ዕለት 23 ግንቦት 1997፡ ኣቃዋሚ ባይቶ ሃገረ ኤርትራ ነቲ 3 ዓመታት (1994-1997) ዝወሰደ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ሃገርና ብምጽዳቕ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክነግሰሉን ህዝቢ ዝብህጎ መሰላትን ፍትሕን ዝረኽበሉ፡ ሃገርና ከኣ ናብ ርግኣትን ሰላምን ከተምርሓሉ እትኽእል መድረኽ ንምስግጋር ካብኡ ዝድለ ዝነበረ እጃም ፈጺሙ። ንኹሉ ዜጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ንፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝሃበ ኣጋጣሚ ድማ ኢዩ ነይሩ። ዳሕረዎት ክልተ ንጥበ ጽሑፋት መቕድም ናይ ቅዋምና ነቲ ሰፊኑ ዝነበረ ቅዱስ ሕልምን ልዑል ሃንቀውታን ብኸም’ዚ ዝስዕብ የቐምጥዎ፣

“…እዚ እነቑሞ ዘለና ቅዋም ኣብ መንጎናን መንጎ እቲ ብነጻ ድሌት እንምስርቶ መንግስትን ኪዳን ክኸውን፡ ንዘሎን ንዝመጹ ወለዶታትን ብስኒት ዝማሓደርሉ በረኸት ኮይኑ ከገልግልን ከምኡ’ውን ኣብ ዴሞክራሲ፡ ሃገራዊ ሓድነትን ግዝኣተ ሕጊ ዝተመርኮሰ ፍትሕን ሰላምን ከንግስ ብዝብል ባህጊ፡ ሎሚ ግንቦት 23 1997፡ ኣብ’ዛ ታሪኻዊት ዕለት ድሕሪ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ብኣቃዋሚ ባይቶ ነዚ ቅዋም ከም መሰረታዊ ሕጊ ልዕልትን ነጻን ሃገርና ኤርትራ ነረጋግጽን ብዕቱብነት ብፌርማ ነጽድቕን ኣለና።”

ብዛዕባ ኣገዳስነት ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ኢሂን ሚሂንን ክውን ዝኾነ ቅዋም ብዝምልከት፡ ኣብ ዓንቀጽ ክልተ ንልዕልና ቅዋም ኣብዝምልከት ክፋል ቅዋምና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ተዘርዚሮም ንረክብ:

  1. እዚ ቅዋም እዚ ሕጋዊ መርኣያ ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።
  2. እዚ ቅዋም ሃገር ዝተደኮነትሎምን እትምርሓሎምን መትከላት የተንብህ ከምኡ’ውን ኣወዳድባን ኣሰራርሓን መንግስቲ ይውስን። ምንጪ ውድዓውነት መንግስትን መሰረት ውሕስነት መሰላት፡ ናጽነታትን ክብረትን ዜጋታት ከምኡ’ውን ፍትሓዊ ምሕደራ እውን ኢዩ።
  3. እዚ ቅዋም እዚ ዝላዓለ ሕጊ ሃገርን ምንጪ ኩላቶም ሕግታት ሃገርን ኮይኑ፡ ኩሎም ንቃላቱን መንፈሱን ዝጻረሩ ሕግታት፡ ትእዛዛት፡ ኣዋጃት ከንቱን ባዶን ኢዮም።
  4. ኩላቶም ኣካላት ሃገር፡ ኩሎም ህዝባውያንን ውልቃውያንን ማሕበራትን ትካላትን ከምኡ’ውን ኩሎም ዜጋታት ንቅዋም ምእዙዛትን እሙናትን ክኾኑ ከምኡ’ውን ትግባሪኡ ከረጋግጹ ኢዮም።
  5. እዚ ቅዋም ከም መሰረት መስረጺ ቅዋማዊ ባህልን ከም መንቅሒ ዜጋታት ብዛዕባ መሰረታውያን መሰላት ደቂሰባትን ግቡኣትን ኮይኑ ከገልግል ኢዩ።

ኣገዳስነት ኣብ’ቲ ዕለት መፈጸምታ ዝረኸበ ቅዋምና ኣብ ምሕዳስ ዝተረመሰት ሃገርናን ኣብ ምምላስ ዝተጨውየ ሃገራዊ ሕልምናን ብምርዳእ፡ ንሕመረት ትሕዝቶ ቅዋምና ነቶም ትፈልጥዎ መዘኻከሪ መታን ክኸውን ነቶም ዘይትፈልጥዎ ከኣ ንኽትፈልጥዎ ንምትብባዕ ብምባል ጸሚቘ የቕርበልኩም ኣለኹ።

ቅዋም ሃገርና ኤርትራ፡ መቕድምን ኣብ 7 ምዕራፋት ዝተኻፋፈሉ 59 ዓንቀጻትን ዘካተተ ኢዩ። ኣብ’ቲ መጀመርታ እንረኽቦ መቕድም፡ ነዚ ቅዋም ክውን ዝገበሩ ማሕበረ-ስነኣእምራዊ ቅድመኩነታት፡ ርትዓውነታትን ባህግታትን ተጠቒሶም ንረክብ።

ምዕራፍ 1፡ ካብ ዓንቀጽ 1 ክሳብ ዓንቀጽ 5 ዝሽፍን ኮይኑ፡ ንሃገርን ክልታታን (ዓንቀጽ 1)፡ ልዕልና ቅዋም (ዓንቀጽ 2)፡ ዜግነት (ዓንቀጽ 3)፡ ሃገራውያን ምልክታትን ቋንቋታትን (ዓንቀጽ 4) ከምኡ’ውን ቅዋም ክጠቅስ ከሎ ንክልቲኡ ጾታውነት (gender) ብማዕረ ከምዘመልክት ዝሕብር ዓንቀጽ (ዓንቀጽ 5) ዝበሉ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዘለዎም 5 ዓንቀጻት ዝሓቖፈ ኢዩ።

ምዕራፍ 2፡ 8 ዓንቀጻት ማለት ካብ ዓንቀጽ 6 ክሳብ ዓንቀጽ 13 የጠቓልል። ሃገራውያን ዕላማታትን መሪሕ መትከላትን ድማ ዝሓዘ ኢዩ። ቅዋምና ክምዝገቡ ዝደልዮም ሃገራውያን ዕላማታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣ [ሀ] ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባሌ (ዓንቀጽ 8)፡ [ለ] ሃገራዊ ባህሊ (ዓንቀጽ 9)፡ [ሐ] ብቑዕ ስርዓተ ፍርዲ (ዓንቀጽ 10)፡ ከምኡ’ውን [መ] ብቑዕ መንግስታዊ ኣገልግሎት (ዓንቀጽ 11)። መሪሕ መትከላት ሃገርና ኣብ [ሀ] ሃገራዊ ሓድነትን ርግኣትን (ዓንቀጽ 6)፡ [ለ] ዴሞክራሲያዊ መትከላት (ዓንቀጽ 7)፡ [ሐ] ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን (ዓንቀጽ 12)፡ ከምኡ’ውን [መ] ፖሊሲ ወጻኢ (ዓንቀጽ 13) ዘድሃበ ኢዩ።

ምዕራፍ 3 ኣብ መሰረታዊ መሰላት፡ ናጽነታትን ግቡኣትን ዜጋታት ዘተኰረ ኰይኑ፡ ካብ ዓንቀጽ 14 ክሳብ ዓንቀጽ 29 ንዘለዉ 16 ዓንቀጻት ዝጠርነፈ ኢዩ። ተዘርዚሮም ዝርከቡ መሰረታውያን መሰላት፡ ሲቪላዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት የጠቓልሉ። ሲቪላውያን መሰላት ንማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕግን መባእታውያን ናጽነታትን ዜጋታት ዝምልከቱ ኰይኖም፡ ካብ ዓንቀጽ 14 ክሳብ ዓንቀጽ 19 ተዘርዚሮም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፣ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ሕጊ (ዓንቀጽ 14)፡ መሰል ሂወትን ሓርነትን (ዓንቀጽ 15)፡ መሰል ሰብኣዊ ክብረት (ዓንቀጽ 16)፡ መሰላት ቀይዲ፡ ማእሰርትን ቅኑዕ ፍርድን (ዓንቀጽ 17)፡ መሰል ብሕትውና (ዓንቀጽ 18) ከምኡ’ውን ናጽነታት ሕልና፡ ሃይማኖት፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብን ምውዳብን (ዓንቀጽ 19) ኢዮም።

ፖለቲካዊ መሰል፡ ማለት መሰል ምድማጽን ንብምርጫ ዝምላእ ፖለቲካዊ መዚ ምውድዳርን፡ ኣብ ዓንቀጽ 20 ተቐሚጡ ንረኽቦ። ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላትን ሓላፍነታትን ዜጋታት ኣብ ዓንቀጽ 21 ተዘርዚሮም ኣለዉ። ብተወሳኺ ንመሰላትን ሓላፍነትን ስድራቤት (ዓንቀጽ 22)፡ ዋንነት ንብረት (ዓንቀጽ 23)፡ ምዕራይ ምሕደራዊ ወጽዓ ዜጋታት (ዓንቀጽ 24) ከምኡ’ውን ተወሰኽቲ መሰላት ዜጋታት (ዓንቀጽ 29) ዝምልከቱ ትሕዝቶታት ኣብ’ዚ ክፍሊ ቅዋምና ተኻቲቶም ይርከቡ።

ኣብ ምዕራፍ 3 ናይ ቅዋምና ዝርከቡ ግቡኣት፡ ንግዴታ ዜጋታት ዝምልከቱ ኢዮም። ኣብ ዓንቀጽ 25 ድማ ተዘርዚሮም ኣለዉ።

ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ፡ ንትግባረ መሰረታውያን መሰላትን ናጽነታትን ዜጋታት (ዓንቀጽ 28)፡ ገደብ መሰረታውያን መሰላትን ናጽነታትን ዜጋታት (ዓንቀጽ 26) ከምኡ’ውን ህጹጽ ኩነታት ሃገር (ዓንቀጽ 27) ዝምልከቱ ትሕዝቶታት ኣብ ምዕራፍ 3 ይሕቆፉ።

ቀጺልና እንረኽቦም ኣርባዕተ ምዕራፋት (ካብ ምዕራፍ 4 ክሳብ ምዕራፍ 7) ንኣመሰራርታ ኣካላት መንግስትን ትካላዊ ስርዓትን ዝምልከቱ ኢዮም። ምዕራፍ 4 ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ካብ ዓንቀጽ 30 ክሳብ ዓንቀጽ 38 ይሽፍን። ኣብ’ዚ ክፋል ንውክልና ህዝቢ (ዓንቀጽ 30)፡ ኣመሰራርታን ዕድመን ሃገራዊ ባይቶ (ዓንቀጽ 31)፡ ስልጣንን ግቡኣትን ሃገራዊ ባይቶ (ዓንቀጽ 32)፡ ማሕላ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ (ዓንቀጽ 35)፡ ግቡኣት፡ ውሕስነታትን ሓለፋታትን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ (ዓንቀጽ 38)፡ ኣመራርጻ፡ መዝን ምእላይን ኣቦወንበር ሃገራዊ ባይቶ (ዓንቀጽ 34)፡ ኣገባብ ኣሰራርሓ ሃገራዊ ባይቶ (ዓንቀጽ 36)፡ ኣቃውማ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶን ስልጣን ሽማግለታት ሃገራዊ ባይቶን (ዓንቀጽ 37) ከምኡ’ውን ምጽዳቕ ንድፊ ሕጊ (ዓንቀጽ 33) ዘካተቱ 9 ዓንቀጻት ንረክብ።

ብመሰረት ምዕራፍ ኣርባዕተ፡ ሃገራዊ ባይቶ ዝላዓለ ወኪል ህዝብን ሓጋጊ ኣካል መንግስትን ኢዩ። ሓንሳእ ምስተመርጸ ን5 ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ብመላእ ከድምጹ ዝኽእሉ ዜጋታት (18ን ካብኡ ንላዕልን) ይምረጽ። ገለ ካብ መዝታት ሃገራዊ ባይቶ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣

  • ምንዳፍ ሕግታትን ምሕላፍ ውሳኔታትን
  • ምጽዳቕ ሃገራዊ ባጀት
  • ምእማም ቀረጻት
  • ምጽዳቕ ኣህግራውያን ስምማዓት
  • ምጽዳቕ ኩነት ሰላምን ኲናትን ከምኡ’ውን ህጹጽ ኩነታት ሃገር ብ2 ሲሶ ድምጺ ኣባላቱ
  • ሓደ ካብ ኣባላቱ ን5 ዓመታት ፕረዚደንት ሃገር ኮይኑ ዘገልግል ምምራጽ
  • ኣድላዪ ኣብዝኾነሉ እዋን፡ ብ2 ሲሶ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ንፕረዚደንት ሃገር ዕድመ ስልጣኑ ከየብቅዐ ከሎ ምውራድን ምኽሳስን
  • ምክትታል ትግባረ ዝወጹ ሕግታት

ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ብፕረዚደንትን ካቢነ ሚኒስተራትን ዝቐውም ኮይኑ፡ ንዕኡ ዝምልከት ክፍሊ ቅዋም ኣብ ምዕራፍ 5 ንረኽቦ። 9 ዓንቀጻት ማለት ካብ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ዓንቀጽ 47 ድማ የጠቓልል። ቀዳሞት 7 ዓንቀጻት ናይ’ዚ ክፍሊ (ካብ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ዓንቀጽ 45) ንፕረዚደንት ሃገር ዝምልከቱ ኢዮም። ብቕዓት ንፕረዚደንትነት ሃገር ዝወዳደር (ዓንቀጽ 40)፡ ማሕላ ፕረዚደንት (ዓንቀጽ 45)፡ መሪሕነት ፕረዚደንት (ዓንቀጽ 39)፡ ኣመራርጻን ዕድመ ስልጣንን ፕረዚደንት (ዓንቀጽ 41)፡ መዝታትን ግቡኣትን ፕረዚደንት (ዓንቀጽ 42)፡ ውሕስነት ፕረዚደንት ካብ ሲቪላውን ገበናውን ምክልባት (ዓንቀጽ 43)፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሃገር ኰይኖም ንዝዓየዩ ዝዋሃብ ሓለፋታት (ዓንቀጽ 44) ዝብሉ ጉዳያት ሓቚፎም ንረኽቦም። ዝተረፉ 2 ዓንቀጻት (46-47) ንካቢነ ሚኒስተራት ዝምልከቱ ኢዮም። ኣቃውማን ንጥፈታትን ካቢነ ሚኒስተራት (ዓንቀጽ 46) ከምኡ’ውን ተሓታትነት ካቢነ ሚኒስተራት (ዓንቀጽ 47) ይዝርዝሩ።

ምሕደራ ፈራዲ ኣካል ኣብ ምዕራፍ 6 ቅዋም ሃገርና ሰፊሩ ይርከብ። ካብ ዓንቀጽ 48 ክሳብ ዓንቀጽ 54 ዘለዉ 7 ዓንቀጻት ድማ ይሓቁፍ። ኣቃውማ ፈራዲ ኣካል (ዓንቀጽ 48)፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ (ዓንቀጽ 49)፡ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ (ዓንቀጽ 50)፡ ማሕላ ዳያኑ (ዓንቀጽ 51)፡ ምእላይ መዚ ደያኑ (ዓንቀጽ 52)፡ ኮሚሽን ፍርዳዊ ኣገልግሎት (ዓንቀጽ 53) ከምኡ’ውን ምምዛዝ ዋና ተሓላቒ (ዓንቀጽ 54) ዝበሉ ትሕዝቶታት ብዝርዝር የቐምጥ።

ኣብ መወዳእታ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ እንረኽቦ ምዕራፍ 7፡ ንትካላዊ ስርዓት ሃገርና ዘራጉዱ ዝተፋላለዩ ትሕዝቶታት ዝሓዘ ኢዩ። ንምምዛዝ ዋና ተቛጻጻሪ (ዓንቀጽ 55)፡ ኣመሳራርታ ሃገራዊ ባንኪ (ዓንቀጽ 56)፡ ምሕደራ መንግስታዊ ኣገልግሎት (ዓንቀጽ 57)፡ ኮሚሽን ምርጫ (ዓንቀጽ 58) ከምኡ‘ውን ምምሕያሽ ቅዋም (ዓንቀጽ 59) ዝምልከቱ 5 ዓንቀጻት ድማ የካትት።