ኣብ ዓውዲ ፖለቲካዊ ፍልጠት፡ 2 ብዙሕ ግዜ ዝደጋገሙ ቃላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ‘ፖለቲከኛ’ (politician) ከምኡ’ውን ‘ሃገረኛ’ ወይ ‘ናይ ሃገር ሰብ’ (statesman) ኢዮም። መብዛሕትኡ ሰብ እንዳቀያየረ ይጥቀመሎም። እንተዀነ ግና ዝተፈላለየ ትርጉም ዝሓዘሉ ኢዮም። ፍልልያቶም እዚ ዝስዕብ ኢዩ:

  • ሃገረኛ ብጽኑዕ መትከላት ይምራሕ። ፖለቲከኛ ግን ብውልቃዊ ህንጡይነት/ጥሙሕ ይግዛእ።
  • ሃገረኛ ሕብረተሰባዊ ረብሓታት የቐድም። ፖለቲከኛ ግና ጠቕሚ ርእሱ ልዕሊ ኩሉ የገድሶ።
  • ሃገረኛ ንኽሕብር ይዛረብ። ፖለቲከኛ ግና ንኸሐጉስ ይምድር።
  • ሃገረኛ በዓል ራኢ ኢዩ። ፖለቲከኛ ግና ህርፋን ስልጣን ይጐቶ።
  • ሃገረኛ ምርድዳእ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክፈጥር ይጽዕር። ፖለቲከኛ ግና ህዝቢ ክፈናጭል ይዓዪ።
  • ሃገረኛ ሃገር ይሃንጽ። ፖለቲከኛ ግና ሃገር የፍርስ።

ካብ’ዞም 2፡ ኣየናይ ትመርጹ?