እዚ 8ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።

ሽሕ’ኳ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጲያ (መመኢ) ንውጽኢት ሪፈረንደም እንተተሰማማዓሉ ከምኡ’ውን ኤርትራ ናብ ምሉእ ተፈላጥነት ዘለዎ ናጽነት እንተደየበት፡ ኣብ ኣደባባይ መንግስቲ ኤርትራ (መኤ)ን መመኢን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ሽርክነት ምጭዳር ብምስጢር ከኣ ንዝተፋላለዩን ብፍጹም ድማ ዝላተሙን ስትራተጂታቶም ምኽታል ቀጺሎም። ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ብቑጠባ ገና ኣብ ዕሸልነታ ኢያ ነይራ። ክቱር ድሌት ናይ’ቶም ምስ ኢትዮጲያ ብዝተበጽሑ ስምማዓት ዝረኸበቶም ቁጠባዊ ዕድላት ከኣ ነይርዋ። ድሕሪ ግንቦት 1993 መኤ ቁጠባዊ መኽሰባት ኤርትራ ከዛይድ ብምባል ዝፍጽሞ ዝነበረ ምጥሓስ መንፈስ ሓድነት ባጤራ መሊሱ ኣግዲድዎ። ስለ’ዚ፡ መኤ ብተግባር ንኤርትራ ብቑጠባ ንምብርትዓ ከምኡ’ውን ንዝዓበየ ደረጃ ቁጠባዊ ናጽነት ከዳልዋ ብኹሉ መዳይ ይጽዕር ነይሩ፡ ብዓውታ ግን ብዛዕባ እንዳዓበየ ዝኸይድ ቁጠባዊ ተማራዃስነት ንኽልቲኡ ሃገራት ክህቦ ዝኽእል ጠቕምታትን ተኽእሎ ኣብ መጻኢ ክፍጠር ዝከኣል ቅርበት ዘለዎ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራትን ኣደናጋሪ መደረታት ምሃብ ቀጺሉ። ኣብ ሓደ ወግዓዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ከይተረፈ ባዕሉ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዶባት ትርጉሙን ኣገዳስነቱን ዘጥፍኣሉ መጻኢ ተዛሪቡ።

መርሒነት ህወሓት ንኤርትራን ንኤርትራውያንን ዝተዋህበ ቁጠባዊ ሓለፋታት ዘኸትሎ ጠቕምታት ኣብ መወዳእትኡ ገለ መልክዕ ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውህደት ምስ ኢትዮጲያ ክፍጽሙ ንመርሒነት ኤርትራ ክድርኾም ወይ’ውን ከገድዶም ኢዩ ዝብል ተስፋ ጌና ነይርዎ። ነዚ ሸቶ ንምውቃዕ፡ ህወሓት ዋላ’ውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ብሰንኪ ንኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ውሽጥን ምስን ኢትዮጲያ ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ዝልገሰሎም ዝነበረ ኣርባሒ ቁጠባዊ ዕድላት እንዳበኣሰ ዝመጽእ ዝነበረ ነድሪ ዕሽሽ ምባል ክትቅጽል ፍቓደኛ ነይራ። ብመኽንያት እዚ ተስፋ፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ኣደባባይ ኣሉታዊ ርኢቶታት ብዛዕባ ቁጠባዊ ፖሊሲታት መኤ ካብ ምሃብ ከምኡ’ውን ፖሊሲታት ባጤራን ሓፈሻዊ ቁጠባን ንምውህሃድ ዕቱብ ዝርርባት ምስ ወገን ኢትዮጲያ ንምግባር ተደጋጋሚ መኤ ምእባዩን ካብ ምግላጽ ተቘጢቦም። ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ንህግሓኤ ዝተከአት ህዝባዊ ግንባር ዴሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)ን ኣብ 1995 ዝተኻየደ ዘተታት፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክልቲኦም ወገናት ነፍሲወከፎም ምስ’ቲ ናይ’ቲ ሓደ ወገን ብፍጹም ዝራጸም ስትራተጂ ይኽተሉ ከም ዘለዉ ኣነጺሮም ይፈልጡ ከም ዝነበሩ የመልክት። እንተዀነ ግን ነፍሲ ወከፎም እቲ ናቶም ስትራተጂ ኣብ ልዕሊ ናይ’ቲ ሓደ ወገን ስትራተጂ ኣብ መወዳእታ ከም ዝዕወት ይተኣማመኑ ነይሮም።

ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝበለ ኩነት፡ ዘይተፈትሐ ሕቶ ዶብ ድሕሪ 1993 ቀስብቐስ ረቛሒ ኮይኑ። ካብ 1991 ጀሚሩ፡ ምምሕዳር ትግራይ ቀስብቐስ ኤርትራ ናተይ ኣብ እትብሎ ቦታታት ህላዊኡ ኣስፋሕፊሑ። ኣብ 1994 ንቘጸራ ህዝቢ ተባሂሉ ብማእከላዊ በዓል መዚ ስታትስቲክስ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተዳለወ ካርታታት ኣውራጃ፡ ኢትዮጲያ ምዕራብ ካብ’ቲ ንደቡብ-ምዕራብ ኤርትራን ምዕራባዊ ትግራይን ዝፈሊ ኣብ መንጎ መረብን ሰቲትን ዝርከብ ሰያፍ መስመር ዶብ ዘለዉ ሰፋሕቲ ቦታታት ይግባኣኒ ከም እትብል ብንጹር ኣመልኪቱ። እዞም ከባቢታት ከም ክፋላት ኣውራጃታት ባድመን ሸራሮን ተጌሮም ኣብ ካርታ ተሳኢሎም። ብሸነኽ ምብራቕ፡ ካርታታት ቈጸራ ህዝቢ ንኹሉ ኣብ መንጎ መሓና ራኣኢን ማይ ሙናን ዝርከብ መሬት ከም ክፋል ኣውራጃ ኢሮብ ጌራ ኢትዮጲያ ናተይ ከም እትብል ኣንፊቶም። ገለ ኣብ ከባቢ ጸሮና ዘለዉ መሬታት’ውን እንተዋሓደ ኣብ ካርታ ምስ ኢትዮጲያ ዝተጠምሩ ይመስሉ።

ነዞም ክስተታት ግብረመልሲ ኣብ ምሃብ ወገን ኤርትራ ቅሩብ ግዜ ወሲዱ። እንተዀነ ነዚ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ኣብ 1994 ተዛራሪብሉ። እቶም ከባቢታት ናይ ኤርትራ ምዃኖም ድማ ኣመልኪቱ። ንዝተወስዱ መሬታት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ከም ተምልስን ኣብ’ዞም ቦታታት ብሰበስልጣን ኢትዮጲያ ዝትከል ዝዀነ ይኹን ህዝባዊ ህንጻ ናብ ዋንነት ኤርትራ ብዘይካሕሳ ከም ዝኣቱን ኣጠንቂቑ። ከም ውጽኢት መርገጺ ኤርትራ፡ ነዚ ጉዳይ ዝምርምር ናይ ፈለማ ሓባራዊ ልኡኽ ዕማም ካብ ህግደፍን ህወሓትን ዝቘመ ይመስል።

እንተዀነ ግዳ እዚ ዘይምስምማዕ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ነይሩ። ዘተታት ልኡኽ ዕማም ከኣ መታን ሓፋሽ ህዝቢ ከይፈልጦም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ብምስጢር ተታሒዞም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎ ክኢላታትን ልኡኻት ሚኒስትሪታትን ኣብ ቁጠባዊ ጉዳያት ክልቲኡ ሃገራት ዘተኰረ ዝርርባት ብስቱር ተኻይዱ። ስለ’ዚ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ንቑጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ዝነበረ ጉዳያት ኣመልኪቱ እንዳገፍሐ ዝመጸ ሃጓፍ ፈጺሙ ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ንኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝነበረ ሽርክነት ድማ ከም ከውሒ ምንቕ ዘይብል ጌሩ ምርኣይ ቀጺልዎ።

ነገራት ከም ዝመስልዎ ከም ዘይነበሩ ዘአንፈተ ቀዳማይ ምልክት፡ ናብ ደገ ዝተቐልቀለ ዘይምስምማዕ ኣብ ኣጠቓቕማ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1996 ወይ መጀመርታ 1997 ኣቢሉ፡ ወገን ኤርትራ ንኢትዮጲያ እትዕድጎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ተጻርየሉ ስለዝነበረት ካብ ፍርያት እቲ መጻረዪ ነዳዲ ንኤርትራ ከም ክፍሊት ክራይ እትህቦ መጠን ካብ 30% ናብ 40% ከተደይቦ ዝጠለበ ይመስል። እዚ ጠለብ ወገን ኢትዮጲያ ክቕበሎ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ወገን ኤርትራ ተወሳኺ 56 ሚልዮን ብር ናብ ክቡር ባጤራ ተቐይሩ ክዋሃቦ ጠሊቡ። መንግስቲ ኤርትራ ንዝጠለቦ ገንዘብ ንብህጹጽ ዘድሊ ዝነበረ ተሃድሶን ዘመናውነትን እቲ ዝኣርግ ዝነበረ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ንምኽፋል ክጥቀመሉ ዝደለየ ይመስል። እዚ ከኣ መታን ኣብ መጻኢ ነቲ ካብ ኣብ ውሽጢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ግራውቲ ነዳዲ ኤርትራ ክፈሪ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንምጽራይ ክጥቀመሉ ክኽእል ብዝብል ነይሩ።

ብርዱእ መኽንያት፡ ወገን ኢትዮጲያ ነቲ ጠለብ እምቢ ብምባል መሊሱ። ክኢላታት ቁጠባ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንኢትዮጲያ ካብ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ምጥቃማ ምቕጻል፡ ካብ ካልኦት መጻረይታት ነዳዲ እቲ ዞባ ዘድልያ ፍርያት ነዳዲ ምዕዳግ ኣዚዩ ከም ዝሓስረላ ብቕልጡፍ ደምዲሞም። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ክረምቲ 1997 ኢትዮጲያ ኣብ ክንዲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ምዕዳግ፡ ዝተጻረዩ ፍርያት ነዳዲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ምግዛእ ጀሚራ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጲያ መኻዚን ነዳዲ ብምፍጣር፡ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስትራተጂካዊ ዕቑር ነዳዲ ክትሃንጽ ዘኽእላ ፖሊሲ ኣበጋጊሳ።

ማዕረማዕረ እዚ፡ ኢትዮጲያ ካብ ደገ ኣቑሑ እተእትወሉ መንገድታት ከተባዝሕ ከምኡ’ውን ብዓሰብ እተእትዎ ነዳዲ ብከም በዓል ወደብ ጂቡቲ ሓደሓደ እዋን’ውን ብወደብ ሞምባሳ ኬንያ ጌራ ከተእትዎ ጀሚራ። ኢትዮጲያ ኣብ ዓሰብ ብገንዘባ ዝተዓደገ ዘይተጻረየ ነዳዲ ምጽራይ ምስ ኣቋረጸት፡ እቲ መጻረዪ ነዳዲ ኣኽሳሪ ኮይኑ። ኣብ ነሓሰ 1997፡ መንግስቲ ኤርትራ መታን ተወሳኺ ገንዘባዊ ክሳራ ከይስከም ክብል ነቲ መጻረዪ ነዳዲ ዓጽይዎ። ጠላዕ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ ንኤርትራ ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዋ። ካብ’ዚ ግዜ ንድሓር ብክቡር ባጤራ ጌራ ድሌታት ነዳዲኣ ከተማልእ ተገዲዳ።

ኣተሓሕዛ ጉዳይ መጻረዪ ነዳዲ ንኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብመኽንያት ቁጠባዊ ሕቶታት እንዳተባላሸወ ዝመጸ ኩነታት ዝእምት ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 1997 ኣብ ካልኦት ቁጠባዊ ጉዳያት ኣብ ዝተገብረ ዘተታት፡ ኤርትራውያን ኣብ ሓቀኛ ሓባራዊ ፖሊሲ ባጤራን ሓፈሻዊ ምውህሃድ ዝሰፍሐ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ምዝርራብ ዘይቅበሉ እንተዀይኖም፡ ሓድነት ባጤራ ምቕጻሉ ከም ዘይክኣል ወገን ኢትዮጲያ ንወገን ኤርትራ ዝሓበረ ይመስል። ብድሕሪ’ዚ ወገን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጤራ ናቕፋ ከተኣታቱ ዝወሰነ ይመስል። መኤ ድሮ ካብ 1993 ጀሚሩ ባጤራ ናቕፋ ንምትእትታው ዝተዳለወ’ኳ እንተመሰለ፡ ደንጒዩ ከተግብሮ’ዩ ግን ድሌት ነይርዎ።

እንተዀነ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲታት ባጤራ እንዳተረረ ዝመጸ መርገጺ ኢትዮጲያ፡ ንወገን ኤርትራ ግዚኡ ከይኣኸለ ባጤራ ናቕፋ ክእውጅ ኣገዲድዎ። ኤርትራ ነዚ ውሳኔ ምውሳዳ ከኣ ገዘፍቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽልዋታት ዘለዎም ሳዕቤናት ኣኸቲሉ። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጲያን ብፍጥነት ኣንቆልቊሉ። ብሓጺሩ በዚ ውሳኔ፡ ቁጠባዊ ሓለፋታት ሂብካ ንኤርትራ ናይ ምምላስ ስትራተጂ ህወሓት ከም ዝፈሸለ ህግደፍ ንኢትዮጲያ ክስቈራ ጌሩ። ካብ’ዚ ግዜ ንደሓር፡ ኣብ ቁጠባዊ ድሒሩ ከኣ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝነበረ ክትዕ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ክሕባእ ኣይተኻእለን።

ኣብ ዝሰዓበ ቅሉዕ ክትዕ ብዛዕባ ኣገባባት ምፍንጣሕ ሓድነት ባጤራ፡ ተጻረርቲ መርገጺታት ብቕልጡፍ ተቐልቂሎም። ኣብ ክልቲኡ ወገናት ክትዕ መሪሩ። ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኢትዮጲያ ብሓፈሻ ኣዚዩ ዘቘጥዐ ግን ኤርትራ ንብር ብናቕፋ ጌራ ኣብ ዝተካኣትሉ ግዜ ዝኣከበቶ ገንዘብ ብር ምስኣ ክትሕዞ ስለዝጠለበት ነይሩ። እዚ ማለት ድማ፡ ብሓንቲ ለይቲ ኤርትራ ክቡር ባጤራ ከየውጽአት ካብ ኢትዮጲያ ዘድልያ ኣቑሑ ምግዛእ ዘኽእላ ገዚፍ ቀረብ ባጤራ ብር ምፈጠረት ነይራ ማለት ኢዩ።

ከመይ ጌሩ ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጲያ ዝነበሮ ዕዳታት ይፈዲ ዝብል ሕቶ ካልእ ኣዚዩ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ነይሩ። ኣብ’ዚ እውን ክልቲኦም ወገናት ብፍጹም ዝጻረር መርገጺታት ነይርዎም። ሽሕ’ኳ ዝዀነ ዝተዘርዘረ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እንተዘየሎ፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን መብዛሕትኡ ክፋል ናይ’ቲ ባጤራ ናቕፋ ክዝርጋሕ ከሎ ብሃገራዊ ባንኪ ኤርትራ ዝተኣከበ ገንዘብ ብር ከም መኽፈሊ ምስ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጲያ ዘሎ ዕዳታት ኤርትራ ኮይኑ ከገልግል ዝተሰማምዑ ይመስል።

ኣብ መጨረስታ፡ ማዕረማዕረ ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዝተኣታተወሉ ግዜ ሓድሽ ባጤራ ብር ብምትእትታው፡ ወገን ኢትዮጲያ ንተኽእሎ ትሕዝቶ ብር ኤርትራ ቀዲሙ ከምክኖ ወሲኑ። ወገን ኤርትራ ነዚ ተግባር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብ’ዚ ግዜ ንንየው ዝካየድ ንግዲ ንሓድሽ ብርን ናቕፋን ከም ማዕረ ዋጋ ዘለዎም ባጤራታት ጌርካ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ብምሽራፍ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ጠለብ ግብረመልሲ ሂቡ። እንተዀነ ከም’ዚ ዝበለ ስምምዕ ቅቡል ዝኸውን፡ ክልቲአን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጲያን ፈለማ መጠናት መለዋወጢ ክልቲኦም ባጤራታት ናብ ካልኦት ባጤራታት ዝውስናሉ ሓደ ዓይነት መዐቀኒ ክህልወን ምስ ዝወዓዓላ ኢዩ። ኣብ እዋን ሓድነት ባጤራ ነዚ ምግባር ኤርትራ ስለዝነጸገት፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ሐራይ ክትብል ኢያ ኢልካ ምጽባይ ዘይሕሰብ ነይሩ። ብርግጽ’ውን ንመለዋወጢ መጠን ናቕፋ ናብ ዶላር-ኣሜሪካ ብመጠኑ ካብ’ቲ ብር ናብ ዶላር-ኣሜሪካ ዝሽረፈሉ መጠን መንግስቲ ኤርትራ ክብ ኣቢልዎ ስለዝነበረ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝተፈልየ ፖሊሲ ሸርፍታት ባጤራ ከም ዝኽተል ኣነጺሩ ኣርእዩ።

ስለ’ዚ፡ ኤርትራ ንኢትዮጲያ ማዕርነት ናቕፋን ብርን ኣብ ክልቲኣዊ ንግድን ካልእ ገንዘባዊ ንጥፈታትን ክትቅበል ምዕዳማ ንወገን ኢትዮጲያ ክቱር ላግጺ ነይሩ። መኽንያቱ ነዚ ጠለብ ምቕባል ንኢትዮጲያ ሰፍ ዘይብል ክሳራ መስዓበላ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ ወገን ኢትዮጲያ ሓያል ግብረመልሲ ምሃቡ ዘገርም ኣይነበረን። ካብ’ዚ ግዜ ንደሓር ኩሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝካየድ ንግዲ፡ ናኣሽቱ ኣብ ዶብ ዝፍጸሙ ሸቐጣት ገዲፍካ፡ ብክቡር ባጤራ ክካየዱ ኣለዎም ኢሉ ኣዊጁ። ኢትዮጲያ እዚ ምውሳና፡ ሓለፋታት ዝመልኦ ዝምድናታት ንግዲ ካብ ኢትዮጲያ ምርካብ ክትቅጽልን ብኽሳራ ኢትዮጲያ ድማ ክቡር ባጤራ ከተዋህልልን ዝነበረ ሃቐና ኤርትራ ዓቢ ጽፍዒት ኣጓኒፍዎ። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝነበረ ስርዓታት ባንኪ ነቲ ዘድሊ ምስግጋር ብጽፈት ክፍጽም ዓቕሚ ስለዘይነበሮ ከምኡ’ውን ንኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝነበረ ብርኩት ንግዲ ከም’ቲ ሕጊ ኣህጉራዊ ንግዲ ዝጠልቦ ኣብ ወረቐት ተኣማንነት ክፍሊት ተመርኲሱ ከካይድ ዘይክእል ስለዝነበረ ዝያዳ ኩነታት ኣብኢሱ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝሰዓበ ግብራዊ ምቁራጽ ዝምድናታት ንግዲ፡ ኤርትራ ብፍላይ ተሃሲያ፡ ዋላ’ኳ ገለ ኣብ ዶብ ዝርከባ ዞባታት ትግራይ’ውን እንተተጐድኣ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ብኢትዮጲያ ንዝተዋህበ ቁጠባዊ ሓለፋታት ንምብዝባዝ ኢሉ ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተኸተሎ ስትራተጂ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ንተፈጥራኣዊ፡ ሰብኣዊ ከምኡ’ውን ምድረፖለቲካዊ ጸጋታትን ዕድላትን ኤርትራ ዘማእከለ ርጡብ ቁጠባዊ ስትራተጂ ኣይሓንጸጸን። ኣብክንዲ ቁጠባውን ምድረፖለቲካውን ብልጫታት ኤርትራ ተጠቂሙ ናይ ወጻኢ ወፍርን ኤርትራ ዘይብላ ቴክኒካውን ሞያውን ብቕዓት ብምስሓብ ቁጠባ ኤርትራ ክሃንጽ ዝጋደል፡ ኣብ ምምዝማዝ ብኢትዮጲያ ዝተዋህበ ቁጠባዊ ሓለፋታት ስለዝተጸምደ፡ ኤርትራ ብቑጠባ ጽግዕተኛ ኢትዮጲያ ኮይና። ስለ’ዚ ንቁጠባዊ ጽግዕተኝነት ኤርትራ ከም መንጠሪ ባይታ ንምምላስ ኤርትራ ናብ ኢትዮጲያ ዝተለመ ስትራተጂ ህወሓት ቀዳማይ ሸትኡ ብኸፊል ኣመዝጊቡ።

ቁጠባዊ ጉዳያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ቃልዕን ብዘከራኽር መንገድን ዘተታት ይግበረሎም’ኳ እንተነበረ፡ ሕቶታት ዶብ ግን ጌና ብስቱር ዝርርብ ይካየደሎም ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ እውን ምምሕዳር ትግራይ ናይ መሬት ይግባኣኒ ጠለባቱ መሊሱ ዝያዳ ናብ ደቡብ-ምዕራብ ኤርትራ ስለዝመጠጦን ኣብ ዘከራኽሩ ቦታታት ድማ ህላዊኡ ከደልድል ስለዝጀመረን ኩነታት ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ተቐይሩ። ብተወሳኺ ግጭት ንምምሕዳር ዓፋር ብምሕዋስ ናብ ቆላታት ዓፋር ተዘርጊሑ። ኣብ ካልኣይ ክፋል 1997 ወገን ኢትዮጲያ ንኣብ ለጠቕታ ባዳ እትርከብ ዓዲ ሙሩግ ተቛጻጺርዋ። ኣብ ከም’ዚ ህሞት፡ እቶም ንኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርባት ዝተክኡ ኣብ መንጎ ወገን ኤርትራን ምምሕዳር ትግራይን ዝካየዱ ዝነበሩ ዘተታት እንደገና ባህሪኦም ተለዊጡ። ክልተ ክልላት ኢትዮጲያ ናብ ምስሕሓብ ዶብ ምስ ኤርትራ ስለዝኣተዋ፡ ወገን ኢትዮጲያ ዘተታት ኣብ ጽፍሒ ሃገራዊ መንግስቲ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ጸቒጡ።

ዘተታት ዶብ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን፡ ወገን ኢትዮጲያ ምምሕዳራውን ዝተዓጥቀ ህላዊኡን ኣብ ዘከራኽሩ ቦታታት ዝያዳ ብምስፍሕፋሕ ክውንነታት ኣብ መሬት ናይ ምፍጣር ፖሊሲኡ ዘቃላጠፈ ይመስል። መንግስቲ ኤርትራ ብርግጽ ነዞም ክስተታት ምሉእብምሉእ ይፈልጦም ነይሩ። ዘተታት እንዳተገብረ ከሎ ተወሳኺ ጭብጥታት ኣብ መሬት ናይ ምፍጣር ስልቲ ትግራይ ኣዚዩ ኣባሳጭይዎ። ህወሓት ኣብ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝገበረቶ ርክባት፡ ነዞም ስልትታት ከም ዝተጠቀመት ንኤርትራውያን ብንጹር ትዝ ኢልዎም። እንተዀነ፡ ኣብክንዲ ንስልቲ ህወሓትን ዘተ ዝካየደሎም ዝነበረ ጉዳያትን ንማሕበረሰብ ዓለም ምቅላዕ ከምኡ’ውን ህዝቢ ምሉእብምሉእ ከም ዝፈልጦም ምግባር፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ብገዛእ ኣእዳዉ ክፈትሖን ንወገን ኢትዮጲያ ከኣ ካብ’ዚ ንንየው ከም’ዚ ዝበለ ተግባራት ኢትዮጲያ ከምዘይጻወርን ዘርኢ ሓያል ስጉምቲ ክወስድ ዝወሰነ ይመስል።

ኣብ 6 ግንቦት 1998፡ ኤርትራዊ ህላዌ ንምስናድን ዋንነት ይግባኣኒ ኢትዮጲያ ሚዛኑ ንምሕላውን መኤ ወተሃደራውያን ኣባላት ናብ’ቶም ዘሰሓሕቡ ቦታታት ልኢኹ። ከም’ቲ ካብ ሕሉፍ ተግባራት ህወሓት ክንጽበዮ እንኽእል፡ ኣብ’ቲ ዘከራኽር ቦታታት ዝጸንሑ ዕጡቓት ትግራይ ንልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ክወጹ ሓቲተሞም፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኸውጽእዎም ተኲሰምሎም። መኤ ንኸም’ዚ ዝበለ ግብረመልሲ ትጽቢት ዝነበሮን ወተሃደራዊ ምድላዋት ድማ ኣቐዲሙ ዝገበረን ይመስል። ነቶም ብትግራይ ዝተጐብጡ ቦታታት ንምምላስ ኣድላዪ እንተዀይኑ’ውን ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ውሳኔ ኣቐዲሙ ምናልባት ኣብ ሚያዝያ 1998 ወሲኑ። እንተዘይኰይኑ፡ ከመይ ጌሩ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ኣብ’ቶም ዘሳሓሕቡ ቦታታት ዝነበረ ዕርድታት ኢትዮጲያ ክሳብ ኣንዊሑ ናብ ምዕራብ ትግራይ ከእትዎ ዝኸኣለ ገዚፍ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ግንቦት 12 1998 ከካይድ ከምዝኸኣለ ክትገልጾ ይኸብድ።

ንወገን ኢትዮጲያ ሓያል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኤርትራ ሃንደበት ከምዝዀኖ ንጹር ነይሩ። ነቲ ኣብ 6 ግንቦት 1998 ዝተራእየ ፍጻሜ፡ ልክዕ ከም’ቶም ኣብ ሕሉፍ ኣብ መንጎ ኣብ ዘከራኽሩ ቦታታት ዝርከቡ ሓይልታት ክልቲኤን ሃገራት ዘጋጠሙ ግን ከኣ ሰፊሕ ብረታዊ ጎነጽ ዘየኸተሉ ክስተታት ብምርኣይ ከም ፈኲስ ረጽሚ ጌሩ’ዩ ቈጺርዎ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓፈሻዊ ኩነታት ብመሰረቱ ከምዝተለወጠ ኣይተገንዘበን። ኣብ ሕሉፍ ምእንቲ ነናቶም ምስጢራዊ መኽንያታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣድማዒ ሽርክነት ከምዘሎ ብዓውታ ናይ ምጭዳር ፖሊሲ ክልቲኦም መንግስታት ንኽልቲኡ ወገናት ደረት ከይሓልፍ ልጓም ይዀኖ ነይሩ። ቁጠባዊ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ምስተሰብረ ግና ደረት ከይሓልፉ ዝኽልክሎም ነገር ኣይነበረን።

ኣብ ልዕሊኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኣብ ኤርትራ ዘተኰረ ፖሊሲ ንግዲ ኢትዮጲያ ከም መርኣያ ቁጠባዊ ኲናት ገይሩ ስለዝጠመቶ፡ ኣካል ናይ’ቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ሰላሕታዊ ወረራ መሬት ኤርትራ ብኢትዮጲያ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝደረኾ ውሳኔ ዝነበረ ይመስል። ብርግጽ፡ ብመንጽር ሕሉፍ ፖሊሲኣ፡ ህወሓት ተሪር መስመር ኣብ ጉዳያት ባጤራን ንግድን ክትክተል ዝመረጸት፡ መታን ንምእዛዝ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ክትቀጽዖምን ብኻልእ ኣገባብ ጌራ ንኤርትራ ናይ ምምላስ ስትራተጂኣ ከተውሕጦምን ኢላ ኢያ ዝቐደመ ናይ ሌካሌካን ሻሙጥን ፖሊሲኣ ቀይራቶ ኢልካ ምምጓት ይከኣል ኢዩ። እንተዀነ፡ ወገን ኢትዮጲያ ንኤርትራ መርገጺታታ ኣብ ቁጠባዊ ምትሕብባር ዳግም ምእንቲ ክትሓስበሉ ንምድፍፍኣ ብሓቂ ስለዝሓሰበ ኢዩ ተሪር ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣንጻር ኤርትራ ዝወሰደ ኢልካ ምእማን ይኸብድ። ዝዀነ ኮይኑ ሕሉፍ ዝምድናታተን እንተመርሚርናዮ፡ ኣብ ኩሉ ታሪኻተን ህወሓትን ህግሓኤ/ህግደፍን ናሓድሕደን ብሓቂ ክረዳድኣን ፍረ ዘለዎ ዝርርብ ኣብ ኣካራኸርቲ ጉዳያት ከካይዳን ፈጺመን ክኢለን ከምዘይፈልጣ ንግንዘብ። ኣብ’ቲ ዝሓሸ ዝተባህለ እዋን፡ ረብሓታተን ኣብ ዝተቓደወሉ ግዜ ጥራሕ ስልታውን በለጻውን ሽርክነት የቑማ ነይረን።

ኣብ ዝቕጽል ክፋል መደምደምታ እዚ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ከነቕርብ ኢና።