ዘይከም ግሪጎሪያዊ ዓውደግዜ፡ ዕለት ኣብ ግእዛዊ ዓውደግዜ ኣብ ፍርቂ-ለይቲ ኣይኰነትን እትፍልም። ኣብክንድኡ ጸሓይ ምስዓረበት ኢያ እትጅምር። እዚ ድማ ልክዕ ከም ኣይሁዳዊ ዓውደግዜ፡ ኣብ ጥንታዊ ዓውደግዜ ኢቲዮ-ኤሪትራ መዓልቲ ምስ መሰየ ትፍልም ማለት ኢዩ። መኽንያት ናይዚ ከኣ ካብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዝተወስደ ኢዩ1። እቲ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 1፡ “ምሸት ኰነ፡ ብጊሓት እውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ” ብምባል፡ ቀዳመይቲ ዕለተ ፍጥረት ከምዝፈለመት ይነግረና2

ያታዊት መዓልቲ ኢቲዮ-ኤሪትራ ናብ ክልተ ነፍሲወከፎም 12 ሰዓታት ዝሓዙ ክፋላት ኢያ እትምቀል። እቲ ቀዳማይ ክፍለግዜ ለይቲ ኰይኑ፡ ካብ 12 ሰዓት ዕራርቦ ክሳብ 12 ሰዓት ንግሆ የጠቓልል (ካብ ሰዓት 6 ድሕሪ-ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 6 ቅድሚ-ቀትሪ፡ በቋጻጽራ ግሪጎሪያዊ ዓውደግዜ ማለት ኢዩ). እቲ ካልኣይ ክፍለዕለት ብርሃን-መዓልቲ ኮይኑ፡ ካብ 12 ሰዓት ጊሓት ክሳብ ሰዓት 12 ምሸት ድማ ዝሓዘ ኢዩ (ካብ ሰዓት 6 ቅድሚ-ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ-ቀትሪ፡ ብግሪጎሪያዊ ኣቈጻጽራ ማለት ኢዩ)።

ሕብረተሰብ ኢቲዮ-ኤሪትራ ዕዮኣዊ ለውጢ ስለዘየካየደ3፡ ንናይ ኢድ ኰነ ንናይ ቤት ሰዓት ጋሻ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ናይ ኢድ ኰነ ናይ ቤት ሰዓት ካብ ወጻእተኛታት ኢዩ ፈሊጡ። ግዜ መዓልቲ ንምፍላጥ ዘይሜካኒካዊ4 ኣገባብ ክጥቀም ግድን ኢዩ ነይሩ። ስለዝዀነ፡ ብልምዲ ኢቲዮ-ኤሪትራውያን ኣብ ለጥ ዝበለ ቦታ ንጽላሎቶም ብኣእጋሮም ብምዕቃን ኢዮም እዋን ብርሃን-መዓልቲ ዝርድኡ ነይሮም። ግዜ ለይቲ ንምግምጋም ከኣ ኩነታት ኮዋኽብትን ወርሕን ይዕዘቡ ነይሮም።

መወከሲ ነጥብታት

  1. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:5-31። ↩︎
  2. መጽሓፍ ዘፍጥረት 1:5። ↩︎
  3. ሕብረተሰብ ኢቲዮ-ኤሪትራ፡ ዛጊት ካብ ጉልበታዊ ሕርሻዊ ቁጠባ ናብ ሜካኒካዊ ምምስራሕ ዝዓብለሎ ቁጠባ ኣይተሰጋገረን። እዚ ኩነታት ድማ ካብ ፍርያት ቴክኖሎጂ ከም ዝርሕቕ ገይርዎ ይርከብ። ↩︎
  4. ሓደ ነገር ሜካኒካዊ ዝበሃል፡ ክዓዪ ከሎ ዝንቀሳቐስ ክፋላት ክህልዎ ከሎ ኢዩ። ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሜካኒካውያን መሳሪሒታት ብሓይሊ ዘንድድ ሞተር ወይ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢዮም ዝዓዩ። ↩︎