“ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ፡ ንኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት መሰረታዊ ጠንቅታቱ ብልክዕ ክንርድኦ ስለዝሕግዘና ናብ ትግርኛ በብኽፋል ተርጒመ ከቕርቦ ኢየ። እዚ ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ዝነበረ ማሕበረፖለቲካዊ ርክባት ኣህዛብ ትግርኛ ኣብ ናይ ሎሚ ሃገራት ኤርትራን ኢቲዮጲያን ብምምርማር፡ ከመይ ኢሉ ናብ፣ዚ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ዕግርግርን ከምዝማዕበለ ይገልጽ። ንሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ እነሆ።
ኣብ ቀረባ ስምዒት ኤርትራዊ ሃገራውነት ንምድልዳል ዝተጻሕፈ ትራኼታት ዝእውጆ ብዘየገድስ፡ ክሳብ መጀመርታ ክፋል 18 ዘመን ዓመተ-ምሕረት ኣብ ክልቲኡ ደንደሳት ሩባ መረብ ዝርከቡ ኣህዛብ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ንገዛእ ርእሶም ከም ክልተ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ጌሮም ቆጺሮም ኣይፈልጡን። ሓደ ዓይነት ቋንቋ፡ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት፡ ብመሰረቱ ሓደ ዓይነት ዝዀነ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ከምኡ፣ውን ቁጠባዊ ስርዓታትን ኣቃውማታትን ይካፈሉ ነይሮም። ብዘይጥርጥር፡ ኣህዛብ ትግርኛ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ኣብ፣ቲ እዋን፣ቲ ንገዛእ ርእሶም ልክዕ ከም፣ቲ ካብ ስርዓታት ቤተክርስትያን ተዋህዶን ንግስነት ምድረሓበሻን ዝተዓዘብዎ፡ ከም ዘይንጸል ኣካል ናይ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ከምኡ፣ውን ፖለቲካዊ ግዝኣት ሓበሻ ጌሮም ይቖጽሩ ነይሮም። እዚ ማለት ግን ኩላቶም ደርብታት ሕብረተሰብ ትግርኛ ሓደ ዓይነት መረዳእታ መንነቶም ነይርዎም ማለት ኣይኮነን።
እኳደኣ፡ እቲ ንገዛእቲ ስድራቤታትን ካህናትን ዘካተተ መራሒ ደርቢ ኣህዛብ ትግርኛ ጥራሕ ኢዩ ምሉእ ርድኢት ኣምር ፍንጫሕ መሰንገለ ናይ፣ቲ ዝሰፍሐ ሃይማኖተ-ፖለቲካዊ ጽማረ ዝነበሮ፡ ሃይማኖታዊ ጉልባብ ዝለበሰ፡ ንግስነት ምድረሓበሻ ምዃን ዝነበሮ። ገባሮ ግን ተኣማንነቶም ብቐንዱ ንጉጅለ ትውልዶም፡ ሕብረተሰብ ዓዶም ከምኡ፣ውን ንያታዊ ኣውራጃታት ስለዝነበረ፡ ምሉእ ርድኢት ኣይነበሮምን። የግዳስ፡ ብመንጎኝነት እምነት ተዋህዶ፡ ቤተክርስትያን፡ ጽውጽዋያትን ኣፈ-ታሪኻትን ከምኡ፣ውን ዕድላት ማሕበራዊ ዕብየት ኣብ መሳርዕ እቲ ዝነበረ መስፍናዊ ንጉሳዊ መንግስቲ፡ ዋላ፣ኳ ገባሮ ንስፍሓቱን ትኽክለኛ ባህሪኡን ኣየስተንትንዎ እምበር፡ ትግርኛዊ ባህሊ ገባር ኮነ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝተወሰነ ርድኢት ኣካል ናይ ሓደ ዝዓበየ ምልኣት (ማለት ንግስነት ሓበሻ) ምዃን የንጸባርቕ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ሓድነት ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ግን ከባብያዊ ባህላውን ላህጃውን ፍልልያት ነይሮም ኢዮም።
ምስ ግዜ፡ ብቑጽሪ ውሑዳት ዘይኰና ናኣሽቱ ፖለቲካውያን ኣሃዱታት (ንኡሳን ልእልነታት) ኣብ ምድረትግርኛ ተቐልቂለን። ነፍሲወከፈን ድማ ነናተን ካብ ምትእትታው ጎዶባተን ኣበርቲዐን ዝሕልውኦ ላህጃ፡ ፍልይ ዝበለ ከባብያዊ ልምድታት፡ ንጹር መንነት ከምኡ፣ውን ተዛማዲ ከባብያዊ ርእሰ-ምሕደራ ነይርወን። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ መንጎ እዘን ንኡሳን ልእልነታት ዝነበረ ዶባት ጽኑዕ ኣይነበረን። ምስ ምውሳኽን ምጉዳልን ጸጋታት ህዝቢ፡ ቁጠባ ከምኡ፣ውን ኲናት ተኣሳሲሩ፡ ጸብለልታ ገሊአን ልእልነታት ክዓቢ ከሎ ካልኦት ግና ይዳኸማ ወይውን ካብ ገጽ ካርታ ይጠፍኣ ነይረን።
ኣብ 14 ዘመን ዓመተ-ምሕረት ኣምሓራ ዝሰረቶም ገዛእቲ ምድረሓበሻ ነዊሕ ዝኸደ ታሪኻዊ ሳዕቤናት ዘኸተለ ውሳኔ ወሲዶም። ንኣብ ልዕሊ ኣብ ምድረ ትግርኛ ዝነበሩ ኣውራጃውያን መራሕቲ ዝነበሮም ቁጽጽር ንምሕያል፡ ብቐንዱ ከኣ ምዱብ ክፍሊት ግብርን ኣብ ግዜ ኲናት ዝጥለብ ወተሃደራዊ ደገፍን ንምድልዳል ብዝብል ዕላማ፡ ነቶም ትግርኛ ዝዝረበሎም ቦታታት ኣብ መብዛሕትኡ ሩባ መረብ ተኸቲሎም ናብ ክልተ ምምሕዳራት ከፊለሞም። ገዛኢ ናይ፣ቲ ሰሜናዊ ምምሕዳር ባሕሪ ነጋሽ (ገዛኢ ባሕሪ) ዝብል ሽመት ክቕበል ከሎ፡ ገዛኢ ናይ፣ቲ ደቡባዊ ምምሕዳር ድማ ትግሬ መኮነን (ጎይታ ትግራይ) ዝብል ሽመት ተዋሂብዎ። ክልቲኦም ተሓዝቲ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሓደ ንኡስ ልእልነት ከም መስፍናዊ ግዝኣቶም ጥራሕ ዘይኰኑ ዘማሓድሩ ነይሮም፡ እንከላይ መዝነት ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ ናይ፣ተን ኣብ ውሽጢ ምምሕዳሮም ዝነበራ ኩለን ልእልነታት ተቐቢሎም።
ብክልሰ-ሓሳብ፡ እዚ ምምሕዳራዊ ዳግመ-ውደባ ንኣብ መንጎ ሃጸያት ምድረሓበሻን ከባብያውያን ንኡሳን መራሕቲ ምድረትግርኛን ዝነበረ መስመራት ሓላፍነት ኣጽፊፉ። ካብ፣ዚ ንደሓር፡ ሃጸይ ኢቲዮጲያ ንኽልተ ብርቱዓት ገዛእቲ ጥራሕ ምሓዝ የድልዮ ነይሩ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ብዙሕሳዕ ዘሸግሩ ከባብያውያን ንኡሳን መራሕቲ ይቋጻጸሩ። ኣብ ግብሪ ግን፡ ከባብያውያን ኣማሓደርቲ ብዝያዳ ድማ ባሃግቲ ከባብያዊ ስልጣን፡ ብንጥፈት ገዛእቶም ተሳጊሮም ዝጸንሐ ቀጥታዊ ርክባት ምስ ሃጸያት ክዕቅቡ ወይውን ክምስርቱ ይፍትኑ ነይሮም። ሃጸያት ብወገኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብክንዲ ነዚ ቀጥታዊ ርክባት ዝነጽግዎ፡ ንዓበይቲ ገዛእቲ ኣብትሕቲ ቁጽጽር ዘእትውሉ ሜላ ጌሮም ስለዝሓሰብዎ፡ ንኽቕበልዎ ድልዋት ነይሮም። እቶም ዓበይቲ ገዛእቲ ብወገኖም፡ ብዝተኻእለ መጠን ሃጸያዊ ምትእትታው ኣብ ምምሕዳሮም ከጉድሉን ቀይዲ ኣብትሕቲኦም ዝነበሩ ንኡሳን ኣማሓደርቲ ከትርሩን ብንጥፈት ይዓዩ ነይሮም።
ብመኽንያት ተቐያያሪ ባህሪ ኣብመንጎ ሃጸያት፡ ገዛእቲ ከምኡ፣ውን ንኡሳን ከባብያውያን ኣማሓደርቲ ዝነበረ ኣቃውማ ስልጣን፡ ገለ ኣማሓደርቲ ከባቢታት ብሃጸይ ምድረሓበሻ ክሽየሙ ከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ብገዛእቲ ይምዘዙ ነይሮም። ገሊኦም ካብ፣ተን ኣብ፣ታ ዝተሸሙላ ልእልነት ዝርከባ ዓበይቲ ስድራቤታት ክሽየሙ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ካልእ ኣውራጃ፡ ሓደሓደ እዋን፣ውን ካብ፣ታ ምምሕዳር ወጻኢ ተላኢኾም ዝምዘዙ ነይሮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዓበይቲ ገዛእቲ ካብ፣ታ ናይ፣ታ ግዝኣት ርእሲ ዝዀነት ነታ ልእልነት እትገዝእ እንዳ ክሽየሙ ከለዉ፡ ሓንሳእሓንሳእ ግና ብግዲ ኣብ ልዕሊ እታ ኣውራ ልእልነት ዓባይ ግዝኣትን ብሃጸይ ምድረሓበሻ ዝምዘዙ ወጻእተኛታት ኢዮም ነይሮም።
ንጹር መርኣያ ናይ፣ቲ ቅድሚ መጀመርታ ክፋል 18 ዘመን ዓመተ-ምሕረት ዝነበረ መባእታዊ ሓድነት ኣህዛብ ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ኣብ፣ቲ ብኢማኑኤል ባራዳዝ ዝተባህለ ኣባል ማሕበር ኢየሱስ ዝነበረ ፖርቱጋላዊ ካብ 1633 ክሳብ 1634 ዝተጻሕፈ “መንግስቲ ትግርኛ” ዘርእስቱ መጽሓፍ ንረክብ። እዚ እንኮ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ሰፊሕ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣህዛብ ትግርኛ ቅድሚ 20 ዘመን ዓመተ-ምሕረት ኢዩ። ባራዳዝ “መንግስቲ ትግርኛ” ካብ ሓማሴን ክሳብ እንድርታ፡ ካብ ዶባት ደንከል ክሳብ ተከዘ ከም ዝዝርጋሕ ብንጹር ገሊጹ። ገለ ደቂ ዓዲ፣ውን፡ ዋላ፣ኳ ፖለቲካዊ ስልጣን ትግሬ መኮነን ካብ ተከዘ ዘይሓልፍ እንተነበረ፡ ትግራይ ክሳብ ማይ-ክየ ሰሜን ከም ዝበጽሕ ከም ዝነገርዎ ጺሒፉ። ብተወሳኺ፡ ከም በዓል ዕንገላ፡ መምጻ ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ነገዳት ክርስትና ብፖለቲካ ካብ ትግርኛ ዝተፈልዩ እኳ እንተዀኑ ብባህሊ ግን ምስ ትግርኛ ከም ዝጥርነፉ ጠቒሱ።
ኣብ፣ቲ ግዜ፡ “መንግስቲ ትግርኛ” ኣብ 24 ናኣሽቱ ፖለቲካውያን ኣሃዱታት (ልእልነታት) ተኸፋፊሉ ነይሩ። 12 ካብዚኣተን ደቡብ ካብ ሩባ መረብ ዝርከባ ኮይነን፡ በቲ ኣብ እንድርታ ዝመሰረቱ ትግሬ መኮነን ይመሓደራ ነይረን። እተን ዝተረፋ 12 ልእልነታት ድማ፡ ሰሜን ካብ ሩባ መረብ ዝተደኮና ኮይነን፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቲ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ዝመሰረቱ ባሕሪ ነጋሽ ነይረን። ኣብ መንጎ ብትግሬ መኮነን ዝማሓደርን ብባሕሪ ነጋሽ ዝመሓደርን መሬታት ዝነበረ ምክፍፋል፡ ብቢሄር ዝተፋላለዩ ኣህዛብ ዝኸፍል ዶብ ዘመልክት ኣይነበረን። ኣብክንድኡ ልክዕ ከም፣ቶም ንኣብ ኣምሓራ ዝቕመጡሉ ምድሪ ዝነበራ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ዝድርቱ ዶባት፡ ታሪኽ ዝወለዶ ምምሕዳራዊ ዶብ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ዝስዕብ ክፋል ካብ 1700 ዘመን ክሳብ መወዳእታ ክፋል 1800 ዘመን ዓመተ-ምህረት ዝተራእዩ ምዕባሌታትን ሳዕቤናቶምን ክንድህስስ ኢና።