እዚ 5ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።

ኲናት ሓርነት ኤርትራ ኣብ መፈጸምታ 1960ታት ናብ ከበሳታት ኤርትራ ምስኣስፋሕፍሐ፡ ኣብ ኤርትራ ዝቕመቱ ዝነበሩ ተጋሩ ስደተኛታት ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ሓደ ዓይነት ጠባይ ኣይተኸተሉን። ብዙሓት ወገን ከይሓዙ ጉዳይ ስርሖምን መነባብርኦምን ኣብ ምግባር ተጸሚዶም። ውሑዳት፡ ብቐንዱ ካብ ከተመኛታት ስድራቤታት ዝተወልዱን ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩን መማህርቲ ናብ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ ዝዀኑ፡ ኣብ ውግእ ሓርነት ተሳቲፎም። እንተዀነ፡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ብንጥፈት ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወጊኖም። ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ገጠራት ንዝሰፈሩ ተጋሩ ስደተኛታት ሓበርትን መራሕትን ክዀንዎ ብትግሃት ከቲቡ። ድሕሪ 1975፡ ከተመኛ ህዝቢ ከበሳ ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ስደት ክውሕዝ ምስጀመረ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዙሓት ሓደስቲ ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ኤርትራ ኣስፊሩ።

ትካል ጸጥታ ኢትዮጲያ መሓውራት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከተማታት ንምብታኽ ሙቕጻር ተጋሩ ስደተኛታት ኣሕይሉ። ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጲያውያን ኣንጻር ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ምስታፎም ከም ዕድል መፍደዪ ሕነ ንኣብ ትሕቲ ትምክሕቲ ከበሳ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ዝተሳቐይዎ ዝረኣይዎ ይመስል። ምውጋን ተጋሩ ምስ ኢትዮጲያ ካብ ተሳትፎ ተጋሩ ስደተኛታት ምስ ግንባራት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ንላዕሊ ዝዓመቘ ስምብራት ኣብ ተዘክሮ ሕብረተሰብ ከበሳ ገዲፉ። እዚ ከኣ ንዝጸንሐ ትግራዋይ “ድሑር”፡ “ተንኰለኛ” ከምኡ’ውን “ጠማዕ” ኢዩ ዝብል ሓፈሻዊ መረዳእታ፡ “ጠላም” ተወሲኽዎ። “ልቢ ትግራይ ጥውይዋይ” ንዝብል ልምዳዊ ኣበሃህላ ከበሳ ድማ መሊሱ ኣድሚቕዎ።

ተቓውሞ ኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጲያውያን ኣንጻር መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ብጉጅለኣዊ ምክፍፋልን ዝቀያየሩ ሽርክነታትን ዝተቐርጸ ነይሩ። ኣብ 1975፡ ዕጡቓት ምንቅስቓሳት ሓርነት ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ተቓላቒሎም። ንሳቶም ድማ ግንባር ሓርነት ትግራይ (ግሓት) ከምኡ’ውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነይሮም። ክልቲኦም ምንቅስቓሳት ትግራይ ሓያል ምግርጫው ምስ ሽዑ ቀንዲ ኢትዮጲያዊ ተቓዋሚ ኣብ 1974 ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኢትዮጲያ (ሰሰህኢ) ስለዝነበሮም፡ ፖለቲካዊ ምቹእነትን ሓቂ ዝጐደሎ ፖለቲካዊ ቅርበትን ምስ ምንቅስቓሳት ሓርነት ኤርትራ ክሻረኹ ኣገዲድዎም። እዚ ከኣ ቀረብ ኣጽዋር፡ ታዕሊም ከምኡ’ውን ደገፍ ናይ ወጻኢ ሓይልታት መታን ክረኽቡ ነይሩ።

ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ (ተሓት) ምስ’ታ ኣብ 1960 ዝቘመት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ምሕዝነት ክትምስርት ከላ፡ ህወሓት ከኣ ምስ’ታ ኣብ 1970 ክትቅልቀል ዝጀመረት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ሽርክነት ፈጢራ። ኤርትራውያን ምስ ውድባት ትግራይ ሽርክነታት ዝገበሩ ንበለጻዊ መኽንያታት’ዩ ክባሃል ይከኣል። ክልቲአን ግንባራት ኤርትራ ኣብ ሓድነታዊ ባህሪ ሃገረ ኤርትራ ይጸቕጣ ነይረን። ምቕልቃል ኣብ ብሄር ዝተመርኰሳ ዞባውያን ምንቅስቓሳት ሓርነት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ከም ሓደገኛ ተርእዮ ክጥምትኦ ናይ ግድን ነይሩ። ድሕሪ ውግእ ኣስመራ (ታሕሳስ 1974 ክሳብ ጥሪ 1975) ካብ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘጋጠመን ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ ግንባራት ኤርትራ ንኣብ ትግራይ ዝተፈጥራ ምንቅስቓሳት ከም ንወተሃደራዊ ጉልበት ኢትዮጲያ ዘዳኽማሉ ጠቐምቲ መሳርሒታት ቈጺረንኦ። ኣብ መንጎ ተሓኤን ግሓትን ዝነበረ ዝምድና ኣብ ፈለማ 1976 ህወሓት ንብርክት ዝበሉ መራሕቲ ካድራት ግሓት ቀፊዳ ብምቕታል ንዝተረፉ ድማ ናብ መሳርዓ ብምኽታት ምስ ጨፍለቐታ ተቛሪጹ። ተሓኤ ኣብ ልዕሊ መሻርኽታ ብዝወረደ ግፍዒ’ኳ ኣዚያ እንተነደረት፡ ክትወስዶ ዝኻኣለት ስጉምቲ ግን ኣይነበረን።

ኣብ ተቐራራቢ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ዝምድና ኣብ 1976 ህወሓት ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤኣ ንሕቶ ትግራይ ከም መግዛእታዊ ጉዳይ ዘቕርብ ፖለቲካዊ ውጥን ብምጽዳቕ ንናጽነት ትግራይ ብምሕላቓ ተባላሽዩ። ምንቅስቓሳት ኤርትራ ንጸገም ኢትዮጲያ ኣብክንዲ ፖለቲካዊ ናጽነት፡ ጠለባት ቋንቋውን ባህላውን መሰላት ብዝእምት ኣምራት ብሄራዊ ሕቶታት ጥራሕ ስለዝተገንዘብኦ እዚ መርገጺ ኣንጻር ፖለቲካዊ መረዳእታአን ነይሩ። ሓድነታዊት ሰሰህኢ በዚ ጉዳይ ምስ ምንቅስቓሳት ኤርትራ ሓደ ዓይነት መርገጺ ነይርዋ። ንህግሓኤ ካብ’ታ ዞባዊት ዝባህሪኣ ህወሓት ንላዕሊ ዝያዳ ትቃዶ መሓዛ’ውን ክትከውን ትኽእል ነይራ። ካብ 1976 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሰሰህኢን ትግራይ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ሓያል ውግእ ንኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ዘይምስምማዕ መሊሱ ኣጋዲድዎ። ንህግሓኤ ብፍላይ ዝመረራን ፈጺማ’ውን ዝነጸገቶን ጉዳይ ግን መደባዊ ሃቐና ህወሓት ንምሕባር ኩሎም ትግርኛ ዝዝረበሎም ቦታታት ኣብትሕቲ ዓባይ ትግራይ ነይሩ። እዚ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ሕሉፍ ጎይቶት ኲናት ትግራይ ንከበሳታት ኤርትራ ንምጉባጥ ዝገበርዎ ፈተነታት ኣዘኻኺርዎም። ስለዝዀነ፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ከይደንጐየ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ዝምድናታት ምሉእብምሉእ ተሰይሩ’ኳ ተዘይተባህለ፡ ዳርጋ ኩሉ ግን ተወንዚፉ።

ምቁራጽ ሽርክነት ህግሓኤን ህወሓትን ንምቕልቃል ብቐንዱ ኣብ በለጽ ዝተመርኰሰ ሓድሽ ሽርክነት ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል 1976 መንገዲ ከፊቱ። ተሓኤ ንደቡባዊ ጎድና ካብ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኢትዮጲያ ዝከላኸለላን ኣብ ምስ ህግሓኤ ንዕብለላ መላእ ኤርትራ እትገብሮ ቃልሲ ዝድግፋን ትግራዊ መሻርኽቲ የድልያ ነይሩ። ህወሓት ብወገና፡ ድሕሪ ምስ ህግሓኤ ዝነበራ ዝምድና ምብታኹ፡ ምስ ወጻኢ ዓለም እትራኸበሉ ኣፈፌት ንምርካብ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣንጻር ሰሰህኢን ዴሞክራስያዊ ሕብረት ኢትዮጲያን (ደሕኢ) ኣብ ተካይዶ ቃልሲ ዝሕግዝ ተሻራኺ ንምሓዝ ተሓኤ ተድልያ ነይራ።

ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣንጻር መቓናቕንታ ውድባት ዓወት ምስ ተጓናጸፈት፡ ከይደንጐየ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ምፍጣጥ ተራእዩ። ተሓኤ ካብ ብህወሓት ምድምሳስ ኣምሊጦም ናብ ኤርትራ ዝሃደሙ ዕጥቆም’ውን ዘውረዱ ተጋደልቲ ሰሰህኢ ከተአንግድ ወሲና። እንተዀነ ናብ ኣብትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ዝነበሩ ከባቢታት ትግራይ ኣይመለሰቶምን። ኣብክንድኡ ተወዳዲቦም ናብ ወልቃይት ሰሜን ጎንደር ክኣትዉ ፈቒዳ። ከም’ዚ ብምግባር ተሓኤ ነታ ካብ’ቲ ቦታ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዳርጋ ምሉእብምሉእ ተሓኺኻ ዝነበረት ደሕኢ ብሰሰህኢ ክትትክኣ ዝደለየት ትመስል። እንተዀነ ህወሓት ንወልቃይት ከም ኣካል ትግራይ ስለዝሓሰበቶን ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ኣብ’ቲ ቦታ ብምክያድ ካብ ቁጽጽር ካልኦት ውድባት ናጻ ዝዀነ ናብ ሱዳን ዘአቱ መንገዲ ክትከፍት ዕላማ ስለዝነበራን በዚ ፖሊሲ ተሓኤ ተቘጢዓ።

ማዕረማዕረ እዞም ዝተጠቕሱ ፍጻሜታት፡ ህወሓት ጉዳይ ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ትግራይ ዝቕመጡ፡ ብፖለቲካን ውትህድርናን ከኣ ኣብ ትሕቲ ተሓኤ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ኣልዒላ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ተሓኤ ብተግባር ኣብ መንጎ ባድመን ዓዲ ሃገራይን ዝርከብ ሰፊሕ ገጠራዊ ከባቢታት ሰሜን-ምዕራብ ትግራይ ኢያ ተማሓድር ነይራ። ህወሓት ነዞም ሰፋሮ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራ ከተእትዎምን ዳግመ-ምምቕራሕ መሬት ከተካይደሎምን ደልያ። ተሓኤ ነዚ ውጥን ዝተሰማማዓትሉ ትመስል፡ ዋላ’ኳ እቶም ሰፋሮ ኤርትራውያን ተሪር ተቓውሞ ተነበሮም። እንተዀነ፡ ክልቲኦም ግንባራት ጌና ኣብ ምርድዳእ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይ’ቲ መስርሕ ምስግጋር ከለዉ ህወሓት ብገዛእ ፍቓዳ መሓውር ምምሕዳራታ ከተቕውምን ዳግመ-ምምቕራሕ መሬት ከተካይድን ድሮ ጀሚራ ነይራ።

ብመሰረት ተሓኤ፡ ህወሓት ንኤርትራውያን ሰፋሮ ናብ መሰላት መሬት ክረኽቡለን ዝግብኦም ዳግመ-ምምቕራሕ መሬት ዝግበረለን ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከባ መበቆል ዓድታቶም ክምለሱ ነጊራቶም። ብተወሳኺ፡ ህወሓት ተጋሩ ሓረስቶት ካብ ካልእ ቦታታት ትግራይ ናብ’ተን ኤርትራውያን ሰፋሮ ዝነበርወን ዓድታት ብምምጻእን ተሳተፍቲ ዳግመ-ምምቕራሕ መሬት ብምግባርን ንኤርትራውያን ሰፋሮ ጐዲኣቶም። እዚ ዝተወሰነ ብረታዊ ምርጻም ዘኸተለ ሓያል ወጥሪ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ውድባት ክፍጠር ጌሩ። እንተዀነ፡ ተሓኤ ተሪር መማዛዘኒ ስጉምትታት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክትወስድ ኣይከኣለትን። መኽንያቱ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሰነ 1978 ዝተኸፍተ፡ ኣዕናዊ ሳዕቤናት’ውን ዘስዓበ ጸረመጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣንጻር ግንባራት ኤርትራ፡ ጌና ዳግመውዳቤ ኣብ ምክያድ ኢያ ነይራ።

ነገራት ብዝተዋዓውዑ፡ ሕቶ ዶብ ብሃንደበት ተቐልቂሉ። ኤርትራውያን ሰፋሮ እቲ ካብ ጫካ ናብ ግራውቲ ዝቐየርዎ መሬት ናይ ኤርትራ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ህወሓት ብወገና፡ ከባቢ ባድመን ካልኦት ኣብ ጥቓ ሩባታት በለሳን ራጉሊን ዝርከቡ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣከለጉዛይን፡ ኣብ እዋን ሃይለስላሴ ንምምሕዳር ትግራይ ግብሪ ስለዝኸፈሉ ናይ ትግራይ ክዀኑ ኣለዎም ብምባል መጒታ። ተሓኤ ኣብ መንጎ ጣልያንን ኢትዮጲያን ዝተፈረሙ ውዕላት ዶብ ምርኩስ ብምግባር እዞም ከባቢታት ናይ ኤርትራ ምዃኖም ተገንዚባ። ህወሓት ግን ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ተከዘ ካብኡ ድማ ብትኽ ዝበለ መስመር ጌሩ ምስ መረብ ዘራኸበ ናይ 1902 ውዕል ብመግዛእታውያን ሓይልታት ዝተስገደደ ኢዩ ኢላ ብምዕዝምዛም፡ ኩሉ ደቡብ ካብ መረብ ዘሎ መሬት ናይ ትግራይ ኢዩ ብምባል ሓንጊዳ።

ካብ ፈለማ 1979 ንደሓር ዝምድና ህወሓት ምስ ተሓኤ ብፍጥነት ብዝተባላሸወ፡ ዝምድና ህወሓት ምስ ህግሓኤ ማዕረማዕሪኡ ብፍጥነት ተማሓይሹ። ካልኣይ ጉባኤ ህወሓት ንፖለቲካዊ ውጥን ህወሓት ኣተዓራርይዎ። ንሕቶ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዝምለስ ጉዳይ ብሄር ጌሩ ብምግላጽ፡ ንከበሳ ኤርትራ ኣካል ዓባይ ትግራይ ምግባር ዝብል ጻውዒት ገዲፍዎ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ለውጢ ብዘይጥርጥር ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተኻየደ ክትዕ ዘንጸባረቐ ነይሩ። እዚ ድማ ዓወት ኢትዮጲያዊ ኣተራጉማ ታሪኽ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግርኛዊ ኣተራጉማ ኣመልኪቱ። እንተዀነ፡ እዚ ለውጢ ብመንጽር ምስ ተሓኤ እንዳገፍሐ ዝኸይድ ዝነበረ ሃጓፍ፡ ብኣድላይነት ምትዕራቕ ምስ ህግሓኤ ዝተሃወኸ ነይሩ።

ህግሓኤ ብወገና ሓድሽ መሻርኽቲ ኣብ ትግራይ የድልያ ነይሩ። እዚ ከኣ ሰሰህኢ ንናጽነት ኤርትራ ምድጋፋ ስለዘንሰሓሓበት ጥራሕ ዘይኰነስ እንኮላይ ድሕሪ ምስ ህወሓት ኣብ 1978 ዘካየደቶ ውግእ ሕድሕድ ምስዓራን ብቀይሕ ራዕዲ ዝተሰምየ ወፍሪ ደርግ ምድምሳሳን፡ ንደቡባዊ ጎድኒ ህግሓኤ ናይ ምክልኻል ጠቓምነታ ስለዘጥፍአት ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ህወሓት፡ ህግሓኤ ከምኡ’ውን ተሓኤ ንሳዕቤናት ኣብ ሰነ 1978 ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣንጻር ሰሜናውያን ግንባራት ክምክታ ስለዝነበረን፡ ገዚፍ ተጽዕኖ ኣብ ኣተሓሕዛ ከባብያዊ ጉዳያት እዘን ሰለስተ ውድባትን ኣብ መንጎ ሓድሕደን ዝነበረ ዝምድናታትን ነይርዎ።

ሰሜናዊ ደጀና ንምዕቃብ ከምኡ’ውን ኣንጻር ናብ ሱዳን ንምስጓጋ ተሓኤን መንግስቲ ኢትዮጲያን ዘካይድዎ ዝነበሩ ፈተነታት ንምምካን ብዓቅሊ ጽበት ትጋደል ዝነበረት ህግሓኤ ብፍላይ ክቱር ድሌት ደቡባዊ መሻርኽቲ ነይርዋ። ስለዝዀነ፡ ህግሓኤ ንጉዳይ ኣብ ትግራይ ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ምስ ትግራይ ዘዋስን ዶብን ከተወንዝፎ ወሲና፡ ዋላ’ኳ ኣቐዲማ ካብ መርገጺ ተሓኤ ዘይፍለ ኣጠማምታ ኣብ’ዞም ጉዳያት ከም ዝነበራ ንጹር ተነበረ። ስለ’ዚ፡ ዳግመ-ምሕዳስ ሽርክነት ህወሓትን ህግሓኤን ኣብ ክልቲኡ ወገን፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት ዘኸተሎም ድሌታት ዝኣዘዝዎ ዳኣምበር፡ ኣብ ግምገማ ሕሉፍ ፍልልያትን ክልቲኤን ግንባራት ዝዓያሉ ሰፊሕ ማሕበረ-ስነኣእምራዊ ክውንነትን ዝተመርኰሰ ሓቀኛ ምትዕራቕ ዘንጸባረቐ ኣይነበረን።

ኣብ ዝመጽእ ክፋል እዚ ጽሑፍ ኣብ 1980ታት ክሳብ ሓርነት ኤርትራ ዝተራእዩ ፍጻሜታትን ሳዕቤናቶምን ክንፍትሽ ኢና።