ቤተክርስትያናት ሓበሻ ጽንብል ጥምቀት ዓመታዊ ኣብ ጥሪ 10 ዓውደኣዋርሕ ግእዝ ወይ 19/20 ግሪጎሪያዊ ዓውደኣዋርሕ ብድምቀት የኽብርኦ። ብያታ ሓበሻ ጥምቀት ካብ ልደት ንላዕሊ ኢዩ ብዝበለጸ ዝጽንበል ነይሩ። ሓበሻውያን ልክዕ ከም ካልኦት ምብራቓውያን ክርስትያናት፡ ጽንብል ጥምቀት ምግላጽ መድሓኔ ዓለም ብምጥማቕ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብየውሃንስ መጥመቕ፡ ኣብ ማያት ፈለግ ዮርዳኖስ ዝዝክርሉ ኢዩ። ሎሚ ግና፡ ልዕሊ ክልተን ፈረቓን ዘመናት ንድሕሪት ተመሊስና ንኣከባብራ ባዓል ጥምቀት ኣብ ግዜ መስፍንነት ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ኣብ ምድረትግርኛ ክንዕዘብ ኢና።
እዋኑ ብዓውደኣዋርሕ ፈረንጂ ጥሪ 1770 ኢዩ። ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ንመብዛሕትኡ ክፋላት ምድረትግርኛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ካብ ዘሕብሮ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ኣሎ (ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቱርካውያን ዝነበረ ገዲፍካ ማለት ኢዩ)። ንዓድዋ ርእሰከተማ ምድረትግርኛ ገይሩ ኣቚምዋ ኢዩ። ኣብ፣ዚ ዕለት ግና፡ እቶም ምርኡይ ሰብኣይ ኣብ ከተማ የለዉን። ናብ መጻርርቶም፡ ሹም ዳሞት ፋሲል ወረኛ፡ ኣብ ምግስጋስ ኢዮም ዘለዉ። ስለዚ ኣይከጓንፉናን ኢዮም። ይኹን እምበር፡ እስኮትላንዳዊ ገያሻይ፡ ጀይምስ ብሩስ፡1 ኣብ ጽንብል ጥምቀት ከተማ ዓድዋ ክሳተፍ ተጋቢዙ ኣሎ። ምስ ናይሽዑ ሹም ዓድዋ ደገዝማት ወልደሚካኤል ኰይኑ ዝራኣዮን ዝገበሮን ዘበለ ከዘንትወልና እውን ፍቓደኛ ኢዩ፥
እቲ ኣብ መንጎ ከተማ ዓድዋን ቤተክርስትያናን ዘሎ ንእሽተይ ሩባ ካብ ዝግደብ ብዙሕ መዓልታት ይገብር። ሓጋይ ስለዝነበረ ግና፡ እቲ ወሓዚ ውሑድ ነይሩ፡ ከም ውጽኢቱ ዳርጋ ኣየዕለቕለቐን። ኣብ ገሊኡ ኣስታት 1 ሜትሮ ኣቢሉ ዝወሸጠ ነይሩ፡ ኣብ ካልእ ክፋላቱ ምናልባት 120 ሰንቲሜተር፡ ወይ ቁሩብ ካብኡ ዝዓሙቕ። ኣብታ ድሮ ጥምቀት ዝነበረት ንግሆ፡ ሰለስተ ገፋሕቲ ድኳናት ተተኽሉ፥ ሓደ ብሰሜን መታን እቶም ኣቕሽሽቲ ኣብ መንጎ ኣገልግለቶም ከዕርፍሉ፡ ምስኡ ከኣ ዝማኸርሉ ካልኣይ ድኳን፤ ኣብ ደቡብ ድማ መነኮሳትን ኣቕሽሽትን ናይ ካልእ ቤተክርስትያን ብጊዲኦም ዘዕርፍሉ ሳልሳይ ድኳን ቈመ። ፍርቂ ለይቲ ምስኰነ፡ እቶም መነኮሳትን ኣቕሽሽትን ተኣኻኸቡ እሞ፡ ኣብ ጐኒ እቲ ግድብ በብጉጅለ እንዳተበራረዩ ክጽልዩን መዝሙረ-ዳዊት ኬዝይሙን ጀመሩ። ጊሓት ምስኰነ፡ ሹም ዓድዋ ደገዝማት ወልደሚካኤል፡ መታን ንራእሲ ሚካኤል ሰብኡት ከኽትት ምስገለ ወተሃደራት ናብቲ ቦታ መጸ። ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ኣንጻር ሹም ዳሞት ፋሲል ወረኛ ይግስግስ ነበረ። ርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ኣብ ዝነበረ ኩጀት ንወተሃደራቱ ሓዲግዎም ኢዩ መጺኡ። ብኣጋርን ብፈረስን ድማ ይጋጠሙ ነይሮም።
ጸሓይ ክትበርቕ ምስጀመረት፡ ሰለስተ ልብሲ ካህናት ዝተኸድኑ ኣቕሽሽቲ ሰለስተ ዓበይቲ መስቀላት ዕንጸይቲ ጸይሮም መጹ እሞ፡ ናብቲ ሩባ ብምቕራብ ኣብቲ ማይ ኣጥለቕዎም። እዚ እንዳዀነ ከሎ፡ ገና ምትኳስ ነፍጥታት [ኣብ ክንዲ ርሽታት]፡ እቲ ግጥማትን ጸሎትን ኩሉ ተሓዋዊሱ ይቕጽል ነይሩ። እቶም መስቀላት ዝጸሩ ኣቕሽሽቲ ተመለሱ። ዝመርሕ ዝነበረ ሓደ ካብኣቶም፡ ኣብ ሓደ ዋንጫ ወይ ጽዋእ ብሩር ዳርጋ ሓደ ሊትሮ ዝኸውን ማይ ሒዙ ነይሩ። ናብ ደገዝማት ወልደሚካኤል ክበጽሑ ኣስታት 45 ሜትሮታት ምስተረፎም፡ እቲ ጀነራል ካብ ኮፍ ዝበለሉ ተላዕለ እሞ፡ እቲ ቐሺ ዝተኻእሎ መጠን ብኢዱ ማይ ወሲዱ ናብ ርእሱ ነጸገሉ። ኣብ ተመሳሳሊ ህሞት፡ መታን ክምዑግ ነቲ ጽዋእ ናብ ኣፉ ኣቕረበሉ። ብድሕሪኡ እቲ ቐሺ ነቲ ጽዋእ “እግዚኣቢሄር ይባርኽካ” ብምባል ተቐበሎ። ብምቕጻል ነቶም ሰለስተ መስቀላት በብሓደ ናብ ፊት ደገዝማት ወልደሚካኤል ኣቕረብዎም፡ ንሱ ድማ ተሳለሞም። ብድሕሪ፣ዚ ስርዓት ምንጻግ ማይ ነቶም ኩሎም ኣብቲ ድኳን ዝነበሩ መኳንንቲ ተኻየደ። ኩላቶም ከም ኣብ ድግስ ጽሩይ ዝተኸድኑ ነይሮም። ብማይ ምንጻግ ዘይዓገቡ ገለ ካብኣቶም፡ ነቲ ማይ ከብዲ ኣእዳዎም ኣልጊቦም ተቐበልዎ እሞ ብኡንብኡ ሰተይዎ። ነቶም ኣብቲ መጀመርታ ዘይተኻፈሉ ዝኸውን ተወሳኺ ማይ ኣምጽኡ። ኩላቶም እቶም ነቲ ሹም ዘሰነዩ ድሕሪ ምንጻጎም እቶም መስቀላት ብዝማሬ ሃለሉያታት ጸወርቶም ተዓጂቦም ናብቲ ሩባ ተመልሱ። እቲ ግጥማትን ምትኳስ ነፍጥታትን [ኣብ ክንዲ ርሽታት] ይቕጽል ነይሩ።
ያኒ፡ ግሪኻዊ-ሓበሻ ዓርከይ፡ ናብ ካህን ዓድዋ ኣማሕጺንኒ ስለዝነበረ፡ ከምኡ፣ውን እቶም ሹም ኣብ ጎኖም ስለዘቐመጡኒ፡ በዞም ክልተ መኽንያታት፡ ካብቶም ቀዳሞት ዝተገልገሉ ክኸውን ዕድል ረኺበ። እቲ ቀሺ ዓርከይ ኣብ ርእሰይ ማይ ነጸገለይ፡ ልክዕ ከምቲ ነቶም ካልኦት ብዝተጠቀሞ ቃላት ገይሩ ከኣ ባረኸኒ። ግን ምስታይ ኣድላዪ ከምዘይኰነ ስለዝተዓዘብኩ፡ ብኽልተ መኽንያታት ነቲ ጽዋእ ናብ ከናፍረይ ኣየቕረብክዎን፥ ቀዳማይ፡ ሓበሻውያን ድሕሪ ጓኖት ምብላዕ ኰነ ምስታይ የሰክፎም ምዃኑ ይፈልጥ ነይረ፤ ካልኣይ፡ እቲ ማይ መንቀብ ዘይብሉ ከምዘይነበረ ስለዝተገንዘብኩ። ከመይ፡ እቶም መስቀላት ነቲ ግድብ ምስተንከፍዎ፡ ነቶም ሹም እቲ ጽዋእ ካብቲ ንጹህ ክፋል እውን ብዝተመልአ፡ ሽዑንሽዑ ክልተ ወይ ሰለስተ ሚኢቲ ዝዀኑ ድያቆናት ኢና ዝብሉ፡ ካብ ማዓንጥኦም ጥራሕ ብነጸላ ወይ ጨርቂ ዝተሸፈኑ፡ ኣወዳት ናብቲ ማይ ተደርገሙ። ኩሎም ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን (ኰታ ኩሉ ሰብ) ናብቲ ጫፍ ናይቲ ግድብ ማይ ክንጸገሎም ቀረቡ። ኣብ ፈለማ በቶም ኣወዳት እታ ኸተማን በቶም ድያቆናትን ዝተገብረ ምንጻግ ምቕሉል ነይሩ። እቶም ዓበይቲ ሰባት ምስተነጽጎም ግና እቲ ጉዳይ ናብ ዕግርግር ተለወጠ። እቶም ኣወዳት ነቲ ማይ ኣጨቀውዎ እሞ ናብ ነፍሲወከፍ ጥዑይ ተኸዲኑ ወይ ጸርዩ ዝረኣይዎ ሰብ ገጨብዎ። መጀመርታ እቶም ሹም ተላዕሉ፡ ብድሕሪኡ እቶም መነኮሳት፡ ብምቕጻል ድማ እቲ መስቀላት። ነቲ ሩባ ነቶም ኣወዳትን ጸለምቲ ዘብዐኛታትን ገደፍዎ፡ ንሳቶም ከኣ ክሳብ ሰዓት ክልተ ድሕሪቀትሪ ኣብኡ ኣዕገርገሩ።
ድሕሪ ምንጻግ እቶም ሹም ከይደንጐየ፡ ናይ ራእሲ ሚካኤልን ሰበይቱ ወይዘሮ ኣስቴርን ዝዀኑ ክልተ ኣፍራስን ክልተ ኣባቕልን ከምዝመጹን ከምዝተሓጽቡን ክጠቅስ ግን ይደሊ። ደድሕሪኦም ወተሃደራት ኣተዉ እሞ ኣፍራሶምን ጠበንጃታቶምን ሓጸቡ። ነቶም ቁስሊ ዝነበሮም እውን ሓጸብዎም [እቲ ዝተባረኸ ማይ ከሐዊ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ]። ኣብቲ ማይ፡ ዋላ፣ውን ክሳብ ብርኪ፡ ዝተቐልዐት ሰበይቲ ኣይረኣኹን። ካብቶም ጥቁው መዝነት ዝነበሮም ኣገልገልቲ እንተዀነ እውን፡ ብዘይካ ምስቶም ኣፍራስ፡ ናብቲ ማይ ዝኣተወ ኣይነበረን። ብተመሳሳሊ፡ ዘይክርስትያናት ዝተጠቀምሉ መዓት ሸሓኒታትን ጻሕልታትን ክነጽህ ብምባል ናብኡ ኣምጽኡ። ብኸምዚ ከኣ እቲ ውራይ ተዛዘመ።
መወከሲ
- Bruce, James (1790) Travels to Discover the Source of the Nile, In the Years 1768, 1769, 1770, 1771, 1772, and 1773. Volume III. Chapter XII. J. Ruthven: Edinburgh. ↩︎