ዓየ ብተፈጥሮ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብብዝሒ ዝተዘርወ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ደቡብምዕራባዊ ክፋል ሓውሲደሴት ዓረብ እውን ዝርከብ፡ ማእከላይ ክሳብ ዓቢ፡ ክልአሰብነታዊ ገረብ ኢዩ። ስነተኽለኛታት ብሓፈሽኡ ከም ሓውሲ-ኣርጋፊ ክሳብ ወትሩሓምላይ ዝምድብዎ ይኹኑ እምበር፡ ጠባዩ ኣዚዩ ረዓሚ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብርክት ዝበለ ፍላያትን ቈይምታትን ኣለዎ። ገረብ ዓየ ቆማት፡ ትኽ ዝበለ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡሳዕ ካብ 15 ክሳብ 25 ሜትሮ ዝበጽሕ ንውሓት ኣለዎ። ጽዑቕ ኣቝጽልቲ ዝሓዘ ኣዚዩ ጨንፋር ዘውዲ ይውንን። ክሳብ ልዕሊ 5 ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽእል ዙርያ ዘለዎ፡ ዝተዳላደለ ጉንዲ ዘካተተ ኢዩ። ልዕሊ 200 ዓመታት ብሂወት ክጸንሕ ዝኽእል በዓል ነዊሕ ዕምሪ ኢዩ።

ዓየ ዝተጠናነገ ስነከባብያዊ ስርዓት ኣለዎ። ምስ ብዙሓት ሂያውያን ህዋሰኛታት፡ ከም ሓራምዝ፡ ኣህባይ፡ ወኻሩ፡ ኣዕዋፍ፡ ወ ሓሳኹ ዝበሉ፡ ዝነኣድ ተመላላእነትን ሕብረመንብሮኣዊ ጥልፍላፍን ኣለዎ። ህላዊኡ ኰነ ምጕልዕላዑ ኣብ ዝተሓላለኸ፡ ካብ ባይታ ክሳዕ ላዕላይ ገረብ ዝተዘርግሐ፡ ፍሕሶ ዝምድናታት ንተዓዋወት ዝተሃንጸ ኢዩ። ገረብ ዓየ ብብዙሓት ሂወታውያን ፍጡራት ዝፍቶ ዝብላዕ ምቁር ፍረ ኣለዎ። ብሰፍናግን ፍልሖን ዝጻወር፡ ኣዚዩ ተሪር፡ ልሙጽ፡ ደባን ዝሕብሩ ዕንጸይቱ እውን ህቡብ ኢዩ። ፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ከምዝበልዎ፦

“ዓየ፡ ንኣብነት፡ ንኽትዓዮ እምብዛ ኣጸቢቑ ዝጠንከረ መሳርሒታት የድሊ። ኣብ ምምስራሕ ኣስናን መድሎ መንኰርኰር ኣዚዩ ኣርባሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”

ዓየ ናብ መዛግብ ስነተኽሊ ብጻዕርታት ሰለስተ ስነፍልጠተኛታት ኣትዩ። ንሳቶም ከኣ ጆርግ ዊልሄልም ሽምፐር፡ ክርስትያን ፈርዲናንድ ፍረድሪክ ሆችስተተር፡ ከምኡውን ኣልፈንስ ፓይረም ደ ካንድል ኢዮም። ጆርግ ዊልሄልም ሽምፐር፡ ንምድረሓበሻ መረቤቱ ዝገበረ ጀርመናዊ ስነፍልጠተኛ ተፈጥሮ፡ መርኣያታት ገረብ ዓየ ዘቕረበ ነይሩ። ነቶም ክፍለኣካላት ተኽሊ ካብ ጭላጨቕነ፡ ከባቢ ሩባ ተከዘ፡ ትግራይ፡ ኣርይዎም። ነቶም መርኣያታት ዓየ ድሕሪ ምእካቡ፡ ኣንቂጹን ብስነተኽላዊ ኣገባብ ጨፍሊቑን ናብኣብ ጀርመን ዝነበረ መሳርሕቱ ክርስትያን ፈርዲናንድ ፍረድሪክ ሆችስተተር ብመርከብ ልኢኽዎም።

ጆርግ ዊልሄልም ሽምፐር ብትውልዱ ጀርመናዊ፡ ብሞይኡ ክኢላ ተፈጥሮ እኳ እንተነበረ፡ ብምርጭኡን መንብርኡን ግና ሓበሻዊ ዜጋን ሹመኛን ኰይኑ። ሓበሻውያን “ሳምበር” (ብልሻው ናይ እንዳ ስሙ ዝዀነ “ሽምፐር”) ብምባል ይጽውዕዎ ነይሮም። ከም ጠቢብን ሓኪምን ድማ ይቘጽርዎ ነይሮም። ኣብ ምድረትግርኛ ካብ 1837 ክሳብ 1878 ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ተቐሚጡ። እዚ ድማ ካብ 33 ዓመቱ ክሳብ ሞቱ ኣብ 74 ዕድሚኡ ማለት ኢዩ። ጽቡቕ ምልከት ቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣጥርዩ። ሰበይቲ ካብ ዓድዋ ተመርዕዩ ቆልዑ ካብኣ ወሊዱ። እሙን መኰነን ናይ ደገዝማት ዉቤ ሃይለማርያም፡ መስፍን ምድረትግርኛን ሰሜንን፡ ነይሩ። ካብ 1843 ክሳብ 1855 እውን ሹም ወረዳ እንትጨው ገይሩ መዚዝዎ።

ይኹን እምበር፡ ሳምበር ካብ ልቡ ስነፍልጠተኛ ኢዩ ነይሩ። ርጡብ ኣእምሮኣውን ስነፍልጠታውን ሂወት ክሳዕ መወዳእታ ዓቂቡ። ንተፈጥሮኣዊ ሂወት ምድረትግርኛን ሰሜንን ብፍላይ፡ ንናይ ምድረሓበሻ ከኣ ብሓፈሻ ዝሰነደ መዳርግቲ ኣልቦ ስርሓት ገዲፉ ሓሊፉ። ኣበርክቶታት ሳምበር ንስነተኽሊ፡ ስነእንስሳ፡ ስነምድሪ፡ ስነማዕድን፡ ጽንዓተምድሪ፡ ስነከባቢ፡ ስነላዕሊ፡ ወ ስነብሄር ዝሽፍን ኢዩ። ኣማኢት ሓደስቲ ፍጣራት ተኽሊ ኣለልዩ (ብዙሓት ካብኣቶም ብስሙ ስነፍልጠታዊ መጸውዒ ተዋሂብዎም ኣሎ)። ኣእላፍ መርኣያታት ኣትክልቲ፡ ስነምድራውን ስነማዕድናውን ኣብነታት ኣኪቡን ዓቒቡን። ካርታታት ኣዳልዩ። ቅርጡው መዝገብ ክስተታት ኩነተኣየር ንዓሰርተታት ዓመታት ሰኒዱ። ገለጻብሄራዊ ትዕዝብትታቱ ጽሒፉ፡ ወዘተረፈ። ሳምበር ንዝኣከቦ በብግዚኡ ብመርከብ ናብ ትካላት ምርምር ኤውሮጳ ይልእኽ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ዝርዝራዊ ስነፍልጠታዊ ጽሑፋት ናብ ስነፍልጠታዊ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ይሰድድ ነይሩ። ስርሓቱ ዋላውን ሎሚ ዝዓበየ መወከሲ ስነተኽላዊ ታሪኽ ኢቲዮጲያን ኤሪትራን ኢዩ። ኣብ ልዕሊ፣ዚ፡ ኣበርክቶታት ሳምበር ኣብ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ሰሜን ኣፍሪቃን ምድረዓረብን (ብፍላይ ንናይ ሓውሲደሴት ሲናይ፡ ከባቢታት ካይሮ፡ ምብራቓዊ ምድረበዳ ግብጺ፡ ገማግምባሕሪ ኣልጀርያ፡ እግሪእግሪ ኣኽራናት ኣትላስ፡ ወ ዞባ ሂጃዝ ስዑዲ ዓረብ) መሰረታዊ ኢዩ።

ንዓየ ከም ፍጣር ተኽሊ ዘቘመ፡ ከምኡውን ፈለማ ስነፍልጠታዊ መጸውዒ ዝሃበ ስነተኽለኛ፡ ጀርመናዊ ክርስትያን ፈርዲናንድ ፍረድሪክ ሆችስተተር ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ሕጋጋት ስነተኽሊ ዝጠልቦ ብስርዓት ንብዛዕባ ዓየ ዘካየዶ ምርምራት ኣየሕተመን። ኣብ መወዳእትኡ ቅቡልነት ዘልበሶን ብወግዒ ዘሕተሞን ስዊዘርላንዳዊ ስነተኽለኛ ኣልፈንስ ፓይረም ደ ካንድል ኢዩ። ወግዓዊ ስነፍልጠታዊ መግለጺ ዓየ ኣብ 8ይ ቅጺ ናይ ብኣቡኡ ዝተጀመረ Prodromus Systematis Naturalis Regni Vegetabilis ዘርእስቱ ስነተኽላዊ መሰናድኦ ኣብ 1844 ኣካቲቱ።

ስነምደባዊ ኣሰራርዓ

ንብጆርግ ዊልሄልም ሽምፐር ዝተዳለወ መርኣያታት ከምኡውን ብክርስትያን ፈርዲናንድ ፍረድሪክ ሆችስተተር ዝተበርዐ ስነተኽላዊ መብርሂታት ተጠቂሙ፡ ስዊዘርላንዳዊ ስነተኽለኛ ኣልፈንስ ፓይረም ደ ካንድል ስነፍልጠታዊ መግለጺ ዓየ ብኣብቲ እዋን ቋንቋ ስነፍልጠት ናይ ኤውሮጳ ዝነበረ ልሳነ ላቲን ኣብ 1844 ጽሒፉ። ኣብ Prodromus Systematis Naturalis Regni Vegetabilis ዘርእስቱ፡ ንኹሉ ኣብቲ እዋን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠ ፍጣር ዘርኣዊ ተኽሊ ክምድብን ክገልጽን ዝሃቀነ፡ 17 ቅጽታት ዘለዎ ያሒት መሰናድኦ ተሓቲሙ ድማ ይርከብ። እዚ መጽሓፍ ሓደ ካብቶም ኣዚዮም ኣገደስቲ መሰረታውያን መዝገባት ስነተኽላዊ ታሪኽ ኢዩ።

ስነፍልጠታዊ ስም ዓየ “ፍረመለኮት ዓየ” ኢዩ። ኣብ ስነምደባ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ተቐሚጡ ንረኽቦ፦

  • ሕዝኣት፥ ሓቀኛውሻጥያ
  • ንግስነት፥ ኣትክልቲ
  • ምቕሊ፥ ሰራውራዊ-ኣትክልቲ
  • ክፍሊ፥ ማግኖላውቲ
  • መስርዕ፥ ሰብረቶት
  • እንዳ፥ ዓያውቲ
  • ውልደት፥ ፍረመለኮት
  • ፍጣርፍረመለኮት ዓየ

መወከሲታት

Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.

Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.

Candolle, Alphonse de, editor (1844) Prodromus Systematis Naturalis Regni Vegetabilis. Pars Octava: Sistens Corolliflorarum Ordines IX. Fortin, Masson et Sociorum: Paris.

Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome Premier. Paulin: Paris.

Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1848) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara: Atlas. Paulin: Paris.

PlantZAfrica. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://pza.sanbi.org/diospyros-mespiliformis

Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Kew Science. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1

Useful Tropical Plants. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Diospyros+mespiliformis

Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-30.

McEwan, Dorothea. “Georg Wilhelm Schimper: Botanist and Explorer, Geologist and Mapmaker in Northern Ethiopia 1837 to 1878.” ITYOPIS: Northeast African Journal of Social Sciences and Humanities, Extra Issue 1 (2015), pp. 11-28.

Wunschmann, Ernst, “Schimper, Wilhelm” in: Allgemeine Deutsche Biographie 31 (1890), pp. 279-281 [online version]; URL: https://www.deutsche-biographie.de/pnd141742585.html#adbcontent

Uhlig, Siegbert, editor (2011) Schimper, Georg Wilhelm. In Encyclopaedia Aethiopica. Volume 4. Harrassowitz Verlag: Wiesbaden.

Gestrich, Andreas and McEwan, Dorothea (Eds.), in collaboration with Stefan Hanß. Georg Wilhelm Schimper – In Abyssinia: Observations on Tigre. Critical Online Edition. London: British Library; German Historical Institute London; Royal Botanic Gardens Kew, 2015. URL: http://exist.ghil.ac.uk:8079/Schimper/