ሻፎታትን ነይርዎም። ናብ ውግእ ክኣትዉ ከለዉ፡ ንፍርቂ ሰውነቶም ብጻዕዳ ኩሩሽ፡ ነቲ ዝተረፈ ሰውነቶም ከኣ ብቀይሕ በለቕ ይለኽይዎ።”2

መወከሲ ነጥብታት

  1. እዚ ማለት፡ ክንዲ ቁመት ሰብ ዝኸውን ነዊሕ-መንትግ ማለት ኢዩ። ↩︎
  2. Herodotus (1890) The History of Herodotus. Volume II. Book VII. Chapter 69. Translated into English by G. C. Macaulay. Digitally printed by Gutenberg 2001. MacMillan and Co.: London and New York. ↩︎