እዚ ዝስዕብ ሄሮዶቶስ ብዛዕባ ጽንዓተምድራዊ መልክዕ ጥንታዊ ኢቲዮጲያ ዝተረኾ ኢዩ፣
“ናብ ኣንፈት ንምዕራብ ዝዛዘወ ደቡብ፡ እቲ ናብ ዕራብ ጸሓይ ዝረሓቐ ክፋል ዓለም ኢቲዮጲያ ኢዩ። ሕልፍን ትርፍን ወርቂ፡ ኣዚዮም ብዙሓት ሓራምዝ፡ ኩሉ ዓይነት ኣግራብ ዱር ከምኡ’ውን ዝበ ከኣ ይርከቦ። ሰብ ኢቲዮጲያ ካብ ኩሉ ሰብ እቶም ዝነውሑ፡ ዝመልክዑ ከምኡ’ውን ዝነወሐ ዕድመ ዘለዎም ኢዮም።”1
“… እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ብዝተኻእለኒ መጽናዕቲ፡ ማለት ክሳብ ከተማ ኤለፋንቲን2 ብናይ ገዛእ ርእሰይ ጉዕዞን ትዕዝብትን፡ ካብኡ ንንየው ድማ ካብ ምሕታትን ወረን ዝኣከብክዎ ኢዩ፣ ካብ ኤለፋንቲን ንደቡብ ኣንፈት ኣብ ትጓዓዘሉ፡ እቲ መሬት ብራኼ ይውስኽ። ልክዕ ከም’ቲ ሰባት ንኣብዑር ዝጸምዱ፡ እታ ጃልባ ብኽልቲኡ ወገናታ ብገመድ ተኣሲራ ብሰባት ትጉተት። እትውጠጠሉ ገመድ እንተተበቲኹ ብሓይሊ ናህሪ ፍሰት እቲ ፈለግ ኢያ እትግፋዕ። እዚ ክፋል ፈለግ ብጃልባ ክትሰግሮ ኣርባዕተ መዓልታት ይወስድ። ከም ፈለግ ማየንደር3 ከኣ ዝተጠዋወየ ኢዩ። ብተጐታቲት ጃልባ ን12 ስኮይኖይ4 ትጓዓዝ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ሰጥ ዝበለ ጐልጐል ትበጽሕ። ኣብ’ዚ ቦታ ሓንቲ ተኮምሶ ተባሂላ ትጽዋዕ ደሴት ኣላ።”5
“ካብ ኤለፋንቲን ንደቡብ ሸነኽ ኣብ ዘሎ መሬት6 ንመጀመርታ ግዜ ኢቲዮጲያውያን ተቐማጦ ትረክብ። ፍርቂ ተቐማጦ ናይ’ዛ ደሴት ኢቲዮጲያውያን ክዀኑ ከለዉ፡ ፍርቆም ድማ ግብጻውያን ኢዮም። ኣብ ጥቓ እዛ ደሴት ዓቢ ቀላይ ኣሎ። ኣብ ገማግም ናይ’ዚ ቀላይ ከኣ ሰበኽሳግም ኢቲዮጲያውያን ይነብሩ። ነቲ ቀላይ ድሕሪ ምሕላፍካ፡ ወሓዚ ኒል ትረክብ። ናብ’ቲ ቀላይ ከኣ ይኣቱ። ቀጺልካ ካብ ጃልባ ወሪድካ ንደንደስ ኒል ተኸቲልካ ን40 መዓልታት ትጓዓዝ። መኽንያቱ፡ ኣብ’ዚ ክፋል ኒል ጃልባ ከይትሓልፍ ዝኽልክሉ ዝተወጠሙ በላሕቲ ኣኻውሕን ብዙሓት መርጀናትን ኣለዉ። ነዚ ክፋል ኒል 40 መዓልታት ካብ ጃልባ ወሪድካ ብምጉዓዝ ድሕሪ ምስጋርካ፡ እንደገና ኣብ ጃልባ ትስቀል። 12 መዓልታት ብጃልባ ተጓዒዝካ ከኣ ኣብ ዓባይ ከተማ ሜረወ7 ትበጽሕ። እዛ ዓባይ ከተማ፡ ርእሰከተማ መላእ ኢቲዮጲያ ምዃና ይዝረብ። ተቐማጦ እዚ ቦታ ብዘይካ ዙስን ዲዮኒሶስን8 ካልኦት ኣማልኽቲ ኣየምልኹን ኢዮም። ነዞም ክልተ ኣማልኽቲ ኣዚዮም ኢዮም ዘኽብርዎም። ብስም ዙስ ዝጽዋዕ መጠንቈሊ ስፍራ ድማ ኣለዎም። እዚ ኣምላኽ ብፈላጢኡ ገይሩ ኣብ ዝኣዘዞም፡ መዓስን ኣበይንን ብዘየገድስ ሰራዊቶም ይልእኹ።”9
“ከም’ቲ ካብ ኤለፋንቲን ናብ ከተማ ሜረወ ዝምርሓቑ ብማይ ተጓዒዝካ፡ ናብ መሬት ጠለምቲ ትበጽሕ። እዞም ጠለምቲ፡ ኣስማኽ ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ። ብቋንቋ ግሪኽ ክትርጐም ከሎ ከኣ “ኣብ ጸጋማይ ኢድ ንጉስ ዝቘሙ” ማለት ኢዩ። ብመኽንያት እዚ ዝስዕብ ጠንቂ ሸፊቶም ናብ ኢቲዮጲያውያን ዝጠለሙ ክልተ ሚእትን ኣርባዓን ሽሕ ግብጻውያን ተዋጋእቲ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ዘመነ ንግስነት ሳመቲኮስ፡10 ኣብ ዶባት ግብጺ ሓለውቲ ተመዲቦም፣ ገለ ናብ ሸነኽ ኢቲዮጲያ ኣብ ከተማ ኤለፋንቲን፡ ካልኦት ኣብ ዳፍናይ ናይ ፐሉሲዮን ናብ ኣንፈት ምድሪዓረብን ኣሶርን፡ ካልኦት ድማ ኣብ ማሪያ ናብ ሸነኽ ሊብያ። ዋላ ኣነ ኣብ ዝነበርክሉ ግዜ፡ ሓለውቲ ፋርስ ብኸምቲ ኣብ ዘመነ ንግስነት ሳመቲኮስ ዝነበረ መንገዲ ዝተወደቡ ነይሮም። ከመይ፡ ኣብ ኤለፋንቲን ኰነ ኣብ ዳፍናይ ፋርሳውያን ስፍራታት ሓለዋ ኣለዎም። እዞም ዝዛረበሎም ዘለኹ ግብጻውያን ንሰለስተ ዓመታት ብዘይዕረፍቲ እኳ እንተሓለዉ፡ ካብ ሓለውኦም ከብርዮም ዝመጸ ኣይነበረን። ከም ሳዕቤኑ፡ ብሓንሳብ ብምምካር ሓባራዊ ስጉምቲ ወሲዶም። ኩላቶም ተኣኻኺቦም ካብ ፋርኦን ሳመቲኮስ ብምሽፋት ናብ ኢቲዮጲያ ነቒሎም። ነዚ ምስ ሰምአ፡ ሳመቲኮስ ከርክቦም ተጓይዩ። ምስ ኣርከቦም ድማ ብዙሕ ለሚንዎም። ኣማልኽቲ ሃገሮም፡ ደቆምን ኣንስቶምን ከይጠልሙ ከእምኖም ጽዒሩ። እዚ ምስ በሎም፡ ሓደ ካብኣቶም ናብ ብሕታዊ ንብረቱ ብምምልካት፡ ኣበይ ብዘየገድስ፡ እዚ ኣብ ዘለዎ ቦታ ደቂ ኰነ ኣንስቲ ከጥርዩ ከምዝኽእሉ ነጊርዎ ይብሃል። እቶም ተዋጋእቲ ኣብ ኢቲዮጲያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ንጉስ ኢቲዮጲያውያን ኢዶም ሂቦም። ንሱ ድማ፡ ከም ዓስቢ ንገለ ዝተባእስዎ ኢቲዮጲያውያን ኣባሪሮም ኣብ መሬቶም ክቕመጡ ጋቢዝዎም። እዞም ሰባት ኣብ ምድሪ ኢቲዮጲያ ድሕሪ ምስፋሮም፡ ኢቲዮጲያውያን ኣብ ባህርያቶም ህድእ ዝበሉ ኰይኖም። እዚ ድማ ወግዕታት ግብጻውያን ስለዝተማህሩ ኢዩ።”11
“… ካብ ኤለፋንቲን ናብ ምድሪ እቶም ጠለምቲ12 ንምብጻሕ፡ ብማይን ብመሬትን ን4 ኣዋርሕ ትጓዓዝ። ኣብ’ዚ ቦታ፡ ፈለግ ኒል ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ገጹ ይውሕዝ። ካብኡ ቀጺልካ ግና እንታይ ይርከብ ብንጹር ዝፈልጥ ሰብ የለን። መኽንያቱ እቲ ቦታ ዘቃጽል ሙቘት ኣለዎ።”13
መወከሲ ነጥብታት
- መጽሓፍ 3፡ ምዕራፍ 114። ↩︎
- ናይ ሎሚ ከተማ ኣስዋን፡ ግብጺ። ↩︎
- ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ፈለግ ቡዩክ መንደረስ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ደቡብ-ምዕራብ ናይ ሎሚ ሃገረ ቱርኪ ድማ ይርከብ። ↩︎
- ኣስታት 145 ኪሎሜተራት። ↩︎
- መጽሓፍ 2፡ ምዕራፍ 29። ↩︎
- ኣብ ደቡባዊ ኒል፡ መንጽር ኣስዋን ግብጺ ዘላ ደሴት ማለቱ ኢዩ። ↩︎
- ሜረወ ኣብ ጥቓ ናይ ሎሚ ሸንዲ፡ ሱዳን እትርከብ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ኢያ። ↩︎
- ግሪኻውያን ኣማልኽቲ መዘናታት ኣማልኽቲ ዓሞንን ኦሲረስን ናይ ግብጺ። ↩︎
- መጽሓፍ 2፡ ምዕራፍ 29። ↩︎
- እዚ ካብ 664 ክሳብ 610 ቅድሚ ልደተክርስቶስ ኣብ ግብጺ ዝነገሰ ፋርኦን ሳምቲክ ቀዳማዊ ኢዩ። ↩︎
- መጽሓፍ 2፡ ምዕራፍ 30። ↩︎
- መግለጺ ሄሮዶቶስ ንምድሪ ሰናር ናይ ሱዳን ዘመልክት ኢዩ። ስለ’ዚ እዚኣቶም ኣበዋት ህዝቢ ፉንጂ ናይ ሱዳን ከይኰኑ ኣይተርፉን ኢዮም። ፉንጂ፡ ኣብ ኤሪ-ኢቲዮጲያ በለው ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። ↩︎
- መጽሓፍ 2፡ ምዕራፍ 31። ↩︎
ምንጭታት
Herodotus (1890) The History of Herodotus. Translated into English by G. C. Macaulay. Digitally printed by Gutenberg 2001. Volume I. MacMillan and Co.: London and New York.
Herodotus (1920-1925) The History of Herodotus. With an English translation by A. D. Godley. Volumes I and II. Harvard University Press: Cambridge, MA.