እዚ 6ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ጎድኒ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ብምስላፍ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)ን ህግሓኤን ኣብ ዝተኻየደ ውሽጠ-ኤርትራዊ ውግእ ሕድሕድ ምስ ተሳተፈት ንደገፍቲ ተሓኤ ዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንምስ ተሓኤ ዝደናገጹ ከበሳውያን ድማ ብፍላይ ኣሰንቢዱ። ነቲ ንትግራዋይ ከም ጠዋይ፡ ዓማጺ፡ ከምኡ’ውን ጠላም ጌሩ ዘቕርብ ልምዳዊ ኣተሓሳስባ ከኣ መሊሱ ኣትሪርዎ። ድሮ ካብ ፈለማ 1983 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግሓኤን ዝተፈጥረ ሽርክነት ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎ። እዚ ድማ ህግሓኤ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ኲናት ብዘተ መዕረፊ ዝረኽበሉ ተኽእሎ ምስጢራዊ ዝርርብ ከተካይድ ስለዝወሰነት ነይሩ። ህወሓት መሻርኽቲ ህግሓኤ ክንሳ ዋላ’ውን ኣቐዲማ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከም ዘይተሓበረትን ተቓውሞ ምስ ኣስመዐት ከኣ ገርጫው ግብረመልሲ ካብ ህግሓኤ ከም ዝተዋህባ’ያ ትገልጽ። ነታ ንህግሓኤ ቅድሚ ቅሩብ እዋን ብኣሽሓት ተዋጋእታ ኣንጻር መጥቃዕቲ ቀይሕ ኮኾብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክትምክት ዝደገፈት ህወሓት ዝያዳ ዘስግኣ ግን፡ ዝካየዱ ዘተታት ተታዓዊቶም ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ንበይና ናይ ምግጣም ተኽእሎ ከየጋጥማ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ውድባት ዝነበረ ቆይቂ ከይደንጐየ ሰማይ ዓሪጉ። ህወሓት ንወተሃደራዊ ስትራተጂ ህግሓኤ ክትነቅፍ ጀሚራ። ህግሓኤ ከም’ቲ ህወሓት ዝገበረቶ ንሶቬት ሕብረት ማሕበራዊት-ሃጸያዊት ኢላ ስለዘይነቐፈት ከሲሳታ። ህግሓኤ ንህወሓት ማኦኛን ዓንዳሪትን ኢኺ ብምባል’ኳ እንተዘለፈታ፡ ብኣውርኡ ግን ንክስታት ህወሓት መልሲ ዘይምሃብ ብዝብል መትከል ነቲ ኩነታት ካብ ምብኣሱ ተቘጢባ። ኣብ ግንቦት 1985፡ ክልቲኤን ግንባራት ብኽንደይ ጋዶ ካብ ኣህላቒ ደርቅን ዓጸቦን 1984/85 ኣብ ዝወጻሉ፡ ወግዓዊ ዝምድናታት ተበቲኹን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምትሕብባር ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ተቛሪጹን ነይሩ። ሽሕ’ኳ ውሑድ ሓሓሊፉ ዝተራእየ ብረታዊ ረጽሚ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግሓኤን እንተነበረ፡ ክልቲኤን ወገናት ብረታዊ ጐንጺ ንጥፍኣተን ምዃኑ ከስተብህላ ክኢለን። ህግሓኤ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ኮነ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህወሓት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣየልዓለትን። ባድመ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ’ታ ኣብ 1980 ተሓኤ ካብ ከባቢታት ጋሽ ድሕሪ ምንስሓባ ነቲ ቦታ ዝተቛጻጸረት ህወሓት ቀጺላ።
ፍልልያትና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብኽፉት መንገዲ ንዛተ ንዝብል ሓሳብ ህግሓኤ ስለዝነጸገት፡ ህወሓት ኣቈጢዕዋ። ከም ተወሳኺ ጭብጢ ንዕቐትን ትምክሕትን ከበሳ ድማ ርእያቶ። ናይ ፕሮፓጋንዳ ወፍሪ ኣንጻር ህግሓኤ ከኣ ኣበጊሳ። ብትግራይ ጌሮም ናብ ሱዳን ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ህወሓት “ባህርን ጌጋታትን ህግሓኤ ዘቃልዑ ኢዮም” ዝበለቶም ፖለቲካዊ ኣስተምህሮታት ተዋሂብዎም። “ቃልሲ ኤርትራ ካበይ ናበይ” ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፍ፡ ክፍሊ ፖለቲካ ህወሓት ንህግሓኤ ከም ሃገራዊት ግን ድማ ዘይሓቀኛ ሃገራዊት-ዴሞክራስያዊት ሓይሊ ገሊጽዋ። ስለዝዀነ፡ ህወሓት ስልታዊ (ግዝያዊ) ሽርክነት ምስ ህግሓኤ ዳኣምበር ስትራተጂካዊ (ነባራይ) ምሕዝነት ክህልዋ ከም ዘይክእል ኣብሪሁ። ህወሓት ኣንጻር ህግሓኤ ንምቅላስ ምስ ናይ ብሓቂ ሃገራውያን-ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ ስትራተጂካዊ ሽርክነት ተቑመሉ መዓልቲ ከም ዝመጽእ እቲ መጽሓፍ ይነግር።
ንርእሰ-ውሳኔ ኣብ ዝምልከት ምጉት ህወሓት ዝገበረቶ ሕቡእ ምቅይያር ንህግሓኤ ብፍላይ ኣሰንቢድዋ። ድሕሪ 1985፡ ህወሓት ኣብ ፖለቲካዊ መደረታታ ኣብ መንጎ መግዛእታውን ብሄራውን ሕቶታት ዘሎ ፍልልያት ከተደብዝዞ ተራእያ። ሪፈረንደም ከም መደምደሚ መሳርሒ ኣብ ምውሳን ክልቲኡ ጉዳያት ብምቕራብ ተኻቲዓ። ነዚ ህግሓኤ ከም ካብ’ቲ ኣቐዲማ ብመኽንያት መግዛእታዊ ባህሪ’ቲ ሕቶ፡ ህወሓት ደገፋ ንዘይኩነታዊ መሰል ኤርትራ ንናጽነት ዝኣወጀቶ መህደሚ ንክኸውን ዝተፋሕሰ እከይ ፈተነ ጠሚታቶ። እዚ ለውጢ ብመስራሕቲ ፖሊሲ ህግሓኤ ከም ኣግላሲ ኢትዮጲያውነታዊ መስመር ኣብ ውሽጢ ህወሓት ሱር ይሰድድ ምህላዉ ዝእምት ኣሰር ተራእዩ። ከም’ዚ ዝበለ መስመር፡ ተዋሓደ ከበሳ ኤርትራ ፍንጫሕ መሰንገለ ኢትዮጲያ ብፍላይ ድማ ዓባይ ትግራይ’ዩ ዝብል እምነት ዝሓዘ ኢዩ። ብርግጽ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ትግራይ፡ ከበሳ ኤርትራ ኣካል ናይ’ቲ ኢትዮጲያ ብቐንዳ ዝተወለደትሉ ምንጪ ኣኽሱማዊ ባህሊ ስለዝነበረ፡ ካብ ኢትዮጲያ ብፍላይ ድማ ካብ ትግራይ ክፍለ የብሉን ዝብል ሓያል እምነት ኣሎ። እዚ እምነት ከኣ ምስ’ቲ ትግራይ ካብ’ቶም ናብ ስልጣን ደንጒዮም ኣብ 13 ዘመን ዝመጹ ኣምሓሩ ንላዕሊ ንኢትዮጲያን ታሪኻዊ ቀጻልነትን ትውክል ቀጥታዊት ወራሲት ኣኽሱም ኢያ ዝብል ሓሳብ ዝተኣሳሰረ ኢዩ።
ህግሓኤ ንውሑድ ምቅይያራት ህወሓት ኣብ ጉዳይ ርእሰ-ውሳኔ፡ ከም ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንምዕቃብ ዝዓለመ ምድላው ናይ ርሑቕ እዋን ስትራተጂ ጠሚታቶ። ህወሓት ኣብ ኣንጻር ህግሓኤ እተካይዶ ዘመተ መሻርኽቲ ዝዀንኣ ክልተ ካብ ምብትታን ዝበለየት ተሓኤ ዝተቐልቀላ፡ ተሪር ጸረ ሶቬት መትከል’ውን ዝሓዛ ደቀቕቲ ጉጅለታት ረኺባ። እንተዀነ ኣብ’ዚ እውን ናይ ቀደም ግርጭታት ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ከምኡ’ውን ዓሞቕቲ ገጸባህርያት ዝምድናታት ኤርትራን ትግራይን ኣይተፈትሑን። ድሕሪ 1985፡ ህወሓት ምዕሩያት ዝምድናታት ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ተተመስሪቶም ናጽነት ኤርትራ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከይከውን ይኽእል ኢዩ ዝብል መርገጺ ዓቒባ። ካብ 1985 ክሳብ 1986 ኣብ ዝነበረ እዋን ዋላ ብዓውታ ኣይትዛረበሉ እምበር ብፖለቲካዊ ትሕዝትኡ ኣቐዲሙ መርገጺ ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኢትዮጲያ (ሰሰህኢ) ዝነበረ መረዳእታ ብምውሳድ ምሉእንምሉእ ኣብ’ዚ ጉዳይ ገጻ ኣዝዊራ።
ህግሓኤን ህወሓትን ቀጥታዊ ምትሕብባር ኣቋሪጸናሉ ተጻባኢ ባህሪ ዘለዎ ዝህመት ድማ ኣብ መንጎ ሓድሕደን ሰፊንሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህግሓኤ ንስትራተጂ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ርእሰ-ውሳኔ ከም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝኽሰት ሓደጋ ንዝተደልየ ሸቶ ናጽነት ኤርትራ ስለዝጠመተቶ ብትግሃት ክትጻረሮ ፈቲና። ፈለማ ምስ ካብ ሰሰህኢ ዝተፈንጨለት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኢትዮጲያ (ዴምህኢ) ከም ኢትዮጲያዊት መማዛዘኒት ኣንጻር ህወሓት መታን ከተገልግላ ሽርክነት ክትፈጥር ጽዒራ። እንተዀነ፡ ኣብ ሓጋይ 1984-85፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ዴምህኢን ኣቦወምበር እታ ውድብን ብምትካእ ንዴምህኢ ምሉእብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ብምእታው ህወሓት ንጻዕርታት ህግሓኤ ኣበርዒና።
ድሕሪ’ዚ ዝፈሸለ ፈተነ ምድላይ ብሓቂ ሓድነታውን ሕብረ-ብሄራውን ኢትዮጲያዊ መሻርኽቲ፡ ህግሓኤ ምስ ካልኦት ኢትዮጲያውያን ሓይልታት ምሕዝነት ንምቛም ቁሩብ ግዜ ጸኒሓ። ኣብ መወዳእታ ግን ምስ’ታ ገለ ካብ ተዋጋእታ ኣቐዲሞም ኣብ 1980 ኣብ ደጀን ህግሓኤ ኣብ ሰሜናዊ ኤርትራ ዝተዓለሙ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ግሓኦ) ምትሕብባራ ከተጽዕቕ መሪጻ። ካብ 1987 ጀሚራ፡ ህግሓኤ ብንጹር ነታ ኦሮመኛ እምበር ሓድነታዊ ዕላማ ዘይነበራ ግሓኦ ደጊፋ። ኣስታት 3000 ዝዀኑ ኦሮሞቶት ካብ ሒዛቶም ዝነበረት ምሩኻት ኲናት ኢትዮጲያውያን ከኣ ክትከትብ ፈቒዳትላ። ብተወሳኺ ህግሓኤ ምስ ሓንቲ ካብ ግንባር ሓርነት ዓፋር (ግሓዓ) ዝተፈንጨለት ጉጅለ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ብኮሎኔል ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ዝተመርሐ ናጻ ምንቅስቓስ መኮነናት (ናምመ) ናብ ቀጥታዊ ምትሕብባር ኣትያ። ኮሎኔል ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ልዑል መዓርግ ዝነበሮ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኮይኑ፡ ኣብ 1986 ንስርዓት ደርግ ራሕሪሕዎ።
ኣብ ጥሪ 1988፡ ህግሓኤ ዓቢ ዓወት ኣብ ኣፍዓበት ተጓናጺፋ። ኣብ ሚያዝያ 1988፡ ሰራዊት ኢትዮጲያ ካብ ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ኣዝሊቑ። ኣብ ተማሳሳሊ እዋን ግን ከኣ ምስ መጥቃዕቲ ህግሓኤ ብዘይምውህሃድ፡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ህወሓት ንመብዛሕትኡ ክፋላት ትግራይ ኣብ ጥሪ 1988 ሓራ ከም ዝወጽእ ጌሩ። ድሕሪ 1977 ንመጀምርታ ግዜ፡ ሓርነት ኤርትራን ምእላይ ስርዓት መንግስቱ ኣብ ኢትዮጲያን ኣብ ቀረባ መጻኢ ተግባራውያን ከም ዝዀኑ ዘመልክት ርትዓዊ ተስፋ ሰፊኑ። ከም’ዚ ዝበለ ኣወንታዊ መረዳእታ ድማ ንህግሓኤን ህወሓትን ብዛዕባ ድሕሪ ኲናት ዝፍጠራ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብዕቱብነት ክሓስባ ደፋፊእወን። ድሕሪ ክልቲአን ግንባራት ብወግዒ ዝምድንአን ምብታኸን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ መጋቢት 1989 ህግሓኤ ምስ ህወሓት ብሓባር ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ተሳቲፋ። ኣብ ውግእ ተከዘ፡ ብኽልቲአን ዝቘመ ናይ ጥምረት ሓይሊ ንሓደ ንምዕራብ ትግራይ ዳግም ንምቁጽጻር ዝተላእከ ገዚፍ ኢትዮጲያዊ ሰራዊት ደምሲሱ።
ኣብ’ዚ ውግእ ዝተመስከረ ኣብ ጎድኒ ህወሓት ናይ ምስላፍ ድሉውነት ህግሓኤ፡ ምሕዋይ ዝሓለፉ ሃጓፋት ኣብ መንጎ ክልቲአን ውድባት ዘንጸባርቕ ኣይነበረን። ኣብክንድኡ፡ ተኽእሎ ካብ ምዕራብ ትግራይ ነቒሉ ኣንጻር ምዕራብ ኤርትራ ዝካየድ መጥቃዕትታት ኢትዮጲያ ንምብርዓን ነይሩ። ብጭቡጥ፡ ህግሓኤ ካብ ቅድም ንላዕሊ ዝሓየለ ጥርጣሬታት ብዛዕባ ናይ ርሑቕ እዋን ስትራተጂ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ነይርዋ። ኣብ 1989 ድማ ብንጥፈት ምትሕብባራ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ኢትዮጲያውያን ምንቅስቓሳት ኣዛይዳ። ምስ ጭንፋል ግንባር ሓርነት ዓፋር ኣብ ሕምብርቲ ከም ኣካል ወሎን ትግራይን ኮይኖም ክሳብ 1987 ዝተማሓደሩን ህወሓትን ንኡሽተይ መሻርኽታ ዴምህኢን ከኣ ከም ናተን ናይ ስርሒት ቦታታት ዝሓስብኦም ከባቢታት ዞባ ዓፋር ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣካይዳ።
ህግሓኤ ምስ ኣባላት መአዘዚ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ኣስመራ፡ ብመንገዲ ናጻ ምንቅስቓስ መኮነናት ኣቢላ ክትከውን ትኽእል፡ ርክብ ክትፈጥር ክኢላ። ንኣንጻር መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣብ ግንቦት 1989 ዘካየድዎ ፈተነ ዕልዋ ከኣ ደጊፋ። ኣብ ታሕሳስ 1989፡ ህግሓኤ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ምጉዕዓዝ 3000 ሓደስቲ ተዋጋእታ ካብ ደጀን ህግሓኤ ዝነበረ ምድሪ ሳሕል ኤርትራ ብሱዳን ተሳጊርካ ናብ ምዕራብ ወለጋ ሓጊዛታ። ግሓኦ ኣንጻር ዓበይቲ ዕርድታት ደርግ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንተካይዶ መጥቃዕቲ ንምድጋፍ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርክት ዝበለ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋራትን ዝዓጠቐ ሓይሊ ልኢኻ። ብሓገዝ ኤርትራውያን ኣሃዱታትን ሓደስቲ ዕጡቓታን ከኣ ግሓኦ ኣብ ጥሪ 1990 ንሰራዊት ኢትዮጲያ ካብ ከም በዓል ኣሶሳ፡ በጊ፡ መንዲ ዝኣመሰላ ተኸታተልቲ ከተማታት ምዕራብ ወለጋ ክትፍንቅሎ ክኢላ።
ዕላማ ናይ’ዚ ሓባራዊ ስርሒት፡ ግሓኦ ዘየቋርጽ መጥቃዕትታት ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጲያ ከተካይድ ክትክእል ንምብርትዓ ከምኡ’ውን ነታ ሽዕኡ ኣብ ከባቢ ባህርዳር በጺሓ ዝነበረት ህወሓት ካብ ናብ መሬታት ኦሮሞ ዝዀኑ ወለጋን ምዕራብ ሸዋን ምእታው ንምኽልኣ ነይሩ። እንተዀነ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንዝረኸበቶ ሓገዝ ኣብ መዓላ ኣየውዓለቶን። ናብ ውሽጢ ወለጋ ኣዕሚቋ ክትደፍእ ኣይከኣለትን፡ ካብ’ተን ሓራ ዝወጻ ከተማታት’ውን ኣብ ክረምቲ 1990 ደጊማ ኣንሰሓሒባ። ፈተነታት ህግሓኤ ንምቛም ናይ ገዛእ ርእሳ ሽርክነታት ምስ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዝርከባ ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳት ንህወሓት ኣስጊእዋ። ህወሓት ኣብ ትሕቲ መጉዚነታ ንኩሉ ዕቑር ዓቕሚ ብሄራውን ማሕበራውን ክፋላት ኢትዮጲያ ዘአንግዳ ፖለቲካውያን ውድባት ንኽትፈጥር ዘኽእላ ፖሊሲ ንኸተተግብር ከኣ ብርግጽ ደፋፊእዋ። ኣብ ማእከላይ ክፋል 1990፡ ብዙሓት ካብ’ዘን ውድባት ኣባላት ሰውራዊ ዴሞክራስያዊ ግንባር ህዝቢ ኢትዮጲያ (ሰዴግህኢ) ኮይነን።
ዋላ’ኳ ኣንጻር መንግስቱ ዝተፈተነ ወተሃደራዊ ዕልዋ እንተፈሸለ ከምኡ’ውን ጻዕርታት ግሓኦ ፍረ እንተዘይተረኽቦ፡ ግሓኤ ብዘይዝዀነ ቀጥታዊ ምትሕብባር ምስ ህወሓት እንተወሓደ ክሳብ ነሓሰ 1990 ወሳኒ ዓወት ኣብ ኤርትራ ከተመዝግብ ዝፈተነት ትመስል። እንተዀነ፡ ኣብ’ታ ወርሒ እቲኣ፡ ንደቀምሓረ ብናይ ፊተፊት ህጅማ ንምሓዝ ከምኡ’ውን ንኣባላት ሰራዊት ኢትዮጲያ ጉቦ ሂብካ ጉልባብ ዝለበሱ ሓይልታት ህግሓኤ ከም ዘእትዉ ጌርካ ኣስመራ ንምቁጽጻር ዝተኻየዱ ፈተነታት ፈሺሎም። ንህግሓኤ ከኣ ናይ ሓጺር እዋን ወተሃደራዊ ኣማራጺታታ ዳግማይ ክትሓስበሉ ኣገዲድዋ። ኣድላይነት ዳግመ-ግምገማ ብመኽንያት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ዞባዊ ክውንነትን ዝያዳ ዓዚዙ።
ድሕሪ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ምስ እስራኤል ኣብ መወዳእታ ክፋል 1989 ዳግማይ ኣቚሙ። ኣብ መጀመርታ 1990 ስርዓት መንግስቱ ዝነበሮ ሽፋናት ማሕበርነት ብምጥንጣን ርእሰ-ማልነት ኣዊጁ፡ ሽሕ’ኳ ብወግዒ ክፉት ዕዳጋ ቁጠባ እንተዘየታኣታተወ። ብመኽንያት ምብትታን ሶቬት ሕብረት፡ ብፍላይ ድማ ወረራ ኩዌት ብዒራቕ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ንሱ ዝፈጠሮ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘሳተፈ ዓቢ ሓደጋ ወተሃደራዊ ግርጭት ኣብ ወሽመጥ ዓረብን፡ ተኽእሎ ምምላስ ኢትዮጲያ ናብ ምዕራባዊ ደምበ ዝያዳ ከም ዝውስኽ ጌሩ። ብጥበብ ዝመልኦ መናውራ፡ ስርዓት መንግስቱ ኣንጻር ዒራቕ ዝዀነ ፖለቲካዊ መርገጺ ብምሓዝ ንህግሓኤን ህወሓትን ከም ደገፍቲ ዒራቕ ጌሩ ኣቕሪብዎም።
ብኣጠማምታ ህግሓኤን ህወሓትን፡ ቅልውላው ወሽመጥ ብምምዝማዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ምዕራባዊ ደምበ ዝኣትወሉ በሪ ከርሑ ከም ዝኽእል ዘገንዝብ ርትዓዊ ሓደጋ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ ንሰንከልከል ዝብል ዝነበረ ቁጠብኡን ሰራዊቱን ዘደልድለሉ ሓደስቲ ምንጭታት ረዲኤት ገንዘብን ኣጽዋርን ይረክብ ማለት ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ክልቲኦም ህወሓትን ህግሓኤን፡ ስለዝጓሕጉሕዎ ዓቕሚ-ሰብን ጸጋታትን ሕብረተሰቦም ዳርጋ ኣብ ምውድኡ ምንባሩ ተረዲኦም። ካብ 1988 ጀሚሩ ዝተኻየደ ገዚፍ ቅልስ ኲናት፡ ንሒደት ውሽጣዊ ጸጋታት ክልቲኡ ብኲናት ዝነደየ ሕብረተሰባት ኰስቲርዎ። ከም’ዚ እንዳበልካ’ውን ንመወዳእታ ዘይብሉ እዋን ክቕጸል ከም ዘይክእል ኣስተብሂሎም። ወገኖም ዘለዎ ብምጽንቃቑ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ከኣ ኣህጉራዊ ደገፍ ብምርካቡ ምልኣት ዘለዎ ወተሃደራዊ ዓወት ናይ ምምዝጋብ ዕድላቶም ቅድሚ ምቕሃሙ፡ ክልቲኦም ግንባራት ወሰንቲ ዓወታት ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ግዜ ከመዝግቡ ድማ ወሲኖም።
ነዚ ክውንነት ብምርዳእ፡ ክልቲአን ግንባራት ንዝሓለፈ ፍልልያተን ንጎድኒ ብምግዳፍ ብስዉር ለጋጊበንኦ። ሕቶታት ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን፡ ሰፋሮ ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ፡ ከምኡ’ውን ብፍላይ ምስ ህወሓት ዝተሻረኻ ኤርትራውያን ውድባት ናብ እዋን ድሕሪ ደርግ ተወንዚፎም። ሓንሳእ ንግዚኡ ንዝመቓቕለን ሸለል ክብልኦ ምስተገደዳ፡ ህግሓኤን ህወሓትን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምትሕብባረን ካብ ቅድሚ ምብታኸን ንላዕሊ ዝነበረ ኣዛይደንኦ። ንናይ መወዳእታ መድረኻት ህጅማ ማእከላይ ኢትዮጲያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ብዓቢ ጥንቃቔን ብዝርዝርን ወጢነንኦ።
ካብ ዳሕረዋይ ተግባራት ክልቲአን ግንባራት ክንርድኦ ከም ንኽእል፡ ኣብ ምስጢራዊ ዘተታተን ዝበጽሕኦ ሓፈሻዊ ስምምዕ፡ ህግሓኤ ንህወሓት ኣብ ኣንጻር ማእከላይ ኢትዮጲያ እተካይዶ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝሓዘቶም ቦታታት ኣብ ሓደጋ ከየውደቐት ምሉእብምሉእ ክትድግፍ ዝነበረ ይመስል። ከም ዓስቢ ቀልጢፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ክትሕዝ ዘኽእል ዝተቐበለቶ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ህወሓት ንኣምር ናጽነት ኤርትራ ዓይና ከይሓሰየት ክትቅበል ነይሩ። ህግሓኤ ብወገና፡ ስምዒታት ኢትዮጲያን ሓሳባት ህወሓት ኣብ ጉዳይ ርእሰ-ውሳኔን ንምትእንጋድ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንሓዋሩ ዝውስን ሬፈረንደም ድሕሪ ክልተ መዳለዊ ዓመታት ክካየድ ተቐቢላ። ክሳብ ሬፈረንደም ዝካየደሉ ግዜ፡ ህግሓኤ ንኤርትራ ብዘይዝዀነ ምትእትታው ካብ ወገን ኢትዮጲያ ከም ተማሓድራ ማዕረማዕሪኡ ንጹር ነይሩ።
ዳግም ዝተሓደሰ ምትሕብባር ብቕልጡፍ ውጺኢት ተረኺብሉ። ኣብ መወዳእታ ለካቲት 1991፡ ብብርክት ዝበላ ብርጌዳት ታንክን ከቢድ ብረትን ህግሓኤ ዝተሰነያ ኣሃዱታት ሰዴግህኢ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኣንጻር ማእከላይ ኢትዮጲያ ዝነበረ ስርሒት ቴድሮስ ከፊተን። ጥሙር ሓይልታት ህግሓኤን ሰዴግህኢን ዓወት እንዳተጓናጸፉ ንቕድሚት ኣብ ዝምርሽሉ ዝነበርሉ እዋን፡ ህግሓኦ ምንም ክትገብር ዘይትኽእል ተዓዛቢት ኮይና ተሪፋ። ንኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ናይ ገዛእ ርእሳ መጥቃዕቲ ብሸነኽ ምዕራብ ከተካይድ ፈጺማ ኣይከኣለትን። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝሓበሩ መሻርኽቲ ንኹሉ ተቓውሞታት ሰራዊት ኢትዮጲያ ጸራሪገሞ። ኣብ ግንቦት 26፡ 1991፡ ኣስመራ ብዘይዝዀነ ይኹን ተኹሲ ምሉእብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህግሓኤ ኣትያ። ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከኣ ምስ ሓራ ምውጻእ ዓሰብ መላእ ኤርትራ ካብ ጐበጣ ኢትዮጲያ ነጻ ኮይና። ኣብ ኢትዮጲያ፡ ብሰዴግህኢ ዝምርሑ ዝተሻረኹ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ግንቦት 28 1991 ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። በዚ ድማ ድሕሪ 17 ዓመታት ምሕደራ ደርግ ኣብቂዑ፡ ሰዴግህኢ ከኣ ናብ ስልጣን ደይባ።
ኣብ ዝቕጽል ክፋል ካብ ምሕራር ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ሪፈረንደም ዝነበሩ ምዕባሌታት ክንምርምር ኢና።