እዚ 4ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።

ጽልዋ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ሕብረተሰብ ከበሳ ኣብ ፈለማ ዝጥቀስ ኣይነበረን። ምስ ምሕላፍ ዓመታት ግና ከበሳውያንን ካልኦት ኣህዛብ ኤርትራን ናብ ዝተፈልየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ከምኡ’ውን ባህላዊ ኩነት ተወሃሂዶም። በዚ ከኣ ኣብ መንጎ ኣብ ክልቲኡ ደንደሳት ሩባ መረብ ዝርከቡ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝነበረ ፍልልያት ኣዚዩ ዓሚቑ። ሽሕ’ኳ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምሕደራ ጣልያን ዝነበሩ ከበሳውያን ብብዙሕ መንገዲ ከም ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ዜጋታት ጣልያን ይተሓዙ እንተነበሩ፡ ብዘየማትእ ልዕሊ ተቐማጦ ትግራይ ዝበለጸ ቀረብ ዘመናዊ ትምህርትን ሞያን ነይርዎም። ኣብ’ቲ እዋን፡ ትግራይ ዝተረስዐት፡ ብኣምሓሩ ገዛእቲ ብዓይኒ ጥርጣሬን ዘይምእማንን እትጥመት ኣብ ጫፍ ኢትዮጲያ እትርከብ ክልል ኢያ ነይራ።

ግዜ ብዝኸደ፡ ቀስብቐስ ግን ከኣ ብርግጽ፡ ከበሳውያን ንተጋሩ ጎረባብቶም ከም ካብኦም ንታሕቲ ዝማዕበሉ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ካብኦም ንታሕቲ ዝሰልጠኑ ጌርካ ናይ ምርኣይ ዝንባሌ ኣማዕቢሎም። ክንዕቕዎምን ከም ድኻታት ኣዝማድ ጌሮም ከተኣናግድዎምን ጀሚሮም። ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ትግርኛ ከበሳን ትግራይን እንዳገፍሐ ዝኸይድ ዝነበረ ሃጓፍ፡ ደቂ ከበሳ ንገዛእ ርእሶም ከም ካብ ተጋሩ ዝተፈልዩ ህዝቢ ጌርካ ናይ ምሕሳብ ዝንባሌ እንዳኣተኣታተዉ መጺኦም። ብግልጺ ግን ክሳብ 1920ታት ንገዛእ ርእሶም ከም ሓበሻ ምቑጻር ቀጺለሞ። ብመኽንያት ቅስቀሳ ተጻራሪ መንነት ሓበሻ፡ ኣብ ከበሳውያን ስምዒት ኤርትራዊ መንነት ደንጒዩ ኢዩ ተቐልቂሉ፡ ዋላ’ኳ ብ1920ታት ቀዳሞት ምልክታት ድሮ ጐሊሖም እንተነበሩ።

ዝቀላቐል ዝነበረ ባህላዊ ትምክሕተኝነት ከበሳውያን ኣንጻር ተጋሩ ኣብ ፈለማ 1930ታት ጣልያን ንኤርትራ መንጠሪ ባይታ ንወረራ ኢትዮጲያ ክትኮና ብምባል ብፍጥነት ምስ ሃነጸታ ኣዚዩ ተጋዲዱ። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ጣልያን ናብ 50,000 ዝጽግዑ ሰፋሮ ናብ’ታ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ 700,000 ዝቑጽሮም ደቀባት ተቐማጦ ጥራሕ ዝነበርዋ ኤርትራ ኣምጺኣ። ኣብ ልዕሊኡ ኣስታት 150,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ነቲ ተወጢኑ ዝነበረ ወረራ ኢትዮጲያ ንምክያድ ናብ ኤርትራ ተሰጋጊሮም። ከም’ዚ ዝበለ መስርሕ ብሓደ ወገን ንመግዛእታዊ ጭቆና ደቀባት ህዝቢ ኤርትራ ኣበርቲዕዎን ኣምሪርዎን። ብኻልእ ወገን ድማ ንመላእ ከበሳ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገድታት ናብ ቁጠባ ገንዘብ ጠላይን ብተግባር ከም ዝኣቱ ጌርዎ። ቁጽሮም እንዳወሰኸ ዝኸደ ከበሳውያን ከምኡ’ውን ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ሓደስቲ ዝተኸፍቱ ፋብሪካታትን ናይ ሕርሻ ቦታታትን፡ ኣብ ዓበይቲ ናይ ህንጻ ስርሓት፡ ከም ዘይሞያውያንን ሓውሲ-ሞያውያንን ሰራሕተኛታት ብምዃን ከምኡ’ውን ኣብ መግዛእታዊ ሰራዊት ንባዕሉ ከም ተሓጋገዝቲ ኣባላት ሰራዊትን ናይ ጉልበት ዓየይትን ብምዃን ናብ’ቲ ናይ ገንዘብ ቁጠባ ተሳሒቦም። ብዙሓት ኤርትራውያን ብተወሳኺ ከደምቲ ኮይኖም ናብ ጠላይን ስድራቤታት ተጣቢቖም።

ማሕበረ-ባህላዊ ለውጢ ከበሳ ምስ’ቶም ናብ ኤርትራ ብሃንደበት ዝኣተዉ ጠላይን ተኣሳሲሩ ተኸሲቱ። ኣብ’ቲ ሓድሽ መግዛእታዊ ቁጠባ ብቐጥታ ተሳትፎ ዝነበሮም ኣባላት ሕብረተሰብ ከበሳ ኤርትራ ብዙሕ ባህላዊ መለለይታት ጣልያን ኣብ ዕለታዊ መነባብርኦም ኣጥርዮም። ኣብ ገጠራት ዝቕመጡ’ውን ብኣብ ከተማታት ዝቕመጡን ኣባላት መግዛእታዊ ሰራዊት ዝዀኑን ኣዝማዶም ብዝላኣኸሎም ዝነበረ ጥረገንዘብን ናውትን ተሳተፍቲ ቁጠባ ገንዘብ ስለዝዀኑ ባህላዊ ባህርያት ጣልያን ክቕበሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ኤርትራ እንዳ ዓበየ ዝኸደ ህላዌ ጠላይን ሰፋሮን ወተሃደራትን ከምኡ’ውን እንዳሰፍሐ ዝመጸ ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ብጠላይን ዝተዓብለለ ቁጠባን ሕብረተሰብን ማንታዊ ባህሪ ነይርዎ። ብሓደ ወገን፡ ካብ’ቶም ብያታ ኣዚዮም ዝተደረቱ ዕድላት ወጻኢ ዝዀኑ ሓደስቲ መንገድታት ምንጪ እቶት ከፊቱ፡ ከምኡ’ውን ንዝላዓለ ምውራስ ሜላታት ሂወት ጣልያን ብሓድሽ ተቐማጢ ከተማ ህዝቢ ኤርትራ መንገዲ ኣንጺፉ።

ብኻልእ ወገን፡ ቅርበት ዘለዎ ምትእስሳር ምስ ጠላይን ንኤርትራውያን ንተመክሮ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛን ዓሌታውነትን ብዝጸንከረን ብዝሓየለን መልክዕ ኣቃሊዕዎም። እዚ ድማ ምረትን ምጉላሕ ያታዊ ክብርታት ሓበሻን ቀስቂሱ። ስለ’ዚ ሽሕ’ኳ ገለ ክፋላት ዕለታዊ መነባብሮ መልክዕ ጥልያን እንተሓዙ ከምኡ’ውን ዝተወሰነ ዘመናውነት ስርዓተ ክብሪ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትምህርቲ እንተርኣየ፡ ሕብረተሰብ ከበሳ ብዝዓሞቐ መንገዲ ስርዓታት ክብሩ ዓቂቡ። ገዛእቲ ጣልያን ንመግዛእታውያን ዜጋታቶም ብባህሊ ክውሕጥዎም ብንጥፈት ዘይምስርሖም ነዚ ተርእዮ ዝያዳ ክዉን ክኸውን ጌርዎ።

ምእታው ብዙሕ ዝቑጽሮም ስደተኛታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ንክሳብ ሎሚ ኣብ መንጎ ትግራይን ከበሳን ዘለዉ ዝምድናታት ዘሻሕክር ዘሎ ክስተት መንገዲ ዘጣጥሐ ሓድሽ ባእታ ኣተኣታትዩ። ጠለባት ጉልበት መግዛእታዊ ቁጠባ ንብዙሓት ደቂ ገጠር ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ሓደስቲ ቁጠባዊ ማእከላት ኣግዒዙ እንኮላይ ብዙሓት ድኻታት ተጋሩ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ካብ’ታ ዝነደየት ኣውራጃ ዓጋመ ስሒቡ። እዞም ስደተኛታት ከም ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ናብ ከተማታት ብምምጻእ ንከበሳውያን ደስ ዘይበልዎም ዕዮታት ይዓዩ ነይሮም። ኣብ ሓያሎ ዓድታት፡ ደቆም ኣብ ትሕቲ ጠላይን ዝሰርሑ ዝነበሩ ስድራቤታት፡ ተጋሩ ስደተኛታት ከም ተወፋሮ ሓረስቶት ኮይኖም ግራውቲ ኣብ ከተማ ዝነበሩ ደቆም ንኽሓርሱ ክቖጽሩ ጀሚሮም። እዞም ተወፋሮ ዋንነት መሬት ኮነ መሰላት ከባብያዊ ዜግነት ከም ደቀባት ኣባላት ሕብረተሰብ ዓዲ ኣይዋሃቡን ነይሮም። ኣብክንድኡ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ዜጋታት (ማእከላይ ዓሌት) ኮይኖም ይቕመጡ ነይሮም።

ምስ ኣብ 19 ክፍለዘመን ዓመተምሕረት ኣብ መንጎ ከበሳን ትግራይን ዝነበሩ ዝምድናታት ክወዳደር ከሎ፡ እዚ ሓድሽ ኩነት ዓቢ ለውጢ ኣመልኪቱ። ኣብ ሕሉፍ፡ እዞም ክልተ ሕብረተሰባት ብትሕዝቶ ንዋት ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮምን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ግን ከበሳውያን ዝሓሸ መነባብሮ ነይርዎም። ኣብ ሕሉፍ፡ ጎይቶት ኲናት ትግራይ ንከበሳውያን መዘናታቶም ልዕሊ ሓደ እዋን ክስዕርዎም ኪኢሎም’ዮም። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ግን ተጋሩ ከም ወተሃደራት ሓደ ሓያል ጎይታ ዘይኮኑስ ከም ትሑታት ደለይቲ ስራሕ ኮይኖም ኢዮም መጺኦም። ድሕሪ ጣልያን ንኢትዮጲያ ኣብ 1935-36 ምጉባጣ፡ ክልል ኤርትራ ናይ ጣልያናዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምቛም ትግራይ ምስ ኤርትራ ተላጊባ። እዚ ከኣ ፍልሰት ጉልበት ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝያዳ ኣጽዒቑ። ከም ኣብ’ቲ ሓጺር ግዜ ዝጸንሐ ቀዳማይ ጐበጣ ትግራይ ብጣልያን (1889-96)፡ ኤርትራውያን ተሓጋገዝቲ ጠላይን፡ መግዛእታዊ ምሕደራ ጣልያን ኣብ ሓዳስ ዓባይ ኤርትራ ንምቁጽጻር ትግራይ ዝጥቀመሎም መሳርሒ ኮይኖም። ብተመሳሳሊ፡ ኤርትራውያን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጲያ ተሓጋገዝቲ መግዛእታዊ ምሕደራ ጣልያን ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም።

ከም’ዚ ዝበለ ምግልባጥ ተራታት ዋላ ኣየስተብህልሉ ደኣ’ምበር፡ ንከበሳውያን ብዝተወሰነ መጠን ዝመቀሮም’ዩ ዝመስል። ብርግጽ፡ ኣብ ምስ ተጋሩ ስደተኛታት ቅድሚ 1935 ከምኡ’ውን ድሕሪ 1935-36 ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝነበሮም ዝምድናታት፡ ከም’ቲ ኣብ ዝምድናታቶም ምስ ጠላይን ዘጓነፎም፡ ማሕበረ-ባህላዊ ትርኢት ልዕልናን ረቂቕ ዝሽፋኑ ትምክሕተኝነትን ከንጸባርቑ ጀሚሮም። ንተጋሩ ስደተኛታት ካብኦም ዝተሓቱ ጌሮም ብምሓዝ ንዝነበሮም ካልኣይ ደረጃ መግዛእታዊ ዜግነት ኣካሓሒሰሞ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ዝምድናታት እዞም ክልተ ኣህዛብ ሓደ ብልምዳዊ ኣበሃህላታትን ዓሌታዊ ክብሃል ዝከኣል ምጥምማት ሓድሕድን ዝተዓብለለ ተርእዮ ተቐልቂሉ። ኤርትራውያን ንገዛእ ርእሶም ካብ ተጋሩ ንላዕሊ ዝያዳ ዘመናውያን፡ ዝያዳ ስልጡናት፡ ዝያዳ ምስ ኤውሮጳውያን ምምስሳል ዘለዎም ገይሮም ቈጺሮም። ብተወሳኺ ንተጋሩ ናብ ምድብ ዘይሰልጠኑን ድሑራትን ህዝቢ ምውራድ፡ ንተጋሩ ከም ትሑታት ጌሮም ክሕዝዎምን ከም ሸቃሎ ጉልበትን ተወፋሮ ሓረስቶትን መጠን ድማ ቁጠባዊ ምብዝባዞም መኽንያታዊ ክገብርዎ ዝሓገዞም ይመስል። ተጋሩ ብወገኖም፡ ንደቂ ከበሳ ኤርትራ ንክምዝምዝዎም ከም ዝተዓጥቁ ዓሌታውያን ጌሩ ዘቕርብ ኣምር ኣማዕቢሎም። ዓጋመ — ኣውራጃ ቀዳሞት ተጋሩ ስደተኛታት — ንኩሎም ተጋሩ ስደተኛታት ኣብ ኤርትራን ንተጋሩ ከኣ ብሓፈሻ ዝገልጽ ኣጠቓላሊ ቃል ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ኣቋናጻቢ ትርጉም ዝሓቈፈ’ውን ኮይኑ።

እዚ ክስተት ድሕሪ መግዛእቲ ጣልያን ቀጺሉ። ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ግዝኣት ብሪጣኒያን ኣብ መጀመርታ ዓመታት ፈደረሽን ከኣ’ሞ ሓቀኛ ከተማዊ ማእከላይ ደርቢ ኣብ ኤርትራ ስለዝተቐልቀለን ንንብረትን መዓርጋትን ዝኸዱ ጠላይን ስለዝወረሰን መሊሱ ቢኢሱ። ሽሕ’ኳ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እዚ ደርቢ ፖለቲካዊ ዝምባሌታት ናብ ሰልፊ ኣንድነትን ኢትዮጲያን ኣብ መወዳእታ ክፋል ግዝኣት ብሪጣንያን ኣብ መጀመርታ ዓመታት ፈደረሽንን እንተኣርኣዩ፡ ኣብ ዝምድናታቶም ምስ ተጋሩ ስደተኛታትን ተቐማጦ ትግራይን ግን ከም “ድኻታት ድሑራት ኣዝማድ” ብምጥማት ልዕልና ምስ ምንእኣስ ዝሓወሰ ጠባይ ኣንጸባሪቖም። ድሓር’ውን ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጲያ ምስ ተሰደዱ፡ ባህላዊ ልዕልና ዘመልክት ባህሪ ምዕቃብ ቀጺሎም። ዘይከም ናብ ኤርትራ ዝተሰዱ ተጋሩ፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ድኻታት ኣይነበሩን። ኣብክንድኡ ኣባላት ዝተማህረን ዋኒን ዝሓዘን ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም ነይሮም። ስለዝዀነ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ማሕበረ-ባህላዊ ፍልልያት ድሕረባይታን ደረጃን ንተጋሩን ኤርትራውያንን ኣብ ኢትዮጲያ እንተዀነ’ውን ፈላሊዎም። ንኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዝጸንሐ ኣሉታዊ ልምዳዊ ኣበሃህላታት ዝሓቘፈ ኣረዳድኣ ከኣ መሊሱ ኣትሪርዎ።

ምስ ግዜ፡ ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተጋሩ ነጋዶን ወነንቲ ትካላት ንግድን ብምዃን ቁጠባዊ ዓወት ኣመዝጊቦም። ኣባላት ዋኒን ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ብምንባሮም፡ ነቶም ንስኡናት ተወለድቲ ትግራይ ዝያዳ ግዳያት ዝገብሩ ዝነበሩ ጉሉሓት መርኣያታት ማሕበራዊ ኣድልዎ ብዙሕ ዝተቓልዑ ኣይነበሩን። እንተዀነ ኣሉታዊ ልምዳዊ ምስሊ ዓጋመ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከበሳ ቀጺሉ። ኣብ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ ድማ ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑ። ባህላዊ ትምክሕትን ኣነኣኣሲ ኣጠማምታ ከበሳ ኣብ ተጋሩን ቅንኢ፡ ፈኸም ዝብል ምረት ከምኡ’ውን ዘይምትእምማን ዝሓዘለ ናይ ትሕቱነት ስምዒት ተጋሩ ከማዕብሉ ደሪኹ። እዚ ኣገላልጻ ኣንፈታት ዝምድና ከበሳን ትግራይን ብርግጽ ኣጠቓላሊ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ክልቲኡ ሕብረተሰባት ዝተጠቕሱ ባህርያት ዘየማዕበሉ ብዙሓት ውልቀሰባት ምንባሮም ዘጠራጥር የብሉን። ውልቀሰባት ዝተጠቕሱ ባህርያት ከም ዝነበሮምን ንኣጠማምታ ሓድሕዶም ከኣ ከም ዘደበኑን ብዙሕሳዕ ብምስትውዓል ይርድኡ ከምዘይነበሩን ከነስተብህል’ውን ይግባእ።

ካብ መወዳእታ ክፋል መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ፡ ኤርትራውነት ወይ ኤርትራዊ መንነት ዘመናዊ ቀጸላ ሕብረተሰብ ከበሳ ከም ካብ ሓበሻ ወይ ኣቢሲንያዊ መንነት ዝተነጸለ መንነት ዘይኮነስ ከም ንጹር ንኡስ-ምድብ ኣብ ውሽጢ ዝሰፍሐ መንነት ሓበሻ፡ ካብ’ቲ ንኡስ-ምድብ ሓበሻ ዝዀነ መንነት ትግራይ’ውን ዝተፈልየ ኮይኑ ዝተጋህደ ይመስል። ምስ ቀስብቐስ ብመልክዕ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝተንሰአ ከበሳዊ ሃገራውነት ጥራሕ’ዩ ከኣ መንነት ካብ መዘና ትግራውን ኣምሓራይን ሓበሻ ዝነበረ ኤርትራዊ ሓበሻ ናብ መዘና ኢትዮጵያውነት ዝዀነ ኤርትራውነት ዝተቐየረ። ከም’ዚ ዝበለ ለውጢ ድማ ንኣብ መንጎ ኣህዛብ ተዛረብቲ ትግርኛ ከበሳን ትግራይን ዝጸንሐ ሃጓፍ ቅርጻዊ ስፍሓት ወሲኽሉ። ካብ’ዚ ህሞት ንዳሓር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዝዓይነቱ ሰፊሕ ባህላዊ ክውንነት ኣዝማድ ዘይኮኑስ ኣካል ዝተፋላለየ ፖለቲካውን ሃገራውን ክውንነታት ኮይኖም። ናብ ክልተ ነንሕድሕዶም ዝጻረሩን ዝዓበዩን ሃገራውያን መንነታት’ውን በብወገኖም ተዋሃሂዶም።

ኣብ ዝስዕብ ክፋል ብዛዕባ ካብ ምጅማር ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ክሳብ 1980 ኣብ ዝምድናታት ተዛረብቲ ትግርኛ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ክንድህስስ ኢና።