ኣብ ዘመናዊ መሬታት፡ ብኹምራታት እዞም ዝስዕቡ ዝተፈጥሩ ቀጽዖታት ኣካቲትና ኣለና፥
- ብዞርቆታትን ዛዕጎላትን፤
- ብቲቡርቲናይ እምነኖራ፤
- ብሓደሓደሳዕ ጨዋም ዝዀነ፡ ዋላኻዊ-ሑጻዊ ወይ ከዋሕ ድበት።
ገለ ካብዚኣቶም ኣብ ማያት ባሕሪ ዝፈርዩ ክዀኑ ከለዉ፡ ካልኦት ብማያት ዋሓይዛት፡ ቀላያት ከምኡ፣ውን ብምምካኽ ውርጪ ይፍጠሩ። ገለ ካልኦት እውን ካብ ማዕድናውያን ፈልፈልቲማይ ይፈርዩ።
ኣብ ጥቓ ምጽዋዕ ዘሎ ደንደሳት ቀይሕ ባሕሪ፡ ብይውሓድ ይብዛሕ ምስ ሑጻን ዋላኻን ብዝተደባለቑ ዛዕጎላትን ዞርቆታትን ዝቘመ ተኻታተልቲ ኩምራታት የርኢ። እዞም ኩምራታት ብተወሳኺ ጅማታዊ መጥሩሽ ዝሓዙ ኰይኖም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ባሕሪ ካብቲ ዋላኻዊ-ሑጻዊ ድበት ናይቲ ደቡብምዕራብ ዝፈሊ ንእሽተይ ኩጀት የቑሙ። ካብቶም ነዞም ኣኻውሕ ዝፈጠሩ ዛዕጎላት፡ ነዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ (ንዝርዝር መግለጺ እዞም ቀጺልና እንጠቕሶም ፍጥረታት ንናይ Lamarck መጽሓፋት Système des Animaux sans Vertèbres1 ወ Animaux sans Vertèbres2፡ ንናይ Brocchi መጽሓፍ Conchiologia Fossile3፡ ንናይ Gmelin መጽሓፍ Systema Naturae per Regna Tria Naturae4 ከምኡ፣ውን ንናይ Sowerby መጽሓፍ Conchological Manual5 ተመልከት)፥
- Solarium perspectivum, Lamarck.
- Rostellaria curvirostris, Lamarck.
- Strombus gibberulus, Lamarck.
- Terebra flamea, Lamarck.
- Conus aldovrandi, Brocchi.
- Conus virginalis, Brocchi.
- Voluta coronata, Brocchi.
- Ostrea imbricata, Lamarck.
- Tridacna squamosa, Lamarck.
- Cardita intermedia, Lamarck.
- Venus rugosa, Gmelin.
- Cardium rugosum, Lamarck.
- Arca diluvii, Lamarck.
- Pectunculus, Lamarck.
እዞም እንዛረበሎም ዘለና ኩምራታት ዛዕጎላት ኣብ ከባቢታት ምጽዋዕ ጥራሕ ዝተሓጽሩ ኣይኰኑን። ከመይ፡ ኣብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ ንዝተፈላለያ ደሴታት የቑሙ፡ ከምኡ፣ውን ነዚ ሕጂ ዘሎ ሓመድ ገለ ክፋል ገማግም ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስ ይፈጥሩ። ብመኽንያት ህላዌ እዞም ዝተጠቕሱ ዛዕጎላትን ዞርቆታትን ኣብዞም ክልተ ባሕርታት ከኣ ዘመናዊ መሬታት ኣብ፣ዚ ቦታታት ኣዚዩ ዝማዕበለ ኢዩ።
እዚ ዓሰርተ-ታሻዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ6ን ሰሜን7ን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ8 ዝተዳለወ ኢዩ።
መወከሲ ነጥብታት
- Lamarck, Jean-Baptiste-Pierre-Antoine de Monet de (1801) Système des animaux sans vertèbres, ou tableau général des classes, des ordres et des genres de ces animaux; présentant leurs caractères essentiels et leur distribution, d’après la considération de leurs… Detreville: Paris. ↩︎
- Lamarck, Jean-Baptiste-Pierre-Antoine de Monet de (1815–22) Histoire naturelle des animaux sans vertèbres: présentant les caractères généraux et particuliers de ces animaux, leur distribution, leurs classes, leurs familles, leurs genres, et la citation des principales espèces qui s’y rapportent… En sept tomi (avec le tome six en deux parties). Verdière: Paris. ↩︎
- Brocchi, Giambattista (1814) Conchiologia fossile subapennina con osservazioni geologiche sugli Apennini e sul suolo adiacente. In due tomi. Stamperia Reale: Milano. ↩︎
- Gmelin, Johann Friedrich et al. (1788-1793) Systema naturae per regna tria naturae : secundum classes, ordines, genera, species, cum characteribus, differentiis, synonymis, locis. V.1 Pt.1-7, V.2 Pt.1-2, V.3. Impensis Georg. Emanuel. Beer: Lipsiae [Leipzig]. ↩︎
- Sowerby, George Brettingham (1839) A Conchological Manual. G.B. SOWERBY: London. ↩︎
ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ
(
ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ
)
ከምኡ’ውን ትግራይ
(
ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል
)
ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ
1831
ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ
1855
ቀጺሉ። ↩︎
Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎